ምኒስተር ጌድዮን፡ ኤርትራ ካብ 'ግጉይ ፖሊሲኣ' ክትቍጠብ ንማሕበረሰብ ዓለም ጸዊዑ

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጌድዮስ ጢሞቴስ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴስ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ካብ ዘስዕብ ንጥፈታት ክትቍጠብ፣ ከምኡ'ውን ምስ ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ዝሳነ ሃናጺ መንገዲ ክትክተል ክደፋፍኡዋ ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ምኒስተር ሆርን ረቪውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ፡ "ንመንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ዞባን ዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ከውጽኡዎ፣ ናብ ብሩህን ምትሕብባርን ዘለዎ መጻኢ ዝዓለመ ንኣሽቱ ዝጭበጡ ስጕምትታት ክወስድ ከተባብዑዎ፡" ጸዊዑ።

ቀዳምነታት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝዘርዘረ እቲ ምኒስተር፡ ሃገሩ ሰላም፡ ምርግጋእን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ውፍይቲ ምዃና ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሓባራዊ ልምዓታዊ ዓቕምን ሓባራዊ ዕጫ ህዝብታት ቀርኒ-ኣፍሪቃን ዝተሰረተ ራእይ ዞባዊ ቍጠባዊ ውህደት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዘተን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን፡ ሓባራዊ ብድሆታት ንምፍታሕን ውሑስ ዕብየት ንምስጓምን እምብዛ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብቲ መድረኽ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን መራኸቢ ብዙሓንን ዝተረኽቡ ኰይኖም፡ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ህልው ምዕባለታት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኵነታት ንምርኣይን ንምዝታይን ምዃኑ ኣብ ፈይስቡክ ገጽ ናይቲ ምኒስትሪ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።

ምኒስተር ጌድዮን፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ብምጥቃስ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከቢድ ምትዅታዅን ግህሰትን እንተ ተፈጸመ፡ ኢትዮጵያ ልዑል ነብሰ-ግትኣት ከም ዘካየደት ሓቢሩ። ኢትዮጵያ ዘርኣየቶ ልጓም ምእንቲ ሰላም ክትብል ዝወሰደቶ ሕርያ ምዃኑ'ውን ኣስሚርሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ነብሰ-ምግታእ፡ "ቀጻልን ብዘይ ቅድመ-ዅነትን ክውሰድ ከም ዘይክእል፡" ኣጠንቂቑ።

እቲ ምትዅታዅን ግህሰትን ዝበሎ ዝርዝር ዘይሃበሉ እቲ ምኒስተር፡ ብ2 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት እናነጸረ መጺኡ ኣሎ፡" ብምባል፡ ክልተኦም ወገናት ነቶም "ንኸም ብዓል ፋኖ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ብገንዘብን ብምውዳብን፡" ይሕግዙ ከም ዘለዉ ከሲሱ ነይሩ።

ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ህወሓት ኣብቲ ኣብ ወልድያ ዝተኻየደ መጥቃዕትን ኣብ ራያን ወልቃይትን ኣብ ዝተፈጠረ ናዕቢ ብቐጥታ ከም ዝተሳተፉ እቲ ምኒስትሪ ወቒሱ።

ቢቢሲ ኣብቲ ግዜ'ዚ ብዛዕባ እቲ ደብዳበ ንወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንምዝርራብ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረ ኣይሰለጦን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጋቢት 2025 ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ኣምባሳደራትን ወከልቲን ሃገራት ወጻኢ ብምእካብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ትህቦ ዘላ መግለጺታት ንልዑላውነት ሃገሩ ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

"ኢትዮጵያ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብታ ከተኽብር ማሕበረሰብ ዓለምን ኣገደስቲ ኣካላቱን ጸቕጢ ክገብሩላ ኤርትራ ትምሕጸን፡" ክብል ምኒስተር ዑስማን ጻውዒት ከም ዘቕረበ ይፍለጥ።

ምኒስተር ጌድዮን ኣብ መደረኡ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያ ብምጥቃስ፡ "ንልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ናብራኡ ክመርሕ ዘኽእሎ ንጡፍ ቍጠባ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ክወሓሰሉ የድልዮ፡" ኢሉ።

"ብዘይ ዘተኣማምንን ውሑስን ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ምዕባለኣ ዘረጋግጽ ቍጠባዊ ምዕባለ ከተረጋግጽ ኣይትኽእልን እያ፡" ብምባል ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ሕቶ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ ብምባል፡ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ክለዓል ኣለዎ ዝብል ምጕት ከልዕሉ ክስምዑ ጸኒሖም እዮም።

መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል ክዓቢ ይርአ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዲፕሎማሰኛታትን እታ ሃገር ዝወጽአ ቃላት ነቲ ድምጽታት ናብ ቅሉዕ ናይ ዋንነት ሕቶን ምጕትን ኣስጊሩዎ ይርከብ።

ብሰንኪ'ዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ይዓርግ ከም ዘሎ ይፍለጥ።