መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ኢድን ንኢድ ተጨባቢጦም፡ ባንዴራታት ኤርትራ፡ ኢጣልያን ሕብረት ኤውሮጳን ብድሕሪኦም ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

ኣብ ለካቲት 2024 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ኣብ ሮማ ድሕሪ ዝካየዱዎ ምርድዳእ፡ ብ29 ሓምለ 2025 ንልኡኽ ኢጣልያ መሪሑ ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ምኒስተር ሕርሻ፡ ልኡላውነት መግብን ሃብቲ ገረብን ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጋዲ ምስ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ ነስረዲን መሓመድሳልሕ ሓፈሻዊ ናይ ምትሕብባር ሰነድ ከም ዝኸተሙ ይፍለጥ።

እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ወፍሪ፡ ምምዕባል መሰረተ-ልምዓት፡ ምስናዕ፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህሊ፡ ስፖርትን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን፡ ቍጠባዊ ሽርክነት፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ንትግባረኡ ኣብ ክልተአን ሃገራት ቀጻሊ ርክባት ክካየድ ከም ዝተረዳድኡ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን ነይረን።

ኢጣልያ ከም ኣካል እቲ "ውጥን ሜቴይ" ኢላ ዝሰመየቶ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ልምዓታዊ ሽርክነት ንምድንፋዕ 5.5 ቢልዮን ኤሮ ኣጽዲቓ ኣላ።

ኤርትራ ንልዕሊ 50 ዓመታት ግዝኣት ኢጣልያ ብምንባራ፡ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ቍጠባዊ ሽርክነት ክህሉ ታሪኻውን ባህላውን ምኽንያታት ስለ ዘሎ፡ ንተግባራውነቱ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተኰረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ።

ኣብ ትካል ምርምር፡ ውጥንን ቍጠባን ነርወይ ዝሰርሕ ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ፡ እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኢጣልያን ዝተገብረ ስምምዕ፡ "እቲ ናይ ብሓቂ መዐቀኒኡ ኣበየናይ ሸቶ በጺሑ እኳ እንተዀነ፡ ንኣጻብዕትና ካብ ቃታ ኣልዩ ብዛዕባ ዕብየትን ልምዓትን ምዝራብና ንባዕሉ ንማሕበረ-ኣእምሮኣዊ ኵነታት ናይ ሕብረተሰብና ሓጋዚ እዩ፡" ይብል።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንወፍሪ ዝምልከት ኣዋጅ ቍጽሪ 59/1994 ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብ 1996 ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ክልተኣዊ ውዕላት ወፍሪ ከቲሙ ነይሩ።

እቲ ውዕል ድሕሪ 9 ዓመታት ኣብ 2003 ኣብ ግብሪ ከም ዝወዓለ ዝገለጸ ዶ/ር ፍትዊ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ንኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ንብረቶም ከይህግሮም ወይ ኣድሉዎ ከይፍጽመሎም ሕጋዊ ጽላል ንምፍጣር እዩ ነይሩ፣ ካብዚ ዝሓልፍ ትሕዝቶ ኣይነበሮን፡" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕ ክንዮ ብጥቕልሉ ጽላታት ምጥቃስ፡ ገና ዝርዝሩ ብኽልተኦም ወገናት ኣይተገልጸን።

ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ናይ ምዕባለ ሽግርክና ብምዃኑ፡ "ኢጣልያ፡ ነቲ ኤርትራ ዘቐመጠቶ ናይ ምዕባለ ቀዳምነታት ፋይናንስ ክትገብር፡ ብኽኢላታት ኣቢላ ኣብ ስልጠናን ምምዕባል ዓቕሚሰብን ክትሳተፍ ትኽእል። ብሕታውያን ኩባንያታት ኢጣልያ ብመንግስተን ተመዊለን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተላፊነን ኣብ ምምዕባል ትሕተ-ቕርጺ ክሰርሓ ይኽእላ። ወይ'ውን ኣብ ነዊሕ እዋን ብዝኽፈል ወለድ ይህሉ ይኸውን፡" ክብል ግምታቱ የስፍር ዶ/ር ፍትዊ።

ኣብ ምኒስትሪ ፋይናንስ ኤርትራ ዳይረክተር ዕዳን ወፍርን ኰይኑ ዘገልገለ ዓወት መንግስትኣብ፡ እዚ ኤርትራን ኢጣልያን ከቲመንኦ ዘለዋ 'መዘክር ምርድዳእ'፡ "ክልተአን ሃገራት ሓቢረን ክሰርሓሉ ዝደልይኦ ጽላታት ኣላልየን ዝተፈራረማሉ እዩ። ብኣውራኡ ድሌተን ዝገልጻሉ ደኣ'ምበር፡ ቀያዲ ኣይኰነን፡" ይብል።

"ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕላት ተፈራሪማ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይርአን። ትካላት መጺአን ናብ ዝርዝር ወሪደን ንጹር ፕሮጀክት ኣንቢረን ኣሳሪ ብዝዀነ ውዕል ክሳዕ ዘይተፈራረማ፡ መልእኽቱ ካብ ንልምዓት ብዝያዳ ፖለቲካውንን ዲፕሎማስያውን ጽልዋ ንምፍጣር እዩ ዝመስለኒ፡" ክብል የብርህ።

ኣብ ሰነ 2025 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሮማ፡ ቀዳመይቲ ምኒስተር ሜሎኒ ንፈላማይ ገጽ ትግባረ ናይቲ ውጥን ዝውዕል 1.2 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝመደበት ኣፍሊጣ።

ከም መርኣያ ዝኸውን ድማ ኣብ ምምዕባል ስርዓተ-ጥዕና ኮት-ዲቫር፡ ኣከባብን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ኢትዮጵያ፡ መሰረተ-ልምዓት ቀረብ ማይ ደሞክራስያዊት ሪፖሊክ ኮንኮ ከምኡ'ውን ምቅልጣፍ ስፍሓት ቍጠባ ኣንጎላ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ከም ዝካየድ ኣፍሊጣ።

ድሮ'ውን ምስ ቱኒዝያ ዋጋ 400 ሚልዮን ኤሮ ዝትመን ስምምዕ ጸዓት ኣካይዳ ኣላ።

ቀዳመይቲ ምኒስተር ኢጣልያ ምስ ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ብምዃን ብ20 ሰነ 2025 ኣብ ዘካየደቶ ዋዕላ፡ "ንኣፍሪቃ ብምሕያል፡ ንኤውሮጳ'ውን ነሐይላ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ኣፍሪቃ መጻኢና ኣብ ሓደጋ ዝወደቐላ ኣህጉር እያ። ሓቢርና ሓድሕዳዊ ምርግጋእ ክንፈጥር ኣለና፡" ኢላ።

ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያት ብብዙሕ ረቋሒታት ዝተደረኸ እዩ።

ቀዳማይ፡ ኣፍሪቃ ሃብታም ዕቝር ጸጋታት ጸዓት ስለ ዘለዋ፡ ነታ ውሱን ባህርያዊ ሃብቲ ዘለዋ ኢጣልያ ውሕስነት ቀረብ ጸዓት ኣብ ምምላእ ኣዝያ ኣገዳሲት ስለ ዝዀነት፡ ዝምድናታታ ንምሕዳስን ንምስፋሕን ድማ ተዓጢቓ ትሰርሕ ኣላ። ካልኣይ፡ ኢጣልያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓያል ቍጠባዊ ርክብ ብምህናጽ፡ ሓባራዊ ዕድላት ክትፈጥር ድሌት ኣለዋ።

ኢጣልያ ከም መላግቦ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን - ከም ወኪል ኤውሮጳ ኰይና ጠለባት ኤውሮጳ ንምምላእ - ዓቲባ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን፡ ብወገን ኤርትራኸ ነዚ ስምምዕ ናብ ተግባር ዝቕይር ባይታ ኣሎዶ?

ሕጋውን ስርዓታውን መዋቕር ወፍሪ ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ ንሸቶታት ማክሮ-ፖሊሲ ዝገልጽ ሰነድ ስዒቡ፡ ኣብ ቍጽሪ 59/1994 ንወፍሪ ዝምልከት ኣዋጅ ኣውጺኡ።

ካብ ዓበይቲ ዕላማታት ኢሉ ዘቐመጦ ድማ ሰደድ ምትብባዕ፡ ካብ ደገ ንዝኣቱ ዘጕድል ተወዳዳሪ ኢንዱስትሪታት ምስሳን፡ ሓደስቲ ቴክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ንምትሕልላፍ፡ ኣብ ኵለን ዞባታት ምዕሩይ ዕብየት ክህሉ ንምድጋፍ፡ ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት (SMEs) ንኽምዕብሉ ምሕጋዝን ሽቕለት ኣልቦነት ዝቕንስ ስራሕ ንምፍጣርን ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ብብሕቲ ዝውነኑ ጽላታት ድማ ዝለዓለ ብጽሒት ዕዳጋ ከም ዝህሉዎም እዩ ዝገልጽ። እንተዀነ፡ ኣብ ግብሪ ብኣንጻሩ እዩ ኰይኑ።

በዚ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ከም ኢጣልያ፡ ሩስያን ቻይናን ክገብሮ ዝጸንሐ ርክባት፡ ካብቲ ክኸዶ ዝጸንሐ 'ምዕብላል ቍጠባ' ናብቲ ብ1994 ዝኣወጆ ሕጊ ወፍሪ ይምለስ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ ኢሉ ቢቢሲ ነዞም ክልተ ኤርትራውያን ምሁራት ስነቝጠባ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ሓደ ዝትሕዝቶኡ በበይኑ ምስለኣዊ ቋንቛ እዮም ተጠቒሞም።

ዓወት መንግስትኣብ፡ "ኣሓ ካብ በረኻ ናብ ዓዲ ክኣትዋ እንከለዋ ብዝፈጥሮኦ ደሮና ኢኻ ትፈልጠን፡" ክብል ከሎ፡ ዶ/ር ፍትዊ ድማ፡ "እታ ግዓትሲ ኣብ ምግዓታ ዘይኰነ፡ ኣብ ምብልዓ እዩ መቐረታ፡" ንዝብል ምስላ እንግሊዝኛ ጠቒሱ።

"እንተዀነ፡ ትስፍው ምዃን ጽቡቕ እዩ፡" ይብል ዶ/ር ፍትዊ፡ "ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ መድረኽ ኣንፈተ-ለውጢ ስለ ዘለና፡ እታ ሃገር ዘላቶን እቲ መንግስቲ ዘመኽንዮ ዝነበረን - ኣብዚ ግዜ'ዚ ዝተፈልየ እዩ። እታ ሃገር በቲ ካብ 2012 ክሳዕ ሕጂ ዝኸደቶ መንገዲ ክትቅጽል ኣይትኽእልን እያ። ለውጢ ክግበር ኣለዎ፡" ይውስኽ።

ዓወት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንወፍሪ ተዳልዩ ኣሎ ዘብሎ ዝዀነ ምልክት ከም ዘይረኣየሉ ብምሕባር፡ ነቲ "ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዘሎ፡" ኣዋጅ ወፍሪ ናይ 1994 ከሐድሶን ስዒቦም ክመጽኡ ንዝግብኦም መምርሒታት ከርቅቕ ከም ዘለዎን ይገልጽ።

"ናይ ኤርትራ ወፍሪ፡ ብማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዝበሃል ትካል ዘይኰነ ዝምራሕ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፕረዚደንት [ኢሳይያስ ኣፈወርቂ] እዩ ዘሎ። ኣውፈርቲ ዘዘራርቡዎን ዘሳልጠሎምን ትካል ይደልዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ የሎን።"

ቀጺሉ፡ "እተን ከም ዶልቸ ቪታ ዝኣመሰላ ውሑዳት ዝኣተዋ ህግደፍ እዩ ዝውስነለን፣ ምስቶም ዓበይቲ ሰበስልጣን ብዝግበር ርክብ እምበር ብመሰረት ሕጋዊ መሰረታት ናይቲ ሃገር ኣይኰነን፡" ይውስኽ።

እቲ መንግስቲ "ሃንደበት" ብሓንቲ መምርሒ "ከም ዘይዓጽወን" ውሕስነት ዝህበን ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየሎ ይገልጽ። ብሕታውን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሕክምናታት - ሃይማኖታውያን ወሃብትቲ ኣገልግሎታት ከይተረፈ - ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ዅነት ተዓጽየን እየን።

ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ብሕታውያን ትካላት ህንጻ ኣብ 2006 ብሓደ መምርሒ ምስ ተዓጽዋ፡ ክሳዕ ሕጂ ብግሊ ዝካየድ ህንጻዊ ንጥፈታት የሎን።

ኣብ 2019 እተን ዝስስና ዝነበራ ትካላት ምድራይን ምዕሻግን ማይ፡ እቲ መምርሒ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዓርቢ ነቲ ምኒስትሪ ትእዛዝ መጺኡዎ፡ ሰኑይ ንቤት-ጽሕፈት ሕግን ስነስርዓትን ደብዳበ ተጻሒፉሎም፡ ሰሉስ ኵለን ተዓሺገን።

ወፍሪ ክበራበር እንተዀይኑ፡ "እቲ መንግስቲ ባዕሉ ብዛዕባ ደረት ስልጣኑን ግቡኣቱን ንጻረ ክህሉዎ ኣለዎ፣ መንግስቲ ብሕጊ ጫካ ዘይኰነ ብስልጡን ሕጊ ክምራሕ ይግባእ፡" ይብል ዶ/ር ፍትዊ።

"እቲ ኣውፋሪ ይግባይ ዝብለሉ ዓበይቲ ጉዳያት ክዳኒ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ናጻ ቤትፍርዲ ክህሉ ኣለዎ፡" ዝበለ ዓወት፡ "እቲ ንንግዲ ዝምልከት ሕጊ ካብቲ ኣብ ግዜ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተራዕመ ኰይኑ ክሳዕ ሕጂ ኣይተመሓየሸን፡" ይብል።

እዚ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ዝተኸተመ 'መዘክር ምርድዳእ'፡ ኢጣልያውያን ኣውፈርቲ ኣብቶም ዝተዘርዘሩ ጽላታት ከውፍሩ ድዮም ዝገልጽ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ኣብቲ ኢጣልያ ሓንጺጻቶ ዘላ "ውጥን ሜቴይ" ግን ብዓቢኡ ንወፍሪ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ምኒስትሪ ፋይናንስ ዳይረክተር ዕዳን ወፍርን ዝነበረ ዓወት ግን እቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር፡ ካብ ሓገዝ ሓሊፉ ወፍሪ ከጠቓልል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብሉ ይገልጽ።

"ኤርትራ፡ ተማጒቱ ባጀት ኣበይ ከም ዝውዕል ዝስልዕ ባይቶ የብላን። ንዓበይቲ ወፍርታት ዝግምግም፡ ዝሓርን ዝከታተልን ናይ ወፍራዊ (ካፒታል) ባጀት ከምኡ'ውን ንስርዓተ ደሞዝ፡ ጽገናታት፡ ቀረባትን ሃለኽትን ዝኸውን ወቕታዊ (recurrent) ባጀት የሎን። እቲ ኣካይዳ ምስጢራዊ እዩ፣ እዚ ድማ ንወፍሪ ዓዳሚ ኣይኰነን፡" ይብል።

ብተወሳኺ፡ ኣውፋሪ እታ ሃገር ዝፈረመቶም ዞባዊ፡ ኣህጉራውን ዓለምውን ውዕላት ከም ዝርኢ ዝገልጽ ዓወት፡ "ኤርትራ ብደረጃ ዓለም - ኣባል ንግዲ ዓለም (WTO) ኣይኰነትን። ብኣህጉር - ኣባል ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣህጉር ኣፍሪቃ (AfCFTA) ኣይኰነትን። ኣብቲ ዞባዊ ዝዀነ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ (COMESA) ብንጥፈት ኣይትዋሳእን። ኣውፈርቲ ዝህቦም ዕድላትን ከጋጥሞም ዝኽእል ክርክራት ዝፈትሕሉን እታ ሃገር እንታይ ውዕል ፈሪማ የገድሶም እዩ፡" ክብል የብርህ።

29 ሓምለ 2025፡ ኢጣልያዊ ምኒስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጋዲ ምስ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ ነስረዲን መሓመድሳልሕ 'መዘክር ምርድዳእ' ኣብ ዝተፈራረምሉ

ምንጪ ስእሊ, MOI

መግለጺ ስእሊ, 29 ሓምለ 2025፡ ኢጣልያዊ ምኒስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጋዲ ምስ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ ነስረዲን መሓመድሳልሕ 'መዘክር ምርድዳእ' ኣብ ዝተፈራረምሉ

ፋይናንሳዊ መዋቕር

ኣብ ኤርትራ ክልተ ባንክታት እየን ዘለዋ፤ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ዝዓበየን ብመንግስቲ ዝውነንን ክኸውን ከሎ፡ ባንክ ኣባይቲ ኤርትራ ድማ ብህግደፍ ይውነን። እቲ እንኮ ዕድድግ ባጤራ ዘካይድ ድማ ብህግደፍ ዝውነን ትካል ሸርፊ ሂምቦል እዩ።

ኣብ ትካል ምርምር፡ ውጥንን ቍጠባን ነርወይ ዝሰርሕ ዶ/ር ፍትዊ ወልዳይ፡ ኣብ ኣዋጅ ቍጽሪ 59/1994 ንዋንነትን ምንቅስቓስን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝገልጽ ዓንቀጽ 11፡ "ኣብዚ ግዜ'ዚ ፈጺሙ ኣይስርሓሉ እዩ ዘሎ፡" ይብል'ሞ፡ እቲ ስርዓተ-ባንክ ኤርትራ፡ "60/70 ንድሕሪት እዩ ተመሊሱ፣ ነዚ ከይኣረምካ ወፍሪ ዘይሕሰብ እዩ፡" ክብል ይገልጽ።

ዓወት ብወገኑ፡ "እቲ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘሎ ፖሊሲ ኣየስርሕን እዩ። ኣውፈርቲ መኽሰቦም ከውጽኡዎ እንድሕር ዘይፍቀዶም ኰይኑ፡ በቲ ስርዓት ባንክ ተጠቒሞም ገንዘቦም ከተተሓላልፉ ዘይክእሉ እንተዀይኖም፡ ኣውፈርቲ ክመጽኡኻ ኣይክእሉን እዮም፡" ይብል።

ቀጺሉ፡ "[እቲ መንግስቲ] ገንዘብ ምቕያር ፈጺሙ ኣይፈትዎን እዩ። ምስ መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛ ኰነ ኢትዮጵያ ዘባኣሶም እዚ እዩ። ንዓማዊለን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብናቕፋ የኽፍልኦ፡ ነቲ ናቕፋ ናብ ዶላር ምቕያር ድማ ይኣብዩወን። እቶም ኣውፈርቲ፡ ነቲ ዝረኽቡዎ መኽሰብ ናብ ዓዶም ከውጽኡዎ ክኽእሉ ኣለዎም፡" ይውስኽ።

ዶ/ር ፍትዊ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ኰነ ዝወጽእ ኣቝሑ ብመንግስቲ ዝተገበተ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ነታ ሃገር ዘድሊ ንብረት ከእቱ ኢሉ ዶላር እንተ ሓቲቱዎም ኣይህቡዎን እዮም፡" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ ክልተ እግሩ ማሕለኻ ኣእቲኻ ጕየ ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዛዕባ ወፍሪ ክዝረብ እንተዀይኑ፡ መጀመርታ ብዛዕባ ምእላይ ማሕለኻታት እዩ ክኸውን ዝግባእ፡" ይብል።

ዓወት ድማ፡ "ኣብ ኤርትራ ዋላ እቲ ኣውፋሪ እዩ 5000 ናቕፋ (334 ዶላር) ንወርሒ ከውጽእ ዝፍቀዶ፡" ይምልእ።

"እቲ ዝወስዱዎ ስጕምትታት ድማ ሓሲቦም ዝገብሩዎ እዩ፣ ጠፊኡዎም ኣይኰነን። ሰደድ ከም ዘይገብሩ፡ ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ (FDI) ከም ዘይፈቕዱ ምስ ወሰኑ፡ ነታ ሓንቲ ዘላቶም ሓዋላ [ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ናብ ስድራቤቶም ዝሰዱዎ] ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዙዋ እዮም ወሲኖም። እቲ ዘይመጽኦም ወፍሪ ፈሊጦም ነቲ ገንዘብ ኣሲሮሞ ኣለዉ።"

ኣተሓሕዛ ዓቕሚሰብ ንወፍሪ ዝዕድም ድዩ?

ዝዓበየ ዓያያይ ዓቕሚሰብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝርከብ ይገልጽ እዩ። መንግስቲ ብዛዕባ ወፍሪ ይሓስብ ኣሎ ክንብል እንተዄንና፡ "ናይ ምጥያስ መደባት ከም ዘለዎ ከርኢ ኣለዎ፡" ይብል ዓወት።

"እቶም ኣውፈርቲ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሰርሕ ዓቕሚሰብ ኣይደልዩን እዮም። ምኽንያቱ፡ ጽባሕ ንግሆ ግዱድ ሽቕለት ተጠቒምኩም ተባሂሎም ስሞም ክበላሾን ክኽሰሱን ኣይደልዩን እዮም።"

ሂማን ራይትስ ዎች፡ ንገለ ኤርትራውያን ኣብ ፕሮጀክት ዕዳና ቢሻ - ኩባንያ ነቭሱን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣዘራሪቡ ነቲ ትካል ሕቶ ኣቕሪቡሉ ነይሩ።

እቶም ኤርትራውያን ብመንገዲ እተን ህግደፍ ወይ መንግስቲ ዝውንነት ኩባንያታት ህንጻታት ኣቢሎም፡ ኣብቲ ሕቡራት ሃገራት 'ግልያነት' ኢሉ ዝገለጾ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝሰርሑ ሓቢሮም ነይሮም። 'ብኣስገዳድ ንሰርሕ ነይርና' ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ብ2014 ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባንያ ኣብ ካናዳ ክሲ መስሪቶም ነይሮም።

ኤርትራ ክኢላውን ዓያዪን ዓቕሚሰባ ብብዝሒ ናብ ስደት የምርሕ ከም ዘሎ ዝተፈላለያ ዓለምለኻውያን ትካላት ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ክሳዕ 2024 ልዕሊ 683,000 ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ከም ዝነበሩ ገሊጹ ነይሩ። እቶም ኣብቶም ዝኣተውወን ሃገራት ወረቐት ዝተዋህቡ ኣብዚ ኣሃዝ እዚ ኣይጠቓለሉን እዮም።

"እዛ ሃገር ካብዚ ካብ ኣፍ ናብ ኢድ ቍጠባ ወጺኣ ናብ ቍጠባዊ ስርዓት ክትሰጋገር እንተዀይና፡ እቲ መሰረታዊ ነገራት ክተጣጥሕ ኣለዋ፡" ዝበለ ዶ/ር ፍትዊ፡ ብሕልፊ፡ መንእሰያ ዝስደደሉ ዘይኰነ ናብ ዓዱ ክምለሰሉ ዘኽእል ባይታ ከተጣጥሕ ከም ዘለዋ ይገልጽ።

ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ናበይ ኣበለ፣ ኣውፈርቲ ደቂ ሃገርከ?

ብነሓሰ 2012 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ 2013 ናብ ግብሪ ክሰጋገር እዩ እኳ እንተ ተባህለ፡ ዝሰዓበ ስጕምቲ ግን የሎን

ምንጪ ስእሊ, MOI

መግለጺ ስእሊ, ብነሓሰ 2012 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ 2013 ናብ ግብሪ ክሰጋገር እዩ እኳ እንተ ተባህለ፡ ዝሰዓበ ስጕምቲ ግን የሎን

ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ብመሰረት ኣዋጅ ቍጽሪ 59/1994 ኣብ 2008 እዩ ተመስሪቱ። እንተዀነ፡ ብኽኢላዊ ዓቕሚሰብ ዘይመልአን ዝርአ ግብራ ስራሕ ክዓምም ከም ዘይከኣለን ዓወት መንግስትኣብ ይገልጽ።

"እቲ ማእከል፡ መርበብ ሓበሬታ ከፊቱ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዕድላት ወፍሪ ከላልን ኣብታ ሃገር ምስ ኣተዉ መስርሓት ከቃልለሎምን እዩ ዝግባእ።"

ቀጺሉ፡ "ሓደ ኣውፋሪ ምስ ብዙሓት ኣካላት እዩ ዝራኸብ፤ ፍቓድ ንግዲ፡ መሬትን ኣከባብን፡ ባንክታት ወዘተ። እዚ ማእከል One-stop shop መዝነት ሃልዩዎ፡ ምቹእ ሃዋሁ ክፈጥር ይግባእ። ኣብ ኤርትራ ከተውፍር ግን ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስደልካ፡" ይብል።

ዓወት ቅድሚ ናብ ምኒስትሪ ፋይናንስ ምቕያሩ፡ ኣብ ብዓልመዚ ናጻ ዞባ ኤርትራ እናሰርሐ እንከሎ፡ ብዙሓት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣውፈርቲ፡ "ብቘጸራን ምምልላስን ኣድኪሞም ከም ዝምለሱ፡" ይገብሩዎም ከም ዝነበሩ ይዝክር። "ኣብ መጨረሽታኡ ድማ ህግደፍ ኣብቲ ወፍሪ ብርኪ ክኣትዎም ስለ ዝደሊ ሰላሕ ኢሎም ተመሊሶም፡" ኢሉ።

ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዓዲሙ፡ ካብ 17-18 ነሓሰ 2012 ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ኣካዪዱ ነይሩ። እንተዀነ፡ ብድሕሪኡ ናብ ግብሪ ዝተቐየረ ኣይነበረን።

ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣለዉ፣ "ንደቂ ሃገር ባይታ ከይፈጠርካ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ክመጽኡኒ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ዝበለ ዓወት፡ "ኤርትራዊ ሃገሩ የፍቅር እዩ፣ ክፉት እንተ ገይርካሉ ግዜ ኣይወስድን እዩ። ንባዕሉ ኣብ ድያስፖራ ተጠርዩ ዘሎ ዓቕሚ ቀሊል ኣይኰነን፡" ይብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብስነቝጠባ ተመሪቑ ኣብ ደቡቡ ኣፍሪቃ ብናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ማስተርስ ዝገበረ ዓወት፡ ንሕሉፍ ተመኵሮን ኣካይዳን መንግስቲ ኤርትራ ብምዕዛብን ናይ ምቕያር ዝምባለን ስለ ዘይተመልከተን፡ እዚ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ዝተገብረ ስምምዕ 'ኣብ ሓገዝ' ዝተደረተ'ምበር ግዳማዊ ቀጥታዊ ወፍሪ ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዘይክእል ይገልጽ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ ውዕላትን ተበግሶታት ወፍርን

ኤርትራን ሩስያን፤ ኣብ 29 ጥሪ 2023 ፈደረላዊ መንግስቲ ሩስያን መንግስቲ ኤርትራን ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ፡ ኣብ ጽላታት ዕደና፡ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፡ ሕርሻ፡ ትሕተ-ቕርጺ፡ ምክልኻል፡ ማህደረ-ትምህርትን ወፍሪ ኣብ ኢንዳስትሪን ምትሕግጋዝ ክገብራ ተሰማሚዐን።

ኣብ መወዳእታ፡ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ዓውድታት፡ ንክልቲኡ ወገናት ብዘርብሕ ንምምዕባሉ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ስሩዕ ርክባትን ምምኽኻርን ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ክጅመር ተረዳዲኦም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ብምዃን ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኰይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ንግዲ [ሩስያን ኤርትራን] ቀጥታዊ ርክብ ክህሉ'ውን ከነተባብዕ ኢና። ትካላት ንግዲ ኣብ ማዕድን፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ሕርሻ፡ ዜናን ተክኖሎጂ ሓበሬታን ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምትግባር ተገዳስነት ኣለወን፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ናይ ሎጂስቲክስ ዓቕሚ ወደብን መዓርፎ ነፍርትን ምጽዋዕ ኣዕሚቝና ገምጋም ክንገብረሉ ኢና - ብመንጽር ናይ ምስግጋር ወይ መተሓላለፊ (transit) ተኽእሎኡ ክርአ ከሎ መሳጢ እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ካቢነ ምኒስተራት ሩስያ፡ ብ25 ሰነ 2025 ኮምሽን ምትሕብባር ሩስያን ኤርትራን ንምቛም ኣጽዲቑ። ንምኒስትሪ ቍጠባዊ ምዕባለ ናይታ ሃገር ድማ ነቲ ዕማም ከሳልጥ መዝነት ሂቡዎ ኣሎ።

ብወገን ኤርትራ ንኣተሓሕዛኡ ዝምልከት ዝወጽአ ሓበሬታ የሎን፣ ዝርዝር ናይቲ ዝስዕብ ገምጋም ኰነ ስምምዕ ንህዝቢ ቅሉዕ ኣይኰነን።

ኤርትራን ቻይናን፤ ኤርትራን ቻይናን ንተበግሶ 'ቅናትን መንገዲ' (Belt and Road Initiative) ዝምልከት መዘክር ምርድዳእ ብ25 ሕዳር ኣብ ኣስመራ ከቲመን።

እዚ ቻይና ኣብ 2013 ዘንቀለቶ ጥንታውያን መርበባት ንግድን መሰረተ-ልምዓትን ንምዕባይ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኤርትራ ኣካሉ ክትከውን ምፍራማ፡ ኣብ ምዕባል ኢንዱስትሪኣ ብዝህሉዎ ተራ፡ ኣብ ጽላታት ሕርሻ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ምምዕባል ዓቕሚሰብን ዝኣመሰሉ መዳያት ምትሕብባር ክህሉ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ።

እዚ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተኸተመ መዘክር ምርድዳእ ንህዝቢ ቅሉዕ ስለ ዘይኰነ፡ ዝርዝሩ እንታይ ከም ዝሓዘን ኣበይ ከም ዝበጽሐን ዝፍለጥ የሎን።

ትካል ንግድን ምዕባለን ሕቡራት ሃገራት (UNCTAD) ኤርትራ ካብ መዘክር ምርድዳእ (MOU) ዝሓለፈ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ክልተኣዊ ውዕላት ወፍሪ (BIT) ከም ዝተፈራረመት ይገልጽ።

ኣብ 8 ነሓሰ 2000 ኤርትራን ቐጠርን ክልተኣዊ ወፍሪ እኳ እንተ ፈረማ ኣብ ተግባር ክውዕል ግን ኣይከኣለን። ብተመሳሳሊ፡ ምስ ኡጓንዳ ኣብ 30 ሰነ 2001 ዝተፈራረምኦ'ውን ኣይሰጐመን።

ኣብ 12 ታሕሳስ 2003 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኔዘርላንድስን ዜጋታተን ኣብተን ሃገራት ወፍሪ ክካይዱ ክልተኣዊ ውዕል ወፍሪ ተፈራሪመን። እንተዀነ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

እቲ ሓደ ብመጠኑ ኣብ ተግባር ዝሰገረ፡ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ኤርትራን ብ6 ለካቲት 1996 ዝተፈራረመኦ ናይ ወፍሪ ውዕል እዩ።

ብኻልእ መዳይ፡ ገለ ወፍሪ ክካይዱ ዝደልዩ ትካላት ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ሸፈነ ዝተዋህቦም'ውን ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ብ20 ታሕሳስ ኣካያዲ ናይ ኣርባዕተ ኩባንያታት ህንጻ ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዘራሪቡ ነይሩ። ኣብ 2011 ምስ ኩባንያታት ውሽጢ ሃገር ብምልፋን ኣብ ትሕተ-ቕርጺ ክነጥፉ ዝብል ሓበሬታ ወጺኡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ብ6 ጥሪ 2011 ፕረዚደንት ጕጅለ ኩባንያታት ህንጻ ሻንጋይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ ከውፍር ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጽሉ ነይሩ። እዚ ኩባንያ'ዚ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ደርማስ ኩባንያታት ህንጻ ሓደ እዩ።

እንተዀነ፡ ብድሕሪኡ ንምንታይ ግብራዊ ክኸውን ከም ዘይከኣለ ዝፍለጥ የሎን።

እዚ ኣብዚ ግዜ'ዚ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ዝተገብረ 'መዘክር ምርድዳእ' ነታ ኣብ ኣገዳሲ ጅኦግራፍያዊ ቦታ ተደኲና ዘላን ብዙሕ ተኽእሎታት ምዕባለን ዘለዋ ኤርትራ ስርዓተ-ቍጠባኣ ንምብርባርን ሓድሽ መዋእል ንምፍጣርን ባብ ዝኸፍት ድዩ ወይ ከምቶም ዝሓለፉ 'ውዕላት' ክኸውን እዩ ግዜ ዝምልሶ እዩ።