ኣብ ሞስኮ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ከንቲባ እታ ከተማ ሓቢሩ

ሞስኮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሞስኮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ሓያለ ህንጻታት እታ ከተማ መጠናዊ ዕንወት ከም ዝበጽሐ ሰብ መዚ እታ ከተማ ኣፍሊጦም።

ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርጀ ሶብያኒን ኣሰካፊ ዝብሃል ዕንወት ከም ዘየጋጠመ ብምግላጽ፡ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ህጹጽ ረድኤት “ኣብ እዋን እቲ ፍጻም ኣብቲ ቦታ ምንባሮም” ገሊጹ።

ሰብ መዚ ሩስያ ካብተን ድሮናት ናብ ሰማያ ሞስኮ እናቐረባ ምስ መጽኣ ሓያለ ካብአን ብጸረ ነፈርቲ ተሃሪመን ከም ዝወደቓ’ኳ እንተገለጹ፡ መበገሲ እተን ድሮናት ካበይ ምዃኑ ግን ኣይሓበሩን።

ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣስታት 30 ዝዀና ድሮናት ኣብ ሰማያት ሞስኮ እንከለዋ ከም ዝተሃረማ ክገልጻ እንከለዋ፡ ሰብ መዚ ሩስያ ብወገነን እተን ዝተሃረማ ድሮናት ኣብ ዝወደቓሉ ኣብ ሓያለ ህንጻታት መጠናዊ ዕንወት ከም ዘውረዳ ሓቢሮም።

ክሳብ ሕጂ ካብ ወገን ዩክረይን ብዛዕባ እዘን ድሮናት ዝተውሃበ ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃለወ ትማሊ ሰኑይ ላዕለዋይ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን ጀነራል ካይሪሎ ቡዳኖቭ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ሚሳየል ተሪር ግብረ መልሲ ከም ዝህብሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ኣሳእል ኣብ ሰማያት ሞስኮ ዝነበረ ትክን ገለ ዝተሰባበረ ሞሳኹትን የርኢ።

ከንቲባ ከተማ ሞስኮ ሰርጀ ሶብያኒን ብቴለግራም ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገለ ነበርቲ ኣብቲ ዝተሃረመ ህንጻታት ክወጽኡ ከም ዝተገበረን ክልተ ሰብ ጥራይ ናብ ሕክምና ዘየብጽሕ ቀሊል ማህረምቲ ከም ዘጋጠሞም ሓቢሩ።

ኣብ ሞስኮ ዝመደበሩ ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ ብኣቆጻጽራ ሞስኮ ሰዓት 6፡24 ናይ ንግሆ ብወገን ሰሜናዊ ምዕራብ ሞስኮ ካብ ርሑቕ ነቱጒ ከም ዝሰመዐን መሳዅቲ ገዛኡ በቲ ድምጺ ምንብድባድ ከም ዘስመዐን ገሊጹ።

እቲ ኤዲተር ሰዓት 6፡58’ውን ካልእ ነቱጒ ከም ዝተሰምዐ ብምግላጽ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ብዙሓት ሰባት ነቱጒ ከም ዝሰምዑ ይጽሕፉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ ድሮ እቲ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ዘጋጠመ ናይ ድሮን መጥቓዕቲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኪቭ ብርቱዕ ደብዳብ ናይ ድሮን ብምፍጻማ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ’ዩ።

ሰብ መዚ ዩክረይን፤ ጸረ ተፈርቲ ዩክረይን ንልዕሊ 20 ድሮናት ሩስያ ኣንፈተን ንኽቕይራ ከም ዘገደደን ገሊጾም።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ክረምሊን መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ መንግስቲ ሩስያ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ካብ ህንጻ ክረምሊን ትኪ እናወጽአ ዘርኢ ቪድዩ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ሰብ መዚ ሩስያ እቲ መጥቓዕቲ ብዩክረይን ዝተፈጸመ ከም ዝዀነ ክገልጹ እንከለዉ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ እቲ መጥቓዕቲ ብሃገሩ ከም ዘይተፈጸመ ገሊጹ።