ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዛዕባ ምትራፍ ተጻወትቲ እንታይ ኢሉ?

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ካብ ዝለሓፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ጀሚሩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኢስዋትኒ ድሕሪ ምስዓራ፡ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ናብ ዓዶም ከይተመለሱ ምትራፎም ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።

ነታ ጋንታ ንምምዕባል ዝክኣሎ ክገብር መብጽዓ ዝኣተወ ሓድሽ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ግብጻዊ ኮሓ ሓሺም ያኪን፡ ሸውዓተ ተጻወትቲ ናብ ኤርትራ ከይተመለሱ ምትራፎም ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ ድሕሪ 2008 ንፈለማ እዋን እያ ናብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ናብ መጻረዪ ግጥማት ኣፍኮን ተመሊሳ።

ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርታዊ ውድድራት ዝሳተፉ ኤርትራውያን ድሕሪ ኣህጉራዊ ጸወታታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናብ ዓዶም ዘይኸድሉ ብርክት ዝበለ ክስተታት ተራእዩ'ዩ።

ጕጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ መንግስቲ "ዓፋኒ" ክብሉ እኳ እንተገለጹዎ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ነዚ ክሲ ይነጽጉዎ።

እታ ሃገር ዋላ'ኳ ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ እንተሃለዋ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ግን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም እዮም።

ምህዳም እዞም ተጻወትቲ፡ ነታ ንኤስዋቲኒ 2ብ1 ብናይ ክልተ እግሪ ድምር ውጽኢት ድማ 4ብ1 ብምስዓር ድሕሪ 19 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ መጻረዪ ምድብ ምድብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምምላስ ትጽንብል ዝነበረት ጋንታ ኣዝዩ ዘሕዝን ከም ዝኸውን ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ካብታ 24 ተጻወትቲ ዝሓቘፈት ጋንታ 10 ጥራይ እዮም ካብ ኤርትራ መጺኦም፤ ሓለቓ ጋንታ ዓብለሎም ተኽለዝጊ ዝርከብዎም ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራይ ናብታ ሃገር ከም ዝተመልሱ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ንቢቢሲ ሓቢሮም'ዮም።

ኣሰልጣኒ ሓሺም ያኪን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትኦም ተቐየርቲ ተጻወትቲ እዮም።

እቶም ተጻወትቲ ካብ ካልኣይ እግሪ ጸወታ 31 መጋቢት 2026 ጀሚሮም ዝጠፍኡ ኰይኖም፡ "⁠ኣብ ዝሃብተማ ሃገራት ቍጠባዊ ዕድላት ንምርካብ ክጽዕሩ'ዮም፡" ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ "ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝቕጽሉ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

ኤርትራ፡ ንጠለባት ኣህጉራዊ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ዘማልእ ስታድዮም ስለ ዘይብላ፡ ቀዳማይ እግሪ ጸወታኣ ካብታ ሃገር ወጻእ ከተካይድ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።

መብዛሕትኦም ኣብዚ መጻረዪ ጸወታ ዝተሰለፉ ተጻወትቲ ድማ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ጀርመን፡ ኖርወይን ሽወደንን ኣብ ዝርከባ ክለባት ዝጻወቱ'ዮም።

ኣብቲ መጻረዪ ጸወታ ደሚቑ ዝተራእየ ዓሊ ሱሌማን፡ ኣጥቃዓይ ግብጻዊት ክለብ ካህራባ ኢስማዒልያ (ኤለክትሪክ) ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ 2025 ናብ ምስሪ ቅድሚ ምስግጋሩ'ውን፡ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዢን ኢትዮጵያ ምስ ጋንታታት ባህርዳር ከነማን ሃዋሳን ዝጻወት ዝነበረ'ዩ።

ሓለቓ ጋንታ ዓብለሎም ተኽለዝጊ [ኣንበስ]፡ ኣከፋፋሊ ናሆም ታደሰን መርዓ ቈጺሩ ዝነበረ ሮሜል ዓብዱን እቶም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ተጻወትቲ'ዮም።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ መጻረዪ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከም ዝሓለፈት ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, ENFF

ካብቶም ዝሃደሙ ድማ ሓላዊ ልዳት ክብሮም ሰለሙንን ገዲም ኣጥቃዓይ መድሃኔ ረድእን ይርከብዎም።

ብመንግስቲ ዝውነና ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ምምላስ ተዓዋቲት እታ ዓወት ዘመዝገበት ጋንታ ብዘይተለምደ መልክዑ ስቕታ እየን መሪጸን።

ምንጭታት፡ ነቶም ተጻወትቲ ኣቀባብላ ንምግባር ምድላዋት ተገይሩ'ኳ እንተነበረ፡ ዜና ምጥፋእ ተጻወትቲ ምስ ተሰምዐ ከም ዝተሰረዘ ይሕብሩ።

ብዛዕባ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተመዝገበ ዓወት እታ ጋንታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዋናዊ ሓበሬታ ክህብ ዝጸንሐ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ስፖርትን ባህልን ኤርትራ፡ ኣብ ግብጺ ዝተመልሱ ተጻወትን ሰራሕተኛታትን፡ ኤምባሲ ኤርትራን ኣባላት ማሕበረሰብን ኣቀባብላ ኣዳልዮምሎም ዘርኢ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዑ ነይሩ።

እቶም ተጻወትቲ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ኣብ ካይሮ ኣዕሪፎም ነይሮም። ኣብተን ስእልታት ዝተራእዩ ተጻወትቲ ግን እቶም ብድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ብነፋሪት ዝኸዱ እዮም።

ብዙሓት ኤርትራውያን ደገፍቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እስዋቲኒ ዘመዝገበቶ ዓወት ንኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናብ ህዳሰ ከምርሕ ተስፋ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብዚ ጉዳይ ንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓቲቱ መልሲ ኣብ ምጽባይ ይርከብ።

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኽንደይ ዓመትን ብኽንደይ ገንዘብን ከም ዝፈረመን እውን ዛጊት ብወግዒ ዝተፈልጠ የለን።

ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ናጻ ሃገር ካብ እትኸውን ኣትሒዛ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ⁠ኣፈወርቂ እያ ትመሓደር ዘላ፣ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ መንግስቲ እታ ሃገር ንዜጋታቱ ብምዕፋን ብተደጋጋሚ ይነቕፉ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮ.ባ.ስ.ኤ ድራር ፍስሃየ፡ ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራሕ ዘርኢ ካብ ግብጺ ዘካፈሎ ናይ መወዳእታ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Dirar Fessahaye/fb

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮ.ባ.ስ.ኤ ድራር ፍስሃየ፡ ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራሕ ዘርኢ ካብ ግብጺ ዘካፈሎ ናይ መወዳእታ ስእሊ

ምትራፍ ተጻወትቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንዓለምለኻዊ ውድድራት ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ እትወጸሉ ዝነበረት እዋን ተጻወትታ ተሰዊሮም ስለዝጠፍኡ ኣርእስቲ ዜና ማዕከናት ዜና ዓለም ክትከውን ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት እትርከብ ሃገራዊት ጋንታ፡ ተጻወትቲ፡ ዳርጋ ምሉእ ጋንታታት ከይተረፈ፡ ቅድሚ ወይ ድሕሪ ጸወታታት ወጻኢ ሃገራት ዝጠፍኡሉ ተኸታታሊ ፍጻመታት ኣጋጢምዋ'ዩ።

ኣብ 2019 ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ካምፓላ ኡጓንዳ ድሕሪ ዘካየደቶ ናይ ሴካፋ ጸወታታት፡ ሸውዓተ ተጻወትቲ ካብቲ ዝነበሩዎ ሆቴል ብምህዳም ተሓቢኦም። ኣብታ ሃገር ዕቝባ ሓቲቶም ክቕመጡ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ናብ ኣመሪካ ከም ዝኸዱ ይፍለጥ።

ኣብ ታሕሳስ 2013 ንግጥማት ሴካፋ ናብ ናይሮቢ ኬንያ ካብ ዝኸደት ሃገራዊት ጋንታ ኣሰልጣኒ ዑመር ኣሕመድ ዝርከቦም ሸሞንተ ተጻወትቲ ኣብታ ሃገር ዕቝባ ሕቲቶም።

ኣብ ታሕሳስ 2012'ውን ሓኪም ጋንታ ዝርከቦም 17 ተጻወትቲ ኣብ ኡጓንዳ ተሪፎም። ቅድሚኡ'ውን ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያ ብተደጋጋሚ ተጻወትቲ ናብ ሃገሮም ካብ ምምላስ ክሕንግዱ ተራእዮም እዮም።

ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ ብሕልፊ ኣሰልጣኒ ነጋሽ ተኽሊት ነታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዝዕልመሉ ዝነበረ ግዜ፡ እቶም ተጻወትቲ ምእንቲ ክምለሱ ኣቐዲሞም 100,000 ናቕፋ (ልዕሊ 6,000 ዶላር) ከም ዘትሕዙ ተገይሩ ነይሩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወዳእታ 2025 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ 565,000 ክሳብ 600,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ዘለዉ ይገልጽ። ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ኰይኖም፡ ኣብታ ሃገር ኣሎ ንዝበሎ "ግዱድ ሽቕለትን ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን" ንምህዳም ካብ ሃገሮም ከም ዝወጽኡ ይሕብር።

ተጻወትቲ ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ፡ ንስዋቲኒ ብኽልተ እግሪ ስዒሮም ናብ መጻረዪ ምስ ሓለፉ ሓጐሶም እናገለጹ

ምንጪ ስእሊ, Dirar Fessahaye/fb

መግለጺ ስእሊ, ተጻወትቲ ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ፡ ንስዋቲኒ ብኽልተ እግሪ ስዒሮም ናብ መጻረዪ ምስ ሓለፉ ሓጐሶም እናገለጹ

ኣብዚ ዓመት፡ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ውድድራት ምምላሳን ብዓወት ምጅማራን እዚ ተደጋጋሚ ዜና'ዚ መብረ ክረክብ ናይ ብዙሓት ተስፋ ነይሩ።

ኣብ ኮምሽን ስፖርት ኤርትራ ዝሰርሕ ዝነበረ ሎሚ ካብ ሃገር ወጺኡ ዘሎ ስሙ ክጥቀስ ዘይመረጸ ኤርትራዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምትራፍ ናይዞም ተጻወትቲ ካብ "ትጽቢቱ ወጻኢ፡" ከም ዘይነበረ ይገልጽ።

"እቶም ኣብ ክለባት ዞባ ማእከል ዝጻወቱ ተጻወትቲ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እዮም፣ ኣሃዱታቶም ኣፍቂደናሎም እዮም ዝጻወቱ፡" ይብል።

"ኣብ ኤርትራ ኩዕሶ ተጻዋታይ ኰይኑ ዝርኣዮ መጻኢ የሎን፣ ዝኽፈሉዎ ክፍሊት ኣዝዩ ትሑት እዩ። ኣሃዶኦም ኣብ ዝጸውዓኦም ግዜ ድማ እተን ጋንታታት ደው ከብላኦም ኣይክእላን። ንደገ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀምሉ ናይ ግድን እዩ፡" ክብል ይውስኽ።

ኤርትራ ሃገራት ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጓንዳን ብሓባር ኣብ ዘአንግድኦ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናይ መጻረዪ ግጥማት ይጽበያ።

ኣንጻር ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ክልተ እግሪ ግጥማት ብኣብዝሓ ኣብ ወጻኢ ዝጻወቱ እያ ተጠቂማ። ኣብታ ጋንታ ካብ ሃገራት ኣውስትራልያ፡ ግብጺ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ኔዘርላንድስን ሽወደንን ዝመጽኡ ተጻወትቲ ኣለውዋ።

ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ነዞም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተረፉ ዝግለጹ ዘለዉ ተኪኡ ክቐርብ ድዩ ኣብ ዝመጽእ ዝርአ ክኸውን እዩ።