ሩስያ፡ ‘ንስለያ ዘዋፈረቶ’ ዓሳ ነባሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ሞይቱ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Helene O'Barry
ብሩስያ ሰልጢኑ ኣብ ምስላይ ክሰርሕ ጸኒሑ ዝተበሃለ ጻዕዳ ዓሳ ነባሪ ኣብ ገማግም ኖርወይ ሞይቱ ተረኺቡ።
ሬሳ ናይቲ ህቫለድሚር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓሳ ነባሪ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ከተማ ሪሳቪካ ምስ ተረኸበ ንዝያዳ መርመራ ናብ ጥቓ እታ ከተማ ዝርከብ ወደብ ተወሲዱ ኣሎ።
እቲ ‘ንብረት ቴተርስፐርግ’ ዝብል 'ጎፕሮ' ዝተበሃለን ዓይነት ካሜራ ኣብ ርእሱ ዝተገጠመሉ ዓሳ ነባሪ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት’ዩ ኣብ ማያት ኖርወይ ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ዓሳ ነባሪ ምስ ተራእየ ሩስያ ዝዓለመቶ ሰላዪ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሓት ክኢላታት ግምታቶም ክህቡ ጀሚሮም፤ ሩስያ ግን ነዚ ኣመልኪታ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ሬሳ ህቫለድሚር ብሓደ ንሓሙሽተ ዓመታት ክከታተሎ ዝጸንሐ ማረይን ማይንድ ዝተበሃል ትካል ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከምዝተረኸበ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
መስራቲ ማረይን ማይንድ ሰበስትያን ስትራንድ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጠንቂ ሞት ህቫለድሚር ከምዘይፍለጥ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ኣብ ኣካሉ ዝዀነ ህራም ከምዘይብሉ ገሊጹ።
“ንሬሳኡ ከይተበላሸወ እንከሎ ረኺብና ኣብ ዝሑል ቦታ ኣቐሚጥናዮ ኣለና፡ ሬሳኡ ብክኢላታት ንምርመር ከኣ ድሉው ኣሎ” ኢሉ።
እዞም በሉጋ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዓሌት ናይ ህቫለድሚር ዝኾኑ ዓሳ ነበርቲ ማእከላይ ዕድሚኦም 60 ዓመት’ዩ፡ ህቫለድሚር ወዲ 15 ዓመት ምስ ምዃኑ ብንእሽትኡ ከምዝሞተ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ህቫለድሚር ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብቲ መዓስከር ጭፍራ መራኽብ ሩስያ ዘለዋኦ ሙረማስክ ዝተበሃለ ቦታ 415 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኖርወጃዊት ደሴት ኢንጎያ’ዩ ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ዓሳ ነባሪ ኣብ መወዳእታ ግንቦት 2023'ውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሽወደን ከም ዝተራእየ፡ ነታ ዓሳ ነባሪ ንምክትታል ዝተዋፈረ ትካል ሓቢሩ ነይሩ'ዩ።
ጸዓዱ ዓሳ ነባሪ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ኣብ ከባቢ ኣርክቲክ ከም ዝነብሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ህቫለድሚር ካብ ኣርክቲክ ንደቡብ ኣዝዩ ትሒቱ ስለዝተረኣየ’ዩ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ነይሩ።
እዚ ተርእዮ ኣቓልቦ መንግስቲ ኖርወይ ስለዝሰሓበ፤ ክፍሊ ውሽጣዊ ስለያ ኖርወይ፡ እቲ ዓሳ ነባሪ ዝተገጠመሉ ካሜራ ብምርኣይን ምስ ሰብ ዝተላመደ ስለዝመስልን ብሩስያ ዝተዓለመ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ህቫለድሚር ዝብል ስም ዝተዋህቦ’ውን ኣብቲ እዋን’ዩ፤ ህቫል ብቋንቋ ኖርወይ ዓሳ ነባሪ ክኸውን እንከሎ እታ ድሚር ትብል ቃል ከኣ ካብ ሽም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተቘሪጻ ዝተወሰደት’ያ።
ሩስያ ኣቐድም ኣቢላ ዶልፊን ኣሰልጢና ኣብ ስለያዊ ስርሓት ከተዋፍር ምጽናሓ ሰነዳት ይሕብሩ።
ሩስያ ምስ ህቫለድሚር ተታሓሒዙ ስማ ብተደጋጋሚ እናተለዓለ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባኡ ዝዀነ ኣይተዛረበትን።
ኣቐድም ኣቢላ ግን ንእንስሳታት ባሕሪ ኣሰልጢና ኣብ ስለያዊ ስራሓት ኣብ ምውዓል ዝዀነ መደብ ከምዘይብላ ተዛሪባ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







