ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዘይተሰማምዐ ገሊፁ

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ታንኪ ኰይኖም ዘርእይ ፎቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ 'ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣትው ካብ መንግስቲ ፈደራል ትእዛዝ ከም ዝወረደ ዝገልፁ ሓበሬታት ትኽክል ከም ዘይኰኑ ገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሎሚ መዓልቲ ብመንገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ካምፕታት ሰሜን እዝ ንክሰፍር ከም ዝተሰማምዐ" ተገይሩ ሓበሬታ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ሓበሬታ "ፍፁም ሓሶት'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ተባሊሑ ዘሎ ወጥሪ ናብ ካልእ ዙር ኵናት ከየምርሕ ሻቕሎት ኣብ ዝሰፈነሉ እዋን እዩ፡ እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ መግለፂ ኣውፂኡ ዘሎ።

ኣብዚ ቅነ፡ መንግስቲ ፈደራል ሰራዊት ምክልኻል ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዘፍለጠ ዝገልፁ ሓበሬታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።

ብዓርቢ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ንክሰፍር ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሐ ዝገልፁ ሓበሬታታት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሖም።

እቲ ሓበሬታ፡ "ዝተጣመመን ግጉይን'ዩ። እቲ ዝንዛሕ ዘሎ ሓበሬታ ናብ ሕብረተሰብ ዝተሰራጨወሉ ስትራቴጂ፣ ምንጩ ይዅን ከሳኽዖ ዝተደለየ ሸቶ ግልፂ እዩ፡" ይብል፡ መግለፂ እቲ ቤት ፅሕፈት።

ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዘሎ ምክሳሳት ኣብ ዝሓየለሉ፡ መራሕቲ ትግራይ ብረቡዕ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ 'ንወራር ሰራዊት ፈደራል ክንምክት ኢና' ምባሎም ይፍለጥ።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምኽንያት መበል 51 ዓመት ፅንብል ልደት ውድቡ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ንትግራይ "ክወርራ" ይዳሎ ኣሎ ብምባል ከሲሱ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ እንተ ተፈፂሙ፡ ሓይልታቶም ነብሶም ክከላኸሉ ምዃኖም ድማ ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ጥሪ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት ፀለምቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ንመዓልታት ዝቐፀለ ውግእ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምንጪ ስእሊ, Office of the President-Tigray

ኣብ ከባቢታት ፀለምቲ ደብዳባት ድሮን ከም ዝነበረ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ነባሪ ገሊፁ ነይሩ።

ቢቢሲ ነቶም ተፈፂሞም ዝተባህሉ ደብዳባት ድሮን ብነፃ ኣካል ኣየረጋገፆን። መንግስቲ ፈደራል'ውን ኣብዚ ጉዳይ ወግዓዊ ርእይቶ ኣይሃበን።

እንተዀነ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድሒሩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ጎንፂ ከም ዘጋጠመ ኣረጋጊፁ እዩ።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ ንኽልላዊ ተለቪዥን ትግራይ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብቶም ከባብታት ክሰግሩ ከም ዝተገበረ ብምእንፋት፡ "ኣብ 2016 ኢትዮጵያ ዝወፅአ መደብ ምምላስ ተመዛበልቲን ምምሕዳርን እቲ ከባቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ "እቲ ፕላን ንምትግባር ዝነበረ ኵነታት ኣጀንዳ ኰይኑ ዝመዓራረየሉ ነገር ንምፍጣር፡" ዝዓለመ እዩ ነይሩ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ዝተወሰነ ሓይሊ ክሰግር ተወሲኑ - ናብ ላዕላይ ፀለምቲ ገፅ፣ ንእሽተይ'ውን ናብ ታሕታይ ፀለምቲ ገፅ- 'Manoeuvre' ንምግባር፡ ስለዚ እቲ ኣጀንዳ ከም ብሓድሽ ንኽለዓል ናይ ምግባር'ዩ፡" ምባሉ ይዝከር።

ኣብቶም ከባቢታት ውግኣት ኣብ ዝካየደሉ ኣብ ተመሳለሳሊ እዋን፡ ኣብ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ዝነበሩ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፈደራልን'ውን ካብቶም ከባቢታት ጠቕሊሎም ከም ዝወፅኡ ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ኣረጋጊፁ እዩ።

ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምቍራፅ ተፃብኦ ዝገበሩ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን፡ መሊሶም ናብ ካልእ ዙር ኵናት ከይኣትዉ ሻቕሎት ሰፊኑ ይርከብ።