ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?

ዕራርቦ ጸሓይ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ፡ ብባህሪያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት፡ ግን ከኣ ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።

በቲ ሓደ፡ ተስፋ ብዝህብ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ፡ ጥንታዊ ታሪኽን፡ ዘሐብን ልምድታት፡ ክብሪታትን ባህልታትን ህዝባ፡ ዝማሞቐት ንእሽቶ ግን ዓባይ ሃገር እያ።

በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ብድኽነት፡ ገና ዘይዘመነን ዝደሓረን ትሕተ ቅርጺ መራኸቢታት ፖለቲካዊ ተነጽሎን፡ ብኸንቱ ብዝባኽን ዘሎ ዕድላትን እትሳቐ ዘላ ሃገር እያ።

እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፡ ገና ብድንግሉ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ገማግም ቀይሕ ባሕርን፡ ዘይተበከላ ደሴታትን፡ ጽሩይ ማያትን ዘለዋ እያ። ከተማታታ፡ ብፍላይ ኣስመራ፡ ብማራኺ ስነህንጻ ኢጣልያዊ ኣርት ዲኮ፡ ከተማ ምጽዋዕ፡ ቅርሲ ኦቶማን፡ ከምኡ'ውን ታሪኽ ጽንዓትን ቃልስን ሃገራዊ መንነትን ዝሰነዱ ማሕበረ ባህላዊን ታሪኻውን ሃብቲ ዝዘቕበባ እየን።

ኣብዛ ግርምቲ ሃገር፡ ኣብ ጕዕዞ ክልተ ሰዓታት፡ ካብቲ ምውቕ ወደባዊ ገማግም ባሕራ፡ ናብ ንፋስ ዝሕይሎ ዝሑል ኵነታት ኣየር ዘለዎ ከበሳታታን፡ ኣብ በረኽቲ ኣኽራናት እትርከብ ርእሰ ከተማኣ ክትድይብ ይከኣል።

ሓደ ወጻእተኛ፡ ንኤርትራ፡ ብዙሕ ሃብቲ ከም ዝተዓደለት ግን ከኣ ካብ ድቃሳ ዘይተበራበረት ውቅብቲ ውልዶ ሃገር ክብል እንተገለጻ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኣይመስለንን፤ ይብል መምህር ጸጋይ፡ ነቲ ከም መስሕብ ቱሪዝም ክትጥቀመሉ ዝግበኣ፣ ብዙሓት ዝሃርፍዎን ዘቋምትዎን ገማግም ባሕሪ ንብላሽ ይባኽን ምህላዉ እናጕሃዮ።

"ወርቃዊ ዕድላትና ክንጥቀመሉ ስለዘይከኣልና ኢና፤ መንእሰያትና ጸባን መዓርን ሃገሮም ራሕሪሖም ንስደት ዝውሕዙ ዘለው!" ድማ ይውስኽ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ቱሪዝም ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ከም ቀንዲ ምንጪ ሃብትን እቶትን'ዩ ዝረአን ዘገልግልን ዘሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2022፡ ኬንያ 1.4 ሚልዮን በጻሕቲ ብምእንጋድ ካብ ቱሪዝም 2.1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረኸበት ይፍለጥ። እታ ብገለ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐታታ ማዕረ ኤርትራ ዘይትስራዕ ጅቡቲ እውን ኣብ 2019 ልዕሊ 200,000 ዝተፈላለዩ በጻሕቲ አእንጊዳ።

መንግስቲ ኤርትራ ዋላ'ኳ ዝተኣማምን ሓበሬታ ዘይዝርግሕ እንተዀነ፡ ፍርቂ ናይ ጅቡቲ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ክትምዝግብ እውን ኣይከኣለትን።

እቶም ናብ ኤርትራ ዝኣትው ገያሾ መብዛሕትኦም ንቤተሰቦም ክርእዩ ዝመጽኡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት እምበር፡ ናይ ብሓቂ ቱሪስት ኣይኰኑን።

ይዅን እምበር፡ ኤርትራ ልዕሊ ክልቲአን ሃገራት እኳ እንተዘይኰነ ማዕሪአን በጻሕቲ ንምስሓብ ዘኽእል ዕቝር ጸጋታት ኣለዋ።

"ድሌት እንተዝህሉ ዓቕሚ እውን ኣይምተሳእነን" ይብል ዶር መብራህቶም። ደሴታታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ደሴታት ዛንዚባር ክወዳደራ ይኽእላ፣ ከበሳታታ ድማ ከም ሰሜን ኣኽራናት ኢትዮጵያ በጻሕቲ ክስሕብ ምኸኣለ።

እታ ኣብ 2017 ብባህላዊን ስነ-ህንጻዊን ትውፊታታ ከም ኣካል ቅርሲ ዓለም ዩኔስኮ ዝተመዝገበት ርእሰ ከተማኣ ኣስመራ ኣብ ቱሪዝም ልዑል ስሕበት ክትፈጥር ኣይምጸገማን።

ዩኔስኮ፡ ንኣስመራ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፡ ንዘመናዊ ስነህንጻ ምስ ኣከባቢያዊ ኵነታት ዘመጣጠነት ኣብነታዊት ከተማ፡ ክብል ገሊጹዋ። ይዅን'ምበር ኣስመራ እዚ ኣፍልጦ እዚ እኳ እንተለዋ ካብ ራዳር በጻሕቲ ዓለም ኣዝያ ርሕቕቲ እያ ዘላ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ኣትሒዙ፡ ንጽላት ቱሪዝም ከም ቀንዲ መንኰርኰር ሃገራዊ ልምዓት ገይሩ ክሰርሓሉ ከምዝጀመረን ይቕጽሎ ከምዘሎን ዝገልጽ ጸብጻባት የቕርብ እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ባይታ ዝረአን ዝጭበጥን ምዕባለ ግን የለን።

ብዙሕ ግን "ብተጻባእትና ኣብ ልዕሌና ብዝተኣወጁ ተደጋጋሚ ወራራትን እገዳታትን ክንሰርሓሉ እንኽእል ባይታ ኣይተረኽበን፡" ክብል እቲ ድኻምን ጸገማትና ንግዳም ከመኽነ እዩ ዝስማዕ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ባዕሉ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ደቡብ ሱዳን ይዅን ኣብ ተሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺታት ኣብ ቱሪዝም ይዅን ካልእ ጽላታት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይሰርሐ እዩ ዝገልጽ።

ዕዳጋ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ንኤርትራ ዘይገሹ?

እዚ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ኣብ ክንዲ መልሲ ብዙሕ ሕቶታት ዝድርድር እኳ እንተዀነ ብሓሙሽተ ቀንዲ ምኽንያታት ክግለጽ ይከኣል።

ገደብ ቪዛን ቢሮክራሲን

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel

ንመብዛሕትኦም ተጓዓዝቲ፡ እቲ ጕዕዞ ከይጀመረ እዩ ዝዛዘም። መስርሕ ምሕታት ቪዛ ኤርትራ፡ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምውድዳር ኣዝዩ ድዅም እዩ፤ ኣብቲ መስርሕ ግልጽነት ድማ የለን።

እተን ኤምባሲታት ንቕጥዕታት ሕቶ ቪዛ ዝምልስ ዓቕሚ ሰብ የብለንን። እቶም ቪዛ ዝረኸቡ ገያሾ እውን ካብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ንኽጓዓዙ ካልእ ፍሉይ ፍቓድ ስለዝሕተቱ ተስፋ ከምዘቝርጾም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ናብታ ሃገር ዝኣተው ክልተ ጋዜጠኛታት ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ብዝርዝር ኣቕርቦምዎ ኣለው።

ብኣንጻሩ፡ ኬንያ ናይ ኤሌክትሮኒክ ቪዛ ኣፕሊኬሽን ትፈቅድ፣ ፍቓዳት ድማ ብዙሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እዩ ዝወሃብ። ጅቡቲ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ዝወስድ ናይ ኢ-ቪዛ ስርዓት ኣለዋ። ኤርትራ ግን ኣብ መብዛሕትኡ ኤምባሲታታ ገና ብወረቐትን ነዊሕ ሪጋ ብምጽባይን እያ ትግለጽ። ከም መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገብርኦ ብኢንተርነት ዝግበር ቅልጡፍ ኣገልግሎታት ንምትእትታው ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዝዩ ድሩት ኣገልግሎት ኢንተርነት ይዅን ንሃድሕዱ ዝተራኸበ መርበብ ትካላት ስለዘየለ፡ ኣብዚ እዋን ብኣጋ ዝግበር ኣይመስልን።

ፖለቲካዊ ተነጽሎ

ዓለምለኻዊ ጸብጻባትን መምርሒታት ጕዕዞን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ በቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝፍጸም ሰብኣዊ ግህሰትን፣ ሕጽረት ዲሞክራስያዊ ትካላትን ፍጹም ልምሰት ሃገራዊ ትካላትን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ግዝኣተ ሕጊ ብዘይምህላውን ብቐጻሊ ስለዝጠቕሶ ሓደ ካብቲ ስክፍታ ዝፈጥር ምዃኑ መምህር ጸጋይ የረድእ።

እቲ መግለጺ ንብዙሓት ቱሪስታት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ክገሹ ዝሓስቡ ተራ በጻሕቲ፡ እቲ ቀይድታት ምብዛሕን ክትትልን ንጽባቐ ኤርትራ ስለዝሓብኦ፡ ብዙሓት ንኤርትራ ክበጽሑ ሕልሚ ዘለዎም ገያሾ እግሮም ከሕጽሩ ይመርጹ።

ውሱን ትሕተ ቅርጺን ኣገልግሎታትን

እቶም ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ እውን፡ ግብራዊ ዕንቅፋታት የጋጥሞም። ርኡይ ሕጽረት ነዳዲ፡ ማይን ኤሌክትሪክን ውሑዳት ኣህጉራዊ ደረጃ ዘለዎም ሆቴላት፡ ከምኡ'ውን ውሱን ወይ ዘይምህላው ኣገልግሎት ዘይገንዘባዊ ስርዓተ ክፍሊት፣ ዘተኣማምን ብዋጋ ድማ ዝሓሰረን ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘይምህላው ከኣ ይጠቕሱ።

ኣብ ኬንያ ንኣብነት፡ ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ሓረስታይ ኣብ ቤቱ ይዅን ኣብ ኢዱ ኣብ ዝሕዛ ሞባይሉ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክረክብ ጸገም የብሉን። ዋላ እውን እቲ ኣብ ጎደናታት ኣሕምልትን ፍሩታታትን ዝሸይጥ ትሑት ዝዓቕሙ ዜጋ፡ በቲ "ኢምፔሳ" [Mpesa] ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ኣብ ኬንያ ማዕቢሉ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነትን ረኺቡ መተዓዳደጊ ስርዓትን ዝኸውን ዘሎ ናይ ቴሌፎን ባንክ ኣቢሉ ብቐሊሉ ኣብ ካልኢታት ንግዳዊ ዋኒኑ ከሳልጥ - ገንዘብ ክቕበል፡ ናብ ዝደለዮ ክልእኽን ናብ ናይ ባንኩ ሕሳብ ከቐምጥን ካልእን ኣይሽገርን እዩ።

ዝዀነ ገያሻይ፡ ካብ ዝዀነ ኩርናዕ ዓለም ኣብ ሞምባሳ ኣብ ዝርከቡ ሪዞርትታት ባሕሪ እታ ሃገር ብቐጥታ ብኦንላይን ኣብ ደቓይቕ መደቀስን መዘናግዕን ክሓዝእ ወይ ክኸፍል ይኽእል። ኣብታ ንእሽቶ ወደባዊት ከተማን ሃገርን ጅቡቲ እውን ዘመናዊ ሆቴላት ንምሓዝ ኣይሽገርን።

ኣብ ኤርትራ ግን ኵሉ ነገራት፡ ብውሕዱ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እኳ ብምንጽጻር ገና ድሕሪት እዩ ዘሎ። እተን ሆቴላት ዘመናዊ ኣገልግሎት ክህባ ኣይበቕዓን።

እቲ በጻሕቲ ዝመርጽዎ ውሑስን ስሉጥን ኣገባብ ክፍሊታት ኣጸጋሚ እዩ፤ ጥረ ገንዘብ ዘይኰነ ብሞባይል ወይ ብካርድ ክፍሊት ዝቕበላ ሆቴላትን ካልኦት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዳርጋ የለዋን።

ካብ ባንክታት ገንዘብካ እተውጸኣሉ ኤቴኤም ወይ ካሽ ማሺን እውን የሎን፤ ስለዝኾነ ንኤርትራ ዝሓስብ ገያሻይ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካልእ እዚታት'ውን ኣቐዲሙ ስለዘጨንቖ ኣብ ምርጫ ከምዘይሰርዓ እቲ ዘሎ ክውንነት የረድእ።

ስክፍታታት ድሕንነትን ዞባዊ ወጥሪን

ዕዳጋ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ፡ ስርቂ፡ ክትራንን ምስኡ ተዛሚዱ ዝመጽእ ኣካላዊ ጐነጽ፡ ቅትለትን ካልእን ብፍላይ ንበጻሕቲ ብዙሕ ስለዘየጋጥም በዚ መዳይ ንበጻሕቲ ዓዲ ውሕስትን ሰላማዊትን ሃገር እያ። እንተዀነ እቲ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ዝግበር ምክትታል ግን ስግኣት ከምዝፈጥር ተሞኲርና ዝብሉ ገያሾ ኣቃሊሖሞ እዮም።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብቲ ዞባ ዝፍጠሩ ዞባዊ ግጭታትን ዘይምርግጋኣትን፡ ከምኡ'ውን ከም ካብ ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ካናዳን ዝወጹ መምርሒታት ጕዕዞ፡ ንብዙሓት ቱሪስት ስክፍታ ዝፈጥር እዩ።

ኣብ ርእሲኡ ናይ መንገዲ ኣየር በረታታት ሕጽረት እውን ኣሎ። እቲ ውልዕ ጥፍእ ዝብል መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዓመታት ዘይምህላው፡ ናብታ ሃገር ዝግበር ጕዕዞ ኣጸጋሚ ይገብሮ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታት ብምቍራጹ እውን ካልእ ብደሆ እዩ። በዚ ኸኣ ንሓደ ዓለምለኻዊ ተጓዓዛይ፡ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ በረራታት ንከላግብ ዘይምቹእነት ክፈጥረሉ ይኽእል።

ሕጽረት ጎስጓስን ምልላይን

ከም ሓምሻይ ጠንቂ ዝስራዕ ሕጽረት ጐስጓስን ምልላይን ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ኤርትራ ኣብዚ መዳይ ነቲ ተሃራፊ ገማግም ባሕራን ባህሪያዊ ጽሩይ ትሕዝቶታቱን፡ ካልኦት መስሕብ ቱሪስት ክዀኑ ዝኽእሉ ዘለዉዋ ጸጋታት ብሰፍሓትን ማራኺ ትሕዝቶን ብዝተፈላለየ ቋንቋታትን ብጻዕቂ ናይ ምፍላጥ ስርሓት ኣብ ምክያድ ድኽመት ከምዘለዋ እዩ ዝንገር።

መምህር ጸጋይ ግን፡ "እንታይ ሒዝካ ኢኻ'ሞ ናይ ቱሪዝም ኣድቨርታይዝመንት ክትገብር፤ ትሕዝቶ ዘይምህላው ዘይኰነን ንበጻሕቲ ብዝስሕብ መልክዕ ዝተቐረበ የለን፡" ድሕሪ ምባል "ቀሪብካን ኣዋዲድካን ብሰንኪ ምልላይ እንተበዂርካ ከዛርብ ይኽእል እዩ። ንዘይተቐረበ ግን ኣለኒ ክትብል ኣይከኣልን" ክብል ምጕቱ የቕርብ።

ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታታ ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋ ዘጠራጥር ኣይኰነን፡ ይብል ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን፡ ንብዝሕን ጽሬትን ማያት ደሴታታ ጥራይ ከም ኣብነት ብምጥቃስ።

ብሓጺሩ ኤርትራ ካብ ርሑቕ ብዙሕ እትፍቶን እትናፈቕን፡ ምስ በጻሕካያ ግን ኣብ ዓሚቝ ድቃስ እትረኽባ ሃገር እያ ኰይና ኣላ ብምባል እቶም ነታ ሃገር ዝመርሑ ዘለው ዝሸምገሉ ሰበስልጣን ብዕድል መጻኢ ወለዶታትን ደቆምን ካብ ምቍማር ክሕየቡ የተሓሳስብ።