ኣብ መዋስንቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን እንታይ'ዩ ዝኸውን ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, TELEMT WEREDE/FB
ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ጐንጺታት ከም ዝተኻየዱ ጸብጻባት ክሕብሩ ቀንዮም ኣለዉ።
ማዕከናት ዜና ኤኤፍፒን ሮይተርስን፡ ጸጥታዊን ዲፕሎማስያዊን ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ተፈጢሩ ዝብሃል ዘሎ ግጭትን ወጥርን እናገደደ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ካብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣትሒዙ ጐንጺታት ይካየዱ ምህላዎም ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ይወጽኡ'ኳ እንተሃለዉ፡ ጭቡጥ ሓበሬታ ምርካብ ግን ኣጸጋሚ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
እቲ ረጽሚ ነተን ክልላት ኣብ ዘሰሓሕብ ጸለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታታት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ እቶም ጸብጻባት፡ ሓደ ምንጪ ድሕነት፡ "እቲ ኵነታት እናብኣሰ ይኸይድ ኣሎ፡" ከም ዝበለ የመልክቱ።
ብተወሳኺ፡ ስሙ ክርቋሕ ፍቓደኛ ዘይኰነ ዲፕሎማት ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ምሊሻታት ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ ኢሉ።
"ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ጐንጺታት ከም ዝነበሩ ዝተረጋገጸ እዩ፤ ሎሚ ሓሙስ ብዛዕባ ዘሎ ኵነታት ግን ኣይንፈልጥን፡" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝዀነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ሰልፊ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሸነኽ ጸለምቲ ረጽሚ ከም ዝተላዕለ ኣረጋጊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው፡ መራሕቲ ህወሓት ንመንእሰያት ትግራይ ናብ ጥፍኣት ይወስዱዎም ኣለዉ ክብል ከሲሱ'ሎ።
ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ህወሓት ኰነ መንግስቲ ፈደራል ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ረጽሚ ብወግዒ ዝተዋህበ ሓበሬታ የሎን።
ኤኤፍፒ'ውን ካብ ክልቲኡ ወገን መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ብኻልእ ወገን፡ ሮይተርስ ንሓደ ዲፕሎማት ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ "ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሐ ጐንጺ፡" ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ትግራይን ከም ዝተኻየደ፡" ጸብጺቡ።
ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ዝመሓደር ዝነበረ ሓያሎ ቦታታት ናይቲ ጸለምቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ተቘጻጺሮሞ ምህላዎም ይፍለጥ።
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ እቲ ዝተተኽለ ምምሕዳራት ኣምሓራ ፈሪሱ፡ ብናይ ትግራይ ክትካእ ዝተገብረ ፈተነታት ከምቲ ዝድለ ኣይሰለጠን። ካብኡ ሓሊፉ'ውን በብእዋኑ፡ ናብ ረጽሚን ወጥርን ከምርሕ ጸኒሑ'ዩ።
ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ ብዘይምግባሮም ዝንቀፉ ሰብመዚ ትግራይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ብምኽባር ናይ ትግራይ ምምሕዳር ናብ ንቡር ክመልስ'ዮም ዝጠልቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







