ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ክተሐይል ከምእትደሊ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, US DEPARTMENT OF STATE
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ክተሐይል ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር: ትማሊ ቀዳም ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: ብስም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኤርትራውያን እንቋዕ ንመበል 34 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብጸሐኩም እብል ኢሉ።
በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ነቲ ኤርትራዊ ታሪኽን ባህልን ዝድርኽ ዓሚቝ መንፈስ፡ ከምኡ'ውን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ብልጽግናን ኣብ ምድንፋዕ ዘለና ሓባራዊ ተገዳስነት ክንሰርሕ ኢና:" ኢሉ።
ሚኒስተር ማርኮ ሩብዮ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት "ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዘለና ርክብ ከጠናኽር ብሃንቀውታ ይጽበ፡" ድማ ኢሉ።
ትማሊ ቀዳም ግንቦት 24 ነጻ ሃገር ዝኾነትሉ መበል 34 ዓመት መዓልቲ ናጽነታ ዝጸምበለት ኤርትራ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ህዝቢን ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መደረ ኣስሚዑ'ዩ።
ብምምጻእ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣንን ኣመታቱን መደረኡ ዝኸፈተ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ንኣፍሪቃ ዝህሉዎ ጽልዋ ገሊጹ።
"ብመንጽር ናይ ትራምፕ ኣመታዊ ፖሊሲታት ክርአ እንከሎ፡ ዘይተሓስበሉ ወይ ዘይተገመት ሳዕቤናት ከም ዝበሃል፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብመግደፍን ድጐማን ኣመሪካን ካልኦትን ክኸይድ ዝጸንሐ ሰንኰፍ ስርዓት ክቕየር ንኣፍሪቃውያን ዕድል ዝህብን ዝቕስቅስን እዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ቀጺሉ፡ "ብኸመይ ኣፍሪቃ ኣብዘን ዝመጽኣ ኣርባዕተ ዓመታት ትዋሳእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዘላቕነት ዝህሉዎ ርትዓዊ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ምምጻእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፡ ዛጊት ተነዲፉ ዘሎ ፖሊሲታትና ከሊስና ከነስፍሕን ከነዕምቝን ዝሕግዝ እዩ፡" ኢሉ።
ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝገብሮ ዘሎ "ሰፊሕ ውጥን ምጕዳል ወጻኢታት መንግስቲ፡" ስዒቡ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ሓደ ካብቶም ክዕጸዉ ዝተወጠኑ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።
መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ ኣብ መፋርቕ ሚያዚያ 2025 ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምስጢራዊ ሰነድ ምርጪ ዝገበረ ኰይኑ፡ እቲ ዕላማ ባጀት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ50 ሚእታዊት ንምንካይ ዝዓለመ፡ ብኽፍሊ ምሕደራ እታ ሃገር ዝቐረበ እማመ ኣካል ናይቲ "ሰፊሕ ተበግሶ ምጕዳል ወጻኢታት፡" እዩ።
በዚ መሰረት፡ እቶም ክዕጸዉ ተሓሲቦም ዘለዉ ኤምባሲታት ኣመሪካ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ጋምብያ፡ ሌሶቶ፡ ግሬናዳ፡ ሉክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ማልዲቭስ ዝርከቡ ኤምባሲታት ይርከቡዎም።
ብመሰረት እቲ እማመ፡ ኣብዘን ሃገራት ዝካየድ ዲፕሎማስያዊ ሓላፍነት ብኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ክመሓደር እዩ።
ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ብሰንኪ ጅኦፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ወተሃደራዊ ምትሕብባራትን ስክፍታታት ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ሰብኣዊ መሰላትን ርኡይ ምቅይያር ኣጋጢሙዎ እዩ ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣመሪካ ብ27 ሚያዝያ 1993 ንናጽነት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃባ፡ ብ11 ሰነ 1993 ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት መስሪተን።
ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ጽቡቕ ዝምድና እኳ እንተ ነበረን፡ በብግዜኡ ግን እናላሕልሐ ክመጽእ ተራእዩ።
ኣመሪካ ንኤርትራ ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ከም ዝዓፈነት፡ መራኸቢ ብዙሓን ብሕቲ ከም ዝዓጸወት፡ ሕገ-መንግስቲ ንምትግባር ከም ዝደንጐየት ትነቕፋ።
ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጓናጻፍ ክሳዕ ሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ኣየካየደትን።
ብተወሳኺ፡ ርእሰ-ምርኰሳ ካብ ቀንዲ መሪሕ መትከላታ ምዃኑ እትገልጽ ኤርትራ፡ ኣብ 2005 ንዩኤስኤይድ ኣባሪራ ምስ ምዕራባውያን ለገስቲ ትካላት ዝነበራ ርክብ በቲኻ።
ኣብ 2018 ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ለውጢ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ምስ ተፈራረማ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን መጠናዊ ምምሕያሽ ገይሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ኤርትራ፡ ብዕድመ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት ትግራይ ብምስታፋ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሓዊሱ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኤርትራን ውልቀሰባትን እገዳ ኣንቢራ።
ኤርትራ ብወገና፡ ብሰንኪ ምትእትታው ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ቍጠባዊ ገስጋሳ ከም ዝተዀልፈን ኣብ ልዕሊኣ ዘይሕጋዊ እገዳታት ከም ዝተነብረን እያ ትገልጽ።



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







