ኢራን፡ 'ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ስጕምቲ' ክትብል ንኣመሪካ ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ኣመሪካ "ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ኣብ መኣዲ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ዘይሓላፍነታዊ ወተሃደራዊ ስጕምቲ" ትመርጽ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ኢራናውያን "ንጸቕጢ ፈጺሞም ኣይክምብርከኹን እዮም" ክብል ኣብ ኤክስ ዝጸሓፈ ኣራግቺ፡ክልቲኦም ወገናት ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ድሕሪ ምክሳሶም እዩ ነዚ መግለጺ ዝሃበ።
ትራምፕ፡ ዋላ'ኳ እቲ ወጥሪ እንተሃለወ፡ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ለካቲት ዘበገሳኦ ኲናት ንምቍራጽ ዝዓለመ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ኢራን ንእማመታት ኣመሪካ ብዓርቢ ምላሽ ክትህብ ትጽቢት ከም ዝነበረ እውን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሓቢሩ።
ሩቢዮ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ "ዕቱብ እማመ ክኸውን ተስፋ እገብር፡ ብሓቂ እጽበ" ክብል'ውን ንዘለዎ ትጽቢታት ኣሚቱ ነይሩ።
ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትቈጻጸሮ ከምኡ'ውን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ መሻርኽቲ ኣመሪካ ብምጥቃዕ ሕነ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ክትፈዲ ጸኒሓ'ያ።
እዚ ድማ ኣብቲ ኣስታት 20% ካብ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና ዝሓልፈሉ ወሳኒ መስመር ማይ ብምዃኑ ምዕጻው እቲ መጻብቦ ናህሪ ዋጋታት ኣኸቲሉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ትራምፕ ካብ ለካቲት ጀሚረን ኣብቲ ከባቢ ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣስታት 2000 መራኽብ ንምፍታሕ ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣመሪካ ኣበጊሱ፣ ድሕሪኡ ድማ ደው ኣቢሉ።
ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ፡ ኢራን ንእማመኣ ክትሰማማዕ ጸቕጢ ንምፍጣር ኣብ ወደባት ኢራን ናይ ሓይሊ ባሕሪ ዕጽዋ ተካይድ ምህላዋ እውን ንቴህራን ኣቘጢዑ ኣሎ።
ብዓርቢ ማእከላይ እዚ ሓይልታት ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ "ነቲ ዝቕጽል ዘሎ እገዳ ኣመሪካ ብምጥሓስ" ናብ ወደብ ኢራን ክኣትዋ ዝፈተና ክልተ ባንዴራ ኢራን ዘለወን ነዳዲ ዘይጸዓና መራኽብ ብጎነጽ ከም ዝኸልከለተን ኣፍሊጡ።
ሴንትኮም፡ሓይልታት ኣመሪካ ልዕሊ 70 ታንከራት ናብ ወደባት ኢራን ከይኣትዋ ይኽልከላ ከምዘለዋ እውን ሓቢሩ።
ድሒራ - ብዓርቢ - ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጎ ሕዝቡላህን ሓይልታት እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ዝዓለመ ሓድሽ ዙርያ ዘተ እስራኤልን ሊባኖስን ከተአንግድ ድልውቲ ምዃና ኣመልኪታ።
ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እቲ ን14ን 15ን ግንቦት ዝካየድ "ጽዑቕ" ዘተ፡ "ንእስራኤል ነባሪ ድሕነት፡ ንሊባኖስ ድማ ልዑላውነትን ዳግመ ህንጸትን" ንምሃብ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣመሪካን እስራኤልን ዝዀነ ይዅን ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ኣጽዋር ሕዝቦላህ ንምፍታሕ ከምዘድሊ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ መንጎ ኣምባሳደራት እስራኤልን ሊባኖስን ዝጀመረ ዝርርብ ይነጽጎ።
ዋላ'ኳ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተበጺሑ እንተነበረ ፡ብተደጋጋሚ ግን ብእስራኤልን ሕዝቡላህን ተጣሒሱ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ብዓርቢ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ቐጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣልታኒ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቡ፡ ነቲ ብመንጐኝነት ፓኪስታን ዝግበር ዘሎ ዘተ ምስ ኢራን ኣመልኪቶም ዘትዮም።
ቀዳማይ ምኒስተር ቐጠር ብወገኑ፡ ኵሎም ወገናት "ሱር ጠንቂ ናይቲ ቅልውላው" ንምፍታሕን "ዘላቒ ሰላም" ንምምጻእን ኣብቲ ዘተ ክዋፈሩ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገሩ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።
እዚ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኢራን፡ ድሕሪ'ቲ ብሓሙስ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ኰይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ነንሕድሕዶም ይወናጀሉ።
ሴንትኮም፡ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መራኽብ ኲናት ኣመሪካ፡ ሚሳይላት፡ ድሮናትን ንኣሽቱ ጀላቡን ብምጥቃዕ ከሲሱ።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ እዚ ኢራን ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንሓንቲ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ እትቐርብ ዝነበረት መርከብ ነዳዲ ኢራንን ካልእ መርከብን ዒላማ ብምግባር ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ገማግም ባሕሪ "መጥቃዕቲ ኣየር" ከም ዘካየደት ይኸስስ።
ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ሆርሞዝጋን ዝርከብ መሓመድ ራድመህር ዝተባህለ በዓል ስልጣን'ውን ኣብ ጥቓ ማያት ሚናብ ካብ ዝተሃርማ መራኽብ ጽዕነት ሓንቲ ከምዝተቓጸለት ገሊጹ።
ራድመህር ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዓሰርተ ጉድኣት ዝበጽሖም ባሕረኛታት ናብ ሆስፒታል ተሰጋጊሮም፤ ናይቲ ከባቢን ጕጅለታት ድልያ ድማ ዕጫ ናይቶም ካልኦት ባሕረኛታት ንምፍላጥ ይጽዕሩ ኣለዉ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ብዙሓት ንኣሽቱ ጀላቡ፡ ሚሳይላትን ድሮናትን ከምዘዕነወት "ኣብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኢራናውያን፣ ዓቢ ጉድኣት" ከም ዝበጽሐን ኣብቲ ዝውንኖ ማሕበራዊ ሜድያ ትሩዝ ዘርጊሑ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


