'ናብ ኲናት ሸታሕ ኢልና ክንኣትወሉ ኣብ እንኽእል ኵነታት ኣለና' ጀነራል ታደሰ

ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ

ምንጪ ስእሊ, SM

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ፌስ ቡክ እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕደር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ህዝቢ ትግራይ ካልእ ዙር ውድቀት ክስከም ኣይግባእን" ብምባል ነዚ ኣንጠጥዩ ዘሎ ሓደጋ ደው ከብሎ ንህዝቢ ጸዊዑ።

ኣብቲ መግለጺ "ሕዚ ዘለናሉ መድረኽ ኣብ ተኣናፊ ሰላምን ኲናትን ሞንጎ ዘላ ኣዝያ ቀጣን መንገዲ ሒዝና እንጻደፈሉ፣ ከይተቐንጠጠ ዝጸንሐ ደመና ኲናት ክሰርብ ዝኽእለሉ፣ ብቀሊሉ ናብ ኲናት ሸታሕ ኢልና ክንኣትወሉ ኣብ እንኽእል ኩነታት ኣለና" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ትግራይ ኣብ መንጐ መሪሕነት ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፡ ብፍላይ ድሕሪ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ከቢድ ውጥረት ትርከብ።

ህወሓት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገብረ ምንዋሕ ስልጣን ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብቕሉዕ ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ እዩ። በዚ ድማ ነቲ ኣብ ቅድመ-ኲናት ትግራይ ዝነበረ ቤት ምኽሪን መንግስትን ክምለስ ወሲኑ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ድማ "ብሰላማውን ዲሞክራስያውን መንገዲ" ምርኽኻብ ስልጣን ክገብር ዝሓሸ ምዃኑ ጸዊ@ኡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ታደሰ ብወገኑ፡ ዘረክቦ ስልጣን ከምዘየለ ብምግላጽ ተግባራት ህወሓት ሓደገኛን ናብ ካልእ ዙር ኲናት ዘድምን ምዃኑ ከተሓሳስብ ተሰሚዑ ነይሩ።

ኣብዚ ሓድ መግለጺኡ ድማ፡ "ብዓይነቱ፣ ትሕዝቶኡን ውጽኢቱን ኣብ ታሪኽና ገጢሙና ዘይፈልጥ ሓደገኛ ፈተና ነተኣናግድ ኣለና፣ ገጢሙና ካብ ዘሎ ዝተሓላለኸ ሽግር ንምስጋር ብዝተለመደን፣ብናይ ትማሊ ተመኩሮን ልምድን ንባዕልና እሱራት ገይርና ንሓልፎ እዋን ኣይኮነን። ህልኽን፣ ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕን ዝብል ኣተሓሳስባን ናይቲ ሽግር ዕምቆት ብዘየገድስ ዝገጠመ ይግጠም ካብ ዝብል ህዝቢ ትግራይን፣ ሃገርን ከባቢያዊ ጂኦፖለቲካን ዓለምን ዘይምርዳእን እዩ ዝኸውን" ኢሉ።

ጀነራል ታደሰ፡ "እቲ ጠንቂ ውድቀትናን፡ ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ስምዑ ዝብል ኣተሓሳስባን'ዩ" ነቒፉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ መግለጺ ብቐንዱ ናብ መን ዘነጻጸረ ምዃኑ ንምርድኡ ዘየሰግም ይዅን እምበር፡ ብቕሉዕ ዝተጠቕሰ፡ ኣካል ወይ ውልቀሰብ ግን የለን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሰኑይ ምሸት'ውን ኣብ ከተማ መቐለ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝወስድ ጽርግያ ነትጒ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፡30 ብኣቈጻጽራ መቐለ (8፡30 ናይ ምሽት) ዝተፈንጀረ ናይ ኢድ ቦምባ ምዃኑ በቲ ዝተረኽበ ኣሰር ቀለበት ከምዘረጋገጸ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ሰብ ዝበጸሐ ሓደጋ ከምዘየለ ዝገለጸ ፖሊስ፡ መበገሲ እቲ ምፍንጃር ንምፍላጥ የጻሪ ምህላዉ ይገልጽ።

ብሰንኪ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደን ህወሓትን ምትፍናን ተፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ብምዃኑ እቲ ነትጒ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

መግለጺ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድሕሪ እዚ ፍንጀራ እዩ ወጺኡ።

ገለ ምንጭታት ትማሊ ንቢቢሲ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝተመረጸ ክልላዊ ባይቶ ሎሚ ሰሉስ ብዕሊ ከም ዝስየም የመልክት።

ማእከላይ ኮሚቴ ውድብ ህወሓት ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከም ዝፈረሰ ብምግላጽ ዕድመ ግዜያዊ ምምሕዳር ከም ዘብቅዕ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ብሰንኪ እቲ ስምምዕ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ካብዚ ብምብጋስ እቲ ነባር ባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚ ሰሉስ ብወግዒ ኣኼባኡ ኣብ መቐለ ንምጅማር ኣባላት እቲ ባይቶ ንመቐለ ኣትዮም ክሓድሩ ከምዝተነገሮም ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ መስከረም 2020 (2013 ግ) ዝተኻየደ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ዝተነፍጐን ህወሓት ዝተዓወተሉን መረጻ ሓደ ካብ ጠንቂታት እቲ ደማዊ ኲናት ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።

ህወሓት ነዚ ስጕምቲ ብምውሳድ ንጀነራል ታደሰ ብሓይሊ እንተ ኣልይዎ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ክወሃብ ዝኽእል ምላሽ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ሻቕሎት ዝፈጥር ኵነታት ኰይኑ ኣሎ።

ምስ ህወሓት ዘይተቓደወን ካብቲ ውድብ ተፈንጪሉ ዝወጸን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ ስልጣኑ ተደፊኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝወጸ ይዝከር።

ምንጪ ውድቀትና ኣመራርሓ ምዃኑ ተደጋጊሙ ዝተገለጸ ጉዳይ እዩ ዝብል መግለጺ ታደሰ፡ "ንኵነታት ብብሰለት ኣብ ምግምጋምን ሎሚ ብቅጥዑ ፈሊጡ ናይ ጽባሕ መፍትሒ ዘይምርኣይ፣ ዝተፈለዩ ሓሳባት ምድፋን፡ ንስትራተጂ ብታክቲክ እናገጠምካ ዓቅምን ጭዋዳን ቃልስን ህዝብን ምምሳን፣ ኣብ ክንዲ ምዕሳልን ካብ መከራ ዘውጽእ ሓሳባት ምእካብን ሳጓን ጸለመን ክትምህዝ ድቃስ ምስኣን፣ ናብዚ ዝወረደ ፖለቲካ ትግራይ ሕዚውን ናብ ውድቀት መንገዲ የምረሓና ከምዘሎ ሓቢእኻ ዝሕባእ ኣይኮነን" ኢሉ።

ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን፡ ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ ዝዓይነቱ ክብል ዝነቐፎ ኣካይዳ "ውጽኢቱ ካልእ ዙር ውድቀት እ፡" ክብል ኣጠንቂቝ።

እዚ ዓይነት ኣካይዳ ድማ ኣብ መወዳእትኡ፡ናብ ዝተወሰኑ ውልቀሰባት ወይ ሓደ ውድብ ዘይኰነስ፡ "ከም ህዝቢ ኢና ዋጋ ክንከፍልን ክንወድቕን" ክብል ብምምልካት፡ ኰነ ኢልካ ምፍልላይ ይግበር ከምዘሎ ይጠቅስ።

ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ብሓደ ወገን ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ድማ በቲ ካልእ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ፡ ናበይ ክመርሕ ይኽእል ዝብል ከቢድ ሻቕሊ ህዝቢ ፈጢሩ ከምዘሎ ካብቲ ክልል ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ብምብጋስ ሕብረት ኣውሮጳ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ከም ዘሰከፎ ብምግላጽ ብዅሉ ወገን ዝርአ ዘሎ ተጻብኦታት ክሃድእ ጸዊዑ ነይሩ።

እቲ ብ30 ምያዝያ ዝወጽአ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ ኣብ ትግራይ እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ኵነታት ብዓቢይ ስክፍታ ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና፡ ብመንገዲ ኤምባሲኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢላ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ንምዕባለታት ክልል ትግራይ ብቐረባ ትከታተሎ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ንምሉእ ተፈጻምነት እቲ ቅድሚ ኣብ 2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝርርብ ክካየድ ጸዊዓ።