ናጻ ፕረስ፡ ኤርትራ ዳሕረዋይ ቦታኣ ትዕቅብ፡ ኢትዮጵያ ተንቈልቍል

ናጻ ፕረስ፡ ኤርትራ ዳሕረዋይ ቦታኣ ትዕቅብ፡ ኢትዮጵያ ተንቈልቍል

ምንጪ ስእሊ, PEN ERITREA

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብዚ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ዓለም ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ፡ ኤርትራ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ 180 ሃገራት፡ ናጽነት ፕረስ ብምዕፋን ኣብቲ ዝተሓተ መወዳእታ ደረጃ (180/180) ተሰሪዓ ትርከብ።

እቲ ብትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት (RSF) ዝወጸ ናይ 2026 መለክዒ፡ ኤርትራ ንጋዜጠኛታት ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ ሓደገኛን ዕጹውትን ሃገር ኰይና ከም ዘላ የነጽር።

ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ ኵለን ናጻ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ተዓጽየን፣ ጋዜጠኛታት ድማ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ተወሲዶም። ን25 ዓመታት ኣበይ ከም ዘለዉን ሃለዋቶም ዝፍለጥ የሎን።

ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ነቲ ዘሎ ኣብ ጸብጻቡ፡ "ከም ኵሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትሕቲ . . . ፍጹም ውልቀ-መላኺ ስርዓት ዝወደቓ እየን። ኣብታ ሃገር ዝዀነ ዓይነት ናጻ መራኸቢ ብዙሓን የሎን፡" ክብል ነቲ ኵነታት የብርህ።

ኣፉ ብፕላስተር ዝተዓብሰ ሰብኣይ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Asmarino.com

መንግስቲ ዝቘጻጸረን ገለ ጋዜጣታት፡ ራድዮን ኤሪ-ቲቪን ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት "ጽኑዕ ምክትታል" ከም ዝግበረሎም ሓቢሩ።

"ናጽነት ፕረስ ብቕዋም ዝተረጋገጸ እኳ እንተዀነ፡ ተተግቢሩ ግን ኣይፈልጥን። ኣብታ ሃገር ናጻ ጋዜጠኝነት ብግብሪ ዝተኣገደ እዩ፡" ይብል።

እቲ መዐቀኒ ሓፈሻዊ ደረጃ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ሕጋዊ፡ ማሕበራውን ድሕነትን ዝብሉ ክፋላት ዘለዎ ኰይኑ፡ ኤርትራ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ብደረጃ ዓለም ድሕሪት ተሰሪዓ ኣላ።

ዩኔስኮ፡ ኣብቲ 'World Trends Report 2022-2025' ዘርእስቱ ጸብጻብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ናጽነት ፕረስ ብኸቢድ ደረጃ ይጐድል ከም ዘሎ ይገልጽ።

ከምዚ ኤርትራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝተሰርዓትሉ፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ንደረጃ ዕብየት ኵለን ሃገራት ከም ዝጸለዎ የመልክት።

"ደረጃ ናጽነት ፕረስ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ሒዙ ይርከብ። ዓለምለኻዊ መለክዒ መግለጺ ናጽነት (V-Dem) ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብ10% ጐዲሉ ኣሎ፤ እዚ ድማ ዋላ'ኳ ገለ ተስፋ ዝህቡ ምንቃሳቓሳት እንተሃለዉ፡ ብሓፈሻዊ ደረጃ ግን ናጽነት ፕረስ ይሃስስ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።"

ን25 ዓመታት ኣብ መቝሕ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት

ምንጪ ስእሊ, PEN International

መግለጺ ስእሊ, ን25 ዓመታት ኣብ መቝሕ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ጋዜጠኛታት ኵነታት ካብ ኵሉ ዓለም ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይፍርዲ ምእሳሮም እዩ።

ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ከም ዝገለጾ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ 2009 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ብዛዕባ እቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ፡ "ንሕና ኣይክንፈትሖን ኢና፣ ናብ ፍርዲ'ውን ኣይክቐርብን እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

"እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዜናን ሓበሬታን ፍጹም ቍጽጽር ኣለዎ። እቲ ሓበሬታ ብምስጢር ዝሕዝን ኣብ መንጎ ኣባላት መንግስቱ ከይተረፈ [ሓበሬታ] ከም ዘይዝርጋሕ ዝገብርን ፕረዚደንት ኣፈወርቂ ዘለዎ ስግኣት (paranoia) እውን ነቲ ኵነታት ዝያዳ የጋድዶ፡" ክብል ይገልጽ።

ከም ብዓል ዳዊት፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ስዒድ ዓብደልቃድር ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ካብ 2001 ኣትሒዞም ምስ ስድራቤቶም ከይተራኸቡን ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡን ኣብ ኣሰቃቒ ኵነታት ተኣሲሮም ይርከቡ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኰይና፡ ንመራኸቢ ብዙሓን ዝኸውን ዕድላት ናይ ንግዲ መወዓውዒ የብላን።

እቶም ዝተረፉ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትሕቲ ተሪር ቍጽጽር ምኒስትሪ ዜና ዝርከቡን ፕሮፓጋንዳ እቲ ስርዓት ጥራሕ ዘቃልሑን እዮም።

ብመሰረት እዞም ጸብጻባት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስራሕ ጋዜጠኝነት፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ስለያን ምክትታልን ዝካየድ ኰይኑ፡ ሰባት ኣብ ኢንተርነት ካፈ ክጥቀሙ ከለዉ መንነቶም ከፍልጡ ይግደዱ እዮም።

እታ ብሓጺናዊ ምልኪ እትፍለጥ ሰሜን ኮርያ ኣብ ብዙሕ መለክዒታት ካብ ኤርትራ ትሓይሽ ኰይና ተረኺባ።

ዝርዝራዊ መዐቀኒታት ከም ዘርእዩዎ፡ ኤርትራ ኣብ ዳርጋ ኵሎም ዓውድታት ማለት ፖለቲካዊ (180)፡ ቍጠባዊ (180)፣ ሕጋዊ (180)ን ጸጥታዊ (180)ን ዝለዓለ ናይ ስግኣት ኣሃዛት ሒዛ ትርከብ።

ብተመሳሳሊ፡ ሰሜን ኮርያ እውን ኣብ ፖለቲካዊ (177)፡ ቍጠባዊ (178) ከምኡ እውን ሕጋዊ (174) መዐቀኒታት ምስ ኤርትራ ኣዝዩ ዝቀራረብ ድኹም ውጽኢት ኣመዝጊባ። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መዐቀኒ፡ ሰሜን ኮርያ (180) ካብ ኤርትራ (178) ብዝገደደ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ።

እዚ ኵነታት'ዚ ክሳዕ መዓስ ክቕጽል እዩ? ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ተገቲሩ ኣሎ።

ሃገራት ኢትጵያን ሱዳንን

እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ፡ ኵነታት ናጽነት ፕረስ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ይሕብር።

ሓያሎ ሃገራት ናይቲ ዞባ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ስትራተጅያዊ ጸቕጥታትን ኣብ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓን "ዓቢ ድሕረት የርእያ፡" ከም ዘለዋ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ኵነታት ናጽነት ፕረስ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝተፈላለዩ ስጕምትታት ይውሰዱ ከም ዘለዉን ንደሞክራስያዊ ጕዕዞ እታ ሃገር ዓቢ ዕንቅፋት ከም ዝዀነን ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መበል 145 ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻብ ካብ 180 ሃገራት መበል 148 ከም ዝተሰርዐት ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ጸብጻብ ሓደ ጐሊሑ ዝተራእየ መለክዒ ደረጃ ድሕነት (Security Indicator) ናይታ ሃገር ኰይኑ፡ ካብ 180 ሃገራት መበል 167 ብምምዝጋብ ኣንቈልቊላ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ደረጃ ፍርሒ ዜጋታት ይዓቢ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ኣብ ምስጢራዊ መዳጐኒ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኣካያዲ ስራሕ ኣዲስ ስታንዳርድ ሚልዮን በየነ

ምንጪ ስእሊ, Addis Standard

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምስጢራዊ መዳጐኒ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኣካያዲ ስራሕ ኣዲስ ስታንዳርድ ሚልዮን በየነ

ብሰንኪ እናጸበበ ዝመጽአ ሃዋሁ ፕረስ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ካብ ሃገር ወጺኦም እዮም። ከም ኣዲስ ስታንዳርድ ዝኣመሰላ ድማ ፍቓድ ስራሕ ተሓዲገንን ኣባላተን ንማእሰርቲ ተቓሊዖምን።

ኣብ ሱዳን'ውን ብሰንኪ ዘሎ ቀጻሊ ኲናት፡ ናጽነት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ ይርከብ።

ኣብታ ሃገር ዝዀነ ናጻ ምንቅስቓስ ዜና የሎን። መብዛሕትኦም ጋዜጠኛታት ክስደዱ ተገዲዶም እዮም። እቲ ቍጠባዊ ቅልውላው ድማ ንህልውና እተን ዝተረፋ ናጻ ትካላት ዜና ዝያዳ ኣዳኺሙወን ከም ዘሎ ይሕብር።

መበል 161 ዝተሰርዐት ሱዳን፡ ኣብ ደረጃ ድሕነት ድማ መበል 172 ትርከብ።

ብሓፈሻ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፡ ጋዜጠኛታት ንሞያዊ ስርሖም ዘሰናኽሉ ዝተፈላለዩ ስጕምቲታት የጋጥምዎም ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

"ስርዓተ-ሕጊ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነት ፕረስ ዘረጋግጽ ይመስል እምበር፡ ኣብ ግብሪ ግን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ሓያሎ ጋዜጠኛታት ብዘይፍርዲ ይእሰሩን ግፍዒ ይፍጸሞምን ኣሎ። ኣብ መንጎ መንግስትን ናጻ መራኸቢ ብዙሓንን ዝግበር ዘተ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ በጺሑ ይርከብ፡" ኢሉ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ደረጃአን እንታይ የመልክት፧

ብመሰረት እዚ ጸብጻብ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ይርከባ ።

እቲ ደረጃ መዐቀኒ ክሳብ 180 ዝበጽሕ ኰይኑ፡ ዝለዓለ ኣሃዝ ዘመዝገባ ሃገራት ዝኸፍአ ኵነታት ከም ዘለወን የመልክት።

ኣብዚ መዐቀኒ እዚ ኤርትራ ብሓፈሻዊ መዐቀኒ 180 ካብ 180 ብምሓዝ ኣብ ዓለም እታ ዝተሓተ ደረጃ ዘለዋ ሃገር ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።

ብኣንጻሩ ደቡብ ሱዳን ካብዚ ዞባ ተዛማዲ ዝሓሸ ደረጃ ብምምዝጋብ 118 ካብ 180 ተሰሪዓ።

ዝርዝራውያን መዐቀኒታት ከም ዘርእዩዎ፡ ኤርትራ ኣብ ዳርጋ ኵሎም ዓውድታት ማለት ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ሕጋውን ጸጥታውን 180 ካብ 180 ብምሓዝ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ትርከብ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ናጽነት ፕረስ ፈጺሙ ከም ዘየሎ ዘርኢ እዩ።

ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገልጽ ሰንጠረዥ
መግለጺ ስእሊ, ምንጪ ሓበሬታ፡ Reporters without borders

ጅቡቲ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ቍጠባዊ (179)ን ማሕበራዊ (174)ን መዐቀኒታት ምስ ኤርትራ ዝቀራረብ ኣዝዩ ድኹም ደረጃ ኣለዋ።

ኵነታት ጸጥታ ጋዜጠኛታት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ብድሆታት ናይዚ ዞባ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ሱዳን (172)ን ኢትዮጵያን (167) ዘሎ ናይ ጸጥታ ኣሃዝ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ፡ ጋዜጠኛታት ስርሖም ንኽሰርሑ ዘለዎም ናይ ህይወት ስግኣት ልዑል ምዃኑ ይሕብር።

ደቡብ ሱዳን ግን ኣብ ቍጠባዊ (91)ን ሕጋዊ (107)ን መዐቀኒታት ካብተን ካልኦት ሃገራት ብተዛማዲ ዝሓሸ ኣሃዝ ኣመዝጊባ ትርከብ።

ብሓፈሻኡ እቲ መረዳእታ ከም ዘርእዮ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጋዜጠኛታትን ናጽነት ፕረስን ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ዝበኣሱ ዞባታት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።