በዓል ሸሞንተ ስኒ ሓሰኻ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ድሮናት ተዋፊረን

ምንጪ ስእሊ, Sean Gallup/Getty Images
እዚ ሓሰኻ፡ ካብ ጽፍሪ ኣጻብዕቲ ይንእስ፤ ጨጓር ግን ድማ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሓደጋታት ኣግራብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ።
እቲ ንደጋዊ ምክልኻል ገረብ ዘጥቅዕ ሕንዚዝ፡ ልዑል ስግኣት ኤውሮጳ ኰይኑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣግራብ ጽሕዲ ኣብሪሱ'ኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ፍርያት ዕንጨይቲ ኣብ ወደባት ብምፍታሽ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ዝርግሐኡ ደው ከብሎ ይጽዕር ነይሩ።
እቲ ሓሰኻ ዝመረጾ መገዲ ግን እዚ ጥራይ ኣይነበረን - ትኽ ኢሉ ብመትረብ እንግሊዝ ብንፋሳት ገይሩ ይኣቱ።
ሕጂ፡ ተመራመርቲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዘሽትቱ ኣኽላባት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሞዴላት ኒዩክለራዊ ጕሓፍን ዝርከቦ ዘይተለምደ ኣገባባት ተጠቒሞም ክምክቱዎ ጸኒሖም እዮም።
ብሪጣንያ ነቲ ሕንዚዝ ካብቲ ኣብ ምብራቓውን ደቡባዊ ምብራቕን ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ከባቢታት ከም ዘጥፍኣቶ ይገልጹ። ለውጢ ክሊማ ግን ነቲ ስራሕ ኣብ መጻኢ ዝያዳ በዳሂ ክገብሮ ይኽእል እዩ።
እቲ ሕንዚዝ ጽሕዲ -ስፕሩስ ባርክ ቢትል- ወይ 'ኢፕስ ታይፖግራፈስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓሰኻ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣግራብ ዓሌታት ተኽሊ 'ኮኒፈር' ኤውሮጳ እናተሓንበበ ኣሰር ዕንወት ክገድፍ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ሕንዚዛት ኣብ ትሕቲ ቅርፊት ኣግራብ ጽሕዲ ዝተሓላለኸ መርበብ ፈጢሮም 'ጋለሪ' ዝበሃሉ ጋለሪያታት ንደቆም የዕብዩን ይምግቡን።
ኣግራብ ብውሑዳት ኣሽሓት እዞም ሕንዘዛት ምስ ዝውረሩ፡ ጕድኣት ክበጽሖም እንከሎ ዝነዝዑዎ ተፈጥሮኣዊ መከላኸሊ ብምንዛዕ ቁሩብ ክጻወሩዎ ይኽእሉ እዮም።
ሓንቲ ውጥረት ዘለዋ ገረብ ግን ተፈጥሮኣዊ ናይ ምክልኻላ ዓቕማ ይንኪ እሞ እቶም ሓሰኻ ክበዝሑ ይጅምሩ።
"ብዝሖም፡ ክሳብ ነቲ ምክልኻል ኣግራብ ክብድሆ ዝኽእል ዓቕሚ ክሃንጽ ይኽእል'ዩ - ሚልዮናት፡ ቢልዮናት ሕንዚዛት ኣለዉ፡" ክብል ኣብቲ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝምወል ምርምር ኣግራብ ሓላፊ ጥዕና ኣግራብ ዝዀነ ዶክተር ማክስ ብሌክ ገሊጹ።
"ብዙሓት ነዚ ክምክቱዎ ዘይኽእሉ ኣግራብ ኣለው'ዮም፤ ብፍላይ ደረቕ ክኸዉን እንከሎ፡ ነቶም ጋለሪታት ንምዕናው ፈሳሲ ምውጻእ ኣይኽእሉን፡"።
እዚ ሕንዚዝ፡ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ኖርወይ ካብ ዘስፋሕፍሕ ንደሓር 100 ሚልዮን ሜትሮ ኪዩቢክ ጽሕዲ ከጽንት ከም ዝኸኣለ ሮታምስተድ ሪሰርች ይሕብር።
'ቁጽሪ ሓደ ጸላኢ ህዝቢ'
'ሲትካ' ዝተባህለ ዓሌት ተኽሊ ጽሕዲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቀንዲ ንዓንደ-ገመል ዝውዕል ገረብ ስለ ዝዀነ፡ ዶክተር ብሌክን መሳርሕቱን ኣብ ኤውሮጳ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብከቢድ ስክፍታ እዮም ዝከተታሉዎ።
"725 ሽሕ ሄክታር ጽሕዲ ኣለና፡ እዚ ሕንዚዝ ነዚ ክወሮ እንተተፈቒዱሉ፡ ሰፊሕ ክፋል ናይዚ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ማለት'ዩ፡" ትብል ክኢላ ምርምር ኣግራብ ኣንድርያ ዲዮል ።
"ግምት ኣውጺእናሉ ኢና - ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ኣብ ዓመት ብኸፊል 2.9 ቢልዮን ፓውንድ ዝበጽሕ ዋጋ ኣለዎ።"
ኣብ መዝገብ ሓደጋ ጥዕና ተኽሊ መንግስቲ ልዕሊ 1400 ባልዓትን ሕማማትን እኳ እንተሃለዉ፡ 'ኢፕስ' ግን "ቁጽሪ ሓደ ህዝባዊ ጸላኢ" ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።
ብዝሒ ናይቶም ሕማማት እናተቀላጠፈ ከም ዝመጽአ ክኢላ ትካል ግብረ ሰናይ ዘ ዉድላንድ ትራስት ኒክ ፊሊፕስ ገሊጹ።
"ብቐንዱ፡ ናይዚ ምኽንያት ዓለማዊ ንግዲ'ዩ። ፍርያት ዕንጨይቲ ካብ ደገ ኣታዊ ንገብር ኣለና፡ ዝትከሉ ኣግራብ ነምጽእ ኣለና። እዚ ድማ ሓሓሊፉ ብመንጽር ባልዕን ሕማማትን ብቐሊሉ ክመጽኡ ይገብር፡" ይብል።
ምርምር ኣግራብ ንዓመታት ምስ ቁጽጽር ዶባት ብሓባር ብምስራሕ ብኸምዚ ኣገባብ ናብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኣትው ኣግራብ ተፍትሽ 'ኢፕስ' ክገብር ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ 2018 ግን ኣብ ኬንት ኣብ ዝርከብ ዕንጨይቲ ዘሰንብድ ነገር ተረኺቡ።
"ንዓመታት ክራባሕ ዝጸንሐ እኵብ ኢፕስ ረኺብና። ድሒሩ ዝዓበየ መጠን ሕንዚዝ ክንእክብ ጀሚርና። እዚ ድማ ብኻልእ መገዲ ይመጽኡ ከም ዘለዉ ዝሕብር ይመስል። ኵሉ እቲ ሕጂ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ካብታ ኣህጉር ብንፋስ ይመጽኡ ከም ዘለዉ ዘመልክት'ዩ" ክትብል ክኢላ ምርምር ኣግራብ ኣንድርያ ዲዮል ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Daegan Inward/Forestry Research
እታ ጋንታ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዘለዎ ስለ ዝተገንዘበት፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ከተዋፍር ጸኒሓ።
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ሄክታር ጫካ ብምንባይ ምልክታት ወራር እቲ ሓሰኻ ኣሎ ዶ የለን የጻርያ ኣለዋ።
እቲ ሓሰኻ ወራሩ ከጽንዕ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ሽፋን ናይቲ ገረብ መኣዛታትን ማይን ክምገብ ስለ ዘይክእል፡ ክመውት ይጅምር።
ቀጺሉ ግን እቶም ተመራመርቲ፡ ነቶም ኣግራብ ባዕሎም ንምፍታሽ ብእግሮም ዝገብሩዎ ስራሕ ኣዝዩ ኣድካሚ'ዩ።
"ዳርጋ ኣብ ኩሙር ሓሰር መርፍእ ምድላይ'ዩ፤ ሓሓሊፉ ድማ፡ ባይታ ቅድሚ ምሓዞም ነቶም ቐዳሞት ዓሌታት ንምሓዝ ጻዕሪ ይገብሩ፡" ትብል ክኢላ ምርምር ኣግራብ ኣንድርያ ዲዮል።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጋንትኣ ኣብቲ ህዝባዊ ንብረት 4500 ሄክታር ጽሕዲ ፈቲሻ - እዚ 7000 ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ይኸዉን።
ከምዚ ዓይነት ኣካላዊ ስራሕ ዝሓትት ስራሕ ንኽቕጽል ኣጸጋሚ ኰይኑ፡ እታ ጋንታ ካብ ተፈጥሮኣውን ቴክኖሎጂካውን ዓለም ብማዕረ ገለ ሓገዝ ክትደሊ ጸኒሓ እያ።
እቶም ፈለምቲ ሕንዚዛት ጽሕዲ ምቹእ ኣአንጋዲ ገረብ ምስ ዝረኽቡ 'ፌሮሞን' ይለቅቑ - እዚ ካልኦት ሕንዚዛት ንምስሓብን ግዝተቶም ንምምስራትን ዝሕግዞም ኬሚካላዊ ምልክታት እዩ።
እዚ ብርቱዕ ጨና ዘለዎ ኬሚካል፡ ጨና ዘለልዩ ኣኽላባት ንኽረኽብዎም ምቹኣት ይገብሮም።
ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ቀዳሞት ፈተነታት ዕዉታት እዮም።
እቶም ኣኽላባት ብፍላይ ብዓይኒ ንምፍታሽ ኣጸጋሚ ክኸውን ዝኽእል ዓበይቲ ኵምራታት ዕንጨይቲ ሓገዝቲ ነይሮም።
እቲ ጕጅለ፡ ኣብቲ ነዞም ሓሰኻ ንምጽዋድ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣኽላባት ዝኣሰረሮ መጻወዲያ ካሜራታት እውን የዋፍር ኣሎ።
"ነቶም ሓሰኻ ንምልላይ ናይ ገዛእ ርእስና ኣልጎሪዝም [ፈጢርና] ኣለና። ኣስታት 20 ሽሕ ምስልታት ናይ ኢፕስ፡ ካልኦት ዕንቅርቢታትን ፍርስራስን ወሲድና ኣለና፡" ይብል ዶክተር ብሌክ።
ናብቶም ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ዝዀኑ ቦታታት ኣብ መሬት ብዝሰርሑ ክኢላታት ስነ-እንስሳ ሰሙናዊ ይልእኹ።
እቶም ስግኣታት እናወሰኹ ይኸዱ ኣለዉ።
ኤውሮጳ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ብዝሒ ኢፕስ ክውስኽ ክትርኢ እንከላ፡ እዚኦም ድማ ነቶም ውጥረት ዘለዎም ኣግራብ የጥቅዑ።
ኤውሮጳ ኣብ ክረምቲ ዝያዳ ጽንኩር ዝናብን ልኡም ሙቐትን ትረኽባ ኣላ ማለት ውሑድ ዛሕሊ ስለ ዘሎ እቶም ኣግራብ ኣብ ማይ ዝመልአ ኩነታት ይዀኑ።
እዚ ምስ ዝነቐጸ ሓጋይ ተደሚሩ ኣብ ህቦብላዊ ኩነታት ኣየር ውጥረት ተቓላዕቲ ይገብሮም።
ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ብዝሒ እዞም ሓሰኻ ምስ ዝህሉ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምጉዓዝ ሓደጋ ይውስኽ።
ጒጅለ ምርምር ኣግራብ፡ እዚ ወራር መዓስ ከጋጥም ከም ዝኽእል ብትኽክል ንምግማት ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







