ኣብ ኣመራርጻን ኣጠቓቕማን ዘይቲ ብልዒ እንፍጽሞም ሰለስተ ጌጋታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘይቲ ሱፍዶ ዘይቲ ኣትክልቲ? ወይስ ዘይቲ ኣውሊዕ? ዘይቲ ኣቮካዶ ወይስ ዘይቲ ኮኮናት?
ፈሳሲ ዘይቲ ወይስ ዝረግአ፡ ርካሽዶ ክቡር?
ዘይቲ ንምዕዳግ ናብ ዕዳጋ ኣብ እንኸደሉ እዋን ብተደጋጋሚ እነልዕሎም ሕቶታት እዮም።
ገለ ዘይትታት ንጥዕና ኣዝዩ ረብሓ ኣለዎም፣ ገሊኦም ድማ ስክፍታ ይፈጥሩ።
ዕዳጋታት ብዝተፈላለየ ዓይነታት ዘይቲ ዝተመልኡ ብምዃኖም ሓድሓደ ግዜ ኣየናይ ዘይቲ ክንገዝ ከም ዘለና ክጠፍኣና ልሙድ እዩ።
እወ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ዘይትን ስብሕን ክመጽእ እንከሎ፡ ነዊሕ ዝጸንሐ ክትዕ ኣሎ።
ኣጠቓቕማ ዘይቲ ስለምንታይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ንምርዳእ ግን እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ግድን ይኸውን።
ኵሎም ስብሒታት ኣብ ኣካላትና ዘሕድርዎ ጽልዋ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን።
ገሊኦም ኮለስትሮል ክብ ክብል ክገብሩ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ እዚ ንምንካይ ዝሕግዙ እዮም።
ኮለስትሮል ኣብ ጸላም ከብዲ ዝፍጠር ተፈጥሮኣዊ ስብሒ ዘለዎ ንጥረ ነገር እዩ። እንተዀነ፡ ኣብ ገለ መግብታትና እውን ይርከብ እዩ።
ሕማቕን ጽቡቕን ዓይነት ድማ ኣለዎ።
ብፍላይ እቲ ሕማቕ ኮለስትሮል ክበዝሕ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ መንደቕ ሰራውር ደም ስብሒ ክእከብን እቲ መስመር ክጸብብ ወይ ክዕጾን ይኽእል።
በብግዜኡ ዝቕየሩ ሓሳባት ስለ ዘለዉ ድማ ኣየናይ ፍርያት ከም እንመርጽ ንምፍላጥ እንተ ተጸገምና ዘይልሙድ ኣይኰነን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ፕሮፌሰር ጥዕና ህዝብን ኣመጋግባን ኒታ ፎሩሂ፡ ብዛዕባ ምብሳል ዘይቲ ዝምልከት ሰለስተ ጽውጽዋያት ተካፍል።
1. ዘይቲ ሱፍን ኣትክልትን ኣይነወግድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም ውጽኢታት ኣትክልትን ሱፍን ዝቐርቡ ዘይቲታት መብዛሕትኡ ግዜ ሕማቕ ከም ዝዀኑ ክንገር ይስማዕ። ኣዝዮም ዝተመስርሑን ኣብ ጥዕና ልብን ስርዓተ ደምን ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ነድሪ ከኸትሉ ይኽእሉ እዮም ይበሃል።
ነዚ ከረጋግጽ ዝኽእል መርትዖ ግን የሎን።
ብሓቂ እዞም ዓይነታት ዘይቲ ካብ 5-10 ሚእታዊት ትሑት መጠን ዝዘቕበበ ስብሒ (saturated fats) ዝሓዙ ኰይኖም ልዑል መጠን ጥዑይ ስብሒ ኣለዎም። ብዙሕ ዘይዘቕበበ ስብሒ (ኦሜጋ-3ን ኦሜጋ-6ን ሓዊሱ) ንጥዕና ሓንጎልን ልብን ኣገዳሲ ዝዀነ ትሕዝቶ እውን ኣለዎም።
ፎሩሂ፡ እዞም ዘይቲታት፡ "ንዓና ልዑል ረብሓ ኣለዎም፡" ትብል።
"እዚ ርእይቶ ጥራይ ኣይኰነን፣ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣሎ።"
"ከም ስብሒ [ሕማቕ ኮለስትሮል ክብ ክብል ዝገብሩ] ዝዘቕበቡ ዘይቲታት በዚኦም ምትካእ፡" ሓደጋ ሕማም ክንኪ ከም ዝገብር ድማ ትገልጽ።
ከምዚኦም ዝበሉ ዘይትታት ዋጋኦም ዝሓሰረ ስለ ዝዀነ፡ ንባጀትና እውን ዝምችኡ ኣማራጺታት እዮም።
2. ማርጋሪን ሕማቕ ኮለስትሮል ንምንካይ ይሕግዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማርጋሪን (ካብ ስብሒ እንስሳታትን ኣትክልትን ዝስራሕ ዓይነት ጠስሚ) ንዓመታት ሕማቕ ስም ክወሃቦ ጸኒሑ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ክንጥቀመሉ ከም ዘይብልና እዩ ዝግለጽ።
እዚ ዝበሃለሉ ምኽንያት ድማ ቅድሚ ሕጂ ምስ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ብጽኑዕ ዝተኣሳሰሩ ጐዳእቲ ትራንስ ስብሒታት ስለ ዘለዎ እዩ ዝበሃል።
ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝፈርዩ ማርጋሪናት ግን "ዳርጋ ዜሮ መጠን ትራንስ ስብሒ" ከም ዘለዎም ፎሩሂ ትዛረብ።
"ስለዚ፡ ብሓቂ ኣካል ጥዑይ ኣመጋግባ ክኸውንን ነቲ ሕማቕ ኮለስትሮል ከጕድልን ይኽእል'ዩ።"
ጠስሚ እውን ሓደ ኣማራጺ እዩ፣ "ንኣብነት ኣብ ባኒ ጠስሚ ብልዒ ንፈቱ እንተዄንና፡ ብዝከኣለና ከምኡ ንግበር፡" ክትብል ትውስኽ።
ማርጋሪንን ጠስምን መግቢ ንምብሳል ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና። ፎሩሂ ግን ሓድሓደ ግዜ ኣብ ክንድኡ ውሑድ ዝዘቕበበ ስብሒ ብዘለዎም ዘይቲታት ክንትክኦም ትመክር።
3. ዘይቲ ኣውሊዕ፡ ንምጥባስ ኣይንጠቐመሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝተፈላለዩ ዘይቲታት ክውዕዩ እንከለዉ ዝተፈላለየ ባህሪ ስለ ዘለዎም፡ ገሊኦም ንምጥባስ ምቹኣት ኣይኰኑን።
ንኣብነት፡ ብሉጽ ንጹህ ዘይቲ ኣውሊዕ ጠቐምቲ ጸረ-ኦክስጅንን ውህደታት ዝሓዘ ኰይኑ ትሑት ትኪ ዘውጽኣሉ (ዝመከሉ ወይ ዝበታተነሉ) ግዜ ሓጺር ስለ ዝዀነ ኣብ ሰላጣታት እንተ ዘይኰይኑ ኣይምረጽን።
ምኽንያቱ፡ መኺኹ ኣብ ሓዊ ክጸንሕ እንከሎ መሪር፡ ዝሓረረ ወይ ዘይጥዑም ክኸውን ይኽእል።
ኣሰናዳኢ መግቢ ቲም ሄይዋርድ፡ ንቐሊል ጥብሲ፡ ተራ ዘይቲ ኣውሊዕ ከም ዝጥቀም ይዛረብ።
ከም ቺፕስ ወይ ዝተኸትከተ ዓሳ ዝኣመሰለ ነገራት ብዓሚቝ ንምጥባስ ግን፡ ዘይቲ ሱፍ ወይ ኣትክልቲ ዝበለጸ ይኸውን። ምኽንያቱ፡ ከይተበታተነ እንከሎ ዝያዳ ምቘት ክጻወሩ ይኽእሉ እዮም።
ብቕልጡፍ ትኪ ዘውጽእ ዘይቲ መርዛም ኬሚካላዊ ጐድናዊ ፍርያት ከም ዝለቅቕ እውን ገለ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ፕሮፌሰር ፎሩሂ፡ ንነዊሕ እዋን ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ጥዕና ክሳብ ሕጂ ዘይቲ ኣትክልቲ፡ "ብዘይ ኣፈላላይ ምስ ዝተሓተ ሕዱር ሕማማት ዝተኣሳሰር ምዃኑ፡" ከም ዘርእዩ ትገልጽ።
ኣየኖት ዘይቲታት ክንጥቀም ኣለና?
ቀሊል ኣበሳስላ ትደልዩ እንተዀይንኩም፤
- ንመዓልታዊ ምብሳል፡ ዘይቲ ሱፍ ወይ እትክልቲ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝርከቡን ጥዕና ዘለዎም ረብሓታት ዝህቡን እዮም። ተራ ዘይቲ ኣውሊዕ እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና፣
- ንሰላጣ፡ ዝያዳ ንጹህ ዘይቲ ኣውሊዕ፡ መኣዛን ጥዕናዊ ረብሓን ይውስኽ፣
- ንነዊሕ ምብሳል፡ ደንጉዪ ዝበታተን ዘይቲ ኣትክልቲ ወይ ሱፍ፣
- ንዝተፈላለዩ መኣዛታት፡ ጣዕሙ ትፈትውዎ እንተዀይንኩም ኣብ ዝሑል ምግቢ ዘይቲ ሰሊጥ፡ ኣቮካዶ ወይ ኮኮናት።
ብሓፈሻ፡ ፕሮፌሰር ፎሩሂ፡ ኣየናይ ዘይቲ ክትገዝኡ ከም ዘለኩም ካብ ምሕሳብ፡ ኣብ ምሉእ ኣመጋግባና ከነተኵር ዝሓሸ ከም ዝዀነ ትምዕድ።
"ዓይነት ጣዕምን ዋጋን ኣብ ግምት ኣእቲና ክንገዝእ ከም ዘለና ገለ ጥዕናዊ ረብሓታት ዘምጽኣልና ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዘይቲ ክንፍትን ይመክር፡" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







