ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, ABIY AHMED ALI/FB
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ሓምሻይ ወለዶ ማለት፡ ዘመናዊ ናይ ውግእ ዓቕምን ምዕቡላት ኣጽዋራትን ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዘረባኡ፡ ኵነታት ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብምግላጽ፡ ነታ ሃገር ንዝፈታተኑ ንዝበሎም ሓይልታት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኢትዮጵያ ልዑላውነታን ረብሓኣን ንምሕላው ድሉው ዝኾነ ሓይሊ ኣየር ከምዘለዋ ብምዝራብ፡ ዛጊድ ኣብ "ሚግ-21 ዝተደረታ" ንዝበለን ሃገራት ኣነኣኢሱ ተዛሪቡ።
እቲ ብስም ዘይጠቅስ ዘረባ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ነታ ድሑር ኣፅዋራት ሓይሊ ኣየር ዝበሎ፡ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ።
ኣብቲ ንመበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ዝኽሪ ዝተዳለወ ምርኢት ኣቬሽን፡ ዘመናዊ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ምርኢት ኣቕሪበን።
ኣብዚ ኲናት ዘይፈልየሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ፡ ሱዳን ኣብ ሕድሕዳዊ ሕምስምስ ትርከብ ኰይና፡ ደቡብ ሱዳን ድማ ኣብ ድርኩኺት ኲናት ሕድሕድ ትርከብ።
ካብ እዋን ናብ እዋን፡ ዝምድናአን እናተበላሸወ ዝመፅአ ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን፡ ስግኣት ኲናት ኣንፀላልዩወን ኣሎ።
እዚ ዛንታ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ብኸመይ ይነጻጸር ዝብል ዝምልከት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali/fb
እቲ መለክዒ
ብሓፈሻ ወተሃደራዊ ሓይሊ 145 ሃገራት ዘነጻጽር ግሎባል ፋየርፓወር፡ ሓይሊ ኣየር ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣፅዋራተንን ድልውነተንን ደረጃ ሂብወን ኣሎ።
ፓወርኢንዴክስ፡ ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ እተን ሃገራት ንምንጽጻር፡ ዳርጋ 60 መዐቀኒታት ተጠቒሙ።
እቶም ኣብ ግምት ዝኣተዉ መዐቀኒታት ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ፋይናንሳዊ ዓቕምን ሎጂስቲክስን ይርከቡዎም።
ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ሓዊሱ ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ዓቕሚ፡ ኣብ 2026 ብዝተመሓየሸ መረዳእታ መሰረት እዩ ሰፊሩ።
በዚ መሰረት፡ ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ህንድን ደቡብ ኮርያን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዎ።
ከምኡ ድማ፡ ላይበርያ፡ ሱሪናም፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ቤሊዝን ቡታንን ታሕተዎት ሓሙሽተ ደረጃታት ዝሓዛ ከምዝዀና የመልክት።
ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ እንርኢ፡ እቲ ዝርዝር ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳን ዘጠቓልል እዩ።
ብርታዐ ሓይሊ ኣየር፡ ከምኡ'ውን ኣፅዋራቶምን ድልውነቶምን ንምንጽጻር ትሽዓተ ረቛሒታት ኣስፊሩ ኣሎ።
ካብዚኦም ድማ ጠቕላላለ ብዝሒ ነፈርቲ፡ ተዋጋእቲ ነፈርትን ከምኡ'ውን ኣጥቃዕቲ ነፈርትን (Attack Types) ይርከብዎም።
ካልኦት ናውቲ ሓይሊ ኣየር፡ ነፈርትን ድሮናትን ሓዊሱ፡ ከምኡ'ውን ናይ ውግእ ነፈርቲ መሰልጠኒ ተኻቲቶም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ፍሉይ ተልእኾ ዝፍፅማ ዝዓይነተን ነፈርቲን ንውግእ ነፈርቲ ነዳዲ ዝመልኣ ነፈርትን ሰፊረን ኣለዋ።
ኣብ መወዳእታ ሄሊኮፕተራትን ኣጥቃዕቲ ሄሊኮፕተራትን (ኣታክ ሄሊኮፕተራት) ኣብቲ ዝርዝር ተጠቒሰን ኣለዋ።
ኣብ ግሎባል ፋየርፓወር ዝሰፈረ መረዳእታ ንመወዳእታ ግዜ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ መጀመርታ 2026 እዩ ተሃዲሱን ተሓቲሙን።
እዚ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገራት ዝሰፍር ትካል፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ዝርከቡ ዕላዊ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ መረዳእታ ዝተደረኸ ኰይኑ፡ ሃገራት ብምስጢር ዝሕዝኦ ሓበሬታ ኣየስፍርን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali/fb
ኢትዮጵያ
ካብ 145 ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ መበል 47 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣብ ግሎባል ፋየር ፓወር ኢንዴክስ 0.8525 ነጥቢ እዩ ተዋሂብዋ።
ዝለዓለ ነጥቢ 0.0000 ኰይኑ፡ እታ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እትርከብ ኣመሪካ፡ 0.0741 ነጥቢ ሒዛ ትርከብ።
ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዝርዝር ዝነበራ ደረጃ ብምምሕያሽ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ነፈርቲ 104 (ካብ 145 መበል 66) ሒዛ ትርከብ።
ግሎባል ፋየርፓወር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ድልውነት እውን የቐምጥ።
ድልውነት ብመንጽር ማእከላይ ነጥቢ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ 75% ከምዝዕቀን እቲ መርበብ ሓበሬታ ይሕብር። እዚ ድማ ሓፈሻዊ ድልውነት፣ ናይቲ ኣፅዋራት ምዝማንን፣ ምምሕያሽ ኣፅዋራትን ካልእን የጠቓልል።
ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ኣፅዋር፡ ምስ ጠቕላላ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ብምትእስሳር፡ ክንደይ ከም ዝውክል ንምምልካት ብሚእታዊነት ተገሊፁ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ምስ ካልኦት 145 ሃገራት ተወዳዲራ ደረጃ ተዋሂቡዋ ኣሎ።
- ብዝሒ ተዋጋእቲ ነፈርቲ - 25 (24.0%)፤ ድልውነት 15፡ እዚ ድማ ኣብ መበል 46 ደረጃ የቐምጣ።
- ነፈርትን ድሮናትን ሓዊሱ ንመጓዓዝያ ዘገልግላ ነፈርትን- 9 (8.7%)፣ ድልውነት 5፣ እዚ ድማ ኣብ መበል 42 ደረጃ የቐምጣ።
- ኣሰልጠንቲ ተዋጋእቲ ነፈርቲ - 34 (32.7%)፤ ድልውነት 20፡ እዚ ድማ ኣብ መበል 48 ደረጃ የቐምጣ።
- ብዝሒ ሄሊኮፕተራት - 33 (31.7%)፤ ድልውነት 20፣ በዚ ድማ ኣብ መበል 67 ደረጃ ተሰሪዓ።
- መጥቃዕቲ ዝፍፅማ ሄሊኮፕተራት - 7 (6.7%)፤ ድልውነት 4፣ እዚ ድማ ኣብ መበል 38 ደረጃ ይሰርዓ።
ኣጥቃዕቲ ዓይነት፡ ፍሉይ ተልእኾ ዝፍፅማ ነፈርቲ ከምኡ'ውን ነደዲ ዘመላልሳ ነፈርቲ የብላን ይብል እቲ መረዳእታ።
ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea
ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ 145 ሃገራት ኣብ መበል 119 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣብ ፓወርኢንዴክስ 2.6841 ነጥቢ ዝረኸበት ኰይና፡ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበራ ደረጃ ንእሽቶ ልዕል ኢላ ትርከብ።
- ጠቕላላ ብዝሒ ነፈርቲ፡ 20 ፤ ድልውነት- 7፡ እዚ ድማ ኣብ መበል 97 ደረጃ የቐምጣ።
- ተዋጋእቲ ነፈርቲ፡ 1 (5.0%)፤ ድልውነት፡ 0 እዚ ድማ ኣብ መበል 63 ደረጃ የቐምጣ።
- መጓዓዝያን ካልኦት ነፈርቲን ድሮንን ሓዊሱ፡ 5 (25%)፤ ድልውነት 2፡ እዚ ድማ ኣብ መበል 46 ደረጃ የቐምጣ።
- ኣሰልጠንቲ ነፈርቲ፡ 1 (5.0%)፤ ድልውነት፡ 0. እዚ ድማ ኣብ መበል 76 ደረጃ የቐምጣ።
- ሄሊኮፕተራት - 13 (65.0%)፤ ድልውነት 5. እዚ ድማ ኣብ መበል 83 ደረጃ ይሰርዖ።
- ኣጥቃዕቲ ሄሊኮፕተራት - 6 (30.0%)፤ ድልውነት 2. በዚ ድማ ኣብ መበል 39 ደረጃ ትስራዕ።
ኣጥቃዕቲ-ዓይት [attack type] ነፈርቲ፣ ፍሉይ ተልእኾ ዝፍፅማ ነፈርቲ ፣ ከምኡ'ውን ነዳዲ ዘመላልሳ ነፈርቲ የብላን።
ሱዳንን ኬንያንን
ካብተን ዝተረፋ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ፡ ሱዳን ዝሐሸ ደረጃ ዘለዋ ኰይና፡ ካብ 145 ሃገራት ብወተሃደራዊ ዓቕማ ናብ ኢትዮጵያ ዝቀራረብ ደረጃ ኣለዋ፡ መበል 66 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
እታ ሃገር ጠቕላላ ብዝሒ ነፈርቲ - 183፤ ድልውነት 92 እዚ ድማ ኣብ መበል 47 ደረጃ ክትስራዕ ገይሩዋ።
ተዋጋእቲ ነፈርቲ- 37 (20.2%)፤ ድልውነት 19፡ በዚ ዓይነት ኣብ መበል 41 ደረጃ ትስራዕ።
ካልእ ኣብ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይርከብ፡ 36 ኣጥቃዕቲ ዓይነት [ኣታክ ታይፕ] ዘለዋኣ እንኮ ሃገር ኰይና፡ (19.7%)፤ ድልውነት 18፡ እዚ ኣብ መበል 19 ደረጃ ክትስራዕ ገይሩዋ።
ኬንያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ 145 ሃገራት ኣብ መበል 84 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
መርበብ ሓበሬታ ግሎባል ፋየርፓወር፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ደረጃ ትሕት ኢላ ከምእትርከብ ይሕብር።
ጠቕላላ ብዝሒ ነፈርቲ - 154፤ ድልውነት 85 ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መበል 55 ደረጃ የቐምጣ።
እታ ሃገር ኣብተን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይርከባ፡ ፍሉይ ተልእኾ ዝፍፅማ 2 ነፈርቲ ዘለወኣ ኰይነን፡ በዚ ድማ ኣብ መበል 29 ደረጃ ትስራዕ።
ሶማልያን ደቡብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali/fb
ደቡብ ሱዳን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ 145 ሃገራት መበል 113 ደረጃ ሒዛ ካብ ኤርትራ ንእሽቶ ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ትርከብ።
ኣብዚ ዓመት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ደረጃ ኣይተቐየረን። ጠቕላላ ብዝሒ ነፈርቲ 19 ከምዘለወኣ እቲ መረዳእታ የመልክት።
ሶማልያ ብጠቕላላ ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ 145 ሃገራት ኣብ መበል 137 ደረጃ ሒዛ ትርከብ ኰይና፡ ካብተን ሃገራት እቲ ዞባ ዝተሓተ ዓቕሚ ዘለዋ እያ።
ኣብ ፓወርኢንዴክስ ንሃገራት ዝወሃብ ደረጃ ሶማልያ ኣብ 3.7393 ተሰሪዓ ኣላ።
መርበብ ሓበሬታ ግሎባል ፋየርፓወር ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዝነበራ ቦታ፡ ንእሽቶ ልዕል ከምዝበለ ይሕብር።
ጠቕላላ ብዝሒ ነፈርቲ 6 ኣለዋኣ፤ እዚ ድማ ኣብ መበል 107 ደረጃ የቐምጣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







