ክሳድ ጓል 17 ዓመት ሰበይቱ ቈሪጹ፡ 8 ዓመት ክእሰር ዝተፈርደ ሰብኣይ

ሞና ሀይዳሪ

ምንጪ ስእሊ, ILNA

መግለጺ ስእሊ, ሞና ሃይዳሪ ቅድሚ ምማታ ሰብኣዊ በደል ከምዝፍጽመላ ብተደጋጋሚ ትኸስስ ነይራ

ንጓል 17 ዓመት ሰበይቱ ክሳዳ ብምቝራጽ ዝቐተለ ኢራናዊ፡ ን8 ዓመት ክእሰር ከምዝተፈረደ ኣካላት ቤት ፍርዲ ኢራን ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ሳጂድ ሓይደሪ ዝተባህለ ሰብኣይ፡ እቲ “ናይ ክብሪ ቅትለት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ባህሊ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ዝተቘርጸ ክሳድ ናይታ ሞና ዝተባህለት ሰበይቱ ሒዙ ዘርኢ ምስልታት ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብታ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ኣልዒሉ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ማእሰርቲ ውሑድ ዝዀነሉ ምኽንያት ስድራ ናይታ ግዳይ ነቲ ሰብኣይ “ይቕረ” ስለዝበልሉ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ቅድም ክብል ወላዲኣ ነቲ ቅትለት ፍቓድ ከምዘይሃበ ገሊጹ ነይሩ።

ሞና ካብ ጓል 12 ዓመት እንከላ ነቲ ሰብኣይ ዝተመርዐወት ኰይና፡ ኣብ 14 ዓመታ ወዲ ወሊዶም።

ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከምዝጸብጸበቶ፡ ሞና ሰብኣያ ድሕሪ ዘውረደላ በደል ክፈትሓ ሓቲታቶ ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ፡ ጠፊኣ ናብ ቱርኪ ከይዳ ነይራ።

እንተዀነ ስድራቤታ ናብ ዓዳ እንተተመሊሳ ምንም ከምዘይትኸውን ምስኣረጋገጹላ፡ ኣብ ለካቲትት ዝሓለፈ ዓመት ቅድሚ ምማታ ቅድሚ መዓልታት ናብ ሃገራ ተመሊሳ።

ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ መስዑድ ሰታየሺ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሳጂድ ሓይደሪ ብቕትለት ሸውዓተ ዓመትን መንፈቐን፡ ብመጥቃዕቲ ድማ ተወሳኺ ሸሞንተ ወርሒ ከምዝተፈረዶ ተዛሪቡ።

እቲ ፍርዲ፡ ስድራ ግዳይ ይቕረ እንተ ዘይኢሎም፡ ኮነ ኢሉ ንዝተፈጸመ ቅትለት ናይ ሞት ፍርዲ ብዝህብ ሕጊ እታ ሃገር መሰረት፡ ከምዝተወሃበ እውን እቲ ኣፈኛ ገሊጹ።

ኣብ ቅትለት ሞና ዝተሓባበረ ሓው እቲ ቀታሊ እውን፡ ብ ማእሰርቲ 45 ኣዋርሕ ተፈሪዱ።

እቲ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለት፡ ኣብታ ሃገር ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ዝከላኸልን ንግዳያት ሓለዋ ዝህብን ሓድሽ ሕጊ ክወጽእ ዝቐርቡ ጠለባት ክሕይሉ ምኽንያት ኰይኑ'ሎ።

ዝነኣሰ ዕድመ መርዓ ደቀንስትዮ ክልዕል እውን ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን ዝተሓተ ዕድመ መርዓ ደቀንስትዮ 13 ዓመት እንተዀነ፡ ካብኡ ንታሕቲ ዝዀና ህጻናት ብፍቓድ ወለደንን ቤት ፍርድን ክምርዐዋ ልሙድ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2020፡ ጓል 14 ዓመት ሮሚና ኣሽራፊ ምስ ኣፍቃሪኣ ጠፊኣ ብዝብል ኣቦኣ ክሳዳ ምስ ቈረጻ ኣብታ ሃገር ሓያል ተቓውሞ ተላዒሉ ነይሩ። እቲ ቅድሚ ነቲ ቕትለት ምፍጻሙ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከም ዝጽበዮ ንጠበቓ ዘማኸረ ኣቦ፡ ማእሰርቲ ትሸዓተ ዓመት ተፈሪድዎ።

መንግስቲ ኢራን ንብዙሓት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንሰትዮ ዝፍጸሙ ገበናት ዝቐጽዕ ሕጊ ኣርቂቝ እዩ። እንተዀነ ዛጊት ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣየጽደቘን፤ ሰብሞያ ሕቡራት ሃገራት እውን ናይ ምጽዳቕ ዕድል ከምዘይህልዎ ይግምቱ።

ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እታ ጸጉርኺ ኣይሸፈንክን ተባሂላ ምስተኣሰረት ዝሞተት ንእስቲ፡ ኢራን ከቢድ ተቓውሞታት እያ ተአንግድ ዘላ።

ዛጊት ምስቲ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ 4 ሰባት ብሞት ክቕጽዑ እንከለዉ፡ ካልኦት 18 ድማ ሞት ተፈሪድዎም ኣሎ።

እቶም ተኸሰስቲ ፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ከምዘይረኸቡ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።