20 ሰባትን ሓደ ሚልዮን ኣዕዋፍን ጥራይ ዝነብሩላ 'ፍቕሪ እተትሕዝ' ደሴት

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ካብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ኣይስላንድ: ኣስታት 40 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ትርከብ።
ስፍሓት እታ ደሴት፡ 6.5 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ጥራይ እዩ።
ሆስፒታል፡ ሓኪም ወይ መደበር ፖሊስ የለን።
ህጹጽ ኵነታት እንተኣጋጢሙ፡ ነበርቲ እታ ደሴት ዓርሶም ንምክልኻል ዘኽእሎም ስልጠናታት ብሓለዋ ባሕርን ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤትን ተዋሂቡዎም'ዩ።
"ኣብዚ ክትነብር እንከለኻ፡ ምስ ዝተፈላለየ ኵነታት ክትላመድን ክትመሃርን ኣለካ" ትብል ኣብቲ ከባቢ እትነብር መራሒት በጻሕቲን ዋና ኣርቲክ ትሪፕ ዝተባህለ ትካል ጕዕዞን ሃላ ኢንጎልፍስዶቲር።
"ንዝዀነ ነገር ድሉዋት ኢና፤ ህጹጽ ኩነታት እንተጋጢሙ፡ መባእታዊ ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት ክንከውን የሰልጥኑና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሰሙን ድማ ሓደ ሓኪም ብነፋሪት ክበጽሓና ይመጽእ" ትብል።
ኣብ ሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ደሴት ንእሽቶ ኣባይቲ ጥራይ ይርኣዩ (መብዛሕትኦም መዕረፊ ኣጋይሽ)።
እዚ ከባቢ ሳንድቪክ ተባሂሉ ይጽዋዕ፤ ኣብዚ ከባቢ ሕጂ ከም ማእከል ማሕበረሰብ ዘገልግል ቤት ትምህርቲ፡ ከምኡ'ውን ስራሕቲ ኢደ ጥበብ ዝቐርበሉ ካፌ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ጥራይ ዝኽፈት ንእሽቶ ድኳን ኣሎ።
ባር፡ ሬስቶራንት፡ ቤተ-መጻሕፍቲ፡ ቤተክርስትያንን ኣዕዋፍ ዝዓርፋሉን ቦታ ኣሎ።
እዛ ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ኣርክቲክ እትርከብ ቁንጣሮ ደሴት፡ ግሪምሲ ትብሃል።
ግሪምሲ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩርን ጫፋትን ኣይስላንድ ትርከብ ብምዃና፡ ኣዝያ ቈራር ግን ድማ ሰሓቢት ደሴት እያ።
ክሳብ 1931 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ናብ ግሪምሲ ንምብጻሕ ዝነበረ እንኰ መገዲ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ጥራይ ናብታ ደሴት ደብዳቤታት እተብጽሕ ንእሽቶ ጃልባ ብምስፋር እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣኩረይሪ ካብ ዝተባህለት ከተማ ናይ 20 ደቓይቕ በረራታትን ካብ ቁሸት ዳልቪክ ድማ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ጕዕዞ ጃልባን ጥራይ ይሓትት።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
መብዛሕትኦም በጻሕቲ፡ ኣብዚ ርሑቕ ከባቢ ዘሎ ኣነባብራ ክርእዩ ድልየት ኣለዎም።
ከምኡ'ውን ንምእማኑ ዘጸግም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣዕዋፍ ባሕርን እንስሳ ዘገዳምን ኣለው።
ኣብዛ ደሴት ዘለው ቁጽሪ ኣዕዋፍ ባሕሪ ካብ ብዝሒ ነበርቲ ንላዕሊ'ዮም።
ብግምት 50 ሽሕ ኣዕዋፍ ብሓደ ሰብ ከም ዝበዝሓ ይግመት።
"ንክትኣምኖ ዘጸገም እዩ፤ ኣብዚ 20 ሰባት ጥራይ ኢና ንነብር" ትብል ኣብቲ ከባቢ እትነብር መራሒት በጻሕቲን ዋና ኣርቲክ ትሪፕን ሃላ ኢንጎልፍስዶቲር።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይስላንድ ረይክያቪክ ዝተወልደት ኢንጎልፍስዶቲር፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር እያ ዓብያ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ከኣ ምስ ሓደ ገፋፊ ዓሳ ምስ ተራኸበትን ምስ ተመርዓወትን ናብታ ደሴት ንዝገዓዘት ሓፍታ ክትበጽሓ እንከላ ኣብ ግሪምሲ ነዊሕ እዋን ከተሕልፍ ጀሚራ።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ድማ ብኸፊል ኣብ ግሪምሲ ክትነብር ጸኒሓ።
ኣብ 2019 ጠቕሊላ ናብታ ደሴት ክትግዕዝ ከም ዝወሰነት ትዛረብ።
"ሰባት ኣፍቂረ ናብዚ ዝገዓዝኩ ይመስሎም፤ ኣነ ግን ምስታ ደሴት'ዩ ፍቕሪ ሒዙኒ" ትብል።
ወሲኻ፡ "ዝዀነ ሓይሊ ኣለዋ፤ ምስቲ ኣብዚ ዘሎ ኣነባብራ ሰባት ፍቕሪ፡ ምስ ደቂ እታ ደሴትን ተፈጥሮን ፍቕሪ ሒዙኒ። ተፈጥሮ ኣዝዩ ሓያል እዩ፤ ክረምቲ ዝተፈለየ ተፈጥሮኣዊ ሓይሊ ሒዙ ይመጽእ፤ ጸልማት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ 'ኖርዘርን ላይትስ'፣ ኰኸባትን ህቦብላታትን ይመጽኡ። ኣብ ጽድያ ብርሃንን ኣዕዋፍን ይመጸዕኡ። ነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ፍሉይ እዩ" ክትብል ትገልጾ።
ኢንጎልፍስዶቲር ኣብታ ደሴት ትካል ዑደት ኣለዋ፤ ትሽዓተ ክፍሊ ዘለዎ መዕረፊ ኣጋይሽ'ውን ትውንን።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ንበጻሕቲ ኣብ ዘይተዛውረሉ እዋን ከኣ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ኣብ መደበር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግሪምሲ ብምኻድ እታ ደሴት እዅል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘለዋ ተረጋግጽ።
ኣይስላንድ ካብ ጂኦተርማልን ተሓዳሲ ጸዓትን እያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እትረክብ።
ግሪምሲ ግን ኣዝያ ዝረሓቐት ደሴት ብምዃና፡ ካብቲ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ወጻእ እያ ዘላ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ብናፍጣ ዝሰርሕ ጀነሬተር ትጥቀም።
"በጻሕቲ፡ ወትሩ ይስልችወኪ'ዶ እናበሉ ይሓቱኒ፤ ኣነ ግን ብዙሕ ዝሰርሖ ነገራት እዩ ዘለኒ። ልክዕ ኣብ ኣይስላንድ ዝነብሩ ሰባት ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ኢና ንሰርሕ። ንሰርሕ፡ ናብ ጂም ንኸይድ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንገብር፤ ኣነ እቲ ፈጥሮ'ዩ ኣብዚ ከትርፈኒ ክኢሉ" ትብል።
ልክዕ ከም ብዙሓት ንኣሽቱ ከተማታትን ዓድታትን ኣይስላንድ፡ ታሪኽ ግሪምሲ ኣብ ዛንታታት እቲ ከባቢ ዝተሞርኰሰ እዩ።
ስም እታ ደሴት ምስ ሓደ ካብ ምዕራባዊ ኖርወይ ኣውራጃ ሶግን ብመርከብ ከም ዝመጽአ ዝእመን ግሪሙር ዝተባህለ ሰፋሪ ዝተኣሳሰር እዩ ይብሃል።
ሓደ ዝፍለጥ መወከሲ ግሪምሲ ብ1024 ከም ዝተረኽበት የመልክት።
ኣብቲ እዋን ንጉስ ኦላፉር ኖርወይ ንግሪምሲ ከም ምልክት ዕርክነት ክትውሰድ ሓቲቱ ከም ዝነበረ ኣብ ጥንታዊ ዛንታ ሄይምስክሪንግላ ሰፊሩ ይርከብ።
መራሕቲ እቲ ከባቢ ግን እታ ደሴት ኣዝያ ክብርቲ ምዃና ብምርኣይ ኣብዮም።

ምንጪ ስእሊ, Michelle Gross
ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን፡ ብዝሒ ህዝቢ ግሪምሲ ብሰንኪ ኒሞንያን ምስ ምግፋፍ ዓሳ ዝተኣሳሰር ሓደጋታትን ዳርጋ ክጠፍእ ኢሉ ነይሩ።
እዚ ብንኣሽቱ ጀላቡ፡ ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ሕጽረት ተፈጥሮኣዊ ወደብን ዝስዕብ ዝነበረ ሓደጋታት ምዃኑ ይንገር።
ሕብረተሰብ ግን ጸዋር እዩ፤ እታ ደሴት ከኣ ክትቅጽል ኢላ።
ኣብ 2009 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ግሪምሲ ኣካል ምምሕዳር ከተማ ኣኩረይሪ ኰይና።
"ሕጂ መሬት ግሪምሲ ውርሻን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ከምኡ'ውን ተጻዋርነት እቲ ሕብረተሰብ ንምዕቃብ ብዝሰርሑ ብነበርቲ፡ ከተማ ኣኩረይሪን ግዝኣት ኣይስላንድን ዝውነን እዩ" ትብል ኣካያዲት ፕሮጀክት ግሪምሲ ቱሪዝም ማሪያ ኤች ትሪግቫዶቲር።
ትሪግቫዶቲር፡ ከም ብዙሓት ነዛ መሳጢት ደሴት ዝበጽሑ፡ ምስ ግሪምሲ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ተምሳጥ ኣማዕቢላ እያ።
"ብዛዕባ ግሪምሲ ኣዝዩ ዝምስጠኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ርሑቕ ምዃኑ፡ [እቲ] ፍሉይ ብርሃንን ንምእማኑ ዘጸግም ህይወት ኣዕዋፍን ምህላው'ዩ። ኣብቲ ቁልቁል ዝኣፉ ገደል ኣትኽልቲ ኣብ ዝበዝሖ ደሴት ምንቅስቓስ፡ ብኣሽሓት ብዝቑጸሩ ኣዕዋፍ ባሕሪ ተኸቢብካ ምንባር፡ ዓሚቕ ቅሳነት ናይቲ መልክዓ ምድሪ ክስመዓካ እንከሎ ብሓቂ ፍሉይ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ውህደትን ቅንዕናን ግን ፍሉይ ተምሳጥ ይፈጥረልካ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ግሪምሲ ክሳብ ንሰሜን ዝተጸግዐት ብምዃና፡ ነበርቲ እታ ደሴት 'ፖላር ናይትስ' ይርእዩ።
እዚ፡ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ዞባታት ዝኽሰት ኰይኑ፡ ጸሓይ ንልዕሊ 24 ሰዓታት ኣብ ትሕቲ ኣድማስ እትጸንሓሉ ክስተት እዩ።
ኣብዚ እዋን፡ እታ ደሴት ካብ መጀመርታ ታሕሳስ ክሳብ መፋርቕ ለካቲት ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ፍጹም ጸልማት ትድበ።
"ንዓይ ጸልማት ኣይርብሸንን፤ ንገለ ሰባት ግን የሸግሮም'ዩ። እንተዀነ መሊሱ ብርሃን ከም ዝኸውን ንፈልጥ ኢና" ትብል ኢንጎልፍስዶቲር።
እቲ ጸልማት ናይ ገዛእ ርእሶም ብርሃን ብምስራሕ ክሓልፎ ይፍትኑ።
"ንበዓል ልደት ብኣግኡ ምውቃብ ንጅምር፡ ምኽንያቱ ነቲ ጸልማት ከነብርሆ ስለ እንደሊ። ነቲ ናይ ልደት መብራህቲ ድማ ብዙሕ ንስልሞ። ክሳብ ለካቲት ድማ ኣይነውርዶምን" ኢላ።
ኢንጎልፍስዶቲር፡ ናብታ ደሴት ብዝሒ ዋሕዚ ቱሪዝም ክህሉ ድልየት ከም ዘይብሎም ገሊጻ።
"እዛ ደሴት ብሕታዊት ምዃና እየ ዝፈትዎ፤ ስለዚ ብዝሒ ከኣትው ዝኽእሉ ሰባት ገደብ ገይራናሉ ኢና"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







