ብሰብኣያ ን17 ዓመታት ተኣሲራ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ነጻ ወጺኣ

ምንጪ ስእሊ, RIO DE JANEIRO MILITARY POLICE/EPA
ምስ ክልተ ደቃ፡ ብሰብኣያ ን17 ዓመታት ተኣሲራ ዝጸንሐት ብራዚላዊት ጓል ኣንስተይቲ ነጻ ወጺኣ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ብራዚል ሪዮ ዲ ጃኔሮ: ኣብ ዝርከብ ጉዋራቲባ ዝተብሃለ ሰፈር፣ በዓል ቤታንዓመታት ኣሲርዋ ጸኒሑ።
እቲ ንዘመናት ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ በደል ዝፈጸመ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ይርከብ።
እታ ብራዚላዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ንኣስታት 17 ዓመታት ዘጋጠመ ግህሰት ድሕሪ ምዝራባ ኣብ መላእ እታ ሃገር ህዝባዊ ቁጥዐ ተዓዒሉ ኣሎ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና ብራዚል፡ እቲ ሰብኣይ ነታ በዓልቲ ቤቱ "ካብዚ ገዛ ዝወጽእ ሬሳኺ ጥራይ'ዩ" ኢሉ የፈራርሓ ነይሩ።
G1 ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ፡ ሉዊዝ ኣንቶንዮ ሳንቶስ ሲልቫ ዝተባህለ ውልቀሰብ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸመ ሓቢሩ።
እዞ ምሰባት ብሓዳር ተጣሚሮም 23 ዓመታት ኣቑጺሮም ኣለዉ።
እታ ብራዚላዊት ኣደ ድሕሪ ሓራ ምውጽኣ ከም ዝበለቶ፡ ንሳንደቃን መግቢ ከይጠዓሙ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕሉ እዋናት ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ምስቶም ደቃ ሰፊሕ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን መህሰይቲ በጺሕዎም እዩ።
እቲ ዝተኣስሩሉ ገዛ ብርሃን ዘይኣትዎ ጸልማትን ረሳሕን እዩ ነይሩ።
እቶም ደቂ 19ን 22ን ዓመት ቆልዑት ተኣሲሮም ዝተረኽቡ ዀይኖም፡ ሰብነቶም ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ ዝረአ።
ብራዚላዊ ጋዜጣ 'ኦ ዲያ' ንሓለቓ ምክልኻል እታ ሃገር ዊልያም ኦሊቨራ ብምጥቃስ፡ እቶም ቆልዑ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን፡ ሰብነቶም ኣዝዩ ተሃስዩ፡ መንእሰያት ዘይኮኑስ ህጻናት መሲሎም ይረአዩ ምንባሮም ጸብጺቡ።
"ምስ ረኣናዮም፡ንሓደ ሰሙን ብህይወት ዝጸንሑ'ውን ኣይመሰለናን ነይሩ" ኢሉ።
እታ ኣደን እቶም ክልተ ቆልዑን፡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግብን ማይን ንሕማም ከምዝተቓልዑ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብራዚል፡ እታ ኣደን ምስ ደቃ ን17 ዓመታት ብኸመይ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክትእሰር ከምዝኸኣለት፡ ይምርምር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







