ሜክሲኮ፡ ብወተሃደራዊ ስርሒት ዝተቐትለ ቀንዲ ኣሰጋጋሪ ዕጸፋርስ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሜክሲኮ ቀንዲ ተደላዪን ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ሲጀይኤንጂ ዝበሃል ጕጅለ ኣሰጋገሪ ዕጸፋርስ፡ ብፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ንምሓዙ ኣብ ዝተገብረ ስርሒት ከም ዝተቐተለ ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ኢል መንቾ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነሚስዮ ኦሰጌራ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሞንጎ ኣካላት ጸጥታን ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ዕጡቓትን ኣብ ዝተገበረ ምልውዋጥ ተዅሲ ብጥይት ብኸቢድ ተሃሪሙ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይታ ሃገር ዝርከብ ሆስፒታል እናተወሰደ እንከሎ ከም ዝሞተ'ዩ ተገሊጹ።
በቲ ኣብ ከተማ ታፓለፓ ዝተኻየደ ስርሒት ካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ሲጀይኤንጂ'ውን ከም ዝተቐተሉን ተገሊጹ።
እቲ ስርሒት ንኽካየድ ኣመሪካን ንሜክሲኮ ሓበሬታ ከም ዝሃበታ'ውን እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ።
ኣባላት ሲጀይኤንጂ ሕነ ሞት ሓላፊኦም ንምፍዳይ ኣብ ሸሞንተ ግዝኣታት እታ ሃገር መካይን ብምቅጻል፡ መንገዲ ብምዕጻውን ንሓይልታት ጸጥታ ብምጥቃዕን ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።
መንግስቲ ኣመሪካ ዜጋታቱ ኣብ ዞባታት ጃሊስኮ፡ ታሙሊፓስ፡ ሚቾና፡ ጉረሮን ንዮቮ ልዮንን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ጥንቃቐ ክገብሩ መግለጺ ኣውጺኡ።
ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክላውድያ ሼንባውም ፓርዶ'ውን ድሕሪ እቲ ፍጻም ህዝቢ "ክረግእ' ተማሕጺና።
እታ ፕረዚደንት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝለጠፈቶ ጽሑፍ፡ "ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እዛ ሃገር ንቡር ንጥፈታት'ዩ ዘሎ፡" ኢላ።
ወዲ 59 ዓመት ኢል መንቾ ኣባል ፖሊስ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ኮከይን፡ ሜታፈንታሚንን ፈንታሊንን ዝብሃል ዕጸፋርስ ናብ ኣመሪካ ዘእቱ'ዩ።
ኣመሪካ ንኢል መንቾ ንምሓዝ ዝተሓባበረ 15 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ ምንባራ'ውን ዝዝከር'ዩ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሜክሲኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ስርሒት ብፍሉያት ሓይልታት እታ ሃገር "ብጽፉፍ" ኣገባብ ከም ዝተተግበረ ሓቢሩ።
ኣብቲ ንኢል መንቾ ንምሓዝ ዝተኻየደ ፍሉይ ስርሒት፡ ነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር'ውን ከም ዝተሳተፋ እቲ ምኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
በቲ ስርሒት ጕጅለ ሲጀይኤንጂ ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ብረት ዝዓጠቓ ድሩዓት መካይን፡ ሮኬታት ዝርከቦ ወተሃደራዊ ብረታት'ውን ከም ዝተተሓዘ ተሓቢሩ።
መሰኻኽር ዓይኒ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብርቱዕ ዒግታ ትኪ ዘርኢ ቪድዮታት ብምስኣል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሖሞ፣ ሓንቲ ካብአን ከኣ ከተማ ጉዳላጃራ'ያ።
ከተማ ጉዳላጃራ ሓንቲ ካብተን ኣብ 2026 ዋንጫ ዓለም ከአንግዳ ተሓርየን ዘለዋ ከተማታት'ያ።
ኣብታ ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ዝዀነት ኣብ ገማግም ጃሊስኮ እትርከብ ፖረቶ ቫላርታ ኣሽሓት በጻሕቲ ሃገር ብሰንኪ እቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ ተዓጽዮም ከም ዘለዉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብሰንበት'ውን ኣብ ጀሊስኮን ካልኦት ከባቢታትን ዕጡቓት ብብዝሒ ኣብ ጐደናታት ይርኣዩ ነይሮም።
ኣመሓዳሪ ጃሊስኪ ፓብሎ ለሙስ ናቫሮ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ህዝቢ ኣብ ገዛኡ ኮፍ ክብል ተላብዩ።
ናብ ፖርቲ ቫላርታን ጉዳላጃራ በረራታት ዘካይዳ ዝነበራ መንገዲ ኣየራት ኣመሪካን ካናዳን'ውን በራራታት ደው ኣቢለናኦ ኣለዋ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሜክሲኮ ዝነበረ ክሪስቶፍ ላንዱ ንሞት ኢል ማንቾ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "እዚ ንሜክሲኮ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ንኣመሪካን ንዓለምን ዓቢ ምዕባለ'ዩ" ብምባል ኢል ማንቾ ሓደ ካብቶም ብደም ዝጨቐዉ ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ምንባሩ ገሊጹ።
ሞት ኢል ማንቾ፡ ነቲ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክላውድያ ሼንባውም ፓርዶ ኣንጻር ጕጅለታት ኣዘዋወርቲ ዕጸ ፋርስ ትገብሮ ዘላ ቃልሲ ዓቢ ዓወት ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እዚ ሲጀይኤንጂ ዝበሃል ጕጅለ ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ኣብ 2010 ኣብ ጃሊስኮ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ግን መሓውራቱ ኣብ መላእ ሜክሲኮ ዘርጊሑ ይርከብ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



