መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ - ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መንግስቲ ፌደራል ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ የጸግዕ ከምዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ገሊጹ።
እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዝተፈጸመ ግጭት ብምጥቃስ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ዘነጻጸረ ሓድሽ "ወተሃደራዊ ምድላው" ይግበር ከምዘሎ ከሲሱ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣፅዋርን ሰራዊትን ምንቅስቓስ ብምግባር ገዚፍ ወታደራዊ ዓቕሙ ናብ ትግራይ ብምፅጋዕ ናብ ካሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ንምእታው ኣብ ምህንዳድ ይርከብ" ይብል እቲ ካብ መቐለ ዝወጸ መግለጺ።
ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክትግበር ከምዝደልዩ ብምንጻር ድማ፡ "እዚ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘለዎ ወታደራዊ ምድላዋት መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ኢሉ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ልዝብ ክእቶ እምበር ናብ ካሊእ ደማዊ ኩናት ክኣትው ፍፁም ድሌት የብሎምን" ኢሉ።
ብወገን ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎ ማሕበረሰብ ዓለም ክቃላሕ ንዝጸንሐ መተሓሳሰቢታት ብንምኣድ ዳግማይ ኲናት ከይውላዕ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ህወሓት ተማሕጺኑ'ሎ።
እንተኾነ ግን እቲ ምንቅስቓስ ኣበይ ከባቢታት ከምዝተራእየ ህወሓት ብዝርዝር ኣየነጸረን።
"ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሳወር ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ደው ይበል" ብምባል'ዩ ህወሓት ጸዊዑ።
ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብሓደ ወገን፡ ኣብ ሞንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን በቲ ካልእ ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ህወሓት ነዚ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ይኹን ሓድሽ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝተዋህበ መብርሂ የለን።

ምንጪ ስእሊ, TPLF
እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ ነቲ ኣብ እዋን ምጅማር ቐዛፊ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ወጥርን ምዕባለታትን ዘዘኻኽር'ዩ።
ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 (2013) ቅድሚ ምውልዑ ሰራዊት ፌደራል ንትግራይ ናይ ምኽባብ ምንቅስቓስ የካይድ ብምንባሩ ኣብ ልዕል'ቲ ኣብታ ክልል ተዋፊሩ ዝነበረ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ'ዮም መራሕቲ ትግራይ ዝገልጹ ነይሮም።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከተውጽእ ጠሊባ ነይራ።
ኣብቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዮን ጢሞትዮስ ናብ ኤርትራዊ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዝርከብ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ ሒዛ ከምዘላ ዝኸስስ'ዩ።
እቲ መልእኽቲ፡ ኣስመራ ንዘተ ቅርብቲ ክትከውን'ውን ዝጽውዕ እዩ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሓይልታታ ናብ ልኡላዊ መሬቶም ከምዝተመልሱ ክትምጉት ዝጸንሐት ኤርትራ ብወገና ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ መግለጺ እቲ ሚኒስተር "ናይ ሓሶት ጠቐነ፡" ክትብል ምንጻግ "ንጥጁእ ዕላማ ዝተፈብረኸ፣ ብቃናኡን ትሕዝቶኡን ዘስደምም'ዩ" ኢሉዎ።
"ኤርትራ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ከም'ዚ ዝበለ ናይ ሕሱር ሓሶታት መኣዲ፡ ነዳዲ ንምኽዓውን ንፋስ ንምንብድባድን ከምዘይትዕደም፡ ደጊማ ተረጋግጽ።"
ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2026፡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከባቢታት ፀለምቲ ንመዓልታት ከምዝተዋግኡ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







