ትግራይ፡ ኣብ ቤተክርስትያንን ቤት ትምህርትን ብዛዕባ ዝተፈፀመ ግፋ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ህወሓት፡ ንፕረዚደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣፍልጦ ብምኽላእ፡ ነቲ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ነቲ ቅድመ-ኲናት ትግራይ ዝነበረ ካቢነ ናብ ስራሕ ምምላሱ ካብ ዝእውጅ ንደሓር፡ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ፈደራል፡ ምስቲ ብሰንኪ ሕቶ መእቶ ባሕሪ ኣብ ወጥሪ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ተሻሪኹ ይሰርሕ ኣሎ ብዝብል፡ ንህወሓት ደጋጊሙ ክኸስስ ፀኒሑ እዩ።
ህወሓት ድማ፡ ምንዋሕ ግዜ ስልጣን ፕረዚደነት ታደሰ፡ "በይናውን ንፈረምቲ እቲ ውዕል ዘግለለን ውሳነ" ኢሉ ነቲ ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝተገደደ ይገልፅ።
ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ናብ ስርሑ ተመሊሱ ዝተብሃለ፡ ዕድመ-መረፃኡ ዝሓለፎን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ውዱቕ ዝዀነን ክልላዊ ቤትምኽሪ፡ ኣብ ፈላማይ ኣኼባኡ ዘፅደቘ ኣዋጅ፡ 366/2018 - ኣዋጅ ወተሃደራዊ ዕስርክና ይጥቀስ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ የካይድ ከምዘሎ፡ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁዩማን ራይትሰዎች ዝርከቡዎም፡ ተቓውሞኦም ብትሪ ከስምዑ ፀኒሖም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ካብ ከተማታት መቐለ ከይተረፈ ዝወፅኡ ዘለዉ ቪድዮታትን ምስልታትን እቲ ጉዳይ ዓቢ ትዅረት ክረክብ ገይሩዎ ኣሎ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግፋ፡ ብብዝሒ ትሕቲ-18 ዝዕድመኦም ህፃናት ዘካተተ ከምዝዀነን፡ እቲ ተግባር "ከም ገበናት ኲናት" ክቝፀር ዝኽእልን ከምዝዀነ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ምክትል ኣቦመንበር ህወሓት፡ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/ሄር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ወተሃደራዊ ግፋ፡ 'ፍፁም ሕሶትን ፀላእቲ ዝመሃዙዎ ኣጀንዳን' ክትብል ብምንጻግ፡ ንመግለፂታት መንግስቲ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ድማ ነቒፋ።
ንሳ፡ ብኣንጻሩ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ትግራይ፡ ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ እያ ከሲሳ።
እዚ ክሲ ብዝምልከት፡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ ኰነ መብርሂ የለን።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ኢሉ?
እቲ ኮምሽን፡ ኣብ ክልል ትግራይ "ካብቶም ዒላማ ወተሃደራዊ ግፋ" ዝዀኑ ዘለዉ መንእሰያት፡ ዝበዝሑ ትሕቲ -ዕድመ፡ ማለት'ውን ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኖም ኣረጋጊፀ ይብል።
እዚ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ "ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላን" ን "ናብ ኲናት ኣገዲድካ ምስላፍን"፡ ከም "ምዝመዛ ዕዮ"ን "ገበን ኲናት"ን ክቝፀር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እዚ ብመንግስቲ ዝመሓደር ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ብቐዳም 27 ሰነ 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ መቐለ መናእሰይ እናተገፈፉን፡ ነበርቲ ተቓውሞኦም እናስምዑን ዘርእዩ ቪድዮታት፡ድሕሪ ምውጽኦም እዩ።
እቲ ካብ ዓርቢ ንጐሆ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ተንሳቓሲ ምስሊ፡ ደቀን ካብ ግፋ ከናግፋ ዘይከኣላ ዝበዝሓ ኣደታት፡ ናብ ጐደና ወፂአን፡ ኣውያት ከስምዓን፡ ነታ መናእሰይ ፅዒና ትንቀሳቐስ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብደርባ እምኒ ከጥቀዓን ይረአያ።
እዚ ፍፃመ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ውፅእ ኢሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠርን ክካየድ ዝቐነየ ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ ዘቃለዐ ዀይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ተወልደቲ ትግራይ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ፤ ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ድማ ቍጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ግን፡ ንኣጋ ምሸቱ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ወፂኡ፡ ነቲ ኣብ መቐለ '05 ቀበሌ' ኣጋጢሙ ዝተባህለ ፍፃመ "ሓቅነቱ ይምርምር" ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኢሰማኮ፡ ኣብቲ ብቐዳም ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ "ዘሻቕል ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት" ከምኡ'ውን ኣብ መዳውብቲ'ቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዝረአ ዘሎ፡ "ወተሃደራዊ ንጥፈታት" ብፅሞና ይከታተል ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ኮምሽን፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ክልል ትግራይ "ግዱድ ወተሃደራዊ ግፋ" ንምክያድ ዘኽኣለን ዘላዓለን፡ ዝተባህለ ሰነድ "ሓድሽ ኣዋጅ" እውን ጠቒሱ ኣሎ።
እቲ ኮምሽን ዝጠቐሶ "ሓድሽ ኣዋጅ"፡ ብኢደ ዋኒን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ናብ ስራሕ ዝተመልሰ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዝፀደቐ፡ "ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ" ብዝብል ዝወፅአ ኣዋጅ እዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣፈጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ተግባራዊ ክኸውን ዝተኣዘዘ ኣዋጅ፡ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ከምዝፀደቕ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብቲ እዋን፡ ብዝዀነ መንግስታዊ መግለፂ ዕላዊ ኣይተገብረን።
ኢሰማኮ፡ ኣብ ናይ ቀዳም መግለጺኡ፡ እቲ "ሰነድ" ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረሰን ቅድሚ ኲናት ዝነበረን - ሕጂ ናብ ስራሕ ክምለስ ተገይሩ ዘሎ - ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ከምዝተዘርግሐ ኣመልኪቱ ኣሎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ነቲ ግጭት ንምውጋድ ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራፅ ተዅሲታት - "ዝጥሕስ"ን ምስ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ "ዝጋጮን" ምዃኑ'ውን ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኣዋጅ፡ ዓቐሙ ዝወፈቐደ ኵሉ ትግራዋይ ብሄራዊ ፃውዒት ክቕበል፣ ናብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምፅምባር ዝኣበዩ ድማ ክቕፅዑ፣ ተቓውሞ ዘስምዑ ክሳብ 25 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጽዑ፡ ካልኦት ክሳብ ብሞት ዘቕፅዑ ዓንቀፃት ዝሐዘ ዀይኑ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም [ግ] - ኲናት ዝተወለዓሉ መዓልቲ ጀሚሩ - ተፈፃምነት ከምዝህልዎ ይገልፅ።
እቲ ኮምሽን ግን፡ እዚ ኣዋጅ ቅድሚ ምውጽኡ'ውን እንተዀነ፡ ኣብቲ ክልል፡ ማእሰርቲ "መንእሰያት ብፍላይ ድማ ህጻናት፡ ተመዛበልቲ፡ ከምኡ'ውን ናይ ኣእምሮ ፀገም ዘለዎም" ይካየድ ከምዝነበረ፡ ካብ "ዝተመልሱ መንእሰያት፡ ስድራኦምን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን" ከምዘረጋገፀ ገሊፁ ኣሎ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ካብ "መዓስከራት ተመዛበልትን ማይ ፀሎትን" ዝተገፈፉ ሰባት፡ "ናብ መዓስከራት ወተሃደራዊ ታዕሊም" ከም ዝኣተዉ ኣመልኪቱ፤ እቲ ኣዋጅ ካብ ዝወጽእ ጀሚሩ ድማ፡ "እዚ ተግባር ሓዪሉ ቀፂሉ" ኢሉ።
ተምሃሮ ክህነት ካብ ኣብያተ ክርስትያን ከይተረፈ፡ ከምኡ'ውን ብዙሓት ካብ ዕዳጋታት፡ ማእከላት መንእሰያትን ካብ ገዛ ናብ ገዛ ብተፍትሽን፡ "ናብ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክምልመሉ ተገይሩ" ክብል ከሲሱ።
እቲ ኮምሽን ብተወሳኺ "መብዛሕትኦም ብሓይሊ ዝተመልመሉን ዝተገፈፉን ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኖም ከረጋግጽ ክኢሉ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብያተ ትምህርትን ዝተኻየዱ ግፋታት
ኢሰማኮ ኣብ መግለፂኡ ዝጠቐሶ፡ ግፋ ናይቶም ተምሃሮ ክህነት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ 18 ሰነ 2018 ዓ.ም. [ግ] ካብ ቤትከርስትያን "ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ቤተክርስቲያ" ከምዝዀነ፡ ሓደ እሙን ምንጪ- ቤተ ክርስትያን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣመልኪቱ።
እቲ ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ምንጪ ከም ዝሓበሮ፤ "ተምሃሮ ቤተክርስትያን ኣይኰንኩምን" ብዝብል ዝተገፈፉ መናእሰይ፡ ብዝሖም "ኣስታት 20" እዩ።
"መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት፡ ናብቲ ደቂሶምሉ ዝነበሩ መሕደሪ ጎጂ ኣትዮም፡ 'ንዑ ውጹ' እናበሉ ማዕጾ ይዅሕኩሑ ነይሮም፤ ናብ ደገ ኣውጺኦም ኣኪቦም ነቶም ብፅሕ ብፅሕ ዝበሉ [ወሲዶሞም]" ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ እቶም "ገጾም ዝተሸፈኑ" ዕጡቓት ዝወሰድዎም ሰባት፡ ሃለዋቶም ብዕሊ ከም ዘይተፈልጠ ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ እቶም ተወሲዶም ዝተባህሉ ተምሃሮ ደዊሎም ኣብ "መዓስከር ታዕሊም" ከምዘለዉ ከምዝገለጹ እቲ ምንጪ ገሊጹ።
ብዛዕባ እዚ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል ህወሓት ሚኪኤል ኣስገዶም "ሓቂ ኣይኮነን" ብምባል ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "ከምኡ ኣይተገብረን እየ ዝብለካ ዘለኹ። እንተዀይኑ ድማ ክዅንኖ እየ። ከም መንግስቲ ይዅን ትካል ከምዚ ዓይነት ንጥፈት ፈጺምና ኣይንፈቅድን ኢና" ኢሉ።
ማሕበር ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፡ እዚ ኣብ ቀፅሪ ቤተክርስትያን ተፈፂሙ ዝተብሃለ ተግባር ብምርግጋፅ፡ "ቤተ ክርስትያን መፅለሊትን መጸናንዒትን ግፉኣን እያ፤ ካብ ሕቘፋ መንዚዕኻ ምውሳድ ንህዝበ ክርስትያን ምሕዛን፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ምፍትታን እዩ" ብምባል ኰኒኑ።
እቲ መግለፂ፡ "ብምዃኑ እውን እቶም ካብ ቀፅሪ ቅድስቲ ቤተክርስትያን፡ ብሓይሊ ተገፊፎም ዝተወስዱ ናብ ትምህርቶም ንኽትመልሱዎም፡ ኣትሪርና ንፅውዕ" ይብል።
እንተዀነ፡ ዛጊድ ካብ መንበረ-ሰላማ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ዝተውሃበ ተቓውሞ ዀነ መግለፂ የለን።
ካልእ ዘዘራርብ ዘሎ ተመሳሳሊ ፍፃመ፡ ብዓርቢ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣፍደገ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ "ዒላላ" ደው ኢላ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ መኪና ካብቲ ቀጽሪ ዝወጹ መንእሰያት ክትወስድ ዘርኢ ቪድዮ እዩ።
ሓያሎ ሰባት ኣብ ጥቃ እታ መኪና ካልኦት ድማ ፍንተት ኢሎም ደው ኢሎም ይረኣዩ።
ኣብቲ ከባቢ '05 ቀበሌ' እታ ከተማ፡ ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ ነበርቲ ነታ መኪና እናተንቀሳቐሰት ከላ እምኒ ክድርብዩ ተራእዮም። ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ተቓውሞ ዘስመዓ ኣደታት ክበኽያን ከእውያን ይረአያ።
ቢቢሲ፡ ሓቅነት ናይዞም ቪድዮታት ብባዕሉ ወይድማ ብኻልእ ናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
እንተዀነ፡ እቲ ተግባር ኣብ ጥቓ ገዛኦም ከምዝተፈፀመ ዝዛረብ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ንባዕሉ ከይግፈፍ ፈሪሑ ብርሑቕ ይዕዘብ ከምዝነበረ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ ነባሪ፡ ካብቲ ግፋ ዘምለጡ መንእሰይ ከምዝፈልጥ ድማ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ዶ/ር ኣብርሃም ሓጎስ፡ ኣብ ክልላዊ ሚድያ ተለቪዥን ትግራይ ብዛዕባ እቶም ቪድዮታት መብርሂ ክህብ ቀሪቡ ነይሩ።
"ነቶም ቪድዮታት ከም ሃገረይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢና ሪእናዮም" ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን፡ "እቲ ጉዳይ ብመንግስቲ ክምርመር መምርሒ ተዋሂቡ" ካብ ምባል ወፃኢ ዝሀቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
"ብዝርዝር ክምርመር እዩ። እዚ ኵነታት ንምንታይ ከም ዘጋጠመ ድማ ክረአ'ዩ። ኣብዚ ፍጻመ ዝተሳተፉ መንግስታዊ ወይ ትካላት ጸጥታ እንተሃልዮም ንጹር ምምሕዳራውን ሕጋውን ስጕምቲ ክውሰድ እዩ።"
ኣብቲ ክልል ንጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ትካል ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብተን ቪድዮታትን ኣብ ተምሃሮን ክህነትን [ኣብ ቀፅሪ ቤተክርስትያንን]፡ ዝተራእየ ፍጻመታት፡ እቲ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ "ናብ ዓበይቲ ከተማታት ይዝርጋሕ ከምዘሎ" ዘመልክት ምዃኑ ስክፍታኡ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ምክትል ዳይሬክተር እቲ ትካል፡ ኣቶ መብርሂ ብርሃነ ፡ ትካሎም ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብዛዕባ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላ ኣብ ዘካየዶ መርመራ፡ እቲ ተግባር ኣብ ከተማታት - ወረዳታትን ገጠራትን ትግራይ ብሰፊሑ ይፍጸም ከምዘሎ ኣመልኪቱ ምንባሩ ይዝከር።
ቢቢሲ ትግርኛ'ውን ቅድም ኢሉ፡ ሰነ 16፡ ኣብወርቂ ዝእረየሎም ቦታት- ክሳብ ካብ ጐደናታት፡ መዛነይን ገዛንገዛን ዝተኻየዱ ግፋታት፡ ዝምልከት ሰፊሕ ሓተታ ምስንድኡ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ናይ ቀዳም መግለፂኡ፡ ነዚ ተግባር ዝዀነነ ኰይኑ፡ "ንህጻናትን ካልኦት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባትን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ይዅን ንውግእ ብግዴታ ምምልማል ወይ ምጥቃም" ዓለማዊ ቃልኪዳናትን ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ "እዚ ተግባር ካብ መንግስቲ ወጻኢ ብዝዀነ ዕጡቕ ጕጅለ ዝፍጸም እዩ፤ ከም ምዝመዛ ጉልበትን ገበን ኲናትን ክውሰድ ይኽእል እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ዋና ኮምሽነር ኢሰማኮ፡ ኣቶ ብርሃኑ ኣዴሎ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ክልል ዝወጸ ሰነድ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ኣዋጅ፡ "ሕገ-መንግስታዊ መሰረት ዘይብሉ፡ ጠንቂ ተደራራብን ከቢድን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ" ዝበለ እቲ ዋና ኮምሽነር፡ "ብህፁፅ ደው ክብል" ጸዊዑ።
ከምኡ'ውን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ "ፖለቲካዊ ወጥሪ" ንምህዳእ፡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ሓዊሱ፡ ኵሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ "ግጭት ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ክቝጠቡ" ኣተሓሳሲቡ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
