ክንደይ ዓይነት ፍሽኽታ ከም ዘሎ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Zanna Clay/ Lola ya Bonobo Sanctuary
ብዙሕ ግዜ ፍሽኽ ዝብሉ ሰባት ዝያዳ ተፈተውቲ፣ ብቑዓት፣ ምስ ሰብ ዝቀራረቡ፣ ፈተውትን ሰሓብትን ከምዝኾኑ ይሕሰብ። ይኹን እምበር ኣዝዩ ብዙሕ ዓይነት ፍሽኽታ እዩ ዘሎ።
ፍሽኽታ ንጹህ ስምዒት ሓጐስ ክገልጽ ይኽእል፤ ንዕቀት፣ ቃንዛ፣ ሕፍረት፣ ሕርቃን ከምኡ’ውን ካልኦት ስምዒታት ዝገልጽ ፍሽኽታ ኣሎ።
ፍሽኽታ፡ ምልክት ትሕትና እዩ።
ብዘይ ገለ ጎንጺ፡ ፍሽኽ ብምባል ጥራይ ኣብ ሰባት ልዕልና ዘለናን ብሉጻት ከምዝኾንና ክፈልጡ ምግባር ንኽእል። ፍሽኽታ፡ ሰባት ሓቀኛ ስምዒትና ንኸይፈልጡ ነዘናግዐሉ ሜላ ክኸውን'ውን ይኽእል።
ከምቲ ንሓስቦ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፤ እቲ ኣብ ዓለም ምልክት ሓጐስ ተገይሩ ዝሕሰብ ፍሽኽታ፡ ከም ማስኬራ ወይ ከም መሸፈኒ ገጽ’ውን የገልግል እዩ።
ካብ 19 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍሽኽታ እቶም ኣብ እዋን ሓጎስ ዝርኣዩ ሽዱሽተ ጥራይ’ዮም።
ፍሽኽታ ‘ዱቸን’
‘ዱቸን’ ዝብል ቃል ካብቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ዱቸን ደ ቡሎን ዝተወስደ እዩ።
ዱቸን፡ ጭዋዳታት ገጽ ብኸመይ ፍሽኽታ ከም ዘርእዩን ብሓፈሻ ብዛዕባ መስርሕ ገጻዊ መግለጺታትን ተገዳስነት ነይርዎ።
ንሱ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ብድምር 60 ዓይነታት ገጻዊ መግለጺ ረኺቡ።
ካብቶም ገጻዊ መግለጺታት እቲ ሓደ ድማ ብስሙ ፍሽኽታ ‘ዱቸን’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ምስ ሓቀኛ ስምዒት ደስታን ምድንጋር ዝመልኦ ሓጎስን ዝተኣሳሰር’ዩ።
እቲ ፍሽኽታ ምውጥዋጥ ክልተ ጭዋዳታት ጥራይ ዘጠቓልል እኳ እንተዀነ ነዊሕን ጽዑቕን እዩ።
መጀመርታ እቲ ኣብ ምዕጉርቲ ዘሎ ጭዋዳ ናብ ኩርናዓት ኣፍ ይሳሓብ፣ ድሕሪኡ እቲ ኣብ ዙርያ ኣዒንትና ዘሎ ጭዋዳ ንምዕጉርትና ንላዕሊ ይስሕቦ፣ እዚ ድማ ባህርያዊ ‘ምጭብባጥ ኣዒንቲ’ የምጽዕ።
ፍሽኽታ ዱቸን ባህርያዊ ፍሽኽታ ባህታ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ብዘይፍቓድና ዝፍጸም’ዩ።
ፍሽኽታ ፍርሒ
ፍሽኽታ ፍርሒ: ከንፈር ተዘርጊሑ ርብዒ-መኣዝን ቅርጺ ዝፈጥር ፍሽኽታ። ከናፍርና ክዝርግሑ እንለዉ ሸፋሽፍቲ ይጭበጡ፡ ኣዒንቲና ድማ ንላዕሊ ተሳሒቦም ይገፍሑን።
ፍሽኽታ ፍርሒ ስምዒታዊ ጸቕጢ ዘመልክት እዩ።
ኣብ ዕሸላት፡ ሰፊሕ ፍሽኽታ ሓጎስ ወይ ጭንቀት ማለት ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቅድሚ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ፍሽኽታ ከም ዘርእዩ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ሕሱም ፍሽኽታ
ፍሽኽታ ብሓቂ ብባህርያዊ መንገዲ ዝመጽእ እዩ፤ ግን ከኣ ሕጉሳት ምስ እንኸውን ጥራይ ኣይኮነን።
‘ሕሱም ፍሽኽታ’፡ ዘይምዕሩይን መግለጺ ዓሚቝ ጓሂን’ዩ።
ተመራመርቲ፡ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ኣቴንስ ዝወዳደሩ ልዕሊ 4800 ስእልታት ስፖርተኛታት ብምትንታን፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ጸወታ ተሳዒሮም ብሩር መዳልያ ዝረኸቡ ሰባት፡ ዋላ'ውን ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ዓይነ ስውራት እንተኾኑ፡ ነዚ ፍሽኽታ ናይ ምፍራይ ዝንባለ ከም ዘለዎም ገሊጾም።
ጥሉል ፍሽኽታ
ሓቀኛን ሕጉስን ፍሽኽታ ከም’ዚ ሎሚ ተቐባልነት ኣይነበሮን።
ኣብ መበል 17 ክፍለዘመን ኣብ ኣውሮጳ፡ ስምዒታትካ ብግልጺ ክርአ ምግባር ከም ዘይግቡእ ተግባር እዩ ዝቑጸር ነይሩ።
ኣስናኖም እናተርኣየ ፍሽኽ ዝብል ድኻታት ጥራይ እዮም ነይሮም።
ኣብ መበል 18 ክፍለዘመን ግን እቲ ‘ሰውራ ፍሽኽታ’ ኣብ ፓሪስ ተጀሚሩ። እቶም ኣብተን ሓደስቲ ዝተኸፍታ ካፌታት ዝዝናነዩ ዝነበሩ ፈረንሳውያን መሳፍንቲ፡ እቲ ፍሽኽታ ተቐባልነት ንኽረክብ ገይሮም።
እዚ ለውጢ ግን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣይተፈጸመን። ንኣብነት፡ ‘ብዘይ ምኽንያት ፍሽኽ ምባል ምልክት ዕሽነት’ዩ’ ዝብል ልሙድ ምስላ ሩስያ ኣሎ።
ኣብ ኖርወይ ብዛዕባ ምስራሕ ዝምልከት መንግስቲ ዝበተኖ ጽሑፍ ድማ፡ ዘይትፈልጦም ሰባት ፍሽኽ ክብሉ ኸለዉ ዝሰኸሩ፣ ዝዓበዱ ወይ ኣሜሪካውያን እዮም ኢልካ እንተሓሲብካ፡ ኣብ ኖርወይ ነዊሕ ጸኒሕኻ ኣለኻ ማለት ከምዝኾነ ይገልጽ።
ኣብ ጃፓን፡ ሰባት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስምዒታቶም ክዕፍኑ ኣለዎም ዝብል ስነ-ምግባር ስለ ዘሎ፡ ብዓይኒ ፍሽኽታ ዝያዳ ትኹረት ይወሃቦ።
ፍሽኽ ናይ ምባል ድሌት ኣድማሳዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ግን ኣብ ምንታይ ኹነታት ቅቡል ከምዝኾንን ብኸመይ ከም ዝትርጎምን ኣብ ባህላዊ ሕግታት’ዩ ዝምርኮስ።
ጥሉል ፍሽኽታ፡ ቅጽበታዊን ሕጉስን ፍሽኽታ ንምቁጽጻር ዝግበር ፈተነ እዩ። ከም እቶም ንኣፍ ዝቆጻጸሩ ገለ ጭዋዳታት ብቐሊሉ ክዕፈኑ ስለ ዝኽእሉ ሰባት ፍሽኽትኦም ንምዕባጥ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ይፍጥር።
“ምዕጉርቲ ንላዕሊ ሓፍ ይብል፤ ግን ኩርናዓት ኣፍና ንታሕቲ ንስሕቦ ወይ ከንፈር ብሓባር ገጢምና ንፀቕጦም፡ ዳርጋ “ፍሽኽ ክብል የብለይን” ዓይንት ጻዕሪ እዩ፡’ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፒትስበርግ ናይ ተገንዝቦኣዊ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ዛራ ኣምባዳር።
ፍሽኽታ ሕፍረት
‘ፍሽኽታ ሕፍረት’ ምስ ጥሉል ፍሽኽታ ተመሳሳሊ’ዩ።
ግን በቲ ደም ዝሰረበ ምዕጉርቲ ወይ ድማ በቲ ቅድሚ እቲ ፍሽኽታ ዝፍጠር ዘይምቹእ ኩነታት ብቐሊሉ ክፍለዩ ይኽእሉ።
ርእስኻ ንታሕቲን ቁሩብ ድማ ንጸጋም ምዝንባል እውን ካልእ ምልክት ‘ፍሽኽታ ሕፍረት’ እዩ።
ገላጺ ፍሽኽታ
ዝኾነ ሰብ ደስ ዘይብል ዜና ክንነግሮ ኸለና ሕማቕ ንኸይስምዖ ነርእዮ ፍሽኽታ እዩ።
ንኣብነት፡ መጽሓፍ ተሸኪምኪ፡ ን10 ደቓይቕ ሪጋ ሕዝኪ ክርእየኪ ዝጸንሐ ሰራሕተኛ ቤተ መጻሕፍቲ፡ 'መጽሓፍ ምምላስ ዝከኣል ኣብ ራብዓይ ደርቢ ጥራይ እዩ' ኢሉ ብጥዑም ቃላት ክነግረኪ ኸሎ ገላጺ ፍሽኽታ እናርአየ እዩ።
ሃንደበት ይጅምር፡ ታሕተዋይ ከንፈር ቁሩብ ንላዕሊ ሓፍ ይብል፡ ሓሓሊፉ ድማ ርእሲ ቁሩብ ንታሕቲን ንጎኒን ዝንብል ይብል።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሰብ እውን ፍሽኽታ ንኸርእይ ስለዘገድዶ ምናልባት ካብ ኩሉ ፍሽኽታታት እቲ ዝያዳ ዘሕርቕ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝተፈላለየ ኣጠቓቕማ ኣለዎ። እቲ ናይ ምኽባር ፍሽኽታ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ግዳያት ዕግርግር ከምዘይብሉ ንምርግጋጽ ይውዕል።
እቲ ናይ ምውህሃድ መልሲ ፍሽኽታ ድማ ስምምዕ የርእይ። ከምኡ’ውን እቲ ናይ ሰማዒ መልሲ ፍሽኽታ ድማ ‘ም-ሕምም’ ብዝብል ድምጺን ምንቕናቕ ርእሲን ዝስነ ኮይኑ ኣቓልቦ ትህብ ከም ዘለኻ ዘረጋግጽ እዩ።
ፍሽኽታ ንዕቀት
ካልእ ክንፈልጦ ዘድሊ ድማ ፍሽኽታ ንዕቀት ኮይኑ፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ምፍንፋንን ቅሬታን ዘመልክት እዩ።
ብዘይካ እቶም ስጥም ኢሎም ዝረኣዩ ኩርናዓት ከንፈር፡ ብዘሕዝን መንገዲ ምስ ናይ ሓቂ ባህታ ፍሽኽታ ዝመሳሰል ኮይኑ ንረኽቦ።
ኣብቲ ኣብ ዙርያ ድሌታት ውልቀሰብ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይህብ ባህሊ ምብራቕ ኤስያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሉታዊ ስምዒታት ማሕበራዊ ስኒት ንምዕቃብ ብፍሽኽታ ይሕባእ እዩ።
ኣብ ኢንዶነዥያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕርቃን ብቲ ማሕበረሰብ ቅቡል ኣይኮነን። ስለዚ ሰባት ክሓርቑ ከለዉ ብዙሕ ፍሽኽ ክብሉ ይፍትኑ እዮም።
ፍሽኽታ ቍጡዕ-ባህታ
ብገማግም ‘እከይ ሓጐስ’ ተባሂሉ ዝትርጎም ‘schadenfreude’፡ ካልኦት ሕማቕ ዕድል ከጋጥሞም ከሎ ዝፍጠር ስምዒት ሓጎስ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ ይዕዘበና ከም ዘሎ እንተፈሊጥና፡ እቲ ዝበለጸ ክንገብሮ እንኽእል፡ ኣብ ልዕሊ ፍሽኽታና መግለጺ ሕርቃን ምውሳኽ’ዩ። ውጽኢቱ ድማ ኣብ ራዕዲ ፊልም፡ እቲ ሃውኪ እከይ ዘርእዮ ዓይነት ስኽፍክፍ ዝብል ፍሽኽታ ይኸውን።
እዚ ሕውስዋስ ፍሽኽታ ሓደ ካብቶም ባህ ዘብል-ንዕቀት፣ ባህ ዘብል-ፍርሕን ባህ ዘብል-ጓህን ዝኣመሰሉ ሓያሎ ሕውስዋስ ፍሽኽታታት እዩ።
ናይ ሓሶት (መደናገሪ) ፍሽኽታ
ሳላ ዱቸን፡ ዓይኒ ሰብ ጥራይ ብምጥማት ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ብቐሊሉ ክፍለይ ከም ዝኽእል ብሰፊሑ ይእመን።
ዱቸን፡ ጭዋዳ ዓይኒ ዝጭምደዱ ብሓቂ ፍሽኽ ክንብል ከለና ጥራይ ከምዝኾነ ይኣምን ነይሩ። ሕጂ ግን 71 ሚእታዊት ዝኾኑ ሰባት ብወለንታኦም ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሳንታ ባርባራ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ኣላን ፍሪድሉንድ ከምዝሕብሮ፡ ብፍሽኽታ ዝስነ ሰላምታ ስለ ዝለመድና ብዛዕባ ሓቀኛ ስምዒታትና፡ ገጻዊ መግለጺታት ተጠቒምና ብትሕትና ምሕሳው ለሚድና ኢና። ዋላ’ውን ጽቡቕ ከይኮና ጽቡቕ ኣለና ንብል ኢና።
ናይ ሓሶት ፍሽኽ ንብለሉ ብዙሕ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎ። ኣብ ቅድሚ መስትያት ድኳን ናይ ሓሶት ፍሽኽ ምባል ባዕሉ፡ ነቲ ትፍትኖ ዘለኻ ኣቕሓ ናይ ምዕዳግ ተኽእሎኻ ልዕል ክብል ከምዝገብሮ፡ ኣብ 2013 ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት።
ብሓቂ፡ ሰባት ብገጾም ጥራይ ክፍረዱ ከለዉ፡ ናይ ሓሶት ፍሽኽ ዝበሉ ሰባት ዝያዳ ሓቀኛ ከምዝኾነ ተገይሮም እዮም ዝፍረዱ።
ከምቲ ሓደ እዋን ኣሜሪካዊ ተዋዛዪ ኪን ሃባርድ ዝበሎ፡ “በዓልቲ ቤትካ ኣብ ቅድሚ ሓደ ፖሊስ ትራፊክ ፍሽኽ ክትብል እንተዘይሪእኻያ፡ ነቲ ብሉጽ ፍሽኽታ ኣይረኣኻዮን ማለት እዩ”
ፍሽኽታ ሓቀኛ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኒደንታል፡ ‘’ፍሽኽ ንኽትብል ኣብ ዘይገብረካ ኩነታት ትርእዮ ፍሽኽታ ሓሶት’ዩ ኢልና ክንድምድም ኣይግባእን። ብናይቲ ሰብ ባህሊ ወይ ኩነታት፡ ፍሽኽትኡ ሓቀኛ ክኸውን ይኽእል እዩ!’ ኢሉ ኣብ ዓውደ-ጽሑፍ ብዙሕ ኣተኩሮ ከይንህብ የጠንቅቕ።
ካልኦት ኣንጸባረቕቲ ምልክታት ግን ኣለዉ። ኮነ ኢልካ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ከለዉ፡ ፍሽኽታታት ኣዝዩ ሃንደበታዊ ወይ ኣዝዩ ነዊሕ ዝጸንሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ወይ’ውን ቅድሚ’ቲ ከሰንዮ ዝግባእ ሓረግ ኣዝዩ ቀልጢፉ ክርአ ወይ ኣዝዩ ነዊሕ ጸኒሑ ክመጽእ ይኽእል። ዘእምን ፍሽኽታ፡ ካብ ምጽባብ ኣዒንቲን ብልጭታ ኣስናንን ዝለዓለ እዩ።
ናይ ሓቂ ፍሽኽታ ኣዒንቲ ክንቀሳቐሳ ዝገብር እዩ። ሓደ ሰብ ፍሽኽ እናበለ፡ ገጹ ምንቅስቐስ ዘየርእይ እንተኾይኑ ፍሽኽትኡ ናይ ሓሶት ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ንኽልቲኡ መስርዕ ኣስናን ናይ ምጥቕላል ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። ናይ ሓቂ እንተኾይኑ ግን ነቲ ታሕተዋይ መስርዕ ኣስናኑ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኡ ትሑት ይኸውን።
ናይ ሓቂ ፍሽኽታ ኩርናዕ ኣዒንቲ ክጨማደዳ ወይ ክዕመታ ይገበር፤ ፍሽኽ ዝብል ሰብ ኣዒንቱ እንተዘይዓሚቱ ወይ ኩርናዕ እንተዘይተጨማዲዱ፡ ፍሽኽታኡ ሓቀኛ ዘይክኸውን ይኽእል።
ብተወሳኺ እውን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰብ ሰብነቱ ተዛኒዩ እዩ ብሓቂ ፍሽኽ ዝብል። ስለዚ ኣካላቱ ውጥር ኢሉ ከምኡ’ውን ኣእዳዉ ኣብ ኣፍልቡ ገይሩ ፍሽኽ ዝብል ሰብ፡ ፍሽኽታኡ ናይ ሓሶት ናይ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ።
ፍሽኽታ ኩሽማን
ነቲ ፍሉጥ ፍሽኽታ ሞናሊዛ ዘይውከስ ዝኾነ ዝርዝር ፍሽኽታ ምሉእ ኣይኾንን። ምስ ኩሉ ምስጢሩ፡ ነዚ ሃሳስ ፍሽኽታ ምምዳብ ቀሊል እዩ።
እቲ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ዝሰኣሎ ስዕሊ ናይ ኩሽማን ተግባር ከም ዘርእይ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ይፈልጡ እዮም።
እታ ኣብቲ ስእሊ ትርአ፡ ናብ ርሑቕ እናጠመተት ብድምቀት ፍሽኽ ትብል፡ መሊሳ ቅድሚ ገጻ ምልስ ምባላ ንጐድኒ እናጠመተት ‘ናይ ሕፍረት’ ፍሽኽታ ክምስ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Beyond My Ken/Wikimedia Commons
ስለዚ ንቐጻሊ ሰባት ‘ፍሽኽ በሉ’ ክብልኹም ከለዉ፡ ዓይነት ፍሽኽታ ምምራጽ ናታትኩም ግደ ከምዝኾነ ኣይትዘንግዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







