ቋንቋኣ ዝዛረቦ ሰብ ብዘይምንባሩ ን12 ዓመታት ኣብ ሆስፒታል ዝተዓጽወት ሪታ ፓቲኖ

ምንጪ ስእሊ, PIANO PRODUCTIONS
ብ8 ሰነ 1983 ዓ.ም (ኣ.ኤ)፡ ፖሊስ ካንሳስ ሓንቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ዝተኸድነትን ኣንፈታ ዝጠፍኣ እትመስልን ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ረኺቡ።
እዛ ጓል ኣንስተይቲ፡ እቶም ፖሊስ ክርድኡዎ ዘይክኣሉ ገለ ቃላት ጥራይ ካብ ኣፋ ይወጽእ።
ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ብኸቢድ መርሚሮምዋ፤ ግን ኣይሰለጦምን።
ንሳ እንታይ ትዛረብ ከም ዘላ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።
ኣብ መወዳእታ ንዝቕጽሉ 12 ዓመታት ናጽነታ ኣብ ዝስኣነትሉ ሃዋህው ወዲቓ።
ሪታ ፓቲኖ ኲንቴሮ ትብሃል፤ ዘርኢ ሓረጋ ኣብ ሜክሲኮ ካብ ዘለው ደቀ’ባት ራራሙሪ (ታራሁማራ) ይምዘዝ።
ኣብታ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝደወቐትላ መዓልቲ፡ ኣብ ኣመሪካ ምዕራብ ካንሳስ ኣብ እትርከብ ከተማ ማንተር ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘሎ መውዐሊ መካይን ኣዕቊባ ነይራ።
ካብኡ’ያ ናብ መደብር ፖሊስ ተወሲዳ።
ኣብቲ መደብር ፖሊስ ክኣ፡ ኣብ ዝባና ዝነበረ ርስሓት ክኣልየላ ንዝፍትን ዝነበረ ፖሊስ ከም ዝሃረመት፡ ሜክሲኮኣዊ ሰራሒ ፊልም ሳንቲያጎ ኤስቴኒዮ ይዛረብ።
ንሱ፡ ዳይሬክተር እታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተፈነወት ሰነዳዊት ፊልም “The Woman of Stars and Mountains” እዩ።
ሳንቲያጎ፡ ኣብ 2016 ክሰርሖ ዝጀመረ ፊልም ክሳብ 2022 ክውድኣ ኣይክኣለን።
ሪታ ኣብቲ ፊልም፡ “ሓሚመ ኣይፈልጥን፤ ምስ ተፈጥሮ ምንባር ጽቡቕ ስምዒት’ዩ ዝፈጥር” ትብል።
ኣብዚ ፊልም፡ ብቋንቋ ኣዲኣ ዝዀነ ራራሙሪ ዝተባህለ ቋንቋ እያ ትዛረብ።
ናብቶም ጐቦታት ግዝኣት ቺሃውሃው ድማ ትጥምት። ግዝኣት ቺሃውሃው ኣብ ሰሜን ሜክሲኮ እትርከብን ደቀ’ባት ራራሙሪ ዝነብሩላን’ያ።
ራራሙሪ ማለት፡ “ጐየይቲ ብርሃን” ማለት’ዩ፤ እዚ ‘ራራ’ (እግሪ) ከምኡ’ውን ‘ሙሪ’ (ብርሃን) ካብ ዝብሉ ቃላት ዝመጽአ’ዩ።
ንደቀ’ባት ራራሙሪ፡ ጒያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ማሕበራውን ባህላውን ረብሓ ኣለዎ።
እቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ቅርጺ መሬት ዘለዎ ከባቢታት ሲራ ታራሁማራ ድማ፡ ማሕለኻታት ክብድሁ፡ ወሓዝቲ ሩባታት ክሳገሩ፡ እምባታት ክሓኹሩ ኣኽኢሉዎም’ዩ።
ኣብ ካንሳስ ግን፡ ሪታ ብደረቕን ዛሕልን ኵነታት ኣየር ተበዲሃ።
እዚ ድማ፡ ን12 ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኣእምሮ ክትዕጾ ምኽንያት ኰይኑ።
ናይ ቋንቋ ጸገም
ሪታ፡ ቋንቋ ራራሙሪ ጥራይ እያ እትዛረብ።
ኣብ ቤት ፍርድን ሆስፒታልን ካንሳስ ግን ተርጐምቲ ኣይነበሩን።
ሪታ ድማ፡ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎን ስለ ምንታይ ከም ዝተዓጽወትን ኣይተረድኣን።
እቲ ክትርጉም ዝቐርብ ሰብ’ውን እንተዀነ ንቋንቋኣ ክርድኦ ኣይክኣለን።
“ናብ ቤት ፍረዲ ምስ ወሰዱዋ፡ ዳኛ ኣብ ጽቡቕ ኣእምሮኣዊ ኵነታት የላን፤ ንነብሳ ሓደጋ እያ። ስለዚ ናብ ሆስፒታል 'ሳይካያትሪ' ውሰዱዋ ኢሉ ወሲኑ” ይብል ሳንዲያጎ።
ድሕሪኡ፡ እቲ ዝተረፈ ህይወታ ብተነጽሎ፡ ሕክምናዊ ጐንጺ፡ ትካላዊ ቢሮክራሲን ብሕታውነትን ከተሕልፎ ግድን ኰነ።
ካብቲ ማእከል ሕክምና ምስ ወጽአት፡ ሪታ ናብ ታራሁማራ ተመሊሳ ምስ ስድርኣን ጓል ሓዋን ክትነብር ጀሚራ።

ምንጪ ስእሊ, PIANO PRODUCTIONS
ሪታ ግን መን’ያ?
ሪታ፡ ብብዙሕ ሚስጥራትን ጽውጽዋይን ዝተኸበበት ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ጓሳ፡ መዋልዳን፡ ባህላዊት ሓኪም፡ ጥበበኛን ሓጻቢት ክዳንን ነይራ።
ሰነዳዊ ፊልም ሳንዲያጎ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ሪታ ብዙሕ ነገራት’ያ ሰሪሓ።
ኣብዚ ሰነዳዊ ፊልም፡ ሰይቲ ሓዋ፡ ጓል ሓዋን ጐረባብታን ቃለ መጠይቕ ተገይርሎም።
ሪታ፡ ብ1930 ከም ዝተወልደት እዩ ዝእመን። ኣላዪ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ከም ዝብሎ እንተኰይኑ ድማ መጻምድን ውላድን ነይሩዋ።
ብርክት ዝበላ መጓሰ ኣባጊዕ ስለ ዝነበርኣ ድማ “ሃብታም ጓል ኣንስተይቲ” ነይራ ክብል ይገልጻ።
ሓደ መዓልቲ ግን ኵሉ ነገር መልክዑ ተቐይሩ። ሪታ “ኣዝያ እትፍራሕን ሰባት ዘይደልዩዋን” ኰይና።
መጓስኣ ተዘሚተን፤ ጐረባብታ ድማ ንሰብኣያ ቀቲላ ኢሎም ኣውረዩላ። እዚ ክሲ ክሳብ ሕጂ መርትዖ ኣይተረኽቦን።
ድሕሪኡ ጐረባብታ “ብኣዝዩ ሕማቕ መገዲ ክርእዩዋ ጀሚሮም፤ ምስ ሰብኣያ ተባሲኣ፡ ሃሪማ ቀቲላቶ ተባሂሉ ተወርዩ” ይብል ኣብቲ ፊልም ዝተሳተፈ ጐረቤታ ዝነበረ ፕሮኮፒዮ ማንሲናስ።
“ሪታ ፓቲኖ፡ ንጄሮሚኖ ሬንተሪያስ ኣይቀተለቶን፤ ሪታ ዝነበርኣ ኣጣል፡ ኣባጊዕ ተዘሚተን፤ ኮበርታኣ እንከይተረፈ ተዘሚቱ” ኢሉ።
ሳንቲያጎ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ መጻምዳ ኣብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ቺሃውሃው ምሟቱ ከረጋግጹ ናብ ዝኽእሉ ሰነዳት ከምርሕ ኣይክኣለን።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ “ምትሃታዊ መዐንዘዝ” ኣለዋ’ዩ ዝብል እምነት ነይሩ።
ሳንቲያጎ ግን፡ ገለ ጉድለት ከም ዝነበራ’ዩ ዝዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, PIANO PRODUCTIONS
ሪታ፡ ናይ ምዝራብ ጸገማት ስለ ዝነበራ፡ ምስ ወዳ ኮልተፍተፍ እያ ትብል ነይራ። በዚ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብፍርሒ ክጥምትዋ ጀሚሮም።
ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ድማ ብጽቡቕ ዝቕበላ ስኢና።
“ገለ ሰባት ፈጺሞም ኣይደልዩዋን፤ እንተመጺኣቶም ገዝኦም ይዓጽው። ክትቀትለና እያ ደልያ ይብሉ። ንሳ ግን ስለ ዝጠመያን መግቢ ስለ ዝደለየትን እያ ትኸዶም” ይብል ፕሮኮፒዮ ማንሲናስ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝበጽሕ ዝነበረ ተነጽሎን ብዛዕብኣ ዝውግዑ ዝነበሩ ነገራትን ድማ፡ ሰብ መዚ ወዳ ፈልዮም ከም ዝወሰዱዎ ኣላዪ እቲ ሰነዳዊ ፊልም ይዛረብ።
ስለ ምንታይን ካብ ሜክሲኮ ወጺኣ፤ ብኸመይከ ኣብ ካንሳስ በጺሓ ዝፍለጥ ነገር ከም ዘየለ ድማ ሳንቲያጎ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ሪታ ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ብእግራ ከም ዝመጽአት ይግመት።
ታሪኻ ክለዓል እንከሎ ድማ፡ ከም ዓሌታን ጾታኣን ዝበሉ ምጕናያት ሓቢሮም ከም ዝለዓሉ ይጠቅስ።
ናጽነት
እቲ ቤት ፍርዲ፡ መጀመርታ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል ሳይካያትሪ ክትጸንሕ ኣዚዙ።
ኣብ መወዳእታ እተን ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ኵነታታ ክጽናዕ ምዃኑ ይገልጽ።
እንተዀነ፡ እቲ ቤተ ፍርዲ ዝሰየሞ ጠበቓ ግን ኣብ ፊት እቶም ዳያኑ ኣይቀረበን።
ብሰንኪ ሕጽረት ተርጐምቲ፡ ምስኣ’ውን ክረዳዳእ ኣይክኣለን።
ኣብቲ እዋን፡ ሓካይም ብዛዕባ መበቈል ሪታ ዝፈልጡዎ ነገር ከም ዘየለን እዚ ድማ ኣባላት ስድርኣ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዝፈጠረን ገሊጾም።
በዚ፡ ኣዋርሕ ሓሊፎም፤ ዓመታት ክኣ ተተኪኢም።
ሪታ፡ ምዝራብ ኣይክኣለትን፤ ካብ ገዝኣ ርሒቓ በይና ኰይና።
ብሰንኪ ጸገማት ቋንቋ፡ ግቡእ መርመራ እንከይተገብረላ መድሃኒታት ይወሃባ ነበረ።
“ብዙሕ ዓይነት በደላት’የ ተዓዚበ። ኣብ ጉዳይ ሪታ፡ ብዙሓት ነገራት’ዮም ሓቢሮም መጺኦም። ኢንግሊዘኛ ክትዛረብ ዘይትኽእል ጓል’ባት፡ ድኻ፡ ስደተኛ፡ ምናልባት’ውን ኣካላዊ ጉድለት ዝነበራ እያ” ይብል ሳንቲያጎ።
እዚ ኵነታት ንክቕላዕ፡ ዓሰርተ ዓመታት ወሲዱ።
ትካል ኣገልግሎታት ሓለዋን ደገፍን ካንሳስ (ሕጂ ማእከል መሰላት ኣካለዊ ጉድለት)፡ ብ1994 ጉዳያት ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሑ ተሓከምቲ ዳግም ክርኣዩ ወሲኑ።
ንሪታ ድማ፡ ቶሪያ ምሮዝ ዝተባህለት ጠበቓ መዲቡላ።
“መጀመርታ ሰነዳት እቲ ሆስፒታል ርኢና፤ ኣብ መጀመርታ እቶም ሰነዳት ክኣ፡ ካብ ቺሃውሃው ምዃናን ጓል’ባት ታራሁማራ ከም ዝዀነትን ዝገልጽ ሓበሬታ ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፎም። ‘ካበይ ከም ዝዀነትን እትዛረቦ ቋንቋ እንታይ ከም ዝዀነን ኣይንፈልጥን’ ጥራይ ይብሉ ነይሮም” ትብል።
ድሓር፡ እቲ ትካል ነቲ ሆስፒታልን ንካልኦት ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት ከሲሱዎም። 10 ሚሊዮን ዶላር ካሕሳ ክኽፈል ድማ ሓቲቱ።
ሪታ፡ ምስክርነታ ክትህብ ስለ ዘይክኣለት ግን እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣዝዮም ኣጸገምቲ ብድሆታት ነይሮምዎ።
ኣብቲ እዋን፡ ራራሙሪ ክርዳእ ዝኽእል ሓደ ሳይካያትሪስት ጥራይ ከም ዝነበረ ሳንቲያጎ ይዛረብ።
ሪታ፡ ካብቲ ሆስፒታል ወጺኣ ብ1995 ናብ ሜክሲኮ ተመሊሳ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ግን ክሳብ 2001 ቀጺሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብሽምግልና ተፈቲሑ። ሪታ፡ 90 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክወሃባ ተወሲኑ።
እቲ 32 ሽሕን 641 ግን ነቲ ዝሓገዛ ትካል ተዋሂቡ።
እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ፡ ሪታ ክትሕገዘሉ ይግባእ ነይሩ። ናብ ጐቦታት ታራሁማራ ምስ ተመልሰት ግን፡ መብዛሕትኡ እቲ ናይ ካሕሳ ገንዘብ ስለ ዘይተዋህባ ብድኽነት እያ ኣሕሊፋቶ።
ድኻ ግን ‘ሕጉስቲ’
ሪታ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ምንባር ቀጺላ።
“እቲ ቤት ፍርዲ ንብረት ሕድሪ ዝመሓደረሉ መስርሕ ፈጢሩ፡ ንሃብቲ ሪታ እተመሓድር ኣብቲ ዘይመንግስታዊ ትካል እትሰርሕ ቢኣትሪዝ ዛፓታ ዝተባህለት ፈላሲት ድማ ሸይሙ። ንኣስታት ክልተ ዓመታት ወርሓዊ 300 ዶላር ትህባ ነይራ፤ እዚ ብጠቕላላ ሽዱሽተ ሽሕ ዶላር ይበጽሕ። ድሓር ግን እታ ፈላሲት ነቲ ገንዘብ ሒዛ ጠፊኣ” ክብል እቲ ሰራሒ ፊልም ይገልጽ።
ንነዊሕ ዓመታት ድማ እቲ ገንዘብ ንገዛእ ርእሰ ተጠቒማትሉ። ቤት ፍርዲ፡ ካብኡ ዝተረፈ 10 ሽሕ ዶላር ጥራይ’ዩ ክረክብ ክኢሉ።
ድሕሪኡ፡ ካልኦት ክልተ ኣመሓደርቲ ተሸይሞም፤ ነቲ ሃብቲ ብምምሕዳር ዓመታዊ ሓደ ሽሕ ዶላር ይወስዱ ነይሮም።
ክልቲኦም፡ ንሪታ ክንረኽባ ኣይክኣልናን እዮም ዝብሉ።
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ድማ፡ እቲ ገንዘብ ተጸንቂቑ።

ምንጪ ስእሊ, PIANO PRODUCTIONS
ሪታ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ግዳይ ሕክምናዊ ዕሽሽታ ካብ መንጐ ዝዀኑ ብሕታዊት ብወግዒ እትፍለጥ ሰብ እያ።
ካልኦት ካብ ሰሜን ኣመሪካ ዝመጽኡ ደቀ’ባት ግን ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢሙዎም’ዮም።
ሪታ ፓቲኖ፡ ብ2018 ዓሪፋ። ምስ ሞተት ድማ፡ ኣባላት ስድርኣን ማሕበረሰብ ከባቢኣን “ጽንብል” ገይሮም።
ህዝቢ ራራሙሪ፡ ንዝሞተ ሰብ ጽንብል ምግባር ናብ ቀጻሊ ህይወት ይመርሖ’ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ሪታ፡ ኣብ ሜክሲኮ ዝነበራ ግዜ ብደርፍን ተልሂትን ኣሕሊፋቶ።
“(ኣብ ዓደይ) ብምዃነይ ኣዝየ ሕጕስቲ’የ” ከም ዝበለቶ ሳንቲያጎ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







