ኢራን፡ ኣብ ዖማን፣ ኩዌት፣ ባሕሬንን ሶርያን ዝርከቡ መደብራት ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዝሃረመት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ዖማን ንዝርከብ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ምክትታል ራዳር ከምኡ’ውን ኣብ ኩዌትን ባሕሬንን ንዝርከቡ ዒላማታት ኣመሪካ ከም ዝሃረመ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ሶርያ ንዝርከብ ማእከል እዚ ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ ከም ዝሃረመ ገሊጹ።
እቲ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዖማን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ንምክትታል ራዳር ሓይሊ ባሕሪን ራዳር ቁጽጽር ሓይሊ ኣየርን ኣመሪካ፡" ከም ዝሃረመ ሓቢሩ።
"ብሓይሊ ዝፍጸም ሕነ ምፍዳይ ክቕጽል እዩ። መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ይቕጽል ኣሎ፡" ኢሉ።
ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ማእከል እዚ ፍሉይ ስርሒታት ኣመሪካ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ “ስርዓት ራዳር፡ ሓያሎ ፍሉያት ስርሒታት ሄሊኮፕተራትን ንብዙሓት ሓይልታት ኣመሪካን” ዒላማ ከም ዝገበረ ይግለጽ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ ኣል-ታንፍ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ እቶም መጥቃዕቲታት ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ንዝተፈጸመ ቅትለት ወተሃደራት ኢራን ሕነ ምፍዳይ ዝዓለሙ'ዮም።
ሶርያ ይኹን ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ርእይቶ ኣይሃባን።
ሰራዊት ዮርዳኖስ ኣብታ ሃገር ዝተተኰሱ ሰለስተ ሚሳይላት ኢራን ዝዀነ ጉድኣት ይኹን ዕንወት ከየብጽሑ ከም ዝዓገቶም ገሊጹ።
ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣመሪካ ቅድሚ’ቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ “ብዙሕ ወተሃደራዊ ዒላማታት ኢራን” ከም ዝሃረመት ገሊጹ።
ኢራን ብወገና ድልድላት፣ መደበር ባቡርን መዓርፎ ነፈርትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት ከም ዝተሃረሙ ገሊጻ።
ክልቲአን ሃገራት ተጻብኦአን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኢራን ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያቶ ኣላ።















