ኤርትራ፡ ቀንዲ ፍጻመታት 2025 - ዲፕሎማሲ፡ ስፖርትን ምፍታሕ እሱራትን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዶናልድ ትራምፕን

ዓመተ 2025 ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓበይቲ ፍጻመታት'ዮም ነይሮም ንዝብል፡ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ምዕራፋት ፈላሊና ኣቐሚጥናዮ ኣለና።

ሓፈሻዊ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ምዕባለታት፡ ስፖርታዊ ነጥፈታንን ምፍታሕ እሱራትን ኣብ ዝርኢ ጉዳያት የጠቓልል።

ኣብዚ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንግብጺ፡ ሱዳንን ስዑድ ዓረብን'ዩ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2024 ናብ ግብጺ፡ ኢጣልያ፡ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ምብጻሕ ዘካየዶን፡ ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሙሽተ ግዜ፣ ንፕረዚደንት ግብጺ ሓንሳብ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ግብጺ ክልተ ግዜ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ከምኡ'ውን፡ ንሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ዘዘራረበሉ ብምንጽጻር ብተዛማዲ ብዙሕ መገሻታት ዘይተራእየላ ዓመት ነይራ ከበሃለ ይከኣል።

ጥሪ

ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ግብጺን ሶማልያን ኣብ ካይሮ ቀዳማይ ስሉሳዊ ኣኼባኦም ኣካይዶም።

እቶም ምኒስተራት፡ እተን ሰለስተ ሰብ ኪዳን ሃገራት ቀዳማይ ኣኼባኦም ኣብ ካይሮ ከምዘካየዱ ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ዕላማ እቲ ኣኼባ፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያል፡ ጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከቡ መንግስታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ሰብአዊ ግህሰት ከም ዝፍጽሙ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎች ኣፍሊጡ

ብኻልእ መዳይ፡ ጽንብል ስርዓተ ሲመተ ወጸሎተ ተቀብኦ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ቀዳማዊ 6ይ ፓትሪያክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርትስያን ኤርትራ፡ ሰንበት 26 ጥሪ 2025 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሊቀ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ባስልዮስ ብመሰረት ውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስን ብ 9 ታሕሳስ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ 6ይ ፓትሪያርክ ኰይኖም ከም ዝተመርጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣቐዲሞም ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም።

ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካየዶ ርክብ፡ ገስጋስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብድሆታት ጸጥታን ዘይምርግጋእን ተሓሊኹ ኣሎ ከምዝበለ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ካብ መዝነቱ ቅድሚ ምስንባቱ ናብ ኣስራመ ዝገሸ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ሞንጎን ሃገራት ዘሎ ግጭታትን ወጥርን፡ ቅልውላዋት፡ ሽበራን ተነጽሎ ኣፍሪቃ ኣብ መድረኻት ዓለምን ነቶም ብድሆታት ዘጋድድ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ለካቲት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ግብጽን ስዑድያን ኣብ ዝገሸሉ፡ በረኸት መንግስተኣብ፡ ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን

ብሰንኪ'ቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ነታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት 'ልምዓታዊ ሓገዝ' ክቋረጽ ከም ዝወሰነት እውን ኣፍሊጣ።

ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጕ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ።

መጋቢት

ነቲ ስምምዕ ከኣ፡ ምኒስተር ፋይናንስን ቍጠባዊ ልምዓትን ኤርትራ ዶ/ር ጊዮርግስ ተኽለሚካኤልን ምክትል ዋና ዳይረክተር ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሊያንድረ ባሶለን ኣብ ኣስመራ ከም ዝኸተምዎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ብ17 መጋቢት ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ቀወምቲ ኣምባሳደራትን ንዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዳ ከምዘየእተወት ኣረዲኡ።

ብኻልእ ወገን፡ እቶም ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝነበሩ ባሕረኛታት ኣብ መወዳእታ ሰሙን መጋቢት ከምዝተለቁ ማዕከናት ዜና ኣዘርባዣን ሓቢረን።

ሰብመዚ ጸጥታ ጀርመን ካብ 26 መጋቢት ጀሚሩ ንመስረትቲ ናይቲ 'ብርጌድ ንሓመዱ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ስርሒት ምጅማሮም ኣፍሊጦም።

ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ብሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣስማቶም ዘይጠቐሶም 17 ውልቀሰባት "መስረትቲን ኣባላትን ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም" ይብል።

ምያዝያ

ኣብ ካልኣይ ሰሙን ምያዝያ ናብ ኤርትራ ምብጸሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ።

ብ10 ምያዝያ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣልቡርሃን ብዛዕባ ምዕባለታት ግጭት ሱዳን ንፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መብርሂ ከም ዝሃበ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ ነይሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ክገብሮ ብዝጀመረ "ሰፊሕ ውጥን ምጕዳል ወጻኢታት መንግስቲ፡" ብቐዋምነት ክዕጸዉ ካብ ዝቐረቡ ዓሰርተ ተልእኾታት ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ሓደ ካብቶም ክዕጸዉ ዝተወጠኑ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ ኣብ መፋርቕ ምያዝያ ኣቃሊሑ።

እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ኵነታት ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ይግለጽ ኣሎ።

ግንቦት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2025 ጸዊዖም።

ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ብ12 ግንቦት ኣብ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም "ንሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን" ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት "ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ'ዩ" ኢሎም።

ነተን ኣስማን ሱመያን ዝተሰምያ ህጻናት ንምፍልላይ ልዕሊ 15 ሰዓታት ዝወሰደ ዕዉት መጥባሕቲ ከምዝተገብረለን ሰብመዚ ጥዕና ስዑዲ ኣፍሊጦም።

እተን ህጻናት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዝርከባ'ውን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ሓቢሩ።

ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ተፈጢሩ ዝነበረ ለውጢ፡ "ትስፉው ናይ ህዝቢ ሃንቀውታ፡" ኢሉ ብምግላጽ፡ እዚ "ዘሰናበዶም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይቀሰኑን፡" ክብል ምዝራቡ ድማ ይዝከር።

"ኣብ ውሽጢ ናይ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጥራይ፡ ብሽም ብልጽግና ከም ሓድሽ ወኪል ወይ ተገዛኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዊጆሞ ዘለዉ ኲናታት ናይ ጭንቀቶም መርኣያ እዩ፡" እውን ኢሉ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ክተሐይል ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጹ።

እቲ ምኒስተር፡ ብ24 ግንቦት ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት "ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዘለና ርክብ ከጠናኸር ብሃንቀውታ ይጽበ፡" ድማ ኢሉ።

ኣብቲ ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዝተረኸቡ ኰይኖም፡ እቲ ፕረዚደንትን ብዙሓት ኣካላትን ኣብ መቓብሩ ዕንባባ ኣንቢሮም።

ሰነ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ዜጋታት 12 ሃገራት ዘንበሮ ናይ መገሻ እገዳ ካብ 9 ሰነ ፍርቂ ለይቲ ኣቈጻጽራ ኣመሪካ ጀሚሩ ተግባራዊ ኰይኑ።

እቲ ትራምፕ ቅድሚኡ ሰሙን ዝፈረመሉ፡ ዜጋታት 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘሰንበደ'ዩ ነይሩ።

ምኒስትሪ ዜና ብ24 ሰነ "ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል፡" ብዝብል ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ "ስርዓት ኢትዮጵያ ልዑላዊ መሬትን ባሕራዊ ግዝኣትን ጐረቤት ሃገሩ ንምጕባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ'ዩ፡" ኢሉ።

ሓምለ

ብ4 ሓምለ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ነቲ ብኽኢላ ሕጊ መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ዝምራሕ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝምርምር ፍሉይ ልኡኽ ዕማሙ ከቋርጽ ንዘቕረበቶ ሕቶ ነጺጉ።

ኣብቲ ንኽልተ ሰዓት ዝቐጸለ መደብ፡ ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኵነታት፣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈተነ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፣ ኣብዚ ሓድሽ ምልሶት ትራምፕ ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ "ጽምዶ" ምስ ዋሽንግተን፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝለዓል ዘሎ መግለጺታት፣ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራትን ምስኦም ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጂያ መሎኒን ንዝተገብረ ዘተ መሰረት ብምግባር፡ ኤርትራን ኢጣልያን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደብዳበ ከምዝሰደደ እውን ኣብቲ ወርሒ ተገሊጹ።

መስከረም

መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝርቋሕ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ እዚ ዓመት ከም ዝዀነ እቲ ትካል ብመገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ብወግዒ ሓቢሩ።

ጥቅምቲ

እቲ ብ9 ጥቅምቲ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ዶ/ር ካሚል እድሪስ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ብዛዕባ ኲናት-ሓድሕድ ሱዳን ተዘራሪቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተ- መንግስቲ ግብጺ ተራኺቦም ኣብ ዘካየድዎ ሰፊሕ ዝርርብ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓሚቝ ዝሰረቱ ስትራተጅያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣስሚሩሉ።

ኣብ ርክቦም ክልቲኦም መራሕቲ ንዞባዊ ምዕባለታት ዘለዎም መርኣያታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ፡ ሃገሩ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ሕዳር

በረኸት መንግስተኣብ

ምንጪ ስእሊ, BM

እቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ [ራሃባ] ዝብል ማዕረግ ዝተወሃቦ በረኸት፡ ካብ መወዳእታ 50ታት ኣትሒዙ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ደርፍታት ዘፈረየ ሓደ ካብ ዓበይትን ተዘከርትን ኤርትራውያን ሰነጥበበኛታት'ዩ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ መቐበል ኣጋይሽ ደንደን ከምዝተገብረ ዝተገልጸ ርክብ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ "ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምፍታሕ ግጭታት እዚ ዞባ ዝጥቀስ ኣበርክቶን ኣድማዕነትን ከምዘይጸንሖ" ብምጥቃስ "ሓድሽ ኣገባብ ክኽተል ከምዘድሊ" ኣተሓሳሲቡ ክብል እቲ ብ13 ሕዳር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ይገልጽ።

ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ፍጻመትታ ሓደ፡ እቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ፖርት ሱዳን ዘካየዶ ምብጻሕ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ብ29 ሕዳር ካብ ኣስመራ ብመኪና ተጓዒዙ ፖርት ሱዳን ኣትዩ።

ኢሳይያስን ዓጀብቱን ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ላዕለዎት ምኒስተራት መንግስትን ምዉቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሎም ድማ ይዝከር።

ታሕሳስ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ስዑድያ ኣብ ዝበጻሓሉ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel

ነዚ ኣመልኪቱ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተፋሰስ ፈለግ ናይልን ወሽመጥ ዓረብን ከምዝተዘራረቡ ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኤርትራ ካብ ኣባልነት ኢጋድ ንዝሰሓበትሉ ውሳነ ኣመልኪቱ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብ12 ታሕሳስ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ እውን ንኤርትራን ነቲ ዞባን ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ።

ኤርትራ ኣብ መግለጺኣ፡ እቲ ውድብ "ንኣባል ሃገራት፡ ብፍላይ ንኤርትራ ዒላማ ንምግባር መሳርሒ" ከምዝዀነ ብምኽሳስ "ሕጋዊ ሓላፍነት" ኣይፈጸመን ክብል ይወቅስ።

ብኻልእ ገጽ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶን ጉተረዝ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ብ12 ታሕሳስ መበል 25 ዓመት ዘቝጸረ ውዕል ኣልጀርስ ምኽንያት ብምግባር፡ "ንራኢ ነባሪ ሰላም፡ ከምኡ'ውን ምኽባር ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡" ውፉያት ኰይነን ክርከባ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ካልእ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ድማ፡ ካብ 17 ታሕሳስ ጀሚራ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ተዘራሪባ።

ኣብ 2025 ዝነበረ ስፖርታዊ ፍጻመታት

ናሆም ዘርአይ ተዓዋቲ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025 ከምኡ ከኣ ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነላ ዓመት'ዩ ኣሕሊፉ
መግለጺ ስእሊ, ናሆም ዘርአይ ተዓዋቲ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025 ከምኡ ከኣ ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነላ ዓመት'ዩ ኣሕሊፉ

ዓመተ 2025 ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኤርትራውያን ተቐዳደምትን ጽቡቕ ውጽኢት ዘርኣዩላ ዓመት'ያ ነይራ፡ እቲ ርእሲ ኵሎም ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝተሰመየ ቢንያም ግርማይ ግን ኣብ ኵሉ ዘካየዶ ውድድራት ቀዳማይ ከይወጽአ ዝወድኣላ ዓመት'ያ ነይራ።

ለካቲት

ካብ 23 ለካቲት ክሳብ 2 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ዙር ርዋንዳ 2024፡ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናሆም ዘርኣይን ሓሓደ መድረኽ ክዕወቱ እንከለዉ፡ ኣብ ብጫ ማልያ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ኰይኑ ተዓዊቱ።

ሰነ

ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትለት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሪሱ።

27 ሰነ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክለታ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣባል ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድስ ትሬክ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ዓመቱ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ።

ንኣማኑኤል ተኸቲሉ ዓሚ'ውን ካልኣይ ዝወጽአ ኣባል ጋንታ ኣስታና ካዛኺስታን ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርች መዋእል ግርማይ ሳልሳይ ኰይኑ ኣትዩ።

ናሆም ዘርኣይ ድሕሪ ዓወቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕተት "ጸወታ 35 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ኣብ ዓቐበት ማይጃሕጃሕ መጥቃዕቲ ፈጺመ፣ ሜሮን ዝስዓበኒ ንሳ'ያ ናብ ዓወት ኣብጺሓትና፡" ብምባል፡ እቲ መጻወቲ፡ ሜዳ ዝዓብለሎ ስለዝነበረ ንሱን ጋንታኡን ነዚ ዓወት ተጸብዮሞ ከምዘይነበሩ ገሊጹ።

ሓምለ

ዓመታዊ ኣብ ዝወጽእ ደረጃ ኵዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ሎሚ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኤርትራዊ ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ'ውን 2024 ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ኣብ ሓምለ ኣብ ዝተኻደ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ኣብ ሓምለ ኣብ ዝተኻደ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነሓሰ

እቲ ትካል 12 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀጠልያ ማልያ ክዕወት ዝበቕዐ እንኮ ኣፍሪቃዊ ስፖርተኛ፡ "ሃገራዊ ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ክሊማዊ ተበግሶን ምሕያል መንእሰያት ኣብ ኤርትራ" ክኸውን ተሓርዩ ኢሉ።

ቢንያም ግርማይ ሃገራዊ ኣምባሳደር ኤጀንሲ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ክኸውን ተመዚዙ

ምንጪ ስእሊ, UNDP

መስከረም

ምንጭታት ኒውካስል፡ እዚ ውዕል ምስ ተወሳኺ ውዕል ክሳብ 130 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ሕዳር

ኣብ ኬንያ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ መርሃዊ ቅዱስ ቀዳማይ ብምውጻእ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ብተመሳሳሊ ዓወት ኣማን'ውን ሻምፕዮና ኣፍሪቃ ትሕቲ 23 ዓመት ኰይኑ።

ቢንያምን ኢንተርማርችን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን 12 ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 40 ግዜ ኸኣ ናብ ፖድዮም ደይቦም።

ኣብ 2021 ናብታ ጋንታ ምስ ተጸንበረ ቢንያም ሰለስተ መድረኻትን ቀጠልያ ማልያን ዙር ፈረንሳ፡ ሓደ መድረኽ ጂሪ ዲ ኢታሊ ዝርከቦ ዓበይቲ ዓወታት ክጎናጸፍ ክኢሉ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ንሓሙሻይ ግዜኡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ክሽለም እንከሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ'ውን ዝበለጸት ሃገራዊት ጋንታ ኣፍሪቃ ተባሂላ ዓብላልነታ ኣረጋጊጻ።

ኣብቲ 29 ሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ብሓድሽ ኣወዳድባ 'Africa Cycling Excellence Award' ዝብል ሽም ሒዙ'ዩ ቀሪቡ።

ቢንያም ግርማይ ንሓሙሻይ ግዜኡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images and FERWACY

ምፍታሕ እሱራት፦ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ኣዘርባዣውያንን ሲሪላንካውያንን

መጋቢት

እቶም ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝነበሩ ባሕረኛታት ኣብ መወዳእታ ሰሙን መጋቢት ከምዝተለቁ ማዕከናት ዜና ኣዘርባዣን እየን ሓቢረን።

እቶም 18 ኣዘርባዣናውያን ዝርከብዎም ባሕረኛታት ምስተን ብዘይፍቓድ ናብ ልዑላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን ብሓለዋ ባሕሪ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ዝነበሩ'ዮም።

ግንቦት

መንግስቲ ኤርትራ 78 እሱራት ተጋሩ ፈቲሑ ብሸነኽ ዓዲዃላ-ራማ ናብ ትግራይ ከም ዝሰደደ ፖሊስ ዞባ ማእከል ትግራይ ገሊጹ።

እቶም ሰባት ገሊኦም ምስ ኤርትራውያን ተዋሲቦም ዝተዛመዱ ኰይኖም፡ ቅድሚ ምእሳሮም ኣብ ኤርትራ ጥሪትን ንብረትን ኣፍርዮም ይነብሩ ከምዝነበሩ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ጥቅምቲ

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ምኒስትሪ ስርሓት ወጻእን ቱሪዝምን ከምኡ ከኣ ኤምባሲ ስሪላንካ ኣብ ግብጺ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተን ምርድዳእን'ዮም እቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ተፈቲሖም።

እዞም ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ባሕረኛታት ምስተን ኣብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝተታሓዛ ሰለስተ መረኽብ ኣዘርባዣን ዝተተሓዙ'ዮም ነይሮም።

እቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታትን ኣምባሳደር ስሪላንካ ኣብ ግብጽን

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Foreign Affairs, Foreign Employment & Tourism

ሕዳር

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ሕዳር ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሑ ዝተገልጹ 38 ተወለድቲ ትግራይ ፈቲሑ ብኣንፈት ዓዲዃላ-ራማ ናብ ዓዶም ሰዲድዎም። እቶም ዝተረፉ 62 ሰባት ኣብ ኤርትራ ወሊዶምን ተዋሊዶም ስለ ዝዀኑ፡ ኣብኡ ክተርፉ ከም ዝመረጹ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ነይሩ።

ታሕሳስ

እዞም ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሞያውያን ዝርከቡዎም እሱራት፡ ብ 4 ታሕሳስ ናብ ስድራቤቶም ተጸንቢሮም።

እዞም እሱራት፡ ንጉዳይ ክልተ ነጋዶ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግድ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ካብ ጥቅምቲ 2007 ኣትሒዞም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ'ዮም።

ካብቶም ብዋሕስ ዝተፈትሑ 36 ኣመንቲ እተን 20 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ኣብ ኣስመራን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ቤተሰብ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ሓያሎ ካብቶም ዝተፈትሑ እሱራት ንኣስታት 5 ዓመት ኣብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ብዘይ ዝዀነ ሕጋዊ ክስን መስርሕ ቤት ፍርድን ተኣሲሮም ዝጸንሑ እዮም።

ብ13 ታሕሳስ'ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተኣሲሮም ዝነበሩ 17 ሰባት ካብ ቀይዲ ተፈቲሖም።