‘ንኣምላኽ ኣይፈርሕን’

ዘቤታዊ ዓመጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መላእ ዓለም ዘቤታዊ ጾታዊ ዓመጽ ልሙድ እዩ ክበሃል ይከኣል

ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘቤታዊ ጾታዊ ግህሰት ልሙድ እዩ ክበሃል ይከኣል።

ልዕሊ 640 ሚልዮን ንዓቕመ ሄዋን ዝበጽሓን ዘይበጽሓን፡ ደቀንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝሳቐያ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መብዛሕትኡ እቲ ጾታዊ ግህሰት፡ ብበዓል ቤተን፡ ወይ ካብ ዝፈትሐኦ በዓል ሓዳረን ነበር፡ ወይ'ውን ናይ ቀረባ መጻምዲ ዝፍጸም እዩ።

"ብዙሓት ሰብኡት ንኣንስቶም ዝወቕዑወን፡ ምልክት ተባዕታይነት ስለዝመስሎም እምበር፡ ሕማቕ ስለዝኾኑ ኣይኮኑን" ትብል ዶክተር ማርያም ማሕሙድ።

ማርያም፡ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ሓኪም እያ፤ ኣብ ዮርዳኖስ ብዛዕባ ዘቤታዊ ግህሰት ዘስተምህር ዓለምለኻዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ኤስ-ኦ-ኤስ ቺልድረንስ ቪሌጅ ትሰርሕ።

ንሳ፡ ነቶም ኣንስቶም ዝግፍዑ ሰብኡት ኣኪባ ብምምካርን ብምምሃርን ድማ ትፍለጥ።

"ሰበይትኻ ክትወቕዓካ ትደሊ’ዶ?" ቅልል ኣቢላ ትሓትት፤ ድሕሪኡ ንሰብኡቶም ምቕጥቃጥ ኣንጻር ሸሪዓ ወይ ሕጊ እስልምና ምዃኑ ተስምረሉ።

ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ኣንስቶም እንታይ ዓይነት ‘ቁጽጽር’ ክገብሩ ከም ዘለዎም’ውን ብግልጺ ይዝተየሉ።

እቲ ዘተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ መጻምድቶም ዝፍጽምዎ መውቃዕቲ፡ ግህሰት ወይ ዓመጽ ምዃኑ ንኽኣምኑ ዝዓለመ’ዩ።

ዮርዳኖስ ካብ መንጎ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘቤታዊ ግህሰት ዝከላኸሉ ሕግታት ብምሕንጻጽ ፈላሚት እያ።

ይኹን እምበር ሕጂ’ውን ካብ ኣርባዕተ ሞት ሓደ ብደቂ ተባዕትዮ ዝፍጸም ዘቤታዊ ቅትለት እዩ።

ዘተ ደቂ ተባዕትዮ
መግለጺ ስእሊ, እቲ ዘተ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ መጻምድቶም ዝፍጽምዎ መውቃዕቲ ዓመጽ ምዃኑ ንኽኣምኑ ዝዓለመ’ዩ

"ንኣምላኽ ኣይፈርሕን"

ዶክተር ማርያም ካብ እትሕክመን ሓንቲ ትኽክለኛ ስማ ከይግለጽ ብምሕታታ ሳራ ኢልና ንጽውዓ እያ።

ሳራ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሓዳር ጸኒሓ ኣብ መወዳእታ ስለምንታይ በዓል ቤታ ገዲፋ ከም ዝኸደት ትገልጽ።

“ጥንስቲ ከለኹ ወቒዑኒ፡ ምስ ወለድኩ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እንደገና ወቒዑኒ። ረሲዐዮ- ሻሂ ስለዘየፍላሕኹሉ- ክሳዕ ዝሞት’ዩ ወቒዑኒ” ትብል።

ሳራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቃ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትነብር፡ በሰላ እቲ ዘጋጠማ ስቓይን መከራን ክሳዕ ሕጂ ኣይትርስዖን።

“ንኣምላኽ ኣይፈርሕን፤ ናብዚ ሕጂ ዘለኹዎ መዕቆቢ’ውን ሰቢሩ ክኣቱ ይኽእል'ዩ" ክትብል ፍርሓ ትገልጽ።

ዶክተር ማርያም ማህሙድ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ማርያም ማህሙድ "ሰበይትኻ ክትወቕዓካ ትደሊ’ዶ?" ኢላ ትሓትት

ዮርዳኖስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘቤታዊ ዓመጽ ንምክልኻል ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ዝመስረተት ፈላመይቲ ሃገር እያ። እንተኾነ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ልዑል ስልጣን ከተመሓይሽ ኣይከኣለትን።

ኣብ ልዕሊአን ዝተፈጸመ ግህሰት ንፖሊስ ዘመልከታ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስድራቤተን ምግላልን ማእሰርትን ከይተረፈ የጋጥመን።

ማይሱን (ትኽክለኛ ስማ ኣይኮነን) ኣቡኣ ከምዝወቕዓ ናብ ክፍሊ ፖሊስ ሓለዋ ስድራቤትን ትሕቲ ዕድመን እታ ሃገር ብዙሕ ግዜ ኣመልኪታ እያ።

“እቶም ሰበስልጣን ኩሉ ግዜ ኣቦኺ፡ ስድራኺ እዩ። ክተእስርዮ ድኺ ትደልዪ?" ኢሎም፡ ጣዕሳ ክስምዓ ይገብሩ ከምዝነበሩ ትዛረብ።

“ብዛዕባ ባህልኽን ልምድኽን ሕሰቢ፤ እዚ ኒውዮርክ ኣይኮነን ይብሉኒ" ትብል።

ብተደጋጋሚ ዘመልከተት’ኳ እንተኾነት፡ ኣቦኣ ግን ተኸሲሱ ኣይፈልጥን። ጉጅለ ሓለዋ ስድራቤት ክትዕረቒ ኣለኪ ኢሎምዋ።

"ናብ ገዛኺ ተመለሲ፡ እንተዘይኮይኑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣትዊ ኢኺ ኢሎም ኣፈራሪሖምኒ።"

'ረሲዐዮ ሻሂ ስለዘየፍላሕኹሉ ... ክሳዕ ዝሞት ወቒዑኒ'
መግለጺ ስእሊ, 'ረሲዐዮ ሻሂ ስለዘየፍላሕኹሉ ... ክሳዕ ዝሞት ወቒዑኒ'

“ኣብ መጀመርታ ዝሕጭጩ ዘለዉ መሲሉኒ፤ እሰሩኒ ምስ በልኩ ግን ብሓቂ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምኒ" ዝበለት ማይሱን፡ እቶም ሰበስልጣን ንገዛእ ድሕነትኪ ኢና ኣሲርናኪ ከምዝበልዋ ትገልጽ።

ክፍሊ ሓለዋ ስድራቤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ትካል ኩሉ ግዜ "እታ ስድራቤት ከይትበታተን ምሕላው" ከምዝኾነ ሓቢሩ።

“ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተወቒዐ ኢላ እንተመልኪታ፡ ነቲ ሰብ ክንኣስሮ ኢና ማለት ኣይኮነን። ስራሕና ነታ ጥርዓን ዘቕረበት ሰብ ምሕጋዝን ብመሰረት ሕጊ ኣማራፂታት ምሃብን እዩ" ክትብል ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ፖሊስ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ይኹን እምበር ሜይሱን ንኣርባዕተ ዓመታት እያ ተኣሲራ።

ሓንቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዮርዳኖስ ንነጻነታ ምስተደራደረት ኣብ መወዳእታ ተፈቲሓ ኣብ ዮርዳኖስ ካብ ዝርከቡ ሽዱሽተ መዕቆቢታት ኣብ ሓደ ትነብር ኣላ።

ኣብ ሕጊ ዝረአ ክፍተት

ኣቦ ሜይሱን ኣብ ልዕሊ ህይወታ ክእዝዝ ይኽእል እዩ። ሜይሱን ዕድመ ኣብ 30ታት ኮይኑ ሓዳር ስለዘይመስረተት ኣቡኣ ስራሕ ከይትሰርሕ ክዓግታ ይኽእል።

ዮርዳኖስ ኣብ 2008 ዘውጽኣቶ ሕጊ ዘቤታዊ ግህሰት ንፖሊስ ዝያዳ ስልጣን ይህብ። እቲ ዘቤታዊ ግህሰት ንምክልኻል ዝወጸ ሕጊ ግን ንኣገዳስነት ዕርቂ ስድራቤት ቀዳምነት ምሃብ ቀጺሉ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ንውልቃዊ ጉዳያት ዝምልከት ሕጊ ሸሪዓ፡ ንደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ልዕልና ዝህብ እዩ።

መብዛሕትኦም ዘይምርድዳኣት ናብኡ ከምርሑ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ሕጊ ሸሪዓ ንሕግታት ዘቤታዊ ግህሰት እውን ክስርዝ ይኽእል።

በዚ መሰረት ሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣላዪ፡ ሓንቲ ጓል ክሳዕ 30 ዓመት እትመልእ ካብ ገዛ ከይትወጽእ ብሕጋዊ መንገዲ ክኽልክላ መሰል ኣለዎ።

ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ደቂ ተባዕትዮ ክኾና ልሙድ እዩ።

ኣብ ዮርዳኖስ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ደቂ ተባዕትዮ ክኾና ልሙድ እዩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዮርዳኖስ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ደቂ ተባዕትዮ ክኾና ልሙድ እዩ

እታ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ንሜይሱን ክትሕግዝ ናይ መንጐኛ ተራ ተጻዊታ፤ ኣቦ ሜይሱን፡ ጓሉ ካብ ስድርኣ ነጻ ዝገብራ ስምምዕ ክፈርም ምስ ኣእመነቶ ሜይሱን ነጻ ክትከውን ክኢላ።

ሜይሱን፡ "እንተዘይፍርመለይ ነይሩ፡ ካብቲ መዓስከር ክወጽእ፡ ክሰርሕ ወይ ነጻ ክኸውን ፈጺመ ኣይምኸኣልኩን" ክትብል ብሓይሊ እናነብዐት ኣብ ህይወታ ንመጀመርታ ግዜ ብገዛእ ርእሳ ውሳነ ክትንቀሳቐስን ህይወታ ክትመርሕን ምኽኣላ ገሊጻ።

“እቲ ፌርማ፡ ኣገዳሲ ክፋል ህይወተይ እዩ። እቲ ወረቐት ከም ሎተሪ ምዕዋት እዩ” ትብል።

ኣብታ ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጽ ዝኾኑ ሰባት ዝውዕል መንግስታዊ ምወላ ዘይብላ ሃገር ከም ዓቢ ስጉምቲ እዩ ተራእዩ።

ፍርቂ ካብ ዮርዳኖሳውያን ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ 30 ዓመት ዕድሚአን ብሰንኪ ማሕበራዊ ጸቕጢ ስርሐን ከምዘቋርጻ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዘርግሖ መረዳእታ የመልክት።

ኣብቲ ሕብረተሰብ፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ምጽናሕ እዩ። ብተወሳኺ፡ ተመጣጣኒ ክፍሊት ዝጠልቡ ማእከላት ክንክን ህጻናት ዘይምሃለዎምን ከምኡ’ውን ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ንደቂ ኣንስትዮ ውሑስ ዘይምዃኖምን ጸቕጢ ከምዝፈጥረለን እቲ ትካል ይሕብር።

ዶክተር ማርያም፡ ቁጠባዊ ጸቕጢ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝፍጸሙ ዓመጻት ተራ ከምዘለዎ ትኣምን።

“ነቶም ደቂ ተባዕትዮ እቲ ቁጠባዊ ቅልውላው ብድሆ ምዃኑ እነግሮም እየ። ከምዘሕርቐኩም እፈልጥ እየ እብሎም” ትብል።

ይኹን እምበር፡ “እዚ መመኽነይታ ክኸውን የብሉን። ንዓመጽ ዝኾነ ምኽንያት ክወሃቦ የብሉን። 'ዋላ እቲ መግረፍቲ ምኽኑይ እንተመሰለኩም፡ ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን' እብሎም።”

ዶክተር ማርያም ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ክሃስየን ከምዝኽእል ትዛረብ።

ሳራ ከመይ ገይራ ህይወታ ዳግማይ ክትሃንጽ ከም እትኽእል እናዘተያ ብዙሕ ግዜ የሕልፋ’የን።

እቶም መዓስከራት፡ ነተን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሓ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ጽምዋ ዝመልኦም መዕቖቢ እዮም።

በዓል ቤት ሳራ፡ ብቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸሞ ከቢድ መጥቃዕቲ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ፤ ንሱ፡ ፋይቶ እያ ኢሉ ከሲስዋ ኣሎ። እዚ ኣብ ዮርዳኖስ ከቢድ ክሲ ስለዝኾነ ድማ ደቃ ክትስእንን ክትእሰርን ትኽእል ነይራ።

ሓለዋ ስድራቤት ነቲ ኩነታት መርሚሩ ኣብ መወዳእታ ንክሲ በዓልቲ ቤታ ውድቂ ገይርዎ።

ሳራ ንእሽቶ ዓወት ረኺባ ሓራ እኳ እንተ ወጸት፡ ሰብኣያ ዝፍጽሞ ምፍርራሕ ግን ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ።

“ሰበይተይ ንብረተይ እያ ኢሉ’ዩ ዝሓስብ። ካልእ ግዳይ ቅትለት ከይከውን ንህይወተይ እሰግእ" ትብል ሳራ።