ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሓደ ኤርትራዊ 'ኢድ ዝሓወሱ' ክልተ ኤርትራውያን እንታይ ተፈሪዶም?

መኪና ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, South Beds News Agency

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን ተመሳሳሊ ፍጻመታት ኣጋጢሙ እዩ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ በርሚንግሃም ሃገረ እንግሊዝ፡ "ምኽንያት ሞት ሓደ ካልእ ኤርትራዊ እዮም" ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ብሰሉስ 5 ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ተኸሰስቲ ስምኦን ገብረንጉስ ዝተባህለ ወዲ 44 ዓመት፡ ቢቢ ጊላዝጊን ወዲ 31 ዓመት መንእሰይን ኰይኖም፡ ኣብ ኣማውታ ናይቲ ወዲ 33 ዓመት ዝዀነ ብርሃነ ጸጋይ ንዝተባህለ ኤርትራ ተሳትፎ ነይርዎም፡ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም።

እቲ ፍጻመ፡ ዓርቢ 26 መስከረም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኒውታውን በርሚንግሃም ኣብ ዝርከብ፡ ሓደ ናይ ሓበሻ ለይታዊ ትልሂት ዘጋጠመ ምዃኑ እቲ ቤት ፍርዲ በርሚንግሃም ይጠቅስ።

እቶም ተኸሰስቲ፡ ነቲ መዋቲ ኣብ መደያይቦ ናይቲ ለይታዊ ትልሂት ምስ ደፍእዎ ወዲቝ፣ ብድሕሪኡ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ እዩ መዓልታት ጸኒሑ ሞይቱ።

ብርሃነ ጸጋይ፡ ኣብቲ ለይታዊ ትልሂት ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሆስፒታል ጸኒሑ እዩ ዓሪፉ።

እቲ ንኤርትራውያን ዜጋታት ቢቢ ጊላዝጊን ስምኦን ገብረንጉስን ዘሳተፈ ፍጻመ ድማ ብሲሲቲቪ ካሜራ ተቐሪጹ።

ቢቢ ጊላዝጊ፡ ነቲ ዝሞተ ብርሃነ ብምሓዝን ካብቲ መደያይቦ ብሓይሊ ደፊኡ ከም ዝጸድፍ ብምግባርን ከም ቀዳማይ ክሱሱ እዩ ቀሪቡ ነይሩ።

ስምኦን ድማ ነቲ ግዳይ ኣብ ምድፋእ፡ "ኢዱ ዘርጊሑ ተወሳኺ ደገፍ" ገይሩን ዝብል ክሲ እዩ ቀሪቡሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልቲኦም ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ተኣሚኖም እዮም። ኣብ ቤት ፍርዲ በርሚንግሃም ድሕሪ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ግን ዳያኑ ቢቢ ጊላዝጊ ንብርሃነ ክቐትሎ ፈቲኑ ድዩ ኣይፈተነን ክውስኑ ርግጸኛታት ምዃን ከምዘይከኣሉ ገሊጾም።

በዚ ምኽንያት ድማ ንቢቢ ጊላዝጊ፡ ንዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ዳግማይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ወሲኖም። ስምኦን ገብረንጉስ ግን ነቲ ዝተኣመነሉ ዝነኣሰ ገበን ቅትለት ፍርዲ ተዋሂብዎ።

ነቲ ጉዳይ ዝመርሐ ማእከላይ ዳኛ፡ መዋቲ ብርሃነ ጸጋይ "ኣመና ሰኺሩ" ምንባሩ ፈሊጡ፤ ኣብቲ ለይታዊ ትልሂት ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ "ቍጥዐ ዘስዕብ ምትዅታዅ" ከም ዝገበረ ኣብቲ መጋባእያ ኣንቢቡ።

ኣብቲ መዓልቲ ፍርዲ፡ እቲ ዳኛ ንተኸሳሲ ስምኦን ብፍሉይ እናመልከተ፡ "ንስኻን ካልኦትን ካብ ብርሃነ ጸጋይ ክትርሕቍ ፈቲንኩም፤ እንተዀነ ብርሃነ ኣብ ተግባራቱ ቀጺሉ" ኢሉዎ።

"እዚ ተግባር ድማ ናብ ግብረመልሲ መሪሑ፤ ፈለማ ጊላዝጊ ክልተ ግዜ ብሻምብቆ ሽጋራ [ወይ ሺሻ] ክሃርሞ ፈቲኑ፣ ኣብ ከምዚ ድማ ንስኻ ስምኦን እውን ተሃሪምካ ኢኻ፡" ይብል እቲ ዳኛ።

"ብድሕሪ'ዚ ጊላዝጊን ብርሃነን ዘይምርድዳኦም ምስ ቀጸለ፡ ንብርሃነ ናብ መሬት ደፌካ ብምውዳቕ፡ ኣብ ከባቢ ርእሱን ክሳዱን ኣርባዕተ ግዜ ክትረግጾን ተራኢኻ።"

ብርሃነ ድማ ምስቶም ክልተ ተኸሰስቲ ባዕሉ ናብ ማዕጾ ናይቲ ክለብ ገጹ ክኸይድ ተራእዩ።

ብድሕሪ'ዚ ኣብቲ መደያይቦ፡ ጊላዝጊ ክደፍኦ እንከሎ፡ ስምኦን "መሊሱ ደፊእዎ" ይብል።

ኣስዒቡ ድማ፡ እቲ ዳኛ፡ ድራኸ ናይቲ ተግባር ብዘየገድስ፡ ሓደጋ ሞት ይዅን ነባሪ መጕዳእቲ ከስዕብ ከም ዝኽእል ከተገናዝብ ነይሩካ፡ ብምባል፡ እቲ ዳኛ፡ "እቲ ስጕምቲ ግን ኣቐዲሙ ዝተሓሰበ ከምዘይነበረ" ደምዲሙ።

ብኡ ንብኡ ንብርሃነ ጸጋይ ንምሕጋዝ ከም ዝወረደን ህጹጽ ኣገልግሎት ከም ዝጸውዐን ድማ ቤት ፍርዲ ኣፍልጦ ሂቡ።

በዚ ድማ ስምኦን ገብረንጉስ ን6 ዓመት ክእሰር እቲ ቤት ፍርዲ ከተማ በርሚንግሃም ወሲኑ።