ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?

ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ግን፡ " ዕርቅን ሰላምን ዝጽውዕ ጽምዶ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ንኽፍጠር ግን እቲ ጽምዶ ንዂናት ዘይኰነስ ንሰላም ዝዓለመ ኰይኑ፡ ንኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ኣካላት ኢትዮጵያን እውን ክሓቍፍ ይግባእ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, FISTUM AREGA/TWITTER

ካብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ናይ ኤርትራውያንን ተጋሩን ማሕበራዊ መራኸቢታት "ጽምዶ" ዝብል ቃልን ሓሳብን ሓያል ክትዕ ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ "ጽምዶ" ዝብል ቃል፡ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ንሓባራዊ ስግኣታት ብምግጣም፡ ህላወኻ ንምርግጋጽ ዝፍጠር ምሕዝነት ዘመልክት ኰይኑ ልምዓታዊ መደባት ንምዕዋት እውን ይዝውተር እዩ።

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም? እቲ ዝዕደም ዘሎ ጽምዶኸ ስልታዊ ድዩ ስትራተጅያዊ? እንታይ ዕድላትን ብድሆታትን ክህልዎ እዩ?

እቲ ጽምዶ ኣብቶም ፖለቲካዊ ስርዓታት ጥራሕ ዝተሓጽረ ድዩ ወይስ ናብ ህዝቢ ክሰርጽ ይኽእል እዩ? እንተ ዘይተላፊኖምከ ናብ ካልእ ቅርሕንቲ ከምለሱ ድዮም? እቲ ህዝቢኸ ብኸመይ ክቕበሎ እዩ ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

እዞም ሕጂ ክንጻመድ ኢና ዝብሉ ዘለዉ ሓይልታት፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ካብ ፈለማ 1970ታት ኣትሒዞም ንሓንሳብ እናተቓደዉ ንሓንሳብ እናተፋሕፍሑ ንስርዓት ደርግ ስዒሮም ነናብ ርእሰ ከተማታቶም ኣትዮም መንግስቲ ዝተኸሉ ውድባት እዮም።

ኣብ ሻብዓይ ዓመቶም ግን ብዶባት ብዝምኽነ ኵናት ንኽልተ ዓመት መሪር ደማዊ ኵናት ኣካይዶም። ካብ ክልቲኡ ወገን ከኣ ልዕሊ 100,000 ትንፋስን ብቢልዮናት ዶላር ዝትመን ንብረትን ኣጥፊኦም።

ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ኵነተ-ዂናት ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ኣብ 2018 መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ህወሓት ዝተሓሰሞ ብይን ኮምሽን ዶባት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ተቐቢሉ፡ ዕርቀ-ሰላም ምስ ተኣወጀ እውን ኣይተዓረቑን።

እቲ ዝምድና ኣስመራ-ኣዲስ ኣበባ እምበር፡ ኣስመራን መቐለን ዓይንን ሓመድን ኰይነን ኣብ 2020 ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝተወልዐ ኵናት መንግስቲ ኤርትራ ብዅሉ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ተጸንቢሩ፡ ዳግማይ ደማዊ ኵናት ዘሕለፉ ሓይልታት ምዃኖም ኣማኻርን ተመራማርን ስነኣከባቢ ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ይሕብር።

ኣብዚ እምበኣር ስለምንታይን ብኸመይን ደኣ ሕጂ ክጻመዱ ደልዮም ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። ኣብ መልበርን ኣውስትራልያ ዝነብር ክኢላ ሕርሻን ኣከባብን ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ህወሓትን ህግደፍን ክግበር ዝፍተን ዘሎ ጽምዶ፡ "ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክውስኸኒ ነይኣምኖ፡" ብዝብል ምስላ ትግርኛ እዩ ዝገልጾ።

"እዞም ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም እናተባእሱን እናተዓርቁን ንደርግ ዝሰዓሩ ህወሓትን ናይ ሕጂ ህግደፍን፡ ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ዝግብኦ ዝነበረ ግጭት፡ ኣብ ህልኽን ትዕቢትን ብምእታው ተዋጊኦም ንህዝቢ ዘህለቑ ውድባት፡ እዚ ሎሚ ዝብሉዎ ዘለው ጽምዶ ካብ ስግኣት ዝነቅል ጥራሕ እዩ ዝኸውን፡" ክብል እቲ ጽምዶ ቅድም ቀዳድም ምስ ህዝቡን ዜጋታቱን ክኸውን ከም ዝግባእ ይመክር።

"ምስ ጐረባብቲ ጽምዶን ዕርቅን ክትገብር ሰናይ እዩ፣ እንተዀነ፡ 'ጕድለታትና ኣሪምና ጕዕዞና ንቐይስ' ዝበሉ ኣሕዋትካ ኣሲርካን ሰዊርካን ክኸውን ኣይግባእን፡" ክብል ንሓሳባቱ የራጕድ።

እቶም ክሳዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓቢሮም ኣንጻር ህወሓት ዝተዋግኡ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ምኽንያቱ ግልጺ ብዘይኰነ ምኽንያት ተቐራሒኖም።

ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ግን፡ " ዕርቅን ሰላምን ዝጽውዕ ጽምዶ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ንኽፍጠር ግን እቲ ጽምዶ ንዂናት ዘይኰነስ ንሰላም ዝዓለመ ኰይኑ፡ ንኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ኣካላት ኢትዮጵያን እውን ክሓቍፍ ይግባእ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, PM Office

መግለጺ ስእሊ, "ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ንኽፍጠር እቲ ጽምዶ ንዂናት ዘይኰነስ ንሰላም ዝዓለመ ኰይኑ፡ ንኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ኣካላት ኢትዮጵያን እውን ክሓቍፍ ይግባእ፡"
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቢይ ኣሕመድ፡ እንተስ ብፍታው እንተስ ብሓይሊ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ዋንነት ሕቶ ብምልዓል፡ ኣብ ኣደባባይ ብቓልዕ ክጕስጕስ ጀሚሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣንጻር እቲ ብጕጅለ ደብረጽዮን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት በትሪ ከወጣውጥ ምስ ጀመረ፡ እዞም ክልተ ኣካላት ናይ ሓባር ጸላኢና ንዝብሉዎ ወገን ክከላኸሉ ዘቝምዎ ዘለዉ ጽምዶ ምዃኑ፡ ተመራማሪ ትምህርትን ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ኣንግልያ ራስኪን ዩንቨርስቲ ዓዲ እንግሊዝ ዶ/ር ሳምሶን ማእከለ የረድእ።

እቲ ብወገን ኤርትራ፡ ነቲ ጽምዶ ዝብል ሓሳባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቃልሖ ዘሎ ነጣፊ፡ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ጽምዶ ነቲ ዶ/ር ሳምሶን ዘቕረቦ መረዳእታ ዝሕግዝ፡ 'ብወገን መንግስቲ ብልጽግና ኣንጻር ኤርትራን ትግራይን ዝቐንዐ ናይ ኵናት ሓደጋ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ሓቢርና ክንገጥሞ ኣሎና' ብምባል፡ " ከምቲ ኣኽላባት ዝብኢ ምስ ኣሳጐጉ ኣብ ዓጽሚ ይበኣሱ ዝበሃል ንሕና ከኣ ፍልልይ እንተ ኣልዩና፡ ናይ ሓባር ጸላኢና ምስ መከትና ዳሕራይ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልና ጉዳይና ንፈትሖ፡" ክብል ነቲ ከይመጽእ ዝፍራሕ ስግኣት ኵናት ኣራጒዱዎ።

እዚ ከኣ ነቶም እዚ ጽምዶ እዚ ካብ ስግኣት ዝብገስ ስልታዊ ምትሕግጋዝ እምበር፡ ንሓዋሩን ንነዊሕ ዝጠመተን ስትራተጅያዊ ጽምዶ ኣይኰነን ዝብሉ ወገናት ድልዱል ምጕት ይዀኖም።

ኣብ ሰሜን ካሮላይና ቻርለት ዝነብር ፋርማሲስትን ደራስን፡ ኣቶ ዳንኤል ተስፋዮሃንስ እዞም ብሰንኪ ትዕቢትን ትምክሕትን ነቲ ክሳዕ ናጽነት ሒዞሞ ዝኣተዉ ምሕዝነትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ዕድላትን ቀደም ብስንፍናኦም ሓምሺሾም ስለ ዘዳቐቑዎ ሕጂ ክጽግኑዎ ኣይክእሉን እዮም ክብል ይምጕት።

"ህወሓትን ህግደፍን ንባህላዊ ምሕደራን ስቪላዊ ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ካብ ሳሕልን ደደቢትን ሒዞሞ ብዝመጽኡ ፍልስፍና በርቊቘም ዝደርበዩን ንሓው ህዝብታት ዘተፋነኑን ትካላት እዮም። እቲ ዘዕነዉዎ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝዀነ ናይ ምጽጋን ዕድል ክህልዎም ኣይክእልን እዩ፡" ይብል።

"ንህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ብኢዱን እግሩን ሒዞሞ እምበር፡ ጸገማቱ ብኸመይ ኣብ ባይቶ ከም ዝፈትሖ መምህሮም እዩ፡" ክብል ሓሳቡ ይድርዕ።

ይዅን`ምበር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትግራይን ኤርትራን ነቲ ሓሳብ ዝተቐበሉዎ፡ 'ነቲ ትማሊ ብኣቦታትናን ዓበይቲ ኣሕዋትናን መራሕቲ ፖለቲካ ዝተፈጸመ ጌጋታት እዞም ንእሽቱ ወለዶ ክንእርሞን ከነዐርዮን ንኽእል ኢና` ዝብል እምነት ዘለዎን ነቲ ሓሳብ ዝደፍእሉን ውሑዳት ኣይኰኑን።

'ፖለቲካ ረብሓ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ዝተዋግኡን ዝተዳመዩን ወገናት፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ምስ መጽኦም ንድሕነቶም ክብሉ ሓቢሮም ዝገጠሙ ኣብ ታሪኽ ውሑዳት ኣይኰኑን' ብማለት፡ ነቲ ሕሉፍ ባህርያትን ታሪኽን እዞም ክልተ ሓይልታት ኣብ ግምት ብምእታው ንዝምጕት ወገን ምላሽ ይህቡ።

ዶ/ር መብራህቱ ኣተወብርሃን ግን፡ " ዕርቅን ሰላምን ዝጽውዕ ጽምዶ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ፡ ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ንኽፍጠር ግን እቲ ጽምዶ ንዂናት ዘይኰነስ ንሰላም ዝዓለመ ኰይኑ፡ ንኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ኣካላት ኢትዮጵያን እውን ክሓቍፍ ይግባእ፡" ይብል።

ሰላም ዘለምበሳ
መግለጺ ስእሊ, ዛላምበሳ፡ ኣብ 2018 ዶባት ኣብ ዝተኸፍተሉ ኣብ ክልተኡ ህዝብታት ዝተራእየ ውዕዉዕ ስምዒት

ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ ብወገኑ፡ "መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቕድም ምስ ዜጋታቱ፡ ምስቶም ገዛና ኣጽሪና መገድና ነተዓራሪ ዝበሉ ሃገራውያን እዩ ክዕረቕን ክጻመድን ዘለዎ፡" ብምባል፡ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራ ዝግበረሉ ዘሎ ጐስጓስ፡ ነቶም ቤትና ኣጽሪና መንገድና ነተዓራሪ፡ ሓድነትና ኣጽኒዕና ተዛቲና ሃገርና ንህነጽ ንዝበሉ ኣብ ፈቐዶ ጐዳጕዲ ተኣሲሮም ተሰዊሮም ዘለዉ ዜጋታት ብምፍታሕ ዕርቂ ክእውጅ ብዝያዳ መምሓረ ይብል።

ዶ/ር መብራህቱ እውን ነቲ ሓሳብ ብምድጋፍ መንግስቲ ናይ ግዳም ስግኣት እንተ ኣልዩዎ፡ ቅድሚ ኵሉ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ፡ እሱራት ፈቲሑ፡ ዝተበደለ ክሒሱን ደቢሱን ዝተሰደ ህዝቢ ናብ ሃገሩ ክምለስ ክጽውዕን ምስ ዜጋታቱ ጽምዶ ክእውጅን ከም ዝግባእ የስምረሉ።

ካብኡ ዝተረፈ እቶም ዋጋ ዝኸፈሉ ዜጋታት ብዘይ ፍትሒ ተቐይዶም፡ እቶም ነብሶም ከድሕኑ ዕድል ዝረኸቡ ካብ ሃገሮም ነፊጾም ፈቐዶኡ ተበቲኖም እንከለዉ፡ ምስ ገለ ክፋል ህወሓት ጽምዶ ብምግባር ድሕነት ሃገርን ዜጋታትን ክሕሎ ኣይክእልን እዩ ክብል ይገልጽ።

ዶ/ር ሳምሶም እውን እቲ ጽምዶ ስትራተጅያውን ንነዊሕ ዝጠመተ ናይ ዕቤት መንገዲን እንተዀይኑ፡ ነቲ ጽምዶ ዝሰርዕን ዘተርንዕን ትካላት ፈጢርካ ክኸውን ከም ዝግባእ ብምዝኽኻር፡ " ድሕሪ ሕጂ ፖለቲካዊ ስርዓታት ንምድሓን ኣብ ውግእ ዝጠፍእ ህይወትን ዝባኽን ንብረትን ክህሉ ኣይግባእን፡" ክብል ኣትሪሩ ይምሕጸን።

እቲ ዝግበር ጽምዶ ከመይ ገይረ ንጸላእየይ ይኸቦን የጻብበሉን እንተዀይኑ፡ ነባሪ ሰላም ኣየምጽእን እዩ ዝበለ ዶ/ር መብራህቱ፡ እቲ ኣብ ዕርቂ ሰላም 2018 ዝተገብረ ንመቐለ ዘሊልካ ንኣዲስ ኣበባ ብምምልላስ ንህወሓት ብምጒናይ ዝሰዓበ ውግእን ህልቂትን ትምህርቲ ክኸውን ተማሕጺኑ።

"እዚ ናይ ሕጂ ጽምዶ፡ ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ እንተዀይኑ፡ ዕንወት እዩ፡" ብምባል ከኣ ከምኡ ከይድገምን ዳግማይ ጥፍኣት ከይስዕብን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ጽምዶ፡ ምስ ህወሓት ጥራሕ ዘይኰን ምስ ካልእ ኣካላት ትግራይ ኰነ ንኣቢይን ስርዓቱን ክጽምብርን ነባሪ ሰላም ዝፈጥርን ክኸውን ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።