ዛንታ ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና

ጸለውቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለምና

ኣብ 2019፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብዓለም ደረጃ ዴሞክራሲ ኣብ ምንጋስን መሰል-ደቂ ሰባት ኣብ ምኽባርን ዝተጻወትኦ ተራን መሪሕነትን ብቐሊሉ ዝርኣ ኣይኮነን።

ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ብትብዓትን ተጻዋርነትን ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወተን ዝገጥመን ኣደራዕ ሰጊረን፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየትን ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእን፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበጽሕ ኣድልዎ ደው ክብልን መሪሕ ተራ ተጻዊተን እየን።

ቢቢሲ ድማ ገለ ካብተን ኣብ ዓለምና ብዙሕ እጃም ዘበርከታ ደቂ-ኣንስትዮ ዛንትኣን ሒዝልኩም መጺኡ'ሎ።

Banner

ሆሊ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኦሃዮ፡ ንስጋዊ ርክብ ኢሎም ካብ ዝጨውዩ ሓራ ዝወጽአት ሆሌ፡ መጀመርታ ጓል 15 ዓመት እንከላ ኣዲኣ ምስ ሸጠታ፡ እቶም ጉጅለ ን17 ዓመታት ዕጸ ፋርስ ክትወስድ ብምግባር ባርያ ስጋዊ ርክብ ገይሮማ።

ኣብ 2015 ግን፡ ብሓይሊ ኣብ ገበናት ንዝተዋፈሩ ኣለሊዩ ሓራ ዘውጽእ ካች ኮርት (CATCH Court) ዝተበሃለ ቤት-ፍርዲ ሓራ ክትወጽእ ክኢላ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝበዝሓ ንጊላነት ስጋዊ ርክብ ተባሂለን ዝተጨወያ ደቂ ኣንስትዮ ብውቃጦ ወይ ብበሰላ ምልክት ይገበረለን፤ ሆሌ ከኣ እቲ ኣብ ኣካላ ዝነበረ ውቃጦን በሰላን መልክዑ ቀይራቶ'ያ።

ሆሌ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ፍርዲ ኮሎምቦስ ሕጋዊት ተሓላቒት ዘቤታዊ ዓመጻት ናይ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትሰርሕ ኣላ።

ከምኡ እውን ንግዳያት ግልያታት ጾታዊ ርክብን፤ ዘቤታዊ ዓመጽን ዝሕግዝ 'ሻይኒንግ ስታርስ' ዝተብሃለ ማሕበር ኣብ ምምስራት ትርከብ።

"ካብ ግልያነት ጾታዊ ርክብ ዝድሓና ደቂ ኣንስትዮ እተን ዝሓየለ፡ ጽቡቕ ድርኺት ዘለወን ከምኡ እውን ርህሩሃት ኮይነን እየ ረኺበየን"።

ቻይናዊት ፕሮፈሽናል ተጓሳጢትህዋንግ ወንሲ

ህዋንግ ወንሲ

ጓል 29 ዓመት ህዋንግ ወንሲ፡ ኣብ ቻይና ካብተን ውሑዳት ፕሮፈሽናላት ተጓሰጥቲ'ያ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ልሙድ ባህላዊ ኣታሓሳስባ ብምስዓር፤ ኣብ 2018 ናይ መላእ ኤሽያ ተዓዋቲት መኸተ ጉስጢ ክትከውን ክኢላ እያ።

ኣብ ስፖርት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ማሕበራዊ ኣርኣእያ ንኽቕየር ንቃልሲ ድልውቲ ምዃና ድማ ትዛረብ።

ቬኒንዙላት ቀባኢትሉቺታ ሁርታዶ

ሉቺታ

ጓል 98 ዓመት ሉቺታ ሁርታዶ ናይ መጀመርታ ናይ ቅብኣ ምርኢታ ኣብ ቀረባ እያ ንህዝቢ ኣቕሪባቶ። ንሳ፡ ብዓልቲ ቤት ናይቲ ፍሉጥ ስነጥበባዊ 'ሊ ሙሊካን' እውን እያ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ንስነ-ጥበባዊ ዕዮታታ ንበይና እያ ዓቒባቶም ጺኒሓ።

ብዓል ቤታ ምስ ሞተ ግን ናብ ህዝቢ ዘይተዘርግሑ ኣስታት 1200 ስርሓት ኣብ ገዝኣ ስለ ዝረኸበት፡ ህዝቢ ንክርእዮም ገይራ።

#kutoo ዝጀመረት ጃፓናዊት ኡሚ እሽክዋ

ኡሚ

ኣብ ጃፓን፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ክኣትዋ ክፍቀደለን እንተኾይኑ፡ ሓጺር ክዳንን ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማን ክገብራ ይግደዳ።

በዚ ሕጉስቲ ዘይነበረት ኡሚ እሽክዋ፡ ኣብዚ መስርሕ ዘለዋ ተቓውሞ ንምግላጽ #kutoo ዝብል ምንቕስቃስ ጀመረት።

ስራሕ ንክቑጸራ ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ክገብራ ዝግደዳ ዝነበራ ብዙሓት ጃፓናውያን ኸኣ ንምንቕስቃስ #kutoo ተጸንበረኦ፤ ኡሚ እሽክዋ እውን ነዚ ጎስጓስ ዝድግፍ ልዕሊ 20,000 ክታማት ክትእክብ ክኢላ።

"ኣብዚ ሕጂ'ውን ኣብ ጃፓን ጾታዊ ኣድልዎን ምንቅስቓስ #KuTooን ከም ዘሎ ዘይፈልጡ ኣለዉ። ነዚ ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማ ናይ ምግባር መመርሒ፡ ከም ጾታዊ ኣድልዎ ገይሮም ዘይወስድዎ ኣለዉ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ ምዃኖም ክፍለጥ ኣለዎ" ትብል።

ሲራልዮናዊት ጋዜጤኛን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትንኣስማእ ጀምስ

ኣስማእ

ምንጪ ስእሊ, ኣስማእ

ጋዜጠኛን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ኣስማእ ጀምስ፡ ድምጺ ናይተን ድምጸን ዘይስማዕ ሴራሊዮናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኮይና እያ።

ጾታዊ ዓመጽ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ምስ ሰምዐት፡ ብመንገዲ እቲ ንሳ ትሰርሓሉ ማዕከን ዜና 'ጸላም ሰሉስ' (Black Tuesday) ዝብል ጎስጓስ ጀሚራ።

እዚ ምንቅስቓስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብታ ናይ መወዳእታ ወርሒ እትርከብ መዓልቲ ሰሉስ ተቓውሞአን ንምስማዕ ጸሊም ክዳን ክኽደና ዝጽውዕ'ዩ።

ብመንገዲ እዚ ተቓውሞ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝግበር ጾታዊ ዓመጽ ክኹነን ይግበር።

እዚ ምንቅስቓስ ሓይሉ ብምዝያድ፡ እቲ ንጾታዊ ዓመጻት ዝምልከት ሕግታትን ፖሊሲታትን እታ ሃገር ከም ዝቕየር ገይሩ እዩ።

ህንዳዊት ገጣሚትኣራንያ ጆሃር

ኣራንያ

ኣራንያ ጆሃር ብእትጽሕፎም ግጥምታት ንጾታዊ ማዕርነት፤ ኣእምሮኣዊ ሕማምን ንነብስኻ ብኣወንታ ኣብ ምጥማት ዝብሉ ኣምራት ተልዕል።

'A Brown Girl's Guide to Beauty' ትብል ግጥማ ኣብ ዩትዩብ ልዕሊ 3 ሚልዮን ግዜ ተራእዩ።

"ደቂ ኣንስትዮ ንዕዮ እንድሕር ተጸንቢረን ሓፈሻዊ ምህርቲ ናይ ዓለም (GDP) ብ28 ትሪልዮን ዶላር ክውስኽ ይኽእል'ዩ። ንምንታይ ኢና ንፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምን ዓቕሙን ንድርቶ? እታ ጾታዊ ማዕርነት ዘለዋ ዓለምሲ ከመይ'ኮን ምኾነት? ናብኡ ክንበጽሕኸ ክንደይ ተሪፍና'ሎ?" ክትብል ትሓትት።