ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?

ኣብ 2018፡ ብፍቕራዊ ቃላት ዝተወዳደሱ፡ ብህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕብረተሰብ ዓለምን ዝተሞጎሱ፡ 'ቤተይ ብዘይካኻ፡ ዳሰይ ብዘይብኣኻ እትን ኣይደምቕ እትን ኣይመውቕ' ብዝዓይነቱ፡
'ኣብ ጸበባ ቅድመኻ ኣብ ድማዕ ምሳኻ' ተበሃሂሎም ቀለበት ኪዳን ዝኣሰሩ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቓላት ካብ ዝተራኽሑን ሓድሕዶም ካብ ዝዘናጠሉን ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ፡ እቲ ዳርባ ቃላት እናነሃረ መጺኡ፡ ኢትዮጵያ፡ 'ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዝኣት ኢትዮጵያ ተቘጻጺራ፡ ንተቓወምቲ መንግስቲ ፈደራል ተዕጥቕ ኣላ' ክትብል ንዘቕረበቶ ክሲ፡ ኤርትራ "ሓሶትን ፈጠራን" ብምባል ነጺጋቶ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብቐዳም 30 ጥሪ 2018 [ግ] ብ7 ለካቲት 2026፡ ናብ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ሰራዊት ኤርትራ ተቘጻጺሩዎ ካብ ዝበሎም ልዑላዊ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ከንሳሕብን ንዘተ ድሉው ክኸውንን ሓቲቱ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብሰኑይ 03 ለካቲት 2018 ዓ.ም. (ብ10 ለካቲት 2026) ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ኤርትራ "ኣብ ትርጕም ኣልቦ ምስሕሓብ ነዳዲ ንምውሳኽን ነቲ ኵነታት ንምግዳድን ተበግሶ ኰነ ድሌት" ከም ዘይብላ ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ እምበኣር፡ እዚ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ 'ናይ ቃላት ኲናት' ስለምንታይ ሕጂ ዝጋደድ ዘሎ? ንመጻኢ'ኸ ናበይ ከምርሕ እዩ? ንዝብል ሕቶታት ንምምላስ፡ ምስ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቡ ኣሎ።
እዚ ምውንጫፍ ቃላት ስለምንታይ ሕጂ ብኢሱ?
ብዛዕባ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ መጽናዕቲ ዘካየደ፡ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዶክተር ነገራ ጉደታ፡ እቲ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን'ዚ "ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግጭት ተሳቲፋ'ያ ኣብ ዝብል ገምጋም ከም ዝበጽሐት ዘመላኽት'ዩ" ይብል።
ቅድሚ ሒደት ሳምንቲ ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝርከቡ መዳውብቲ ከባቢታት ወተሃደራዊ ግጭት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ'ዩ።
ብፍላይ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት ጸለምቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጋለን ኣብዓላን "ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል፡ ሚሊሻታት ኣምሓራ ከምኡ'ውን ዕጡቓት 'ሓራ መሬት' ተዋጊኦም ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ከም ዝመጽአ ዘረድእ ዶ/ር ነገራ፡ ኣብዚ ናይ ሕዚ ግጭት "ኤርትራ ተሳቲፋ'ያ" ዝብል ገምጋም ዝሓዘ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ረዚን ትሕዝቶ ዘለዎ ደብዳበ ክጽሕፍ ከምዝደረዀ ይኣምን።
ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ መስከረም፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን "ጽምዶ" ብዝብል ልፍንቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ንምኽፋት ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።
'ጽምዶ' ብዝብል፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህወሓትን ኤርትራን ዝካየዱ ዘለዉ ርክባት ከካትዕ ፀኒሑ ኣሎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ተምሃራይ ፒኤችዲ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዝኾነ ደረጀ ይመር ብወገኑ፡ እቲ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ሃንደበታዊ ከም ዘይዀነ ይገልጽ።
ንሱ፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ "ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እቲ ሜዳ ናይ ምምችቻእ ምንቅስቓስ" ከም ዝዀነ ይኣምን።
እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ምርካብ ብዝዛመድ ከሰጕሞ ዝጸንሐ "ንኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ የድልያ'ዩ" ዝብል መርገጺ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም "ነቐፌታ" ከምዘስዓበሉ ይገልጽ።
"ንኣብነት ኢትዮጵያ ብምኽንያት ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኲናት እንተ ኣትያ ብመንጽር ዓለምለኸ ሕጊ ኰነ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ መንቀራቕሮ ከእትዋ ስለ ዝኽእል ዘዋጽእ ኣይኰነን" ይብል ደረጀ።
ስለዚ ኣብ "ሓደጋ ልዑላውነት" ከም ዝኣተወትን ብመሰረት ስምምዕ ሕቡራት ሃገራት "ልዑላውነታ ንምሕላው ስጕምቲ ንምውሳድ" ኵነታት ተዋድድ ከም ዘላን የረድእ።
ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደጋ ልዑላውነት እንተድኣ ኣትያ፡ "ኣብ ዝዀነ እዋን ነቲ ሓደጋ ንምግጣም ምሉእ ስልጣን ኣለዋ" ንዝብል ዓንቀጽ ሕቡራት መንግስታት ብምጥቃም፡ ኢትዮጵያ ግዝኣተይ ተደፊሩ ብምባል ብማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ዘለዎ ኣካይዳ" ንምምራጽ ምዃኑ የረድእ።
"መንግስቲ ኤርትራ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ፡ ንልዑላውነት እታ ሃገር ይጻረር ስለዘሎ፡ ከምኡ'ውን ናይ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኵነታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፖለቲካዊ ኵነታት ስለ ዝተፈጠረ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ንምቕልባስ ዝዀነ ዓይነት ናይ ሓይሊ ስጕምቲ እንተወሰደት ዘውቅስ ወይ ብማሕበረሰብ ዓለም ዘዀንን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ኣየስዕብን።"
ኢትዮጵያ "ነዚ ነገር ፍትሓዊ ክገብር ዘኽእል ጉዳይ መዚዛ ናብ ግጭት እንተኣትያ" ድማ ድሕሪኡ ዝህልው "ንኤርትራ ናይ ምድፋእ ዕማም ጥራይ ኣይከውንን" ይብል እቲ ተመራማሪ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ "ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተፈጠረ ታሪኻዊ ስሕተት ክድገም የብሉን" ዝብል መርገጺ ከሰጕም ስለ ዝጸንሐ፡ ግጭት ድሕሪ ምውልዑ "ንቀይሕ ባሕሪ ወይ ዓሰብ ዘካተተ ሓድሽ ስምምዕ ምስ ኤርትራ ንምፍርራም" ዘኽእል "ፖለቲካዊ ማዕቀፍ" ከም ዝረክብ የረድእ።
ስለዝዀነ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተላእከ ደብዳበ፡ "ሃንደበታዊ ውሳነ" ዘይኰነስ "ብስሩዕ ተሓሲብሉ ዝተላእከ'ዩ" ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ኣብ ደማዊ ኲናት ትግራይ ሰራዊተን ብሓባር ኣሰሊፈን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተላፊነን ዝተዋግኣ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝሓርፈፈ ርክበን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘልዓሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ መሊሱ ተጋዲዱ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ 26 ጥሪ 2018 ዓ.ም (ብ3 ለካቲት 2026) ንተወከልቲ ቤት-ምኽሪ ኢትዮጵያ እንተስ "ብባሌ እንተስ ብቦሌ" ኣፍደገ ባሕሪ ምርካባ ኣይተርፍን ክብል ተሓንዩ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ብመንግስቲ ብልጽግና ዝለዓል ሕቶታት ባሕርን ወደብን "ኣህጉራዊ ሕጊ ዝግህስ ሕልሚ'ዩ" ብምባል ክነጽጎ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ፖሊስ ፈደራል ኢትዮጵያ፡ "ካብ ኤርትራ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ዝተላእከ ብኣሽሓት ዝቝጸር ጠያይት ከም ዝሓዘ" ድሕሪ ምግላጹ፡ ኤርትራ መንግስቲ ብልጽግና "ኲናት ንምጅማር ምኽንያታት ሃሰው ይብል ኣሎ" ምባላ ይዝከር።
ኣብ ለንደን ዝነብር ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ደብዳበታትን መግለጺታትን "ናብ ውግእ ዘምርሕ እዩ" ይብል።
ብምቕጻል፡ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ግዝኣታ ከም ዝኣተው'ኳ እንተገለጸት ኣበየኖት ከባቢታት ከም ዘለው ብንጹር ስለዘይሓበረት "ነገር ከም ዝደለየት" ከጠምታ ከምዝኽእል የረድእ።
ኣቡሃሽም፡ "ቅንዕና እንተሃልዩ፡ እቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣትዮሞ ዝበሃል ቦታ ብንጹር ተገሊጹ ብሽምግልናን ዝርርብን ክፍታሕ ይከኣል እዩ። ይዅን እምበር ኣንጻር ሓደ ወገን ውግእ ንምውላዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስምስ ምቕራብ ነገር ምድላይ'ዩ" ይብል፡ ።
ብኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከምዘቑሰሎ ብምሕባር፡ እቲ ሕቶ "ናብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንምእታው እንተድኣ ኰይኑ፡ ዝዀነት ሃገር ትቕበሎ ኣይኰነን" ይብል።
እዚ ምስሕሓብ ናበይ ክመርሕ እዩ?
ዶክተር ነገራ፡ ኲናት ናይ ምውላዕ ዕድል ውሑድ (less likely) ይዅን እምበር፡ ፈጺሙ ክኸውን ኣይከኣልን እዩ (unlikely) ከምዘይበሃል ይሕብር።
"ከምቲ ኣብ ኲናት ባድመ ዝነበረ ብግምባራትን ነፈርትን ናይ ናይ ምውጋእ ዕድል ንግዚኡ ትሑት'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ጕዕዞ ግን ድሕሪ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ዝዀነ ጌጋታት እንተ ተፈጢሩ ኲናት ክውላዕ ይኽእል እዩ፡" ይብል።
ስምምዕ ኣልጀርስ ካብ ዝፍረም ክሳብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን መጺኡ ነቲ ኢህወደግ ዝተሓሰሞ ብይን ኣልጀርስ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ክሳብ ዝቕበሎ፡ ክልቲአን ሃገራት ንተቓወምቲ ጕጅለታት ሓድሕደን ብምድጋፍ ኣብ ኵነተ ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም እየን ተጸሚደን ነይረን።
ሕጂ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ እቲ ዝምድና ምስ ሓርፈፈ ከኣ እቲ ዝነበረ ብግህዶ ይድገም ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ልዑላዊ ግዝኣታ ከምዝጠሓሱ ክትገልጽ ፋልማያ ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ተወካሊ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ጸጋኣብ ክበበው፡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ከባቢታት ተቘጻጺሮም ከም ዝርከቡን "ኣብ ከባቢታት ዶብ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፍጽሙን" ተዛሪቡ ነይሩ።
ይዅን እምበር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተላፊኑ ኣንጻር ሕወሓት ክገጥም እንከሎ፡ ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ተሓቲቱ ከም ዘይተሳተፉ ክኽሕድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሓደ እዋን ግን ዶባቶም ንምክልኻል ከም ዝተሳተፉ ሓቢሩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ/ኢትዮጵያ ምህላዎም ክዛረብ እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝተበየነሎም ቦታታት ከምዘለው ብምግላጽ፣ ሰጊሮም እንተዀይኖም ኮሚተ ኣቝምካ ክርአ ከምዝኽእል ምግላጹ ይዝከር።
ተምሃራይ ፖለቲካ ስነፍልጠት ኣቶ ደረጀ፡ "ብወገን ኢትዮጵያ ሳልሳይ መንጐኛ ክኣቱ ድሌት" ከምዘለዋ ይግምት።

ምንጪ ስእሊ, FISTUM AREGA/TWITTER
ኢትዮጵያ "ካብ ኲናት ዘይንእስ ወጥሪ ብምፍጣር" ናይ ምትእትታው ሳልሳይ ወገን ክህሉ ከም እትደሊ ይገልጽ።
ዶክተር ነገራ፡ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ወተሃደራዊ ግጭት እንተምሪሑ፡ "እቲ ኲናት ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራይ ኣይከውንን፣ ዞባዊን ዝሓሰመን ክኸውን'ዩ" ክብል የጠንቅቕ።
ንሱ፡ ግብጽን ሶማልያን ንመንግስቲ ኤርትራ ክድግፋ እንከለዋ እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ድማ ንኢትዮጵያ ከም ዝድግፋ ይዛረብ።
ብኻልእ ወገን ኢትዮጵያ ምስ ስዑድ ዓረብ ናይ ነዳዲ ንግድን ወፍርን ስምምዓት'ኳ እንተሃለዋ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ጐድኒ ኢትዮጵያ ስለእትስለፍ ግን ገጻ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከተቕንዕ ከም እትኽእል ዶክተር ነገራ ይገልጽ።
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም'ውን ምስ ሓሳባት ዶክተር ነገራ ዝመሳሰል ርእይቶ ኣለዎ።
"እዚ ግጭት እንተ ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን። ከም በዓል ግብጺ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት'ውን ነዚ ዕድል ተጠቒመን ኣእዳወን ብምትእትታው ድሌታተን ንምውሓስ ክንቀሳቐሳ ክግደዳ እየን" ይብል።
ኣብቲ ዝውላዕ ውግእ ከም ኢራንን ቻይናን ዝኣመሰላ ሓያላት ሃገራት ኢደን ከእትዋ ከም ዝኽእላ ዝገለጽ ኣቡሃሽም "ነተን ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ድኽነት ንኽነብራ ዘገድድ እዩ" ክብል የረድእ።
ብተወሳኺ፡ ከም ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማሊያን ዝኣመሰላ ሃገራት "ናብ ምብትታን" ዘምርሕ ግጭጥ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረብ። ኣብ ኤርትራ'ውን ተመሳሳሊ ሕንፍሽፍሽ ክስዕብ ከም ዝኽእል የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







