'ሰላዪ ሩስያ' ዓሳ ነባሪ ብጥይት ከምዝተቐትለ ተሓለቕቲ መሰል እንስሳታት ሓቢሮም

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ሞይቱ ዝተረኽበ ሰላዪ ሩስያ ከምዝኰነ ዝተጠርጠረ ዓሳ ነባሪ፡

ምንጪ ስእሊ, Helene O'Barry

መግለጺ ስእሊ, ሞይቱ ዝተረኽበ ሰላዪ ሩስያ ከምዝኰነ ዝተጠርጠረ ዓሳ ነባሪ፡

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ሞይቱ ዝተረኽበ ሰላዪ ሩስያ ከምዝኰነ ዝተጠርጠረ ዓሳ ነባሪ፡ ብጥይት ከምዝተቐትለ ተጣበቕቲ መሰል እንስሳታት ገሊጾም።

ኣካል ናይቲ ህቫልድሚር ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ጥዑይን ንኡስን ዝነበረ እንስሳ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ባሕሪ ክንሳፈፍ'ዩ ተረኺቡ።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት እንስሳት፡ እቲ ዓሳ ነባሪ መውቃዕቲ ጥይት ከምዝተረኽቦን ብጭካነ ከምዝተቐትለን ገሊፆም።

መስራቲት ትካል 'ዋን ዌል' ዝዀነት ረጂና ሃውግ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ህቫልድሚር ፍትሒ ክረክብ ክንቃለስ ኢና" ኢላ።

ዋን ዌል፡ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ማያት ኖርወይ ድሕሪ ምርኣዩ ትኹረት ዝሰሓበ ዓይነት ዓሳ ነባሪ ንምጥባቕ ዝተመስረተ እዩ።

እቲ መልከዐኛ ዓሳ ነባሪ፡ "መሳርሒታት ሴንት ፒተርስበርግ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ካሜራ ‘ጎፕሮ’ ተገጢሙሉ እዩ ተረኺቡ።

እዚ ድማ እቲ 'ንቑሕ' ዓሌት መጥበውቲ እንስሳ፡ ኣብ ስለያ ተዋፊሩ ፀኒሑ ከኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ኣበጊሱ።

ኣብቲ ከባቢ ‘ህቫልዲሚር’ ተባሂሉ ከም ብዋዛ ክጽዋዕ ዝጀመረ ድማ ቃል ኖርወይ ዝዀነ "ህቫል"ን ስም ፕረዚደንት ሩስያ ‘ቭላድሚር’ን ኣጣሚሩ ብዝሓዘ ስያመ እዩ።

ሬሳኡ ብ1 መስከረም ካብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ሪሳቪካ ተንሳፊፉ ድሕሪ ምርካቡ ንምርመራ ናብ ዝቐረበ ወደብ ተወሲዱ።

ኖህን ዋን ዌልን ንፖሊስ ኖርወይ ጥርዓን ከምዘቕረቡን ክሲ ገበናዊ መርመራ ክኸፍቱ ከምዝሓተቱን ገሊጾም ኣለዉ።

ሚስ ሃውግ ካብ ዋን ዌል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም "ኣብ ከባቢ ኣካላቱ ብዙሕ ቁስሊ ጥይት ነይርዎ" ክትብል ሓቢራ።

ሰለስተ ሰሙን ዝወስድ ምጽራይ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካል ዋን ዌል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖም ስእልታት፡ ኣብቲ ብደም ዝተሓፅበ ኣካላት ‘ህቫልዲሚር’ መውቃዕቲ ጥይት ዝተብሃለ ቁስሊ ዘርእይ ይመስል።

"ኣብቲ ዓሳ ነባሪ ዝወረደ መጉዳእቲ ዘሰክፍን ገበናዊ ተግባርን እዩ፤ ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ" ይብል ዳይረክተር ኖህ ሲሪ ማርቲንሰን።

እቲ ነቲ ዝሞተ ዓሳ ነባሪ ቀዲሙ ዝረኸበ ትካል ማሪን ማይንድ ግን፡ "ንግዚኡ ጠንቂ ሞቱ ዝገልጽ ነገር ከምዘየለ" ይገልጽ።

ዳይረክተር ሰባስቲያን ስትራንድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ምልክት ርኢና ኢና ግን ጠንቂ ሞቱ እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ ግዜኡ ገና 'ዩ" ኢሉ።

እቲ ውፅኢት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ትጽቢት ከምዝግበር ወሃቢት ቃል እቲ ኢንስቲትዩት ገሊጻ።

ህቫልዲሚር ዕድሚኡ ኣስታት 15 ዓመት ዀይኑ፡ ዓሳ ነባሪ ክሳብ 60 ዓመት ክነብር ስለዝኽእል ‘ቤሉጋ’ ኣይኣረገን ነይሩ።

ፖሊስ ነቲ ጉዳይ "መርመራ ንምጅማር ርትዓዊ ድራኸታት እንተሃልዩ ንምፍላጥ" የፅንዕ ከምዘሎ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ገሊጹ።

ማሪን ማይንድን ዋን ዌልን ንህቫልዲሚር ካብቲ ዘጋጥሞ ሓደጋታት ብኸመይ ከምዝከላኸለሉ ፍልልያት ነይሩዎም።

እቲ ሓደ፡ እቲ ዓሳ ነባሪ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ኖርወይ ዝርከብ ባሕሪ ባረንትስ - ዝያዳ ተፈጥሮኣዊ መነባብሮ ቤሉጋስ - ውሑስን ዝበሎ ከባቢ ክውሰድ ሓቲቱ ነይሩ።

ማሪን ማይንድ ግን ኣንጻር እቲ ሓሳብ እዮም ነይሮም። እኳ ደኣስ ምግዓዙ ንህይወቱ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ ኢሎም ይምጉቱ ነይሮም።

ህቫልዲሚር ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሚያዝያ 2019 ኣብ ጥቓ ደሴት ኢንጎያ ካብታ ሰሜናዊት መርከብ ሩስያ ዝመደበራ ሙርማንስክ ኣስታት 415 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከባቢ ተራእዩ።

ንሱ ቀልቢ ሰባት ዝሰሓበሉ ምኽንያት ድና፡ ቤሉጋስ ካብቲ ልዑል ኣርክቲክ ንደቡብ ክንድኡ ርሒቖም ሳሕቲ ስለ ዝረኣዩ እዩ።

ሩስያ ከም ዶልፊን ዝኣመሰሉ መጥበውቲ ዓሳታት ባሕሪ ንወተሃደራዊ ስለያታት ናይ ምስልጣን ድሕረ-ባይታ ኣለዋ።

መርበብ ሓበሬታ ባረንትስ ኦብዘርቨር፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ከባቢ ሙርማንስክ ኣብ ጥቓ መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ፡ ናይ ብርዒ ፅሑፍ ዘለዎም ዓሳ ነባሪ ኣለልዩ ኣሎ።