
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዝሃቦ፡ ግዜ ገደብ እንተዘይኣማሊኣ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ዒላታት ነዳዲን መጻረዪ ማይ ጨውን ከዕኑ ምዃኑ የፈራርሕ ኣሎ።
ኣብዚ ኲናት ድሮ ብርክት ዝበሉ ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓትን ዒላማታት ኰይኖም ተሃሪሞም እዮም።
ኣመሪካን እስራኤልን ገሊአን ምስ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብኣጋጣሚ ዝተሃርሙ ምዃኖም እየን ዝገልጻ።
ብ28 ለካቲት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ኲናት፡ ክልተ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ሚናብ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሻጃረህ ጣየበህ ሃሪሞም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 110 ህጻናት ተምሃሮ ደቀንስትዮ ዝርከባኦም ብውሕዱ 168 ሰባት ከምዝቐተለ ሰበስልጣን ኢራን ገሊጾም።
ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ወተሃደራዊ መርመርቲ ሓይልታት ኣመሪካ ተሓተትቲ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ከም ዝኣምኑ'ኳ እንተገለጻ፣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ግን የለን።
ኣብ መጀመርታ መጋቢት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን፡ "ጸሊም ዝናብ" ንርእሰ ከተማ ቴህራን ኣንጠንጥዩዋ።
እቶም ሽዑ ዒላማ ዝተገበሩ ድማ፡ መኽዘናት ነዳዲ ፋርዲስ፡ ሻህራንን ኣግዳሲህን፡ ከምኡ’ውን መጻረዪ ነዳዲ ቴህራንን ይርከብዎም።
ክልተ ዝዓበዩ ትካላት ሓጺን ኢራን ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ- እስራኤል ከም ዝተዓጽዋ፡ እተን ኣካየድቲ ኩባንያታት ይገልጻ።
ኢራን ዓባይ ዓለምለኻዊ ኣፍራዪት ሓጺን እያ።
ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢራን ኣብ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮንዳብ "ከቢድ ጉድኣት" ከም ዘውረደ ተቘጻጻሪ ኑክሊየር ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ፣ ዝሰዓበ ብከላ ግን ኣይተራእየን።
ዝሓለፈ ሓሙስ 2 ሚያዝያ፡ ካብ ቴህራን ንምዕራብ እትርከብ ከተማ ካራጅ ዘሎ ዓቢ ድልድል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዓንዩ።
ድሕሪኡ ትራምፕ ብዛዕባ ዕንወት እቲ ድልድል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክምካሕ እዩ ተሰሚዑ። ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሸሪፍ እውን ብዝወረዶ መጥቃዕቲታት ተሃስዩ ኣሎ።
ኣብ ገለ ክፋል ቴህራን እውን ምቍራጽ ጋዝ ይርአ'ሎ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብርክት ዝበሉ ዩኒቨርሲቲታት ተሃስዮም ኣለው፣ ካብኣቶም - ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ቴህራንን ዩኒቨርሲቲ ሻሂድ በሄሽቲን ይርከብዎም።