ሓራምዝ'ከ ይሓዝኑ ድዮም፤ እንስሳታት ሞት ይርድኦም ድዩ?

ኣደ ሓርማዝ ንዝሞተ ወዳ ንሰለስተ መዓልቲ እናጐተተት ትዘውር ነይራ

ምንጪ ስእሊ, BBC News Sinhala

መግለጺ ስእሊ, ኣደ ሓርማዝ ንዝሞተ ወዳ ንሰለስተ መዓልቲ እናጐተተት ትዘውር ነይራ

ኣብ በረኻ፡ ገለ መጥበውቲ ከም ድቢ ወይ ዓበይቲ ድሙ ዝበሉ እንስሳታት፡ ኣፎም ተጠቒሞም ንደቈም ቀስ ኢሎም ናብ ውሑስ ቦታ ክወስድዎም ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ሓርማዝ ከምዚ ክገብር እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ኣዝዩ ዘይተለምደ እዩ- ብፍላይ እቲ ዝተሰከምዎ ዕሸል ዝሞተ ምስ ዝኸውን።

ሓደ ሰኣሊ፡ ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ሲሪላንካ ካውዱላ ብካሜራ ዝተወስደ ስእሊ ግን ነዚ እዩ ዘርኢ - ሓንቲ ኣደ ሓርማዝ ንመዓልታት ህይወት ዘይብሉ ውላዳ ክትጐትት ከላ ዘርኢ ልቢ ዝሰብር ምስሊ።

"ክትገድፎ ኣይደለየትን፤ ንዓይ ነዚ ክዕዘብ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ፡" ይብል ሰኣሊ ሳንጃያ ማዱሻን።

ነቲ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ኣብ ማህጸና ተሰኪማቶ ዝነበረት ምዉት ውላዳ፡ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ኣይኰነትን ሒዛቶ።

ሰኣሊ ማዱሻን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እታ ሓርማዝ ንሰለስተ መዓልታት'ያ ሒዛቶ፡" ኢሉ።

ነታ ሓርማዝ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ስግር እቲ ሕዛእቲ እናተጓዕዘት ከላ ተኸታቲልዋ።

"ሓለፍቲ እቲ ፓርክ፡ ምስ ተወልደ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ከም ዝሞተ ነጊሮምኒ፡" ሳንጃያ ማዱሻን።

እንስሳታት ሞት ይርድኦም ድዩ?

ኣብ መላእ ደሴት ደቡብ ኤስያ ዝንቀሳቐሱ ኣስታት ሸውዓተ ሽሕ ሓራምዝ ከም ዘለዉ ቈጸራ 2011 የመልክት።

እዚ ማለት እታ ሃገር [ስሪላንካ] ዘለዋ ንእሽቶ ስፍሓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ጻዕቂ ሓራምዝ ካብ መንጐ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።

መበቈሉ ኣብ ሲሪላንካ ዝዀነ ንኡስ ዓሌት ኤለፋስ ማክሲሙስ ማክሲመስ፡ ካብ ሓራምዝ ኤስያ እቲ ዝዓበየን ዝጸለመን እዩ።

ሃገራዊ ፓርክ ካውዱላ ድማ ብዓቢ ምትእኽኻብ እዞም ግዙፋት ሓራምዝ ፍሉጥ እዩ።

"ልዕሊ 300 ሓራምዝ ኣብዚ ክእከቡ ርእየ እየ። ስለዚ ዋላ'ኳ ብተደጋጋሚ ዓበይቲ ሓራምዝ ዝርኣዩ እንተዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ስምዒታዊ ነገር ክርኢ ግን እዚ ናይ መጀመርታይ'ዩ፡" ይብል ሰኣሊ ማዱሻን።

እታ ዝስኣላ ሓርማዝ ግን፡ "ስለ ምንታይ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ኣርእያ? ትሓዝን ድያ ነይራ? ወይስ ሃንደበት ዝዀነ ነገር'ዩ፡" ክብል ይሓትት።

ብዙሓት'ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተመሳሳሊ ሕቶ ክሓቱ ተራእዮም'ዮም።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፖርትስማውዝ ሓጋዚት ፕሮፌሰር ባህርን ድሕነትን እንስሳ ዶክተር ሊያን ፕሮፕስ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ተመሳሳሊ ነገር'ኳ እንተተራእየ፡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ ትዛረብ።

"ኣብ ኣእምሮ ካልኦት እንስሳታት እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ብሓቂ ምርዳእ በዳሂ'ዩ፡ ከምኡ'ውን ንሞት ክሳብ ክንደይ ከም ዝርድእዎን፡ ቀንዲ መለለዪኡን፡ ሞት ኣድማሳውን ዘይምለስን ምዃኑ ክሳብ ክንደይ ይርድእዎ ዝብል ምርዳእ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ሓራምዝ፡ ካብ ዝዀነ እንስሳ ዝነውሐ ናይ ጥንሲ እዋን ዘለዎም ኰይኖም ክሳብ 680 መዓልታት ይጸንሑ

ምንጪ ስእሊ, Sanjaya Madushan/Ceylon Wild Trails

መግለጺ ስእሊ, ሓራምዝ፡ ካብ ዝዀነ እንስሳ ዝነውሐ ናይ ጥንሲ እዋን ዘለዎም ኰይኖም ክሳብ 680 መዓልታት ይጸንሑ

ኣብ ሲሪላንካ ክፍሊ ሕክምና እንስሳታት ዩኒቨርሲቲ ፔራዴንያ ዝዀነ ክኢላ ሓራምዝ ፕሮፌሰር ኣሾካ ዳንጎላ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ክርአ ንመጀመርታ ግዜ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ እዚ ግን ዘገርም ከም ዘይኰነ ይዛረብ።

"እዚኦም ስምዒታት ስለ ዝዀኑ፡ ሓራምዝ ድማ ስምዒት ይካፈሉ'ዮም። ምትእስሳር ኣደን ውላድን ኣዝዩ ድልዱል'ዩ። እዚ ብዙሕ ግዜ ብፍላይ ኣብ ኣህባይ ርእየዮ እየ። ብፍልቀት ቀዳሞት እዮም ኣብ ዝበሃሉ ሓራምዝ ግን ቅሩብ ዝገርም'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሓጋዚት ፕሮፌሰር ባህርን ድሕነትን እንስሳ ዶክተር ሊያን ፕሮፕስ ካብዚ ብዝሰገረ፡ እታ ሓርማዝ ተደናጊራ ነይራ ክትከው ንትኽእል እያ ትብል።

"ዕሸል ሓርማዝ ምጕታት ግን ሓራምዝ ኣብ ልዕሊ ህያው ዕሸል ዝገብርዎ ነገር ኣይኰነን። ስለዚ ምናልባት ብመሰረቱ ምስኡ ዝተኣሳሰር ገለ ዓይነት ስምዒታዊ ምላሽ ዝነበረ ይመስለኒ፡ ኢላ።

እንስሳታት ንሞት ዘርእዩዎም ከምዚ ዓይነት ባህሪያት፡ 'ንጽጽራዊ ታናቶሎጂ' ኣብ ትሕቲ ዝበሃል ሓደ ሓድሽ ሳይንስ ይጽናዕ ከም ዘሎን፡ ተመራመርቲ ነዞም ባህርያት ብቐረባ ይከታተሉዎም ከም ዘለዉን ሓቢራ።

"ከምዚ ዓይነት ጸብጻባትን ኣጋጣሚታትን ናብ ሓደ ብምምጻእ ብስርዓት ክከታተሉዎ ይጽዕሩ ኣለዉ፤ ብሓቂ እንስሳታት ብዛዕባ ሞት እንታይ ከም ዝፈልጡ ንምፍታንን ንምርዳእን ከኣ ይጽዕሩ ኣለዉ።"

ኣብ ካልኦት እንስሳታት ከ?

'ታህለክዋ' ዝተባህለት ገዛፍ ዓሳ ነባሪ፡ ኣብ 2018 ንሬሳ ናይቲ ዝሞተ ውላዳ ን17 መዓልታት ኣብ ስግር ፓስፊክ ክትደፍእ ተራእያ

ምንጪ ስእሊ, Ken Balcomb, Center for Whale Research

መግለጺ ስእሊ, 'ታህለክዋ' ዝተባህለት ገዛፍ ዓሳ ነባሪ፡ ኣብ 2018 ንሬሳ ናይቲ ዝሞተ ውላዳ ን17 መዓልታት ኣብ ስግር ፓስፊክ ክትደፍእ ተራእያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓራምዝ ጥራይ ኣይኰኑን ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘርእዩ።

ኣህባይ፡ ዓሳ ነባሪን ዶልፊንን ኣብ ጐኒ ዝሞቱ ብጾቶም ግዜ ከሕልፉ ተራእዮም እዮም።

'ታህለክዋ' ዝተባህለት ገዛፍ ዓሳ ነባሪ፡ ኣብ 2018 ንሬሳ ናይቲ ዝሞተ ውላዳ ን17 መዓልታት ኣብ ስግር ፓስፊክ ክትደፍእ ምስ ተራእየት ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ስሒባ ነይራ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ተመሳሳሊ ዓሳ ነባሪ ካልእ ውላዳ ምስ ሰኣነት፡ መሊሳ ክትሓዝን ከምዝተራእየት ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ማእከል ምርምር ዓሳ ነባሪ ሓቢሩ።

"እዚ ማለት ምብላዕ ኣቋሪጻ ማለት'ዩ፤ ምኽንያቱ ርዱእ'ዩ ነቲ ውላዳ ብኣፍንጫኣ ሚዛን ከተትሕዞ ከም ዝነበራ ርዱእ'ዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፣ ግን ዋላ'ኳ እዚ ክብደት ኣካላታ ክትቅንስ እንተገበራ፡ ንሓደ ክልተ ሰሙን ነቲ ውላዳ ሒዛቶ ነይራ፡" ትብል ዶክተር ፕሮፕስ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ 2024 ኣብ ህንዲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ መጓሰ ሓራምዝ ንዝሞቱ ዕሸላት ሓራምዝ ብሓመድ ክሽፍኑ ዝተራእየሉ ኵነታት ሰኒዱ።

እዚ ድማ ገሊኦም ከም ቀብሪ ዝመስል ባህሪ ዝገልጽሉ ነገራት ይሕብር።

"እዚ ጸብጻባት ቀብሪ ሓራምዝ፡ ንምትርጓሙ ኣዝዩ ዝኸብድ ይመስለኒ። ብፍላይ ምዉታት ብቐጻሊ ዝቐብሩ ከም ዓይነታት ጻጸን ኣናጹን ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓይነታት እንስሳታት ኣለዉ፡" ኢላ።

ብሰንኪ ምብራስ ኣግራብን ቀጻሊ ፕሮጀክትታት ልምዓትን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሲሪላንካ ግጭት ሰብን ሓራምዝን ብቕልጡፍ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ኣብ ዓመት ኣማኢት ሓራምዝ ይቕተሉ ብምህላዎም፡ ዘኽታማት መንእሰያት ሓራምዝ ብዘይ ኣደታቶም ይተርፉ ኣለዉ።

ሓራምዝ፡ ከም ኣካል ናይቲ ማትሪያርካዊ ሕብረተሰብ (ኣብ ኣደ ዝመሓደር) ዝዀነ ፍልጠቶም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ የሕልፍዎ፣ እቶም ንኣሽቱ ኣባላት ድማ ካብ ዓበይቶም ይመሃሩ።

"መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዓበይቲ ብጕጅለ እዮም ዝቕተሉ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ድማ፡ ንኣሽቱ ሓራምዝ ልክዕ ከም ደቂ ሰባት ዝመሃሩሉ ሰብ የብሎምን። ግድን ብቕኑዕ መገዲ ኣይርድኡን ወይ ኣይመላለሱን። ስለዚ ብሓቂ ስድራቤታት ክበታተኑ ከለዉ ብዙሕ ምዝንባዕ ከስዕብ ይኽእል'ዩ"፡ ትብል ዶክተር ፕሮፕስ።