ንህጻናት እታ ዝኸፍአት ሃገር

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ንህጻናት እታ ዝኸፍአት ሃገር ኰይና ትጥቀስ።
"ናይ ዝሓለፈን ናይዚ ዓመትን መረዳእታታት ከተነጻጽሮ ከለኻ፡ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ብ47 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ፤ እዚ ዓቢ'ዩ" ትብል ሺማ ሰን ጉፕታ።
ንሳ፡ ኣብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ዳይረክተር ሓለዋ ህጻናት ኰይና፡ ኣብ መወዳእታ መስከረም ኣብ ምብራቕ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ምምዝባል ድሕሪ ምብጻሓ እያ፡ ምስ ቢቢሲ ቃለ መሐትት ኣካይዳ።
"ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ሰሜን ኪቩን ደቡብ ኪቩን ጥራይ እንተርኢኻዮ፡ ካብ ሓሙሽተ ኣዋልድ እተን ኣርባዕተ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጥመን እየን" ትብል።
እታ ብስፍሓታ ክንዲ ምዕራብ ኣውሮጳ እትኸውንን 100 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላን ሃገር፡ ሰፊሕ ዕቝር ተፈጥሮ ማዕድናት ዘለዋ ኰይና ብተፈጥሮ ዝተዓደለት ዓዲ እያ።
ዩኒሴፍ፡ ኣብ 2022 ኣብ ዲ.ኣር ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ህጻናት 3,400 ፍጻመታት 'ከቢድ ጥሕሰት' መሰላት ዝመዝገበ ኰይኑ፡ ካብዚኦም 1600 ህጻናት ኣብ ዕጡቓት ጕጅለታት ክምልመሉ ከለዉ፡ 700 ኣብቲ ግጭት ዝሞቱን ብውሕዱ 290 ጉዳያት ጾታዊ ዓመጽን ዘጠቓልል እዩ።
"ኣብ ሓለዋ ህጻናት ብምህላወይ፡ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ እፈልጥ እየ። ናብኡ ኬድካ ምስ ህጻናትን መንእሰያትን ክትራኸብ ከለኻ ግን ናይ ብሓቂ ስምዒትካ ይጕዳእ። እዞም ህጻናት ብዘጋጥሞም ከቢድ ግህሰት ሓዚነ።"
ካብ ምጅማር 2023: ኣብ ዲ.ኣር ኮንጐ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሓደስቲ ተመዛበልቲ ብምዃኖም፡ ኣብታ ሃገር ጠቕላላ ቍጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 6.1 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።
ኣብ መዓስከራት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ማይን ዕንጸይትን ክወርዳ እንከለዋ ተቓላዕቲ እየን።
ዕግርግርን ዘይምርግጋእን

እቲ ግጭት ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተበገሰ ኰይኑ፡ ብሰንኩ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰብ ሃሊቑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣንጻር ልዕሊ 100 ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ዝዋግኡሉ ዘለዉ እዋን፡ ዋላ’ኳ ዓቢ ስርሒት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት እንተሃለወ፡ ዓመጽ እናወሰኸ መጺኡ።
ካብ ለካቲት ጀሚሩ፡ ብፍላይ ዕጡቕ ጕጅለ 'ኤም-23' ባይታ ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ።
እቲ ጕጅለ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ንድሕነት እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተወለድቲ ዓሌት ቱትሲ ፡ ኣንጻር ሚልሻታት ሁቱ ከምዝቘመ እዩ ዝገልጽ።
ሰበስልጣን ዲ.ኣር ኮንጐ ግን፡ ሩዋንዳ ነቲ ጕጅለ ትድግፎ ኣላ ክብሉ ይኸሱ።
ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከም በዓል ሮይ ዝኣመሰሉ፡ ሰን ጉብታ ዝረኣዮም፡ ዓበይቲ መዓስከራት እዮም ዘዕርፉ።
ካብ ርእሰ ከተማ እታ ኣውራጃ ቡንያ ንሰሜናዊ ምብራቕ 45 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ይሕሎ። ኰይኑ’ውን ግን፡ ንብዙሓት ንኣሽቱ ኣዋልድ ብዙሕ ውሑስ ኣይኰነን።
ሲልቭያ (ስማ ዝተቐየረ) ጓል 16 ዓመት ጥራይ እያ።
ኣደ ብዓመጽ ዝተወልደት ጓል 10 ወርሒ ህጻን እያ፤ ቢቢሲ፡ ኣብ ቅድሚ መምህራ፡ ብመንገዲ ተርጓሚ ዩኒሴፍ ኣዘራሪብዋ።
"ንማይ ወሪደ ክምለስ ከለኹ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር መጥቃዕቲ ተፈጺሙኒ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
“ጸሓይ ምስ ዓረበት ሽዑንሽዑ እዩ ኣጋጢሙኒ። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣይፈልጦን እየ። ኣዝዩ ጸልማት እዩ ነይሩ።"
ብድሕሪኡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዙርያኣ ተኣኪቦም ነይሮም ግን ዝሓገዛ ሰብ ኣይነበረን።
እቲ ዓማጺኣ ገና ኣብቲ መዓስከር ከምድሌቱ ዝዛወር ዘሎ መሲሉ እዩ ዝስማዓ።
"ኣነ ሓሪቐን ፈሪሐን እየ። ኵለን ንኣሽቱ ኣዋልድ ንድሕነተን ይፈርሓ እየን።"
ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ክፍተት፡ ሕጂ ከም ኣካል መስርሕ ምሕዋይ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ ኣላ።
"ኣብ ቤት ትምህርቲ ከለኹ፡ ኣደይ ነቲ ወደይ ትሕዘለይ። ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ ድማ ባዕለይ እከናኸኖ እየ" ትብል ሲልቭያ።
እቲ መዕቈቢ፡ ካብ ዕንጸይትን ጭቃን ዝተሰርሐ ኰይኑ ናሕሱ ድማ ብታርፖሊን [ኬንዳ] ዝተሰርሐ እዩ።
መብራህቲ የብሉን። ንኣስታት 50 ሰባት ዝኸውን ሓደ ሽቓቕ ጥራይ ኣሎ።
"እቲ መዓስከር፡ ብፍላይ ኣብ ጸልማት ውሑስ ኣይኰነን፤ እኹል መግቢ’ውን የለን" ትቕጽል ሲልቭያ።
"ኣቦ የብለይን፡ ምስ ኣደይ እየ ዘለኹ። ንስድራና ዝከላኸል ሰብኣይ የብልናን። ጽልምትምት ምስ በለ ወጺእና ማይ ምውራድ ንኣዋልድ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
ሲልቭያ ንውላዳ ንኸይትነጽጎ ምኽሪ ተዋሂብዋ ኣሎ።
ወዲ ተባዕታይ ከም ጽላል ስድራቤት ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብቲ መዓስከር ተቓላዕቲ እየን።
ምስ ኣደ ሲልቭያ ጆርጂና እናተዘራረብኩ ከለኹ እቲ ወዳ ዓው ኢሉ ይዛረብ ነይሩ።
ጓል 40 ዓመት ዓባያ ጆርጂና፡ "ዊያለ ጥዑይ፡ ተጻዋታይን ክፈልጥ ዝደልን እዩ" ትብል።
ጆርጂና ንኻልኦት ናይ ገዛ ስራሕ ብምስራሕ ገንዘብ ትረክብ። መበለት ስለ ዝኾነት ተነጽሎ ይስምዓ።
"ኣደኣ ነቲ ህጻን ክትከናኸኖ ኣጸጋሚ 'ዩ። ንሳ (ሲልቭያ) ንባዕላ ቈልዓ እያ" ትብል ጆርጂና።
ዝተመሳቐለ ህይወት
ሲልቭያን ኣደኣ ጆርጂናን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብታ ብዕጡቓት ዘዕለቕለቐት ዓዲ ተመዛቢለን እየን መጺአን። መዓስ ናብ ገዛአን ከም ዝምለሳ ኣይፈልጣን እየን።
"ጓለይ ብዙሕ ግዜ ትሓርቕ። ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ እያ ትሓስብ። ስምዒታዊት ትኸውን ሓሓሊፋ ድማ ተገዳስነት ትስእን።"
ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሎኑ ባውጆ ኢኖሰንት ንሲልቭያ ብውልቁ ክትመሃር ደሪኽዋ።
"ኣብዚ ከምኣ ዝኣመሰላ ብዙሓት እየን። ኣዝያ በላሕ እያ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻዳ ድማ ናብ ንቡር ህይወት ክትምለስ ክሕግዛ'ዩ።"
ብዙሓት ኣዋልድ ማይ ንምምጻእ ኣብ ዝኸዳሉ እዋን፡ ኣብ ጸልማት ስለዝዕመጻ፡ ነቲ ሓደጋ ንምንካይ ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ሓደስቲ ታንከራት ማይ ተተኺለን ኣለዋ። ደቂ ኣንስትዮ እውን ድሕነተን ንምዕባይ ብጕጅለ ይኸዳ።
እቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ግን ከቢድ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ጾታዊ ዓመጽ ዝከላኸል ወይ ዝምርምር ፖሊስ የለን።
ከምኡ’ውን መንግስቲ እታ ሃገር፡ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ንሰባት ካብ ዓመጽ ንምክልኻል ብዘይምኽኣሉ ቍጥዐ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፤ ካብ ዝመጽእ ጥሪ ጀሚሩ ለቒቘም ክወጽኡ መንግስቲ ሓቲቱ ኣሎ።
ሰን ጉፕታ፡ ጸጥታ በታ ኣአንጋዲት ሃገር ክሕሎ ተስፋ ኣለዎ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ዓመጽ ዓለማዊ ጸገም እዩ።
"ዓመጽ ይውስኽ ድዩ ኣይውስኽን ንምባል ኣጸጋሚ'ዩ ግን፡ ኣብ ዝተወሰኑ መዓስከራት ጾታዊ ዓመጽ ወሰኽ ዘርእየሉ ኵነታት ኣሎ" ይብል ሴን ጉፕታ።
"ኣብ ዲ.ኣር ኮንጐ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ብርግጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።"
ንግዳያት ዘረጋግእ መልእኽቲ ኣይኰነን ግን ንእሽቶ ጭልምልም ዝብል ተስፋ ኣሎ።
ሲልቭያ ካብቲ መዓስከር ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ዝተሃንጸ ቤት ትምህርቲ ትመሃር። ሕጂ ሰለስተ ክፍልታት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ ህንጸት ይርከቡ።
"ብዙሕ ይመሃር ኣለኹ። ምስ ኣዕሩኽተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምህላወይ'ውን ሕጕስቲ ኰይነ ይስምዓኒ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







