ሓንቲ ኣንስተይቲ ብሓደ ግዜ ካብ ክልተ ተባዕትዮ ክትጠንስ ትኽእል ድያ?

ምንጪ ስእሊ, David Zorrakino/Europa Press via Getty Images
ኣብ 2018 ሓንቲ ኣደ፡ መንነት ኣቦ ደቂ ክልተ ዓመት ማንታ ኣወዳታ ንምርግጋጽ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ናብ ዝርከብ ላቦራቶሪ ጀነቲክስን መለለዪን ህዝቢ ኣቕኒዓ።
እቲ ላቦራቶሪ ስሩዕ መርመራ ኣቦነት ኣካይዱ።
እቲ ውጽኢት ኣዝዩ ዘገርም ስለ ዝነበረ ፍጹም ርግጸኛታት ክዀኑ ደለዩ። ኰይኑ ድማ እቲ መርመራ ንኻልኣይ ግዜ ተኻይዱ።
እቶም ማንታ ቈልዑ ካብ ሓንቲ ኣደ እኳ እንተ ተወለዱ፡ ብኣቦ ግን ይፈላለዩ ነበሩ።
እዚ ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረአ ተርእዮ እዩ። ሄተሮፓተርናል ሱፐርፌኩንደሽን ብዝብል ድማ ይፍለጥ እዩ።
ከምዚኦም ዝበሉ ተርእዮታት ዛጊት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ሳይንሳዊ ጽሑፋት ኣስታት 20 ጥራይ እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ክኢላታት ብክልሰ-ሓሳብ ከም ዝከኣል እኳ እንተፈለጡ፡ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ብቐጥታ ኣጋጢምዎም ኣይፈልጥን።
ብኡንብኡ ድማ ሳይንሳዊ ተገዳስነቶም ተለዓዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, Drs Producoes via Getty Images
ብኸመይ ተፈሊጡ?
ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ጀነቲክስ ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣቦነት ንምርግጋጽ ማይክሮሳተላይት ማርከርስ ዝበሃል ቴክኖሎጂ ይጥቀሙ።
ብቐሊል ኣዘራርባ እዚ መስርሕ እዚ ካብቲ ህጻን፡ ካብታ ኣደን እቲ ኣቦ ዝተበሃለ ሰብን ዝተረኽቡ ደቀቕቲ ዲኤንኤ ምትንታንን ምንጽጻርን የጠቓልል።
"ካብ ነፍሲ ወከፎም ዲኤንኤ ወሲድና፡ ማይክሮሳተላይት ዝበሃሉ ካብ 15 ክሳብ 22 ነጥብታት ንምርምር፡ በብሓደ ድማ ነነጻጽሮም" ክብል ዳይረክተር እቲ ላቦራቶሪ ፕሮፌሰር ዊልያም ኡሳኩየን ንቢቢሲ ሙንዶ ሓቢሩ።
እቲ መስርሕ ግን ነቲ ዲኤንኤ ኣብ ትሕቲ ሓያል ማይክሮስኮፕ ካብ ምቕማጥ ዝሓልፍ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣገባብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ቅምሶ ደም ድሕሪ ምእካብ፡ ብከሚካላዊ ኣገባብ ነቲ ንእሽቶ መጠን ዲኤንኤ ካብቶም ካልኦት ባእታታት ይፈልይዎ።
ብድሕሪኡ ነቲ ዲኤንኤ ኣብ ፍሉይ መሳርሒታት ብምእታው ክዓቢ ይገብሩ።
እቲ ዝፍጠር ፈሳሲ፡ ነቶም ዝትንተኑ ዘለዉ ካብ 15 ክሳብ 22 ማይክሮሳተላይት ነጥብታት ምልክት ንምግባር፡ ምስ 'ፍሎረሰንት ቀለም' ይሕወስ።
ብድሕሪኡ ናብ ካልእ ማሽን ይሓልፍ እሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናሙና ዝርከቡ ማይክሮሳተላይት ተነቢቡ ናብ ደቀቕቲ መስርዕ ይቕየሩ። እዚ መስርሕ እዚ ኤሌክትሮፎረሲስ ይበሃል።
ኣብ መወዳእታ፡ ተመራመርቲ ነቶም ደቀቕቲ መስርዕ ቅደም ተኸተላት ብምጥቃም፡ እቲ ዝተመርመረ ሰብኣይ ኣቦ እቲ ህጻን ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ይውስኑ።
ፍርቂ ሰረታዊ ትሕዝቶ ናይቲ ህጻን ምስ ኣደ፡ እቲ ካልእ ፍርቂ ድማ ምስቲ ኣቦ ዝተበሃለ ምስ ዝሰማማዕ፡ ኣቦነት ይረጋገጽ ማለት እዩ።
ዘይተለምደ ውጽኢት
ኣብ ጉዳይ እቶም ማናቱ ኮሎምብያ፡ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ዲኤንኤ ናይታ ኣደን ናይቶም ክልተ ዕሸላትን ከምኡ'ውን እቲ ኣቦ ዝተበሃለ፡ 17 ማይክሮሳተላይት ተንቲኖም።
ዲኤንኤ ናይቲ ኣቦ ዝተበሃለ ምስ ሓደ ካብቶም ቈልዑ ክሰማማዕ ከሎ፡ ምስቲ ካልኣይ ግን ከምዘይሰማማዕ ረኺቦም። እዚ ድማ ዘይተለምደ ውጽኢት እዩ ነይሩ።
"ን26 ዓመታት ዳይረክተር ናይቲ ላቦራቶሪ ኰይነ ጸኒሐ'የ፡ ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ከጋጥመና ንመጀመርታ ግዜ እዩ - እንኮ'ዩ" ይብል ኡሳኩየን።
"ከምዚ ከምዘጋጥም ካብ ካልኦት ጸብጻባት ሰሚዕና ኔርና፣ ኣብ መላእ ዓለም ግን ኣዝዩ ትሑት እዩ" ትብል ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ፡ ኢንስቲትዩት ጀነቲክስ ክኢላን ተመራማሪትን ጀነቲክስ ዝዀነት ኣንድርያ ካሳስ።
እቲ ጕጅለ፡ ዝዀነ ናይ መስርሕ ጌጋታት ወይ ምትሕውዋስ ቅምሶ ንምውጋድ፡ ካብ መጀመርታ ነቲ ፈተነ ደጊሙዎ። ውጽኢቱ ድማ ተመሳሳሊ ነይሩ።
ስለምንታይ እዩ ሳሕቲ ዝረአ?
ኣብ ኣመሪካ ባልቲሞር ኣብ ዝርከብ ቤተ-ፈተነ፡ ሳይንሰኛታት ኣብ 2014 ዘሕተምዎ ጽሑፍ፡ ካብ 39 ሽሕ መርመራታት ኣቦነት ዝሓዘ ዳታቤዝ፡ ሄተሮፓተርናል ሱፐርፌኩንደሽን ኰይኖም ዝተለለዩ ሰለስተ ጥራይ ከምዝዀኑ የመልክት።
ኡሳኩየን፡ እዚ ስነ-ህይወታዊ ፍጻመ እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ስለምንታይ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ "መጀመርታ፡ እታ ጓለንስተይቲ ክልተ መጻምድቲ ጾታዊ ርክብ ክህልዋ ኣለዎ። ካልኣይ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ምስ ክልቲኦም ደቂ ተባዕትዮ ርክብ ክትገብር ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ብዙሕ እንቋቝሖ ክተፍሪ ኣለዋ" ይብል።
ብዙሕ እንቋቝሖ ማለት ኣብ ሓደ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ክልተ ወይ ልዕሊኡ እንቋቝሖ ክፈሪ እንከሎ እዩ።
"ኣብ መወዳእታ ድማ ክልቲኦም እንቋቝሖታት ክጸግዩ ኣለዎም" ክብል ይውስኽ።
ዝተፈላለዩ ኣቦ ዘለዎም ማንታታት ተመሳሳሊ ማንታ ክኾኑ ፈጺሞም ከም ዘይክእሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፤ ተመሳሳሊ ማንታ ካብ ሓደ እንቋቝሖን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እዮም ዝምዕብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሕታውነት
ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ እንቋቝሖ ኣብ እተፍርየሉ እዋን፡ እቲ ሓደ ጥራይ እንተጸግዩ፡ እቶም ካልኦት ቀልጢፎም ይኣርጉን ይሞቱን።
እዚ ሱፐርፌኩንደሽን ኣዝዩ ሳሕቲ ዝረኣየሉ ካልእ ምኽንያት እዩ፤ እቲ ካልኣይ ጽግያት እቶም ካልኦት እንቋቝሖታት ቅድሚ ምማቶም ክፍጸም ኣለዎ።
ብመሰረት ሃገራዊ ቤተ መጻሕፍቲ ሕክምና ኣመሪካ፡ እንቋቝሖ ምስ ተፈነወ ትሕቲ 24 ሰዓታት ጥራይ እዩ ብህይወት ዝጸንሕ።
ይዅን እምበር፡ እቶም እንቋቝሖታት ናይ ግድን ኣብ ሓደ እዋን ክፍነዉ ከም ዘይክእሉ ኣንድርያ ካሳስ ትገልጽ።
"ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ማህደረ እንቋቝሖ፡ ሓደ እንቋቝሖ ይፍኑ፡ ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ካልእ ይፍኑ" ትብል።
እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ህሞታት ጽግያት ንኸጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ክብ ክብል ከምዝገብር ወሲኻ ትሕብር።
ካልእ ውሑዳት ኣጋጣሚታት ዝህልዉሉ ምኽንያት ድማ መብዛሕትኦም ሰባት መርመራ ኣቦነት ስለዘይገብሩ እዩ።
ሳይንሰኛታት ኣብ ኵነታት ጽንሲ ኣብ ጉዳያት ሄተሮፓተርናል ሱፐርፌኩንደሽን ክግደሱ እንከለዉ፡ ምርምር ስነ-ምግባር ግን ብዛዕባ ብሕታዊ ህይወት ናይቶም መርመራ ዝግበረሎም ሰባት ከይሓቱ ይኽልክሎም እዩ።
"ፈተነታት ኣቦነት ኵሉ ግዜ ንቕንዕናን ብሕታውነትን ናይቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ሰባት ዝለዓለ ኣኽብሮት ብምግባር እዩ ዝካየድ" ይብል ኡሳኩየን።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


