ኤርትራ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ድጂታዊ ሓበሬታ ጀሚራ

ኣባላት ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኤርትራ ኣብ ስልጠና

ምንጪ ስእሊ, UNDP

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤርትራ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ነቲ ንልምዓታ ዝዓናቕፍ ዝነበረ ስእነት ሓበሬታ ንምስጋር ታሪኻዊ ድጅታዊ ስጕምቲ ወሲዳ ኣላ። እዚ ሓድሽ ተበግሶ'ዚ፡ ንመጻኢ ትልሚ ሃገር ብጭቡጥ ኣሃዛት ዝቕይር ወሳኒ ምዕራፍ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ኤርትራ፡ ንመደባት ልምዓትን ግቡእ ምሕደራን መሰረት ዝዀነ ሃገራዊ ስርዓተ-ዳታን ስታቲስቲክስን ንምጥንኻር "ዓበይትን ቀጻልነት ዘለዎምን ስጕምትታት" ትወስድ ከም ዘላ ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ሓቢሩ።

እዚ ስጕምቲ እዚ፡ እታ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት በዂራቶ ዝጸንሐት ናይ ዳታን ስታቲስቲክስን ሃጓፍ ንምምላእ ዝዓለመ እዩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኤርትራ (NSO)፡ ኣብ ትሕቲ "ዳታ ንልምዓት" (D4D) ዝተሰምየ ሓባራዊ መደብ ብምዃን፡ ኣብ 2025 ንጥፈታቱ ብዝለዓለ ቅልጣፈ ኣሰላሲሉ።

ከም ውጽኢቱ፡ ወሰንቲ ኣካላት ኣብ "እዋናውን እሙንን መረዳእታ (ዳታ)" ተመርኵሶም ፖሊሲታት ንምሕንጻጽ ዘኽእሎም "ስትራተጅያዊ ሓገዝ" ክህብ ምጅማሩ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ስግግር ካብ ኣናሎግ (ወረቐት) ናብ ድጅታል

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ስርሓት ናይቲ ቤትጽሕፈት፡ እቲ ድሕሪ 15 ዓመታት (ማለት ካብ 2010 ንነጀው) ንፈለማ ግዜ ዝተኻየደ 'ራብዓይ ዙር መጽናዕቲ ህዝብን ጥዕናን ኤርትራ (EPHS 2025)' ብዓወት ምዝዛሙ እዩ።

እዚ መጽናዕቲ (EPHS)፡ ብዛዕባ ብዝሒ ህዝቢ፡ ጥዕና ኣደታትን ህጻናትን፡ ሸፈነ ክታበትን ካልኦት ማሕበራዊ ኵነታትን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ዝህብ እዩ።

እዚ ድማ ንመንግስትን ኣህጉራውያን ትካላትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ኵነታት ንምፍላጥ ከም "ንጹር መነጽር" ኰይኑ የገልግል።

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነበሩ ብድሆታት ጸዓት፡ መጓዓዝያን ቴክኖሎጂን ሰጊሩ፡ እቲ መጽናዕቲ ካብ ኵሉ ኵርናዓት ኤርትራ (ካብ 9,794 ስድራቤታት) ሓበሬታ ምእካቡ ድማ ከም ዕዉት ይግለጽ።

ኤርትራ ካብ 2010 ጀሚራ ንነዊሕ እዋን (ክሳዕ 2025) ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሃገራዊ ዳህሳስ ኣየካየደትን።

እዚ ማለት ን15ዓመታት፡ እታ ሃገር ኣብቲ ዝነበራ ናይ ቀደም ሓበሬታ እያ ክትምርኰስ ጸኒሓ። እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ነቲ ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ዝመልአ ታሪኻዊ ስጕምቲ ምዃኑ ድማ ይግለጽ።

ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ እዚ ዓወት ክምዝገብ ዝኸኣለ፡ ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ብወረቐት ዝስራሕ ኣገባብ ተላቒቑ፡ "ብሓገዝ ኮምፒዩተር ዝካየድ ብሕታዊ ቃለ-መጠይቕ (CAPI)" ብምትግባሩ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ዓማሚ ንምግባር፡ ሕቶታት እቲ ዳህሳስ ብሸውዓተ ቋንቋታት ኤርትራ ከም ዝተዳለወ፣ እዚ ድማ "ንዅሉ ዘሳተፈ መጽናዕቲ" ንምክያድ ዝተገብረ ጻዕሪ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የገንዝብ።

ብተወሳኺ፡ እቲ መጽናዕቲ ብቴክኒካዊ ሓገዝ ቤትጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኖርወይ (Mikro International)ን ኮምሽን ቍጠባ ኣፍሪቃ (UNECA)ን እዩ ተተግቢሩ።

ኤርትራ ትኽፈት ድያ ዘላ?

ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ዝብል ታቤላ ብትግርኛን እንግሊዝኛን

ምንጪ ስእሊ, UNDP

እዚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ምዕባለ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኤርትራ ብወግዓዊ ስታቲስቲክስ ንዓለምለኻዊ ትካላት ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዘለዋ "ድሩት ልምዲ" ዝተራእየ ዓቢ ለውጢ እዩ።

ከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ዝግለጽ፡ ሃገራዊ ቤትጽሕፈት ስታቲስቲክስ (NSO) ሓበሬታ እኳ እንተሃለዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና እቲ ዳታ ንህዝቢ ወይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብግልጺ ዝዝርጋሕ ኣይኰነን።

ኤርትራ ካብ 2019 ጀሚራ ዓመታዊ ቍጠባዊ ጸብጻብ ንዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ካብ ምቕራብ ተዓቂባ ብምጽናሓ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ካርታ ስታቲስቲክስ ከም ሓንቲ "ጸላም ነጥቢ" ክትርአ ጸኒሓ እያ።

እዚ ሓድሽ "ብድጅታዊ ቴክኖሎጂ ዝተደገፈ" ስራሕ ግና፡ ነዚ ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት ዘሎ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ሃጓፍ ክመልእ ትጽቢት ይግበረሉ።

እሙን ዳታ ንሃገራዊ ልምዓት

እዚ ሕጂ ተኣኪቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጻኢ ኣብያተ-ጥዕና፡ ኣብያተ-ትምህርትን መንገድታትን ንምቕያስ ዘኽእሎ ጭቡጥ ኣሃዛዊ መረዳእታ ከቕርብ ክሕግዞ እዩ።

እቲ ቤትጽሕፈት ኣብ 2026 ዝሓንጸጾም መደባት ንምስላጥ፡ ኣብ ትንተናን ምዝርጋሕን ጸብጻባት ዘተኵር ኰይኑ፡ ካብዚኦም እቲ ናይ 2024 ግምት ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ምርቃቕን ነቲ ሓድሽ መጽናዕቲ እቶትን ወጻኢታትን ስድራቤት ኤርትራ (EHIS) ምጅማርን ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ስታቲስቲክስ ሞት፡ ግምት ብዝሒ ህዝብን ምሕደራ ዳታቤዝን ዘተኵሩ ሰፊሕ ስልጠናታት ብምድላው፡ ነቲ ሃገራዊ ዓቕሚ ስታቲስቲክስ ንምዕባይ ክሰርሕ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር፣ እዚ ድማ ሃገራዊ ቍጠባ ብጭቡጥ ንምግምጋም ዘኽእል ስትራተጅያዊ ዕማም ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ብተክኖሎጂ ዝተደገፈ "ዓቢ ስጕምቲ" ኤርትራ፡ ነቲ ብሰንኪ ስእነት ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ክፍጠር ዝጸንሐ ጸገማት ንምፍታሕ፣ ከምኡ'ውን ንስሉጥን ቀጻልነት ዘለዎን ሃገራዊ ልምዓት ሓድሽ መንገዲ ክኸፍት ትጽቢት ይግበረሉ።