ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ሰፋሮ ዘጽደቖ እገዳ

እስራኤላውያን ሰፋሮ ሓዊ ዝረኵዑላ መኪና ፍልስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እስራኤላውያን ሰፋሮ ሓዊ ዝረኵዑላ መኪና ፍልስጤማውያን
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

መበል 27 ዋዕላ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰፋሮ ምዕራባዊ ገማግም ሓድሽ እገዳ ንምንባር ኣጽዲቖም።

ድሕሪ ምጅማር ውግእ ቓዛ ኣብ ጥቅምቲ 2023፡ ብወገን ሰፋሮ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ብዓቢ መጠን ወሲኹ ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት መዝጊቡ ይርከብ።

እቶም ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይሕጋውያን ዝዀኑ ሰፈራታት፡ ኣብቲ ፍልስጤማውያን ንመጻኢት ሃገሮም ዝጠልቡዎ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እስራኤል ዝርከብ መሬት ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ ኢየሩሳሌምን እዮም ዝህነጹ ዘለዉ።

ሓላፊት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካላስ፡ "ካብቲ ኰይኑ ዘሎ ዕጽው ኵነታት ናብ ተግባር እንሰጋገረሉ እዋን ሕጂ እዩ... ጥሩፍነትን ዓመጽን ሳዕቤን ኣለዎ፡" ኢላ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዣን-ኖኤል ባሮት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝካየድ ሰፈራታት ዝድግፉ ቀንዲ ውድባት እስራኤል እገዳ ከም ዘንበረ ገሊጹ።

ብኣንጻሩ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳኣር፡ እቲ ውሳነ "ፖለቲካዊ" ነድኢ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ዓዳ ንዝግበር ምስፋር ኣይሁድ ከም እትቕጽል ኣፍሊጡ።

መንግስታት እስራኤል፡ እዞም ሰፈራታት ንኽሰፍሑ ከተባብዑ ጸኒሖም እዮም።

ብፍላይ ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ መወዳእታ 2022 ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስን ውግእ ቓዛ ካብ ዝጅምርን፡ እዚ ምስፍሕፋሕ ልዑል ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሸውዓተ ሰፈራታት ወይ ውድባት ሰፋሮ በዚ እገዳ ክጽለዉ እዮም።

እገዳ ካብ ዝተነበረሎም ውልቀ-ሰባትን ውድባትን ድማ እታ ብብሪጣንያ'ውን እገዳ ተነቢሩላ ዘላ ዳንኤላ ወይስ፡ ከምኡ'ውን ምንቅስቓሳት ናሓላ፡ ረጋቪም፡ ሃሾመር ዮሽ ከምኡ'ውን ኣማና ይርከቡዎም።

እስራኤል ካብቲ ኣብ 1969 (67) ዝተኻየደ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ጀሚራ፡ ምዕራባዊ ገማግምን ምብራቕ ኢዮሩሳሌምን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ብምእታው፡ ን700,000 ኣይሁድ ዝሕዙ 160 ሰፈራታት ሃኒጻ ኣላ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2025 ጥራይ ብእስራኤላውያን ሰፈሮ ኣብ ልዕሊ 280 ማሕበረሰባት ምዕራባዊ ገማግም ዝተፈጸሙ ልዕሊ 1,800 መጥቃዕትታት መዝጊቡ ኣሎ።

ገለ ካብቲ ዝተፈጸመ ዓመጻት ድማ ንፍልስጤማውያን መቃብር ክዅዕቱ ምግዳድ፡ ምትኳስን ምቕታልን፡ ከምኡ'ውን ኣባይቲ፡ መካይንን ሕርሻዊ መሳርሒታትን ብሓዊ ምቅጻል ይርከቡዎም።

ገለ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብዞም ሰፈራታት ዝመጽኡ ፍርያት ናብ ዓደን ከይኣቱ ንምእጋድ ይጽዕራ እኳ እንተለዋ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ሓባራዊ ስምምዕ ኣይተበጽሐን።

ጊዴዎን ሳኣር ነዚ ብምቅዋም፡ "ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ዜጋታት እስራኤልን ግብረ-ሽበራውያን ሓማስን ዝገበሮ ምንጽጻር ፍጹም ተቐባልነት የብሉን፡" ክብል ነጺጉዎ ኣሎ።