ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ እንታይ’ዩ ንጥዕናኸ ተጓዳኢ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, shutterstock
ኣመና-ዝተመስርሑ (ultra-processed) መግብታት ምስ ሕማም ልቢ፡ መንሽሮን ጭንቀትን ዝርከብዎም ልዕሊ 30 ዝኾኑ ጥዕናዊ ጸገማት ክጥቀሱ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ዕለታዊ መግቢ ከጠቓልሉ እንከለው ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም’ውን ተቐባልነቶም ብቕልጡፍ ይውስኽ ኣሎ።
ኣመና-ዝተመስርሑ ዝበሃሉ መግቢታት ኣየኖት እዮም?
ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ፡ ዝተፈላለየ ብርክት ዝበለ መግለጺ ዝዋሃቦ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገዛ ኣብ ዝዳሎ መግቢ ዘይንጥቀመሎም መቃምምቲ ዘለዎም እዮም።
መብዛሕትኦም ንመልክዕ፡ መቐረትን ቅርጽን እቶም መግቢ ንምምሕያሽ ዝውዕሉ፡ ኬሚካላት፣ መቐየሪ ሕብሪን መመቀርን እዮም።
ፍሪቕሪቕ ዝብሉ መስተ፣ ካራሜለን ቺክን ናገትን ከም ኣብነት ይጥቀሱ። እንተኾነ ገለ ዓይነታት ሕብስቲ፣ ኣብ ቁርሲ ዝዝውተሩ ሲርያልስን ርግኦን ከጠቓልሉ ይኽእሉ።
ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ካብ ካልኦት መግብታት ብኸመይ ይፍለዩ?

ሰባት ንዝተፈላለዩ ዓይነታት መግቢ ንምልላይ ምእንቲ ክሕግዞም ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ዝመቓቕሎም ኣገባብ ይዝውተር።
ዘይተመስርሑን ንእሽቶ ዝተመስርሑን መግብታት፣ ዝተመስርሑ መቃምምቲ፣ ዝተመስርሑ መግብታትን ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታትን እዮም።
ዝተመስርሑ መግብታት ምትሕውዋስ ናይ ከም ፍሩታ፣ ኣሕምልቲ፣ ጥረምረን ዕንቋቕሖን ዝኣመሰሉ ዘይተጻረዩ መግብታትን ዝተመስርሑ ናይ ክሽነ መማቕርትን እዮም።
ንኣብነት ካብ ሓሩጭ ስርናይ ዝተዳለወ ሕብስቲ፡ ማይ፡ ጨውን መባዅዕትን ዝተመስርሐ መግቢ እዩ።
እንተኾነ፡ መተሓዋወሲ፡ መቐየሪ ሕብሪ ወይ’ውን ከይበላሾ መጻንሒ እንተተወሲኽዎ፡ እቲ ሕብስቲ ኣመና-ዝተመስርሐ ይኸውን።
ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ ብኸመይ ነለልዮ?
ሓደ ፍርያት ልዕሊ ሓሙሽተ መማቕርቲ ምስዝኣትዎ ኣመና-ዝተመስርሐ ናይ ምኳን ተኽእሎኡ ልዑል እዩ ይብል፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ ናቫራ ስጳኛ፡ ፕሮፌሰር ህዝባዊ ጥዕና ማይራ በስ-ራስትሮሎ።
ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ዝበዝሐ ግዜ፡ ልዑል መጠን ጨው፣ ሽኮርን ዝተጠርነቐ ስብሕን ኣለዎም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት እዚ ሓበሬታ ኣብ መዐሸጊ እቲ መግቢ ይግለጽ እዩ።
ካብ ዝዳሎ ቅሩብ ዝጸንሐ “ሓድሽ መግቢ” ክኸውን ይኽእል እዩ ግና ብሰንኪ እቲ ዝውሰኾ መጻንሒ ዝተመስርሐ ይኸውን። ኣብቲ መዐሸጊ ከም ሶድየም ቤንዞት ኒትሬትን ሳልፌትን ከምኡ’ውን ቢኤችኤን ቤኤችቲን ዝኣመሰሉ መማቕርቲ ብምፍታሽ ምልላይ ይከኣል።
ዓለምለኻዊ ዝርግሐ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት እንታይ ይመስል?

ኣብ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝርከቡ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ኣመና-ዝተመስርሐ መግብታት ዘህልኹ እዮም።
ኣብ 2023 ኣብ ማእከላይ ዕድመ ካብ ዝርከቡ ኣሜሪካውያን እቶም 58 ሚኢታዊት ካሎሪ ካብ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ክረኽቡ እንከለው ኣብ ህጻናት እቲ ኣሃዝ 66 ሚኢታዊት ይበጽሕ።
ኣብ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ዝኣመሰላ ሃገራት እስያን ከም ብራዚል ቺለ ዝበላ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን፡ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ካብ 20-30 ሚኢታዊት ቀረብ ካሎሪ ይሽፍኑ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዚ 39 ሚኢታዊት እዩ።
ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ምብላዕ ጐዳኢ ድዩ?
ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ኣብ ጥዕና ዘለዎም ሳዕቤን ዝገልጽ ዘየወላውል መርትዖ የለን።
እንተኾነ ግና፡ ኣብ ብሪቲሽ ሜዲካል ጆርናል ዝተሓትመ ካብ 9.9 ሚልዮን ሰባት ካብ ዙርያ ዓለም ዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኩስ ዝገበረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ነቶም መግብታት ምስ ዝስዕቡ ጸገማት ኣተኣሳሲርዎም።
- ልዑል ተኽእሎ ከም ወቕዒ ልቢ ብዝኣመሰሉ መትነ-ልቢ (cardiovascular) ሕማማት ዝስዕብ ሞት
- ክራሸ (ካብ መጠን ንላዕሊ ግዝፊ)
- ዓይነት 2 ሽኮርያ
- ናይ ድቃስ ጸገማት
- ጭንቀትን ቃዝኖትን
እንተኾነ ግና እቲ መጽናዕቲ፡ እቲ ሕማማት ብሰንኪ ምምስራሕ መግብታት ዝሰዓበ ምዃኑ መርትዖ ከቕርብ ኣይከኣለን። መብዛሕትኦም ልዑል ስብሒ፣ ሽኮርን ጨውን ኣለዎም። እዚኦም ከኣ ፍሉጣት ጠንቂ ምውሳኽ ክብደት፣ ዓይነት 2 ሽኮርያ፣ ሕማም ልቢን ገለ መንሽሮን እዮም።
ክራሸ
“ምውሳኽ ክብደት እቲ ቀዳማይን ርዱእን ሳዕቤን ምምጋብ ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ እዩ፡” ይብል ክሪስ ቫን ቱለከን። ንሱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሌጅ ለንደን ኢሚዩኖሎጂስት ኮይኑ ብዛዕባ ኣመጋግባ መጽሓፍ ዘዳለወ እዩ።
“እዞም መግብታት ልዑል መጠን ስብሒ፣ ጨውን ሽኮርን ኣለዎም። እንተኾነ በቲ ትሕዝቶኦም፣ ሕብሮምን መቐረቶምን ልዕሊ ዓቐን ከምዝብልዑ ኮይኖም ዝተዳለው እዮም።”
ኣብ ዙርያ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት - ካብ ሸሞንተ ሰባት እቲ ሓደ ክራሸ ከምዘለዎ - ሓደ ብኢምፐርያል ኮሌጅ ለንደን ዝተኻየደ መጽናዕቲ የርኢ።
ካብ 1992ክሳብ 2022 መጠን ክራሸ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብልዕሊ ዕጽፊ፣ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ፣ ኣብ ህጻናት ከኣ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ምውሳኹ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዓመታዊ 2.8 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ልዑል ክብደት ሰብነት ወይ ክረሻ ይሞቱ።
“ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ ካብቲ ባህርያውን ‘ምሉእን መግቢ’ ዝሓሰረን ኣብ ዕዳጋ ብቐሊሉ ዝርከብን እዩ” ይብል ዶክተር ክሌር ጆንሰን ክኢላ መግቢ ኣብ ዩኒሴፍ።
ሽኮርያ
ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ሰባት ዓይነት 2 ሽኮርያ ከምዘለዎም ዓለምለኻዊ ፌደሬሽን ሽኮርያ ይገልጽ።
“ኣመና ኣብ ዝተመስርሐ መግቢ ዝርከቡ ሽኮር፣ ጨውን ስብሕን ከምኡ’ውን ልዑል ካሎሪን ትሑት መኣዛታትን ዘለዎም መግብታት፡ ዓይነት 2 ሽኮርያ ንምምዕባል ጠንቅታት” ምዃኖም ኣብ ዩኒቨርስቲ ሄለሲንኪ ፕሮፌሰር ህዝባዊ ጥዕና ጃኮ ቶሚሌቶ የረድእ።
ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዓይነት 2 ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ብልዑል መጠን እዩ ወሲኹ።
“መብዛሕትአን እዘን ሃገራት መግቢ ኣየፍርያን እየን. . . ኣመና ዝተመስርሐ መግቢ ክተጓዓዕዞን ክትክዝኖን ቀሊል እዩ፤ ትካላት መግቢ ዝሰድኦ ዝበዝሐ ከኣ እዚ’ዩ፡” ይብል እቲ ፕሮፌሰር።
ጕድለት ኣመጋግባ
ኣመና-ዝተመስርሐ መግቢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ንጕድለት ኣመጋግባ የቃልዕ ከምዘሎ ዶክተር ጆንሰን ትገልጽ።
“ኣብ ባህርያዊ ምሉእ መግቢ ዝርከብ ከም ኣይረን፣ ሚነራላትን ቪታሚናትን ዝኣመሰሉ ንኡሳት መኣዛታት ኣይርከቡን እዮም” ትብል።
ኣብ ፐርድዩ ዩኒቨርስቲ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተመራመርቲ ግና፡ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት እዞም ዝስዕቡ ዝርከብዎም ጥቕምታት ከምዘለዎም ይገልጹ።
- ከም ቪታሚን ኢ ከምኡ’ውን ካልሽየም ዝኣመሰሉ መኣዛታት
- ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት፡ ካብ ሓድሽ መግቢ ዝሓሰረ ኣማራጺ ምቕራብ
- ዝጓሓፍ መግቢን ምምራዝ መግብን ምቕናስ
ምስ ኩባንያታት መግቢ ዝሰርሕን ካብኣቶም ሓገዛት ዝቕበልን ትካል ኣመጋግባ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ኩሉም ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት ማዕረ ከምዘይኮኑ ይገልጽ።
“ገሊኦም ኣብ ኣመና-ዝተመስርሐ መግብታት ዝምደቡ ኣብ ቁርሲ ዝዝውተሩ ከም ‘ሆል ግሬይን ሲርያልስ፣ ሆልሚል ሕብስቲን ትሑት ስብሒ ዘለዎ ርጉኦን ዘለዎም መጠን ስብሒ፡ ጨውን ሽኮርን ትሑት ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚኦም ኣገደስቲ ምንጪ መኣዛታትን ፋይበርን እዮም፡” ትብል ዳይሬክተር እቲ ትካል ሳራ ስታነር።
ኣብ ልዕሊ ኣመና-ዝተመስርሑ መግብታት እንታይ ስጉምቲ ክውሰድ ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ 2018 ኣብ ልዕሊ ሽኮራዊ መስተታት ተወሳኺ ግብሪ ድሕሪ ምንባሩ፡ ብዙሓት ትካላት መጠን ሽኮር ኣጕዲሎም እዮም።
ኣብ 2023 ኮሎምብያ ኣብ ልዕሊ ሽኮራዊ መስተታትን ኣመና-ዝተመስርሑ መግብን ምስ ግዜ ክውስኽ ምዃኑ ዝተገለጸ 10 ሚኢታዊት ግብሪ ኣተኣታትያ።
ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ መጠን ክራሸ ህጻናት ዘለዋ ቺለ፡ ኣብ 2016፡ ልዑል ሽኮር፣ ስብሕን ካሎሪን ኣብ ዘለዎም መግብታት መጠንቀቕታ ክልጠፍ ጌራ።
ብዘይካ’ዚ ልዑል ሽኮር፣ ጨውን ካሎሪን ዘለዎም መግቢ ንህጻናት ምውዕዋዕ ከልኪላ።
እንተኾነ ግና፡ እቲ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ዝሰዓበ ኣርባዕተ ዓመታት’ውን መጠን ክራሸ ምውሳኽ ኣየቋረጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







