ክልተ ፕረዚደንታት ንሓንቲ ክልል - ብዓይኒ ሕጊ ከመይ ይርአ?

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ [የማን] ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል [ጸጋም]
መግለጺ ስእሊ, ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ [የማን] ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል [ጸጋም]
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሓደ ካብ ጠንቂ እቲ ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ እታ ክልል ትግራይ በይና ዘካየደቶ ምርጫ'ዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት፡ መንግስቲ ፈደራልን ሓለፍቲ ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ውዕል ብምፍርራም እቲ ኲናት ደው ኢሉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት'ውን ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

ኣብ ትግባረ እቲ ውዕል ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ተፈራረምቲ ኣካላት ምክሳስ ክስማዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓለፍቲ ህወሓት፡ ውዕል ፕሪቶርያ ዘይምትግባሩ ቀንዲ ተሓታቲ መንግስቲ ፈደራል'ዩ፣ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ኣብቂዑ'ዩ ብምባል፡ ነቲ ቅድሚ ምውላዕ እቲ ኲናት ዝተመረጸ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ናብ ስልጣን ብምምላስ፡ ኣብ ዝተገበረ መረጻ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ገይሩ መሪጽዎ።

ኣብዚ እዋን ኣብታ ክልል ክልተ ፕረዚደንታት'ዮም ዘለዉ። ብፈደራል ንሓደ ዓመት ስልጣኑ ዝተናወሓሉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን፡ እቲ በቲ ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኰይኑ ዝተመረጸ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን።

ነዚ ኣመልኪትና ንምሁር ሕጊ ኣይተ ኪሮስ ሃብተስላሴ ቃለ መሕተት ኣካይድናሉ ኣለና።

--------------------------------------------------------------------------

ቢቢሲ፤ በቲ ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ኰይኑ ምምራጹ እንታይ ሕጋዊ ትርጕም'ዩ ዝህልዎ?

ኣይተ ኪሮስ፤ ብሕጊ ትርጕም ክህቦ ይኸብደኒ'ዩ፣ ምኽንያቱ ከምቲ ዝፍለጥ ብውዕል ፕሪቶርያ እቲ ብመረጻ ናብ ስልጣን መጺኡ ዝተበሃለ ቤት ምኽሪ ሕጋዊ ከም ዘይነበረ ኣፍልጦ ሂቡ ህወሓት ፈሪሙ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብድሕሪኡ ሓቋፊ ግዝያዊ ምሕደራ ክምስረት ብውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ዝተኣተወ ስምምዕ ግዝያዊ ምሕደራ ተጣይሹ ማለት'ዩ። ሕጊ ፈሪሱ ነይሩ፣ እቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ መረጻ'ውን ዘይሕጋዊ'ዩ ዝብል እምነት ተወሲዱ ስለዝተፈረመ ብኡ ተሓሊፉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መረጻ ተኻይዱ ስሩዕ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት መጻንሒ፡ ስሩዕ መንግስቲ ዝምስረተሉ ኣገባብ'ውን ከመቻቹ ሓደራ ሒዙ'ዩ እቲ ግዝያዊ ምሕደራ ተመስሪቱ ነይሩ።

ስለዚ እቲ ክካየድ ዝነበሮ እቲ ዕላማ ናይ ግዝያዊ ምሕደራ ናብ ዲሞክራስያዊ ዝዀነ መረጻ፡ ናብ ቅቡልን ሕጋውን ዝዀነ መረጻ ከሰጋግር ትጽቢት ነይሩ። እዚ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት'ዩ እቲ ኣብ 2020 ዝነበረ መረጻ ብኡኡ መሰረት ገይሩ ዝመጸ ቤት ምኽሪ ናብ ስራሕ ኣእቲናዮ ዝብል ውሳነ መጺኡ። እቲ ውሳነ'ውን ብሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲ ወይ ጕጅለ 'ዩ ተመሊሱ። ከምዝፍለጥ ከኣ ቤት ምኽሪ ቅቡልነቱን ተሓታትነቱን ተጸዋዕነቱን ኣብ ሕገ መንግስቲ ብግልጺ ከም ዝተቐመጠ፣ ቅብሉነቱ ዝምስረት ካብ መረጻ'ዩ። እቲ መረጻ ኸኣ ዘይሕጋዊ ተባሂሉ'ዩ፣ እምበር ዝዀነ ውድብ ቅቡልነት ናይ ቤት ምኽቲ ፍልፍል [ምንጪ] ክኸውን ኣይኽእልን።

ሓደ ወድብ'ዩ ብመረጻ መንግስቲ ዝኸውን'ምበር፡ ቤት ምኽሪ ሕጋውነቱን ቅብልነቱን ምንጪ ናይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ውሳነ ክኸውን ኣይኽእልን።

ካብ ህዝቢ ቀጺሉ ዝልዓል ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ'ዩ። ስለዚ ንቤት ምኽሪ ናብ ስራሕ መሊሰዮ ኢሉ ሓደ ፓርቲ ክውስን ኣብ ዝዀነ ዓለም ተራእዩ ኣይፈጥን። ብዕምሪ እንተርኢናዮ'ውን፡ ቤት ምኽሪ ዝህልዎ ዕድመ ሓሙሽተ ዓመታት'ዩ፣ ሕጋዊ'ዩ ኢልና'ኳ እንተንሓስብስ እቲ ሓሙሽተ ዓመታት ትብሃል ዓንቀጽ 54 ናይ ሕገ መንግስቲ ናይ ክልል ይዅን ናይ ፈደራል ቤት ምኽሪ ዕድመ ሓሙሽተ ዓመት'ያ ትብል፣ ካብኡ ንላዕሊ ብዝዀነ መንገዲ ክናዋሕ ኣይክእልን። እቲ ኣብ 2012 [ግእዝ] ናብ መረጻ ዝተኣተወሉ 'ሎጂክ' እውን እዚ'ዩ ነይሩ።

ሓሙሽተ ዓመት ብዝዀነ መልክዕ ሓሙሽተ ዓመት'ያ እምበር ሽዱሽተ ዓመት ተባሂላ ክትትርጎም ኣይትኽእል'ያ።

ስለዚ ኣብ ሎሚ በጺሑ ዝተፈለየ ዝዀነሉን ኣብ ሽዱሽተ ዓመት እሞ ድማ ብናይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ውሳነ ግዜኡ ዝሓለፎ ቤት ምኽሪ ናብ ሂወት መሊስናዮ ዝብል ነገር ክንሰምዕ እንከለና ብሕጊ እዚ ትርጕም ኣለዎ ኢለ መብርሂ ክህበሉ ዘጸግም ነገር'ዩ ብወገነይ።

ቢቢሲ፤ እቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ መረጻ ዘልዓሎ ናይ ሕጋውነት ሕቶ ከምዘለዎ ኰይኑ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ እቲ መረጻ ሕጋዊ ከምዘይኰነ ከም ዝፈርስን'ውን ዝተኸተመሉ ኵነታት'ዩ ነይሩ'ሞ፣ ውሳነታት ዝትርጕሙሉ ዘለዉ ሕጊ ኣየናይ'ዩ፣ ከም ካልኣይ ከኣ ውድብከ ካብ ባይቶ ፈደረሽን ወጻኢ ንሕጊ ክትርጕም ይኽእል ድዩ?

ኣይተ ኪሮስ፤ መንግስቲ ኣይኰንናን ተራ ፖለቲካዊ ውድብ ኢና ዝብል'ዩ ነይሩ እቲ ዝተገበረ መረጻ። ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝመጽአ ስለዝነበረ ናብ ግዝያዊ ምሕደራ ከነረክብ ኢሎም'ዮም ተሰማሚዖም። ስለዚ ሓደ ግዜ ከምዚ ዓይነት እንተ ተሰማሚዕካ ከኣ ውጽኢቱ ዘልኣለማውን ዘላቕን'ዩ ዝኸውን። ክምለስ ዝኽእል ኣይኮነን ዝብል ትርጕም'የ ዝህቦ።

ምኽንያቱ ብህይወት ክምለስ'ዩ ወይ ተወንዚፉ ተሰጋጊሩ ዝብል ኣገላልጻ ኣብ ሕጊ ትርጕም የብሉን።

ብሕጋዊ መረጻ ናብ ስልጣን መጺኡ እንተነይሩ ብዝዀነ መንገዲ ክፈርስ ኣይክእልን ኢልካ ትቃለስ'ምበር፣ ሕጋዊ'ዩ ኢልካ እንተኣሚንካ ንምንታይከ ናይ ፖለቲካዊ ድርድር ኣካል ትገብሮ። ዝመጸአ ይምጻእ ናይ ህዝቢ ሓደራን ስልጣንን ኣካል ድርድር ክገብሮ ኣይክእልን ኢልካ ትጸንዕ፣ እንተድኣ ዘይኰይኑ ሓደ ግዜ ቅቡል ኣይኮነን ተጋግየ'የ ኢልካ ፈረምካ፣ 'ኣይ! ኣይተጋገኹን ነይረ' ምባል ዝከኣል ኣይመስለንን።

ቢቢሲ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ተቐቢልዎ'ዩ፣ እዚ ማለት ምሉእ ብምሉእ ንባዕሉ የማስን ኣሎ ማለት'ዩ መንግስትነት ስለዝፈርስ?

ኣይተ ኪሮስ፤ ልክዕ እቲ ቤት ምኽሪ ብፖለቲካዊ ፓርቲ ውሳነ'ዩ ክምለስ'የ ዝብል ዘሎ፣ ባዕሉ ዘይሕጋዊ'የ ገይረ ኢሉ ብገዛእ ፍቓዱ ፈሪሱ'ዩ። ሕጂ ብናይ ዞባ ናይ ወረዳን ጣብያን ኣብያተ ምኽሪ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ ቅቡልነቱ ክውስኑ - እዚኦም እኮ ካብቲ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ ዝተሓተ ስልጣን'ዩ ዘለዎም። እዞኦም'ዮም ነቲ ናይ ክልል ቤት ምኽሪ ሰልጣን ዝመልስዎ ዘለዉ፣ ንባዕሎም 12 ዓመታት ኣሕሊፎም ናይ ባዕሎም ስልጣን'ውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዝወደቐ'ዩ።

ኵሉ እዚ ብሕገ መንግስቲ ይኹን ብዝኾነ ሕጊ ቅቡልነትን ምኽንያትን ዘለዎ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን።

እቲ ቤት ምኽሪ ንምምላስ ምኽንያት ኰይኑ ዝቐርብ ዘሎ ምፍራስ ስምምዕ ፕሪቶርያ'ዩ እዮም ዝብለዎ። ስምምዕ ፕሪቶርያ እንተፈሪሱ ኸኣ እምበኣር ናብቲ መንግስትና ክንመልሶ ኢና ዝብል ዘሎ ናይቲ ስምምዕ ፈራሚ'የ ዝብል ውደብ'ዩ። ስለዚ ብውሳነ ውድብ'ዩ ዝኸውን ዘሎ፣ ሕጋውነት ናይ ቤት ምኽሪ ኸኣ ብውሳነ ፓርቲ ወይ ዝዀነ ፖለቲካዊ ጕጅለ ክምለስ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ንባዕሉ እቲ ውድብ ኣብ ናይ ሕገ መንግስቲ ተርጓሚ ቦታ ኣቐሚጡ ኣሎ ማለት'ዩ።

ቢቢሲ፤ ነዚ ምዕባለ እዚ ስዒቡ ነቲ ኲናት ዝገተአ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወግዒ ፈሪሱ ኣሎ፣ ቅድሚ ሕጂ ክልቲኦም ኣካላት ብወገን ህወሓት ኮነ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምፍራስ እቲ ስምምዕ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም'ዮም፣ እቲ ርኡይ ውሳነ ተወሲዱ ዘሎ ግን እቲ ናይ ትማሊ ውሳነ ብወገን ህወሓት ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ'ዩ እሞ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ዕጫ ስምምዕ ፕሪቶርያ እንታይ'ዩ ክኸውን? እንታይከ ክፍጠር ይኽእል?

ኣይተ ኪሮስ፤ ብርግጽ እቲ ስምምዕ ክልቲኦም ሓይልታት ኣየናይ'ዩ ጎሊሑ ክረአ ዝኽእል ከከም ርኣይኡ'ዩ ዝብል ሓሳብ'ዩ ዘለኒ።

ፈደራል መንግስቲ'ውን ከምቲ ዝተዓዘብናዮ እቲ ናይ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስልጣን ኣብ ዘናውሓሉ ግዜ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ከይጠቐሰ'ዩ ኣናዊሕዎ። ልክዕ ከምቲ ነባር ኣዋጅ ኣብ ካልእ ክልላት ስርዓትን ጸጥታን ክፈርስ እንከሎ ፈደራል መንግስቲ ኢዱ ኣእትዩ ግዝያዊ መንግስቲ ዝመርጸሉ ኣዋጅ ጠቒሱ'ዩ ሸይምዎ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2013 [ግእዝ] ኣብ እዋን ኲናት ተመስሪቱ ዶክተር ሙሉ ነጋ ዝመርሖ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝቘመሉ ኣዋጅን ደንብን ጠቒሱ'ዩ ንስልጣን ታደሰ ወረደ ኣናዊሕዎ።

ስለዚ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ንምሉእ ንጎኒ ዝገደፈ'ዩ ነይሩ። ደሓር ሕቶታት ተላዒሉ ምምሕያሽ ገይርና ምስ ተባሃለ በቃ ነታ ደንቢ ኣውጺኦም ናይ 95 ዝብልዋ ኣዋጅ ጥራይ ጠቒሶም ፕሪቶርያ ዝብል ግን ከየልዓሉ ማለት'ዩ።

ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ናይ ፈደራል መንግስትን ተደራዲሮም ዝብል ኣምር፡ ነቲ ንዂናት ምኽንያት ዝነበረ ጠንቂ'ውን ኣፍልጦ ዝሃበ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተዓዘቦ ስምምዕ ንዕኡ ንጎኒ ዝገደፈ'ዩ ነይሩ።

ስለዚ ህወሓት ዝገበሮ'ውን ናቱ መቐጸልታ ጥሒስካ ምኻድ'ዩ፣ ጕሉሕ ከኣ ዀይኑ። ብፍላይ ከኣ እቲ ቀዲሙ ፈሪሱ ዝተበሃለ ቤት ምኽሪ ብውሳነ ፖለቲካዊ ውድብ ተመሊሱ ምባሉ ዳርጋ ብሕጊ ብስሩ ፈጺሙ ትርጕም ዘይብሉ'ዩ።

ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጠሓሰ ጥራይ ዘይኮነስ ሕጋዊ ትርጉም ንኽትህቦ'ውን፣ ንኣብነት ፈደራል መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ እንተርኢና ንፕሪቶርያ ጥሒሱ ግን ብናይ ባዕሉ በቲ ነባር ሕጊ ይኸይድ ኣሎ ኢልካ ምኽኑይ ክግበር ይከኣል ይኸውን።

እዚ ሕጂ ተገይሩ ዘሎ ግን ውዕል ፕሪቶርያ ፈሪሱ'ዩ እኳ እንተኢልካስ ካልእ መዋጽኦ ኢልካ ትሓስቦ ሓቋፊ መንግስቲ ክትምስርት ጻውዒት ተቕርብ'ምበር ዝሞተ ቤት ምኽሪ ክመልስ'የ ኣይትብልን።

ዕጫ ናይቲ ፕሪቶርያ ስምምዕ'ውን ኣብ መቓብር ከምዝኣተወ ዝገብሮ እዚ'ዩ።

ቢቢሲ፤ እቲ ነባር ቤት ምክሪ ናብ ስራሕ ከምዝተመለሰን ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽየን ፕረዚደንት ኰይኑ ነቲ መንግስትነት ከም ዝመርሖ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዝተጣየሰ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝመርሕ ሌ/ጀነራል ታደሰ ኣብ ስልጣኑ ኣሎ፡ ኣብ ሓደ ክልል ክልተ ፕረዚደንት ክህልዉ ይኽእሉዶ?

ኣይተ ኪሮስ፤ እዚ ግልጺ'ዩ ክልቲኦም ፕረዚደንት ክብሃሉ'ውን ኣይኽእሉን። ብፕሪቶርያ ስምምዕነት ናብ መረጻ ክሳብ ዝሰጋገር ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝኽእል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ፕረዚደንት ዝብሃል ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ከኣ ታደሰ ወረደ'ዩ፣ ይንኣስ ይዕበ ሕጊ ጠቒስካ ግዝያዊ ምምሕዳር ጥራይ'ዩ ብተግባር ክህሉ ዝኽእልን ቅቡል ዝኸውንን። ድሒሩ ክመጽእ ዝኽእል ከም ብሓድሽ መረጻ ተኻይዱ ብስሩዕ ቤት ምኽሪ ዘጣየሾ መንግስቲ ከነቋቝም ንኽእል።

ስለዚ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ተወንዘፈ ዝብሃል ጠቒስካ ሓድሽ ፕረዚደንት ምባል ክልተ ፕረዚደንታት ክህልዉስ ፈጺሞም ኣይክእሉን።

ንሓደ ኢኻ ፕረዚደንት ክትብል ትኽእል፣ ብተግባር መን'ዩ ብሓቂ ነታ ዓዲ ዘመሓድራ ዘሎ? ከመይ እዩ ክኸውን ዝብል ቀስ ኢልካ ዝርአ'ዩ ክኸውን።