ሓይልታት ትግራይ ኣበይ እዮም ዘለዉ? ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ተኽእሎ ዳግማይ ውግእ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መቐለ፡ ምዕራይ መራኸቢታት ብመጠኑ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ምምላሱን፡ ነበርቲ ዝተወሰነ ዕረፍቲ ፈጢሩሎም ኣሎ፤ እንተዀነ ካልእ ሻቕሎት ዝፈጥር ነገር ግን ኣሎ።
ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ሰሜንን ስሜናዊ ምዕራብን ኣስታት 45 ኪሎ ሜትር ውፅእ ኢልካ፡ ዝርከቡ ነበርቲ፡ ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ እናተጸበዩ፡ ድቃስ ዝኸልእ ሃዋህው ግጭት ይዕዘቡ ኣለዉ።
ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ትግራይ፡ ዳግማይ ውግእ ክጅመር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ከም ዝመጸ ነበርቲ ንቢበሲ ገሊፆም። ገለ ካብዘን ከተማታት፡ በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኲናት ትግራይ ኣዝየን ዝተሃሰያ እየን።
ብጸጥታዊ ምኽንያት ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ውቕሮ፡ ተጋደልቲ ሓይልታት ትግራይ ካብ -ደቡባዊ ኣንፈት ትግራይ ዝቐነየ ውግእ፡ ድሕሪ ምድፋእን ምስሓቦምን፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብታ ከተማ ክኣትዉ "ተስፋ ዘቕብፅ" ክብል ዝገለጾ ኵነታት ከምዝተዓዘበ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ደኺሞም፡ ቆሲሎምን ጠምዮምን ነይሮም፤ ብዙሓት ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ዝሓለፉ ይመስሉ ነይሮም።"
ካልኦት ድማ ብወተሃደራዊ መኪና ግዒዞምን ብዝተወደበ መልክዕን ናብ ከተማ ውቕሮ ዝኣተዉ ኣባላት ኣርባዕተ/ሰለስተ ኣርሚታት ተመልኪቱ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ነባሪ፡ ብ ኣርሚ 21፡ 31፡ 32ን 33ን ዝፍለጡ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ትግራይ ካብ ሓሙስ ጀሚሮም ናብ ውቕሮ ኣትዮም ሓዲሮም፤ ዳግማይ ተኣኻኺቦም።
"እታ ብሰንኪ ግፋን ጭውያን ጭር ኢላ ዝቐነየት ከተማ፡ ብሓደ ግዜ ብወተሃደራት መሊኣ ሓዲራ" ይብል።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ካብ ቀዳም ጀሚሮም ዳግማይ ምትዕርራያት ከመዝገበሩ ዝገልፅ እቲ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ዘለዎ ምንጭ፡ ካብ ውቕሮ ንምዕራብ ኣንፈት ናብ ዛዕና፣ በዓቲ ዓኮርን ፅገረዳን ሓዊሱ ናብ ጥቓ ሰንሰለታዊ ኣኽራናት ገርዓልታ ተፀጊዖም ይብል።
ካልኦት ድማ ብኻልእ ገፅ እቲ ሰንሰለታዊ ጎቦታት፡ ኣብ ከባቢ እንዳ ኣበርሃ ኣጽብሃን ድጉምን ዓስኪሮም ከምዘለዉ ይገልፅ።
ሳልሳይ ደረጃ፡ ዝያዳ ንምብራቕ፡ ኣብ ከባቢታት ኣጽቢ ወንበርታ፡ ብኣንፈት ግንባር ዓፋር ዝቐርብ ከባቢ ከምዝዓረፈ ይዛረብ።
"ኣብቲ ካልእ ከባቢ ርግፀኛ ኣይኰንኩን፡ ኣብ ኣንፈት ዛዕና- ፅገረዳ ግን፡ ከበድቲ ኣፅዋር ተኺሎም፡ መዳፍዕ ኣዋዲዶም ድፋዕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ባዕለይ ኣረጋጊፀ ኣለኹ" ይብል።
ቢቢሲ ነቲ ብነበርቲ ዝተገልጸ ወተሃደራዊ ምትእኽኻባት ብናጻ ኣየረጋገጸን።
ካብ መቐለ ወፂኡ ኣብ ከባቢ ማይ መኽደን ዝርከብ፡ ሓይሊ ሰራዊት መንግስትን ሓይሊ ሰላም ትግራይን፡ ኣብ ጥቃ ከተማ ውቕሮ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኣጉላዕ ከምርሕ ምድላዋት ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ቅድሚ ሃገረሰላም ዝርከብ ኣልዓሳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሓይልታት ትግራይ ምህላዎም እቶም ምንጭታት የረድኡ።
ካልእ ተወላዲ ውቕሮ፡ ሕጂ ኣብ መቐለ ዝርከብ በረከት ዝተብሃለ [ኣባል ሓይልታት ትግራይ ዝነበረ] ድማ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ዘንፀባረቐ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ዘሎ ምትእኽኻብ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሰፊሕ ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ይኣምን።
እቲ ነባሪ፡ ነንሕድሕዶም ዝፀጋግዑ ዘለዎ ተፃባእቲ ሓይልታት ኣብቲ ከባቢ ዳግማይ ክገጥሙ ሰፊሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
"ውግእ ዳግማይ ክጅምር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዳግም ምትእኽኻብ ይገብሩ ኣለዉ፤ ሓይልታት መንግስቲ ድማ ምስ ኣሃዱታት ሓይሊ ሰላም ትግራይ ብምዃን ናብ ከባቢ ኣጉላዕ ገፆም የምርሑ ኣለዉ።"
ብመሰረት እቶም ነበርቲ፡ ሓይልታት ፈደራልን መሻርኽቶምን፡ ኣብ ከባቢ ሓይቂ መስሓልን ኣጉላዕን ኣብ ከባቢታት ምብራቕ ኣንፈት ቁፅፅር ከሐይሉ ይበጋገሱ ኣለዉ።
እዚ ሓይሊ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢ ኣፅቢ ዓሪዶም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ክጋጨው ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ።
ምፍጣጥ እዞም ተፃባእቲ ሓይልታት፡ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ጭንቀት ኣስዒቡ ኣሎ።
"እቶም ሓይልታት ነንሕድሕዶም ዳርጋ ይጸጋግዑ ሰለዘለዉ ህዝቢ ይጭነቕ ኣሎ። ህዝቢ ካልእ ዙርያ ውግእ ክቕፅል ድዩ ክብል ድማ ይሓትት ኣሎ።"
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዓቢ ግጭት ከምዘየለ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ሃዋህው ግን ወጥሪ ዝመልኦ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብዙሓት ነበርቲ ንወተሃደራዊ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለዉ።
ቃለ መሓትት ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ እንዳ ቡን ኰይኑ ዘዛረባና እቲ ነባሪ፡ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣልዒሉ የዕልል ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
እቲ ፍርሒ ዳግማይ ግጭት ከይህሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኲናት፡ ኣብቲ ቀደሙ'ውን ዝተዳኸመ መነባብሮ ካልእ ቅልውላው ከየስዕበሎም ይሰግኡ ኣለዉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ውግእ ናይ መወዳእታ ክኸውን ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ።
ኣብ ዓለምለኸ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝሰርሕ ነባሪ ከተማ መቐለ ቴድሮስ ጥላሁን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝፍጠር ዘሎ ህድኣት ቀፃልነት ክህልዎ ተስፋ ይገብር።
"ህዝቢ ትግራይ ኲናት ኣይደልን፡ እኹል መስዋእቲ ከፊሉ እዩ፡" ይብል ቴድሮስ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰቘቓ ነበርቲ
ንነበርቲ መቐለ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ተወለድቲ እቲ ክልል፡ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ስልክን ናብ ንቡር ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ዘሕለፉዎ ብድሆ፡ ቍጠባዊ ፀገም፡ ዘይውሑስ ኵነታትን ይገልፁ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ተፈጢሩ ዝነበረ ምቍራፅ ተሌፎን፡ ምብታኽ ርክባትን ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ መላእ'ቲ ክልል ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።
ነበርቲ ነዘን ሒደት [ዓሰርተ] መዓልታት ብኽፉእ ይዝክሩወን ኣለዉ።
ቴድሮስ ጥላሁን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንብዙሓት ሰባት ዝኸበደ ብድሆ 'ሃንደበታዊ ምቍራፅ ኣገልግሎት ርክብን ሞባይል ባንክን' ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቴድሮስ፡ ብዛዕባ ምቍራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ባንክን ኣመልኪቱ፡ "እቲ ዝኸፍአ ጭካነ ዝመልኦ ነገር'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ክልል ተበጻሕነት ጥረ ገንዘብ ኣዝዩ ድሩት ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ ከምኡ ክኸውን እዩ ኢሉ ከም ዘይገመተ ይዛረብ።
"ንኣዋርሕ ሰባት ብቐንዱ፡ ብሞባይል ገንዘብ ብምትሕልላፍ ይነብሩ ነይሮም። እዚ ደው ምስ በለ፡ ዳርጋ ሰባት ብህይወቶም እናሃለው ምቕባር ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።"
እቲ ኵነታት ብፍላይ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሞባይል ተሌፎን ድሩት ኣብ ዝዀነሉ ናይ ገጠር ማሕበረሰባት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ገሊጹ።
እቲ ርክባት ደው ምባል ነቲ ኵነታት ዝያዳ ኣጋዲድዎ።
"ዳግማይ ከምኡ ክኸውን'ዩ ኢለ ኣይገመትኩን ነይረ። እቲ ውግእ ንነዊሕ እዋን እንተዝቕጽል ነይሩ፡ ሰባት ብህይወት ንኽፀንሑ ኣዝዩ ከቢድ ምኾነ ነይሩ።"
ኣብ መቐለን ካልኦት ክፋላት እቲ ክልል፡ ኣገልግሎት ተሌኮሙኒኬሽንን ኢንተርነትን ናብ ንቡር ዝተመልሰ ዀይኑ፡ ኣብ እዋን ውግእ መን ነቲ መራኸቢታት ክዕጾ ከምዝገበረ ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።
መንግስቲ ድማ ብዛዕባ ምቍራፅ መራኸቢታትን ባንክን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዕላዊ ሓበሬታ የለን።
ትማሊ ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝተዛረበ ነባሪ መቐለ ፍፁም ብርሃነ፡ እውን ተመሳሳሊ ስክፍታታት ኣንጸባሪቑ ነይሩ።
ሓይልታት ፈደራልን መሻርኽትን ናብታ ከተማ ቅድሚ ምእታዎም ኵነታት መነባብሮ ኣዝዩ ዘፍርሕ ኰይኑ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
"እዘን ዓሰርተ መዓልታት ገሃነም እየን ነይረን፤ ካብቲ ዝሓለፈ ዕፅዋን ክባን ዝኸፍአ ኵነታት እዩ ተፈጢሩ ነይሩ" ይብል።
ኵሎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓይልታት መንግስቲ ናብ መቐለ ምስ ኣተዉ ርክባት ናብ ንቡር ክምለስ ምርኣዮም እፎይታ ከም ዝፈጠረሎም ገሊፆም።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ከተማ መቐለ ዝወፅእሉ ኵነታት ግን ኣዝዩ ዘይውሑስ ኵነታት ፈጢሩ ከምዝነበረ ነበርቲ ገሊጾም።
"መዓስ ከም ዝኸዱ ብልክዕ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን" ይብል ቴድሮስ ጥላሁን፡ ቅድሚ ምውጻኦም፡ መኪናን ካልኦት ክቡራት ነገራት ክወፅእ ከምዝተገብረ ይገልፅ።
"ነቲ ህዝቢ ግን ንበላዒ ሂቦምዎ ኸይዶም" ይብል፡ እሱራት ተፈቲሖም ከምዝተበተኑ፡ ገበነኛታት ድማ ናብ መኽዘን ኣፅዋር ኣትዮም ብረት ከውፅኡ ከምዝኸኣሉ ብምግላፅ።
ቢቢሲ ነቶም ክስታት ብናጻ ኣየረጋገጸሎምን።
ቴድሮስ ወሲኹ፡ ገበንን ምዝማትን ኣብ ገለ ከባቢታት ስክፍታ ፈጢሩ ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ብፍላይ ምኽንያት ምፍታሕ እሱራትን ፖሊስ ዘይምህላዉን ዘስዓቦ ከምዝዀነ ገሊፁ።
እቲ ነባሪ፡ ሓይልታት መንግስቲ ናብ መቐለ ምስ ኣተዉ ሰፊሕ ናይ ሕነ ምፍዳይ ዓመጽ ከምዘይተፈጸመ ገሊጹ።
"ብሰላም ክኣትዉ ርኢናዮም። እንታይ ክኸውን ዝብል ፍርሒ ነይሩ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ተግባራት ግን ኣይረኣናን።"
ሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ምስ መሻርኽቶም ኣብቲ ዝቐደመ ኲናት ትግራይ ብዝተሰነዱ ሰፋሕቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ።
እዚ ምዕባለታት፡ ንልዕሊ ዓሰርተ መዓልታት ዝቐፀለ ውግእ ስዒቡ፡ ሓይልታት መንግስቲ ምስ ሓይልታት ሰላም ትግራይ፡ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቈፃፀርሉ እዋን እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብታ ርእሰ ከተማ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ፡ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከምዝተንቀሳቐሰን ዕጥቃዊ ቃልሱ ከምዝቕፅልን ገሊፁ ኣሎ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
