ኣስመራ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ 'ወግዓዊ' ምብጻሕ ንምክያድ ኤርትራ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, @VillaSomalia
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸክ ማሕሙድ "ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ" ንምክያድ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ኣትዩ።
እቲ ብሰንኪ ጉዳይ ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥርን ምትፍናንን ዝርከብ ሶማላዊ መራሒ ኣብ ኤርትራ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ከካይድ ይርአ።
ካብ 2018 ንድሓር ምስ ሞቓድሾ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝጀመረት ኣስመራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ከተስልጥን ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ "ድሙቕ ኣቀባብላ" ከምዝገበረሉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
"ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ክልተኣዊ ርክባትን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ'ውን ንክልቲኦም ዘገድሱ ዞባዊን ዓለምለኻውን ጉዳያት ክዘራረቡ እዮም" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ገሊጹ።
ኣብ ፈላማ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን፡ ፕረዚደንት ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንወደብን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዝውዕል 20 ኪሎ ሜትር መሬት ክትረክብ፤ ኣምሳያኡ ሶማሊላንድ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ክትወስድን፡ ከም ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትረክብን ዝብል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, @hawelti
እቲ ንምትእትታው ኢትዮጵያ ንምግታእ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ሶማላዊ መራሒ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ንሳልሳይ ግዚኡ'ዩ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ።
ኣብ ሓምለ፡ መጋቢትን ጥሪን'ውን ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ሰልጠንቲ ወተሃደራቱን ተራኺቡ ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣስዒቡ ዘሎ ስምምዕ፡ ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ ናብ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ከየምርሕ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ማሕሙድ "ኤርትራ ብዛዕባ ህንጸት ሃገርን መንግስትን፡ ከምኡ'ውን ህንጸት ጸጥታዊ ጽላት እኹል ተመክሮ'ዩ ዘለዋ። ስለዚ [ፕረዚደንት ኢሳይያስ]ን መንግስቲ ኤርትራን ነዚ ዘለዎም እኹል ተመክሮ ከካፍሉና ጸኒሖም'ዮም" ክብል ኣብ መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ኣብ ዘውጽኡዎ ሓባራዊ መግለጺ'ውን፡ "ንሓያለ ተዂታዂ ኣጀንዳታት ህዉኽ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ብምሕያብ፡ ብትዕግስትን ሃናጺ መንፈስን" ክኣልይዎ ከምዝደልዩ ተዛሪቦም ነይሮም።
እቲ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣኸቲሉ ዝኣተወ ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ኣብታ ሃገር ንሰለስተ መዓልታት ክጸንሕ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, @hawelti




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







