ሰላዪ ሩስያ ነበር ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዓሳ ነባሪ ተረኺቡ

ዓሳ ነባሪ

ምንጪ ስእሊ, HELENE O'BARRY

ሰላዪ ሩስያ ነበር ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዓሳ ነባሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሽወደን ከም ዝተራእየ፡ ነታ ዓሳ ነባሪ ንምክትታል ዝተወፈየ ዋንዌል ዝተበሃለ ትካል ገሊጹ።

እዚ ህቫልዲሚር ተባሂሉ ዝተሰየመ እዚ ዓሳ ነባሪ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ፡ ኣብ 2019 ሩስያዊ ናውቲ ሒዙ እዩ ተራእዩ።

ንዓመታት ካብ ርሑቕ ሰሜን ኖርወይ ቀስ ኢሉ ናብ ደቡብ ገጹ እናተጓዕዘ ዘሕለፈ እዚ ዓሳ ነባሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ማያት ኖርወይ ንምውጻእ ምንቅስቓሱ ኣቀላጢፉ።

ዋንዌል፡ ምኽንያት እቲ ሃንደበታዊ ምጕያዩ ንጹር ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

እቲ ዝለመደ ዓሳ ነባሪ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጥቓ ደሴት ኢንጎያ ናብ ጀላቡ ኖርወይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እዩ ተራእዩ። እታ ደሴት ካብታ ሰሜናዊት መርከብ ሩስያ ዝመደበራ ሙርማንስክ 415 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ።

ኣብቲ እዋን፡ ጎፕሮ ዝተበሃለ ካሜራን "መሳርሒታት ሴንት ፒተርስበርግ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎም ክሊፓትን ሒዙ እዩ ተረኺቡ።

እዚ ርኽበት፡ ትካል ስለያ ውሽጢ ሃገር ኖርወይ መርመራ ክገብር ምኽንያት ኰይኑ።

እቲ ትካል፡ ድሒሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ዓሳ ነባሪ ብሰራዊት ሩስያ ዝሰልጠነ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ዓሳ ነባሪ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ካብ ናይ ኖርወይ ህቫል ዝብል ንዓሳ ነባሪ ዝገልጽ ቃልን ካብ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዝተወስዱ ቃላት ህቫልዲሚር ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀሚሩ።

ሩስያ ብወገና፡ ብሰራዊት ሩስያ ሰልጢኑ ዝብል ኣበሃህላ ብወግዒ መልሲ ሂባቶ ኣይትፈልጥን። ቅድሚ ሕጂ ንመጥበውቲ ባሕሪ ከም ሰለይቲ ንምስልጣን ዝዓለመ መደባት ከም ዘየለ ድማ ነጺጋ ነይራ።

ኣብ 2019 ግን ሓደ ሩስያዊ ኣባል ዕቝር ሰራዊት ኮሎኔል ቪክቶር ባራኔትስ "ነዚ እንስሳ ንሰለያ ንጥቀመሉ እንተንኸውን፡ ብሓቂ ዶ 'በጃኹም ናብዚ ደውሉ' ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ ቍጽሪ ሞባይል ምተሓሓዝና ትብሉ?" ክብል ሓቲቱ ነይሩ።

ምስ ዋንዌል ዝሰርሕ ተመራማሪ ስነህይወት ባሕሪ ሰባስቲያን ስትራንድ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ምንቅስቓስ ናይቲ ዓሳ ነባሪ ለውጢ ንምምጻእ ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።

ብፍላይ "ካብ ተፈጥሮኣዊ ከባቢኡ ኣዝዩ ብቕልጡፍ ይርሕቕ" ስለዘሎ፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ፍጥነት ከም ዝወሰኸ ኣይንፈልጥን ኢና" ክብል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ስትራንድ፡ ንለውጢ ባህርያቱ ክልተ መግለጺታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ፤ እቲ ሓደ "መጻምድቲ ንምርካብ ዝድርኾ" ልዑል መጠን ሆርሞናት ክኸውን ይኽእል።

ካልእ ድማ ምስ "ጽምዋ" ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ወሲኹ ገሊጹ። "ቤሉጋስ ዝበሃል ዓሳ ነባሪ ኣዝዩ ማሕበራዊ ዓሌት'ዩ - ካልኦት ቤሉጋ ዓሳ ነባሪ ኣብ ምድላይ ክህሉ ይኽእል'ዩ።"

ዓሳ ነባሪ ቤሉጋ ኣብ ከባቢ ግሪንላንድ፡ ሩስያ፡ ኣላስካን ሰሜናዊ ኖርወይን ኣብ በረድ ዝመልኦ ማያት ኣርክቲክ ክነብሩ ዝፍትኑ ኰይኖም፡ ገሊኦም ድማ ኣብ እዋን ሓጋይ ከም ዝስደዱ ይፍለጥ።