ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዘቤታዊ ሃንቀውታ ብሓቂ መሊሱዎዶ?

ምንጪ ስእሊ, shabait
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ክፋል፡ "ብቐንዱ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝተኰረ" ዝተባህለ ቃለመሕትቱ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ትንተናኡ ብጉዳይ ሱዳን እዩ ጀሚሩ።
ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዲፕሎማሲ ምስ ኣብ ዞባኣ ዘለዋ ሃገራትን ሃገራት ኤውሮጳን ዘለዋ ዝምድና ኣቢሉ'ውን ዝበዝሕ ንወጻኢ ጉዳያት ዘልዓለሉ ካልኣይ ክፋል ቃለመሕትት፡ ምስ "መደባት ልምዓት" ኣተሓሒዙ፡ ጉዳይ ህንጸት ኣባይቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ትምህርቲ፡ መጓዓዝያን ጽርግያታትን ሃብቲ ዓሳን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ተናኺፉ።
ዘቤታዊ 'ቀዳምነታት'
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዝበዝሕ፡ "ክንገብር ክንክእል ኣለና፡" ብዝብል ቃና ዘቕረቦ ንዅሉ ጽላታት ዝተንከፈ መግለጺኡ፡ ብቐዳምነት ፍርያት ንምዕባይ ዘኽእል ኢሉ ዝገለጾ ሰፊሕ ዝርዝራት ኣቕሪቡ።
እንተዀነ፡ እዚ ዓይነት ኣገላልጻ ብቐጻሊ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተባህለ ብጭቡጥ ውጽኢት ዘርኣየ ፕሮጀክትታት ግን ብንጹር ከቕርብ ኣይተሰምዐን።
ከም ዝፍለጥ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2002 ኣብታ ሃገር ዝተኣወጀ ብ'ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ' ዝፍለጥ መደባት ልምዓት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዕቝድ ዝቐጸሉ ሕርሻዊ ልምዓታት፡ ቃንጫ ሽኮር፡ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ዲጋታት፡ መእለዪ ወሓይዝ ዝኣመሰሉ ሰፊሕ መግለጺታት ዝተዋህበሎም ፕሮጀክትታት፡ ከም ዘይተዓወቱ ዘመላኽት መግለጺ እዩ ሂቡ።
ይዅን'ምበር፡ ብመልክዕ "ፓይለት ፕሮጀክትታት ዝተፈተኑ ኣለዉ፡" ኢሉ።
ሓፈሻዊ ኣቀራርባኡ ብሕጂ ዝቕጽል ዝመስል መደባት'ኳ እንተ ዘርዘረ፡ ብንጹር ዝጅመረሉን ዝፍጸመሉን ሰሌዳ ግዜ'ውን ኣየቐመጠን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ልምዓታዊ መደባት ንዝቐረበትሉ ሕቶ ኣመልኪቱ ዘረባኡ ክድምድም ከሎ፡ "[እቶም ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት ዝተዋህቦም መደባት] ዝርዝራቶም ብግብሪ እናተራእየ ክኸይድ ስለ ዘለዎ፡ እዛ መደብ እዚኣ ኣበይ በጺሓ፡ እንታይ ተገይሩ? ኢልካ ክትሓትት ክትክእል ስለ ዘለካ፡ . . . ዝልካዕ ክኸውን ኣለዎ። ኣብኡ ከሎ ስምዒታዊ መግለጺ ሂብካ ትሓልፎ ዘይኰነ፡ ብኣሃዛት፡ ብዳታ ክትገልጾ፡ ብልክዕ ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ቃለመሕትቱ ቅድሚ ሕጂ ንዘቐመጦ ልምዓታዊ መደባት ኣበይ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ተወዲኦም ኣብ ተጠቃምነት ዝተሰጋገሩ እንተልዮም ብኣሃዝ ኰነ ብዝልካዕ መዳይን ኣይገለጸን። በቶም ጋዜጠኛታት'ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣይሰዓበን።

ምንጪ ስእሊ, MOI
ሃብቲ ዓሳ - 'ዘየቕስን ኣርእስቲ'
ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ቃለመሕትቱ፡ ክሳዕ ሕጂ ዘይተተንከፈ ናይ ባሕሪ ሃብቲ ምዃኑ እዩ ገሊጹ። እዚ ጸጋታት እዚ ኣይማዕበለን ብምባል ድማ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተነ ከም ዘይተዓወተ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተተኺሉ ዝነበረ ትሕተ-ቅርጺ ድማ "መሪቱ" እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መጋቢት 2023 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት እውን፡ ጉዳይ ሃብቲ ዓሳ "ዘየቕስን ኣርእስቲ" ክብል ገሊጽዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ሽዑ፡ "ኣብ መንጎ ባህግን ድሌትን፡ ኣብ መንጎ ክዉንን ተኽእሎን ዘሎ ጋግ ዓቢይ እዩ። እቲ ዕቝር ጸጋ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ ዓመት ካብ 80,000 ክሳብ 120,000 ቶን ዝኸውን ናይ ዓሳ ጸጋ ኣሎና። እዚ ቅሙጥ ሃብቲ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ቀጺሉ፡ "ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ክንደይ ዝኣክል ዓሳ ኣብ ዓመት ክንገፍፍ ክኢልና እንተ ተባሂሉ፡ ልዕሊ 10,000 ቶን ኣብ ዓመት እውን ኣይከውንን እዩ። ይትረፍ ንሰደድ ነቲ ዘቤታዊ ዕዳጋ ዘዕግብ'ውን ክግፈፍ ኣይጸንሐን፡" ኢሉ ነይሩ።
መልዕሎ - ዘይተላዕሎ ጉዳይ
ኣብ ዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ንመልዕሎ ኣተኲሩ ኣብ ዝተዛረቦ፡ "ኣብ ጽርግያታት ተደርብዮም ዝሓድሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ ኣብ ነንበይኑ ጸገማት ዝነብሩ ዘለዉ በተኽን ጽጉማትን ዝበሃሉ ዓመት ዓመት ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡" ኢሉ። እቲ ሽግር ዝፍታሕ ድማ፡ "ገንዘብ እናሃብካ፡ ትካቦ እናሃብካን መግደፍ እናልመድካን፡" ዘይኰነ፡ ገና ብንእሱ እንከሎ፡ "ክፍታሕ ኣለዎ፡" ኢሉ።
ዘረባኡ ብምቕጻል፡ "ውጹዓት ዝበሃሉ - ብኣካል፡ ብኣእምሮ ድኻማት ዘለዎም፡ ዘይሰርሑ ዝበሃሉ ኣብ መልዕሎ ክኣትዉ ክኽእሉ ኣለዎም፡" ኢሉ። እንተዀነ፡ እንትርፎ ምምሕዳራት ሓላፍነት ክወስዱ እዮም ዝበሎ፡ ብኸመይ ኣገባብ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን መቓን ግዜን ኣየቐመጠን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽርግያን መጓዓዝያን
ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጓዓዝያን ጽርግያን ነጻጺልካ ትርእዮ ጉዳይ ከም ዘይኰነ ብምጥቃስ፡ ብቐዳምነት ብቝዕ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክንህብ እንተዄንና፡ እቲ መዓልቲ መዓልቲ እናተቦግለ ዝኸይድ ዘሎ ጽርግያታት ንቕድም ክመሓየሽ ኣለዎ፡ ብምባል ብሰንኪ መጓዓዝያ ዘይምህላዉ ፍርያት ናብ ተጠቃሚ ንኽበጽሕ ዘሎ ጸገማት ዘርዚሩ።
ሕርሻዊ ፍርያት ናብ ተጠቃሚ ንኽበጽሑ ዘሎ ናይ መጓዓዝያ ጸገማትን ዝስዕብ ምብልሻዋትን ብኣብነት ኣሰንዩ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ንሕና ኣብዚ እዋን'ዚ ንኤክስፖርት ከም ኣርእስቲ'ውን ኣይንዘራረበሉን ኢና ዘለና። ፍርያትና ንሰደድ ዝበሃል ኣርእስቲ ይጽንሓልና - ጃህራ ከይከውን ምእንቲ። ፍርያትና ግን ናብ ከተማታትና (ናብ ኣህላኺ) ብቐጥታ ዝበጽሓሉ፡ ብዋጋን ዓይነትን ብልጫ ዝህልዎም ኣገልግሎታት ከነዳሉ ክንክእል ኣለና፡" ኢሉ።
ንዕንወት ትሕተ-ቕርጺ ኣተሓሒዙ ድማ፡ "ካብዚ ንራማ ዘሎ ጽርግያ፡ ካብዚ ንዛላምበሳ ዝኸይድ ጽርግያ፡ ከመይ ኵነታት ከም ዘሎ እቲ ጽርግያ ባዕሉ ክነግር ይኽእል እዩ፡" ክብል ኣብነት ኣቕሪቡ።
ኣብ ርእሲ'ዚ ቅድሚ ሕጂ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወነንቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ተጠቀምትን፡‘ኣውቶቡሳትና፡ ኣድግስ ካብ ምማታ ምጕታታ ኰይነናና ኣለዋ’ ብዝብል መረረኦም ገሊጾም ነይሮም።
ጸገማት ጽርግያ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ እተን ብዙሕ መስመራት ዝሽፍና ዝነበራ ኣውቶቡሳት ብሕቲ፡ ካብ መስመር ክእለያ ስለ ዝተገብረ፡ ነቲ ዝጸንሐ ሕጽረት ከም ዘጋደዶ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ትሕተ-ቕርጺ መጓዓዝያ ምድሪ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ካብ ዝነበሮ ኣዝዩ ብዝተዓጻጸፈ ቍጽርን ዝርግሐን ከም ዝሰፍሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብዙሓት ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ረኺበን ዘይፈልጣ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከባ ገጠራት ከይተረፈ ምስ ከተማታት ክራኸባ ክኢለን እየን።
ይዅን እምበር፡ ብፍላይ ድሕሪ ኮሮና ቫይረስ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብዝጸንሐ ሕጽረት ነዳድን መቀያየሪ ኣቝሑን ሓያሎ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ይዅና ሚኒባሳት ኣብ ከቢድ ጸገም ጸኒሐን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ መስመር ከም ዝወጽኣ ስለ ዝተገብረ ወነንቲ ተሽከርከርቲን ተጠቀምቲን ገሊጾም ነይሮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቃለመሕትቱ፡ ኤርትራ ኣብ ዓለም ትሑት ኢንተርነት ካብ ዘለወን ሃገራት ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ክንሳ ብዛዕባ መራኸቢታት ኣይተዛረበን።
ንዳያስፖራ...
ብዘይካ'ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ደገ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብቲ ተነዲፉ ዘሎ ዝበሎ መዳባት ክሳተፉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ንሱ፡ "ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታትና ዘለዎም ክህሎት (ፖተንሻል) ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ናይ ውሽጢ ልምዓታዊ መደባት ብቐጥታ ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም። ብውልቀ ደረጃ ይዅን ብጕጅለ፣ ብኸባቢታት፡ ብዝነብሩሉ ዘለዉ ዓድታት፡ ምሉእ ሱታፌ ክህልዎም ክኽእል ኣለዎ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
እዚ መደባት ልምዓት ድማ ብቐንዱ ኣመሓደርቲ ዞባታት ሓላፍነት ዝወስድሉ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ድማ፡ "እቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ዘዞባኦም ኣወሃሃድቲን ኣመሓደርትን እንድሕር ኰይኖም ነቲ ብደገ ክሳተፍ ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ምንታይ ከም ዝሳተፍ፡ ብኸመይ ከም ዝሳተፍ፡ ኣብ ወፍሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት መደባት ብሞያውያን ደረጃ ጠሚትካ በብሞያኦም እንታይ እንታይ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣብ ደገ ዝኣከብዎ ኣለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከውፍሩ እንድሕር ደኣ ደልዮም፡ ብኸመይ መንገዲ፡ ኣበየናይ ዞባ እንታይ እንታይ ከውፍሩ ይኽእሉ? ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት ናይ ትምህርቲ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት መደባት ብግቡእ ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ደገ ኣለዉ ኢልና፡ ከም ዜጋታት ኣብ ደገ ከም ዘለዉ ጥራይ ክንሓስብ የብልናን" ክብል ኣፍሊጡ።
ከም ዝፍለጥ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ጽኑዕ ቍጽጽር፡ ምድኻም ብሕታዊ ጽላት፡ መንግስቲን ትካላት ገዛኢ ውድብን ዝበሓትዎ ዋኒታት፡ ንግዲን፡ ሜዳታት ወፍሪን ካልእን ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ወጻኢ ሃገራት፡ ገንዘቦምን ፍልጠቶምን ኣውፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ርሑው ከም ዘይኰነ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብዚ መዳይ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ኣሎ ድዩ ወይስ ኣብ መቓን እቲ መንግስቲ ዘቐመጦ ባይታ ጥራይ እዮም ክዋስኡ ዝድለ ብሕጂ ዝርአ ጉዳይ ክኸውን እዩ።
'ዓዲ ወዓሉ'
ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ኲናት ከም ዘይትደሊ ብምምልካት፡ "ዓዲ ወዓሉ" ዝብል ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት ካልእ ቀዳምነታት ኣለዎ - ክሰርሕ እንተ ደልዩ። ቀዳምነታቱ ገዲፉ ኣብ ዘየድልዮ ኣትዩ ህውከት ዝፈጥረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ኣየድልየካን እዩ፡" ዝበለ ኢሳይያስ፡ "ዲፕሎማሲ ፍሽኽ ፍሽኽ እናበልካ ኣብ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ድግስ ተራኺብካ ሰላም ሰላም ስለ ዝተበሃሃልካ፡ ስእሊ ስለ ዝወሰድካ ኣይኰነን፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ክመጽኡ ከለዉ፡ ኣይፋሉን፣ ኣየድልየካን እዩ ክትብል፡ ኣብኡ ዘድልየካ ዲፕሎማሲ ክትሰርሕ ክትክእል ኣለካ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝቐርብ መገለጺታት ኣመልኪቱ'ውን ደጊሙ፡ "ኤርትራ ከምዚ ትሓስብ ኣላ - ኣየድልየካን እዩ፣ ጠቐነ እዩ። ሓሲኻ ከተጋጊ የብልካን። ጽባሕ ንግሆ ሳዕቤን ምስ መጽአ፡ ንሳዕቤን ከተጋንን የብልካን። ሳዕቤን ከይመጽአ ከሎ ሕጂ ደው ኣብል፡" ክብል ኣጠንቂቑ።
እዚ ብኢትዮጵያ ዝግበር ብስም መስኮት ባሕሪ ዝግበር ዘሎ ሃቐነታት፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይኰነን ኢሉ ዝገልጽ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ "እቲ መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያ ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋራት ካብ ኢማራት ይመጽእ ምህላዉ ካብ ዓይኒ ዝተኸወለ ኣይኰነን፡" ብምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይጉዳዩ የሳሲ ከም ዘሎ ከሲሱ።
እዚ ጉዳይ'ዚ ድማ - ብተርታ - ሃገራት እስራኤል፡ ኢማራት፡ ፈረንሳን፡ ኣመሪካን ዘለውኦ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
እቲ ካልእ ግንባር - ዲፕሎማሲን ሜድያን
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ናይ ረቡዕ ምሸት ቃለመሕትቱ፡ ኣብ መእተዊ ይዅን ሃገሩ ኣብ እትኽተሎ ሜላ ዲፕሎማሲ ኣንዊሑ ዝተዛረበሉ ጉዳይ ሱዳን እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ኣተኲሩ ኣብ መጀመርታ ጥራይ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ የሎን፣ ወራር እዩ ዘሎ፡" ክብል ተሰሚዑ።
እቲ ፕረዚደንት ንታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ፖለቲካ ሱዳን ካብ 1956 ግዜ ናጽነት ኣትሒዙ፡ ብተኸታተሊ ንዝመጽኡ መራሕቲ እታ ሃገርን ዝተኸተልዎ ፖለቲካን ዘርዚሩ። ኣብዚ ድማ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቅድሚ ምምጽኡ ነቲ ብኤርትራ ዝቐረበ "በሪ-ኣማን" ዝብሎ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተደጋጋሚ ዘልዓሎ ሰነድ ጠቒሱ።
እቲ ኣብ 1989 ስልጣን ዝሓዘ እስላማዊ ስርዓት ሱዳን፡ ብህዝባዊ ምልዕዓል ድሕሪ ምውዳቑ፡ "ኤርትራ ኣብቲ ናይ ምስግጋር መድረኽ ሕድሪ ክስከም ዝኽእል ሰራዊት'ዩ፡" ዝብል ርእይቶኣ ብጽሑፍ ከም ዘቕረበት ብምግላጽ፡ ናይ ደገ ሓይልታት ነቲ ጸገማት ብምምዝማዝ፡ ነቲ መስርሕ ምስግጋር ከም ዝዘረግዎ ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ምትእትታውን ውዲታትን ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ዝኸስስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ሱዳን ቀዲሙ ግዳይ ስለ ዝዀነ እምበር ንበይኑ ኣይኰነን፡" ብምባል፡ "ኣብቲ ጉዳይ ኣበርክቶ ክንገብር ዝገደደና ምኽንያት፡" ንዅላትና ዝምልከት ስለ ዝዀነ እዩ'ውን ኢሉ።
ኢሳይያስ ኣብ ዝርዝራቱ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ምትእትታው ብምጥቃስ፡ ሱዳን ግዳይ ናይ ብደገ ናይ ዝመጽኡ ሓይልታት እያ ኰይና፡ "ኲናት ሓድሕድ ክልተ ጀነራላት ዘይኰነስ፡ ወራር ናይ ደገ ሓይልታት እዩ፡" ብምባል ብቐንዱ ንኢማራት ብትሪ ክወቅስ ኣምስዩ።
እዚ፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ምሕማስ ነታ ቅድም፡ "ብግዜ ሸኽ ዛይድ ዝፈልጣ ኢማራት" ዝገልጽ ኣይኰነን ብምባል፡ "ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ሸኽ ዛይድ ዓቢይ ታሪኽ ዝነበራ ሃገር ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕንደራ ክትወድቕ ዘሕዝን እዩ፡" ኢሉ።
ኢማራት፡ ብዅሉ ሃገራት እቲ ከባቢ፡ ብሊብያ፡ ብጫድ፡ ብኢትዮጵያ፡ ብማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃ፡ ብደቡብ ሱዳን ኣቢላ ትገብሮ ዘላ ተግባራት፡ "ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኰነን፡" ወሲኹ ገሊጹ።
በዚ መስመራት ኣቢላ ድማ ኣጽዋራትን ድሮናታን ተቐብል ከም ዘላ ጠቒሱ።
ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኵለን ጐረባብቲ ሃገራት ምስ ሓዲኦም ወጊነን ኢደን የእትዋ ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኤርትራ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን ከም እትድግፍ እዩ ዝፍለጥ።
ነዚ ኣመልኪቱ ግን እቲ ፕረዚደንት ዝተዛረቦ ነገር የሎን።

ምንጪ ስእሊ, MOI
ምስ ጉዳይ ምትእትታው ኢማራት ኣብቲ ዞባ ኣመልኪቱ ድማ፡ ብስም ክሊማ፡ "ኣብዚ ከባቢና ዘለዋ መንግስታት ካብ ኢማራት ዝወሰድኦ ቢልዮናት ዶላራት መወዳእታ የብሉን፡" ብምባል፡ ኢማራት ንዅሉ ወደባት እዚ ከባቢ ብምቍጽጻር፡ ብስም ምምዕባል ወደባት፡ ናይ ወደባት ኢምብራጦርያ ትጽዕር ምህላዋ ድሕሪ ምውቃስ፡ "እዚ ኣብ ሱዳን ዘሎ ድማ መቐጸልታ እዩ፡" ኢሉ።
ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ሃገሩ ብብቕዓት ከም ዘይተሰርሓሉ ዝኣመተ እቲ ፕረዚደንት፡ "እቲ ሓፈሻዊ መርሓ ጐደና ግን ኣሎ፡" ኢሉ።
ኣገዳስነት ዲፕሎማስን ጽምዶ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ኣስሚሩ ክዛረብ ዘምሰየ ፕረዚደንት፡ ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ርብዒ ዘመን ብሰንኪ እትኽተሎ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ ባዕላውን ዓለምለኻውን ተነጽሎ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ምስ ኵለን ጐረባብታ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምሉእ ብምሉእ ብምብታኽ ናብ ረጽሚ ክትኣቱ ተራእያ እያ። ሕጂ'ውን እንተዀነ ምስ ጅቡቲ ዝዀነ ይዅን ርክብ የብላን።
ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢጋድን ምውጽኣ'ውን ንዲፕሎማስያዊ ረብሓታታ ዘረጋግጽ ከም ዘይነበረ'ዮም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ዝነበሩ ተንተንቲ ዝገልጹ። ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ክልቲኡ ውድባት ተመሊሳ እኳ እንተ ሃለወት ተሳትፎኣ ግን ዝሕቱል እዩ።
ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ሃገሩ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዓበይቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኢሉ ዝጠቐሰን ግብጺን ስዑዲ ዓረብን ዝግብአን ኣበርክቶ ክገብራ ከም ዝግባእ ብምምልካት፡ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ኢጣልያ ክግበር ዝጸንሐ ዝምድና፡ ኣብዚ ቀረባ ውዕላት ናብ ምፍርራም ከም ዝበጽሐ ጠቒሱ።
ኣተሓሒዙ፡ "ጥልያን ኣብዚ ዞባና እንታይ ክትገብር ትኽእል? እተን ካልኦት ዝዘርጋ ዘለዋ ከም ፈረንሳ፡ እስራኤል ብቐረባ ክንዛረበን ኣይንኽእልን ንኸውን። ኣብ መወዳእታ ግን ነቶም ካልኦት ከስምዑ ዝኽእሉ'ውን ዓገብ በሉዎም፡ ይጽይቑ ኣለዉ፡ ኣብ ዘየድልዮም ጉዳያት ኣትዮም ኣለዉ፡" ብምባል ብሕልፊ ንእስራኤልን ፈረንሳን ብትሪ ከሲሱ።
ዜናዊ መኸተ፡ "ካብ ናይ ዲፕሎማሲ ሓይሊ ዝያዳ ኣብቲ ናይ ዜናዊ ሓይሊ እንተ ሰራሕና ዝበለጸ'ዩ፡" ክብል ዝተሰምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ዜናን ማሕበራዊ ሚድያን ኣካል ዲፕሎማሲን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን" ምዃኑ ጠቒሱ፡ "ዜናውን ሓበሬታውን ግንባር ምሕያል የድሊ፡" ኢሉ።
ንመንግስቲ ኤርትራን ኣካይዳኡን ዝድግፉ ሓያለ ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







