ኣስመራ፡ ስምምዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ግብጽን፡ ሶማልያን ኤርትራን፡ ግብረመልሲ ኢትዮጵያን

መራሕቲ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ኣብ ዋዕላ ኣስመራ፡ 10 ጥቅምቲ 2024

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ብሓሙስ 10 ጥቅምቲ ኣብዘካየድዎ ስሉሳዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ብሰፊሕ ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ግብጻዊ ፕረዚደንት ዓብደል-ፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ንክልቲኦም ዘንግድ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ ተሰማሚዖም"።

ብረቡዕ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ደገፍ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምርካብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ምክያድ'ዩ ተጸሚዱ ጸኒሑ።

እቲ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ዝምድና ኣብ ዝሓርፈፈሉ እዋን ይካየድ ብምህላዉ ኣቓልቦ ብዙሓት ወገናት ስሒቡ'ሎ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት ጥቡቕ ዝምድና ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን ዝምድነኣን ናብ ወጥሪ ተሰጋጊሩ ይርከብ።

ይኹንእበር፡ ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና "ከም ቀደሙ ሰላማዊን ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዝተመስረተን" ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ዝምድና መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ ምትሕብባርን ዝምድናን ይቕጽል ኣሎ ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝተቐየረ ነገር የለን" ኢሉ።

ኣብ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ ዝተበጽሐ ስምምዕ

ሚኒስተራት ወጻኢ ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልያን

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

ሰለስቲኦም መራሕቲ ንጉዳያት ቅልውላው ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕርን ባብ-ኤልመንደብን "ዓሚቚ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ በጺሖም" ይብል ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ ተሰማሚዖም" ከምዘለዉ'ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

"ሶማልያ ንውሽጣዊን ካብ ደገ ዝመጽእን ብድሆታት ንምግጣም ምእንቲ ክትክእል መንግስታዊ ትካላታ ንምሕያል" ሰለስቲአን ሃገራት ክተሓጋገዛ እየን።

"ሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ፡ ንኩሉ ዓይነት ሽበራ ክብድህ ንምኽኣል" ሰለስቲአን ሃገራት ብሓባር ከምዝሰርሓ'ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

"ዓለምለኻዊ መትከላትን ኣዕኑድ፡ ብፍላይ ዘየወላውል ምኽባር ልኡላውነት፡ ናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገራት እቲ ዞባ" መሰረታዊ ምዃኑ'ውን ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።

ነዚ ንምግባር ሓደ ብሚኒስተራት ዝምራሕ ኣካል ክቐውም'ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።

"ስሉሳዊ ኮሚቲ ሚኒስተራት ወጻኢ ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልያን ነቲ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝግበር ስትራተጂካዊ ምትሕግጋዝ" ከወሃህዱ ተመዚዞም ከምዘለዉ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ'ሎ።

ንሱዳን ብዝምልከት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ከምዝደልዩ ፕረዚደንት ግብጺ ተዛሪቡ።

"ብዝቐልጠፈ ኣብ መላእታ እታ ሃገር ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ከምዘድሊን ሃገራዊ ትካላት [ሱዳን] ንምውሓስ ህጹጽ ጻዕርታት ንምክያድ ህጹጽ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ተሰማሚዕና"።

ኣብ መፋርቕ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ንቅልውላው ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ግብጺ ዝወሰደቶ ተበግሶ ጎረባብቲ ሃገራት ክሳብ ሎሚ ውጽኢታዊ ኣይኮነን።

ኣል-ሲሲ፡ ንሚኒስተር ሃገራዊ ጸጥታ ግብጺ ሜጀር ጀነራል ዓባስ ካምል፡ ሓለቓ ፕረዚደንታዊ ካቢነ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዓሊ፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ኣሕመድ ዓብዱልዓጢ ኣኸቲሉ ኣብቲ ኣዋዕላ ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ 2020 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስቲ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ተመሳሳሊ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።

ኢትዮጵያ ንሓያለ ዓመታት ቀንዲ ደጋፊት ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ምንባራን ንሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ንምድጋፍ ሰራዊታ ከይተረፈ ኣዋፊራ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ወጥሪ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ፡ 10 ጥቀምቲ 2024

ምንጪ ስእሊ, @VillaSomalia

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊን ወተሃደራውን ወጥሪ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለወሉ እዋን'ዮም ነቲ ዋዕላ ዘካይድዎ ዘለዉ።

ኢትዮጵያ ምስታ ሶማልያ ኣካል ልኡላውነታ ምዃና እትገልጻ ሶማሊላንድ ወተሃደራዊ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ ንሞቓድሾ ኣቖጢዕዋ ይርከብ።

እቲ ዝተፈረመ ምርድዳእ ኢትዮጵያ ነታ ባዕላ ናጽነታ ዝኣወጀት ዞባ ከም ሃገር ክትፈልጣን፡ ኣምሳያኡ ድማ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊን ቁጠባውን ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእል'ዩ።

ግብጽን ኤርትራን ንልኡላውነት ዓባይ ሶማልያ ዘለወን ደገፍ ብምግላጽ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክገብራላ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ብዛዕባ ምብጻሕ ኣል-ሲሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ምርግጋእን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ንምድልዳል" ዝዓለመ ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካይሮ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ናብ ሞቓድሾ ከተጓርት ምርኣያ ኢትዮጵያ ብትሪ ተቓዊማቶ'ያ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብመርከብ ናብ ወደብ ሞቃድሾ ዝኣተወ ኣጽዋር ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላት፡ መዳፍዕን ካልእ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ዘጠቓልል ምዃኑ ይግለጽ።

ግብጽን ኢትዮጵያን ምስ ምህናጽ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ካብ ነዊሕ እዋን ክሰሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ኤርትራ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ከተሰልጥን ጸኒሓ'ያ።

ፕረዚደንት ግብጺ ወተሃደራዊ ምርኢት ሰራዊቱ እናተዓዘበ፡ ግብጺ 8 ጥቀምቲ 2024

ምንጪ ስእሊ, Egypt President Office

መግለጺ ስእሊ, ግብጺ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ከምዘለዋ ይንገር

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክልቲኦም መራሕቲ ሶማልያን ግብጽን ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምብጽሖም ኣብ ወተሃደራዊ ምርኢታት ሰራዊቶም ክሳተፉ ተራእዮም ነይሮም።

ሞቓድሾ ብዘይካ'ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወጥሪ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ፈጢሮም ዘለዉ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ንምስዓር'ውን ኣብ ዘየቋርጽ ውግእ ትርከብ።

መራሕቲ ሶማልያን ኤርትራን ትማሊ ምሸት ኣብ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ርክብ፡ "ንልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን [ፖለቲካዊ] ሓድነትን ሶማልያ ንምዕቃብ ኣብ ዝግበር ኪበድ ዕማም" ንምሕያል ከምዝተረዳድኡ ብወገን ኤርትራ ዝወጸ ሓበሬታ ይጠቅስ።

"ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ሰራዊት ሶማልያ ንምስልጣን እተካይዶ ምቕሉል ኣበርክቶ" ንሃገራዊ ትካላት ጸጥታ ሞቓድሾ ንምምዕባል ዝዓለመ ምዃኑ'ውን እቲ ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ፕረዚደንት ሓሰን፡ ድሕሪ'ቲ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ምስቶም ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንዝስልጥኑ ዘለዉ ወተሃደራቱ ድሕሪ ምርኻቡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ'ሎ።

ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪኸ እንታይ በሉ?

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ሓደ ዓመት፡ ምስ ግጭት እስራኤልን ፍልጤማውያንን ብዝተሓሓዝ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ኣምሪሑ ይርከብ።

መሓዙት ሓማስ ዝኾኑ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ካብ ወርሒ ሕዳር 2023 ጀሚሮም ናብተን በቲ ስትራተጂካዊ ንግዳዊ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ዓቢ ስግኣት ፈጢሮም ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብወገን ኢትዮጵያ ክስማዕ ዝጸንሐ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምውናን መሰላት'ውን ንገለ ሃገራት እቲ ገማግም ድቃስ ዝኸልአ ኮይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ግብጺ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ መስመር ንምውሓስ ሓቢሮም ክሰርሑ ምዃኖም ተዛሪቡ።

"ነቲ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ዓለምለኻዊ መስመር ባሕሪ ክሳብ ምዕንቃፍ ዝበጽሐ ሓደገኛ ስግኣት ብዝምልከት ናይ ኣራኣእያ ሓድነት ኣለና"።

"ኣብ ዘካየድናዮ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ምትሕግጋዝ ክሕይል ልዑል ኣገዳስነት ከምዘለዎ ጸቒጥናሉ" ክብል ኣል-ሲሲ ከምዝተዛረበ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ።

ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ፡ ኤርትራ 12 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ምውሓስ "ሰላምን ርግኣትን" እቲ ማያዊ ዞባ ኣቕሪባ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመንን ሶማልያን ዝተሳተፋሉ "ቀይሕ ማዕበል" ዝተሰምየ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን ነይረን'የን። ኤርትራ ኣብቲ ከምዝደገፈቶ ዝኣመተትሉ ልምምድ ስላምንታይ ከምዘይተሳተፈት ግን ክሳ ሎሚ ንጹር ኣይኮነን።

ብዘይካ'ዚ ኣብ 2020 ብተበግሶ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጒዳያት ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ሪያድ "ሓባራዊ ቤትምኽሪ" ብምምስራት ቻርተር ከምዘጽደቓ ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ብቐንዱ ንምትእትታው ኢራን ኣብ የመን ንምድራት ከምዝተበገሰ ዝንገረሉ ተበግሶ ስዑዲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ኣድማዒ ከምዘይኮነ'ዩ ዝግለጽ።

"ዞባናን ገማግምናን፡ ከምኡ'ውን ሰሜናዊን ደቡባውን ኣፍደገታት ቀይሕ ባሕሪ ብባህርያዊ ሃብቲ ዝተዓደለን ንዕብየትን ብልጽግናን ዘይጽንቀቕ ዓቕሚ ዘለዎን" ምዃኑ'ውን ኣል-ሲሲ ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ግብጽን ምስ ምግፋፍ ዓሳ ዝተሓሓዝ ሓሓሊፉ ምስሕሓባት ክርአ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ገፈፍቲ ዓሳ ግብጺ ኣብ ክልኢ ማያት ኤርትራ ኣብ ዝኣትውሉ ብሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ክተሓዙ ጸኒሖም'ዮም። ኣብ 2021 ብኤርትራ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ኣስታት 100 ገፈፍቲ ዓሳ መርኣያ ናይቲ ኩነታት'ዩ ነይሩ።

ተመሳሳሊ ምስሕሓባት'ውን፡ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ግብጽን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን የመንን፡ ስዑዲ ምስ የመንን ግብጽን ብቐጻሊ ዝርአ ፍጻሜታት ቀይሕ ባሕሪ እዩ።