ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?

ካኪ ዝተከደነን ባንዴራ ኣብ የማናይ ጎኒ ዝገበረን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቃለመሕትት እናገበረ

ምንጪ ስእሊ, MOI ERITREA

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 12 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ህሉው ዓለማውን ዞባውን ምዕባለታት ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ቃለመሕትት ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ተመሳሳሊ ቃለመሕትት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ናይ ሽዑ ንኽልተ ሰዓት ዝቐጸለ መደብ፡ ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኵነታት፣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈተነ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፣ ኣብዚ ሓድሽ ምልሶት ትራምፕ ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ "ጽምዶ" ምስ ዋሽንግተን፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ ነይሩ።

ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ እቲ ፕረዚደንት ኣፉ ኣብ ዝኸፍተሉ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከምኡ'ውን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ኣብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘተኰረ፡ ንህጹጽን መሰረታዊ ጠለባቱን ዝምልስ ጭቡጥ ፍታሕን ተስፋን ዝህብ፡ ሓበሬታ፡ ውሳነ ወይ ስጕምቲ ክሰምዕ እዩ ዘቋምት።

ሕጂ'ውን ሕቶታት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝተፈላለየ ጸገማት ዝሳቐ ዘሎ ይዅን ኣብ ደገ ኣብ ስደት ኰይኑ፡ ለውጥታት ክርኢ ዝብህግ ህዝቢ ኤርትራ ግቡእ መልሲ ይረከብ ዶ ይኸውን? ዋላ እቶም ቀንዲ ሃገራዊ ውሽጣዊ ጉዳያት ተጐስዮም ይሕለፉ ይዀኑ? ኤርትራውያን እንታይ እዮም ካብቲ ንልዕሊ 33 ዓመት ዝመርሖም ፕረዚደንት ዝጽበዩ?

ክቱር ድኽነት፡ ስእነት መግቢን ሽቕለት ኣልቦነትን

ኣስመራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኰይና፡ ኵነታት መነባብሮ ህዝባ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት እናንቈልቆል'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ቈልዑ ኤርትራ፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ጥራይ እቲ ዝተሓተ ደረጃ ምልኣተ መግቢ ከምዝረኽቡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ብሰንኪ ደርቂ፡ ብኩራት ቀንዲ ጠወርትን ኣለይትን፡ ከምኡ'ውን ናህሪ ዋጋታት ኣብ ገጠር ዝነበር ህዝቢ ብድኽነት ይሳቐ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ'ውን እንተኾነ ካብቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ሕሰም መነባብሮ ናጻ ክወጽእ ኣይክኣለን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዘሎ ዘይንቡር ትርኢት ንባዕሉ ንኵነታት ነበርቲ እታ ከተማ ብንጹር ዘርኢ ምዃኑ ናብታ ሃገር በጺሖም ዝተመልሱ ዜጋታት ከገልጽዎ ዝጸንሐ'ዩ።

ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ቈልዑ ሒዘን ዝልምና ኣደታት ካብ ዓይኒ በጻሕቲን ነበርቲን ዝተሰወረ ኣይኰነን።

ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስደትን ዝተረፈ ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕድላት ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ሽቕለት ኣልቦነት እናገነነ ይኸይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ጐደናታት ደቂሶም ዝሓድሩ ቈልዑ'ውን ሓደ ካብቲ ኣሰካፊ ምስልታት ህይወት ኣስመራ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ዝበልዕዎ መግቢ ንምምእራር ኣብ ፈቐዶ ውራያት ዝቕልቀሉ፣ ናብ ልመና ዝወደቑ ዜጋታት እታ ሃገር'ውን ይውስኹ ምህላዎም'ዩ ዝንገር።

እታ ልዕሊ 1300 ኪሜ ዝንውሓቱ ገማግምን ዘይተበርበረ ሃብቲ ዓሳን ዝሓቘፈ ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ንናይ ባዕላ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ እንተኾነ ብዝግባእ ክትጥቀመሉ ዘይምኽኣላ ንብዙሓት ዜጋታትን ወጻእተኛታት ዘደንጹ'ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ዘቤታዊ ተጠቃምነት ሃብቲ ዓሳ ዘጋጠመ ፍሽለት ካብ ምእማን ሓሊፉ ጭቡጥ ፖሊሲታት ይዅን ተበግሶታት ክወስድ ኣይተራእየን።

"ብሓጺር ኣዘራርባ ደማሚርና እንተርኢናዮ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት ካብቲ ኣሎ ዝበሃል ጸጋ ዓሰርተ ሚእታዊት እውን ክንምዝምዝ ኣይከኣልናን" ክብል ኣብ 2013 ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2011 እውን፡ "ሎሚ ጥምየት የለን፡ ዓሚ ጥምየት ኣይነበረን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ'ውን ጥምየት የለን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ ትምየት የለን" ክብል ዝኣተዎ ተስፋ ብሰንኪ ፖሊሲ መንግስቲ፡ ደርቅን ካልእ ረቛሒታትን በኒኑ ተሪፉ ክብሃል ይክኣል።

እቲ እንኮ ንቝጠባ እታ ሃገር ዝሕኑኽ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝስደድ ገንዘብ'ዩ። እዚ'ውን ብሓደ ወገን ትሑት ሸርፊን ልዑል መጠን ክፍሊትን፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኵሉ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ካብ ደገ ደገፍ ዝረክብ ስለዘይኮነ ንሕሰም መነባብሮ እታ ሃገር ንበይኑ ክፈትሖ ከምዘይክኣለ ርዱእ'ዩ።

ኣብ 2021 ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብመዐቀኒ ሰብኣዊ ምዕባለ (HDI) 0.492 ዘለዋ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ካብ 191 ሃገራትን ግዝኣታትን መበል 176 ሰሪዑዋ ነይሩ።

ኣብ ጎደና ዝሽቕጡ ዘለው ቆልዑት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና

ቅልውላው ኣገልግሎት ጥዕና'ውን ኣብታ ሃገር ዋጋ የኽፍል ከምዘሎ'ዮም ጸብጻባት ዝገልጹ።

እቲ እናንቈልቈለ ክመጽእ ዝጸንሐ ኵነታት ጥዕና ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ብምብጽሑ፡ ሓካይም "ኣቑሑት የብልናን፡ መድሃኒት የብልናን፡ ቦታ የብልናን እናበሉ ገለ ህጹጽ መብጣሕቲ ከይተረፈ ንነዊሕ ግዜ ቈጸራ ከምትሕዝ ክገብሩ" ከምዝተገደዱ ገለ ይዝረብ።

ተስፋ ዝቘረጹ፡ ወይ'ውን ልዕሊ ዓቕሚ ምስ እዋናዊ ምዕባለታት ክስጕም ዘይከኣለ ትካላት ጥዕና'ቲ ሃገር ዝዀነ ሕማማት ዘለዎምን ሕክምና ዘድልዮምን ዜጋታት ብደገፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣዝማድ ናብ ጐረባብቲ ከይዶም ክሕከሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኲናት ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሐ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝግበር ዝነበረ ሓጺርን ስሉጥን በራራ ድሕሪ ምስራዙን ኤርትራውያን ኣርሒቘም ብምጋሽ ብልዑል ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ከምዝጽዕሩ'ውን ይንገር። እዚ ግን እቶም መውጽኢ ቪዛ ዝፍቀደሎም ጥራይ ዝረኽብዎ ዕድል'ዩ።

ዕጫ ናይቶም ከምኡ ዝበለ ዕድል ዘይብሎም ግን ኣደዳ ስቓይን ሞትን ዝዀኑሉ ኵነታት ንቡር ኰይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘሎ ህዝቢ ክቱር ስእነት ግቡእ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ይግለጽ። ስሉጥ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ይዅን ኣምቡላንሳት ከምዘየለን፡ ናብተን ኣብ ከተማታት ዝርከባ ዓበይቲ ሆስፒታላት ምስ በጽሑ'ውን እኹላት ሓካይም ወይ መድሃኒታት ከምዘየለ ይንገሮም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንውልቃዊ ሕክምና ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ዝግበር ጐስጓስ ንውሱናት ሰባት ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ ዘላቒ መፍትሒ ክኸውን ዘይሕሰብ'ዩ

ኣብ ገለ ቦታታት'ውን ከቢድ ሕጽረት መደንዘዚ የጋጥም ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብታ ሃገር ቀንዲ ጠንቂ ሞት ዝዀኑ ሕማማት፡ ወቕዒ (ልዕሊ 87 ሚእታዊት)፡ ታሕተዋይ ስርዓተ-ምስትንፋስ (86 ሚእታዊት)፡ ሕማም ልቢን ውጽኣትን ዝርከብዎም ምዃኖም ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም 2021 ይጠቅስ።

ኣብ 2013 ኤርትራ ኣብ መጠን ሞት ኣደታትን ህጻናትን ዝርከብዎም ዕላማታት ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ተዓዊታ ምንባራ ይዝከር። እዚ ገስጋስ እዚ ሎሚ ኣብ ምንታይ ኵነታት ምህላዉ ግን ብንጹር ዝፍለጥ ኣይኰነን።

ኤርትራ፡ ኣብ ወፍሪ ክታበት ተዛማዲ ለውጢ ኣምጺኣ ተባሂላ ግን ትንኣድ እያ።

ሰንፈላል ዝተረፈ ጉዳይ ህንጸት ኣባይትን መሬትን

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ይዅና ዝማዕበላ ሃገራት ሓደ ካብቶም ሰፋሕቲ ናይ ሽቕለት ዕድላት ዝፈጥሩን ቍጠባ ሃገር ዘንቀሳቕሱን ዓውዲታት ህንጻ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ግን ህንጻ ካብ ዝግደብን፡ መሰረታውያን ቀረባት ብመቚነን ምዕዳል ካብ ዝጅመርን ዳርጋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ ብዙሓት ዜጋታት ኣባይቲ ከይሰርሑ ተዓንቂጾም፣ ዝኽፈተሉ መዓልቲ ክርእዩ ኣብ ዘየቋርጽ ትጽቢት ይርከቡ። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ገዛ ወይ ንመስርሒ ቤት ዝኸውን መሬት ንምርካብ ዓሰርተታት ወይ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ክሳብ ሎሚ ዝጽበዩ ከምዘለዉ ገለ ዜጋታት ይዛረቡ።

ብኡ መጠን ክፍጠር ዝኽእል ዝነበሮ ናይ ስራሕ ዕድላት ተዓጽዩ፡ መነባብሮ ብዙሓት ተሃስዩ ይርከብ።

እቲ ዝርካቡ ክካየድ ዝጸንሐ ፕሮጀክትታት ህንጻ ብሰራዊት፡ ኩባንያታት ህግደፍን መንግስትን ዝተባሕተ'ዩ።

በዘን ኣብቲ ሃገር ዝንቀሳቐሳ ናይ መንግስትን ህግደፍን ኩባንያታት ህንጻ ክስራሕ ዝተወጠነ ፕሮጀክትታት ኣባይቲ ገሊኡ ተቛሪጹ ገለ ድማ ንዓመታት ተጓቲቱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2013 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ሃገራዊ ናይ ኣባይቲ ናይ ልምዓት መደብ" ከምዝነበረን፡ ኵለን ትካላት ህንጻ መንግስቲ ኣብ ምዕራባዊ፡ ማእከልን ምብራቓውን "ናይ ልምዓት ዞባታት" ተጠርኒፈን ነቲ "ስትራተጂያዊ" ዝበሎ ምህናጽ ኣባይቲ ክጅምራ ምዃነንን ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈተነ "ፓይለት ፕሮጀክት" እውን ከይተዓወተ ተሪፉ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ "ልምዓታዊ መደባት ሃገር" ክሳተፉ ዝጸንሑ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ሰራዊት ዝዀኑ ወተሃደራት ብደሞዝ ድዩ ኣብ ምህናጽ ኣባይቲ ክሳተፉ ወይ ናጻ ጉልበትን ክእለትን ከበርክቱ ኣይተገልጸን።

ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ኣዋጅ መሬት'ውን (ምስ ጸገማቱ) ነቲ ኵነታት ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩሉ ይርከብ። ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ምዕዳል መሬት ጤሳ ከይተረፈ ደው ኢሉ ከምዘሎ'ዩ ዝንገር።

በጻሕቲ ከምዝብልዎ፡ ዝተፈሓሓረ ጽርግያታት ኣስመራን ይዅን ካልኦት ከተማታት፡ ከምኡ'ውን ነዋሕቲ መስመራት ጽርግያ መርኣያ እናዓነወ ዝኸይድ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ እታ ሃገር'ውን ብዙሕ ሰብ ዘማርረሉ'ዩ።

ብዓቢኡ'ውን እቲ ዳርጋ ኣብ ወረቐት ጥራይ ተሰኒዱ ተሪፉ ዝብሃል ፖሊሲ መሬት'ውን ምስ ህንጻ ኣባይቲ፡ ጤሳን ሕርሻን ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ኣብ ግብሪ ብስሩዕ ዝውዕለሉ ኵነታት ክንጸር ጠለብ ብዙሓት ኤርትራውያን እዩ።

ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ሎም ምሸት ፍታሕ ይረክብዶ ይኸውን? ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝምልሾ ሕቶ'ዩ።

ዝበዀረ ጉዳይ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ናጽነታትን መሰላትን

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ካልእ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ቃለመሕትቱ ፈጺሙ ከይተንከፎ ዝሓለፈ ጉዳይ፡ ፖለቲካዊ ጽገናን ምህናጽ ደሞክራስያውያን ትካላትን'ዩ።

እዚ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብዘይ ዝዀነ ሃገራዊ ምርጫ ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ብዘይ ተሓታትነት'ዩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ።

ካብ ፈለማ 2002 ጀሚሩ ነቲ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ዝቘመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይ ውግዓዊ ኣገባብ ኣፍሪስዎ።

እቲ ባይቶ ርእሱ ክኢሉ ብምንቅስቓስ ነቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል ክቈጻጸርን ተሓታትነት ከረጋግጽን'ኳ እንተነበሮ፡ እቲ ባዕሉ ኣቦመንበሩ ብምንባሩ ካብ ፈለማኡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከምዝኣቱ ገይሩዎ'ዩ፡ ኣባላት ባይቶ'ውን ዝባረኹሉ ነይሩ።

ካቢነ ምኒስተራት'ውን ዕጫ ሃገራዊ ባይቶ በጺሕዎ፡ ከም ትካል ካብ ዝጠፍእ ዓመታት ኣቚጺሩ'ሎ።

ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም "ከይትኣወጀ ሞይቱ" ኣብ 2014 ክንደፍ'ዩ ዝተባህለ ካልእ ቅዋም'ውን ቃላት ኰይኑ ሓፊፉ ተሪፉ።

"ካብቲ ዝገርም ንዝሓለፈ 33 ዓመታት ከም ግዝያዊ [መሰጋገሪ] መንግስቲ ኰይኑ'ዩ ዝመርሕ ዘሎ" ብምባል ምስ ስርዓት ደርግ ብምንጽጻር'ዩ ተንታኒ ፖለቲካ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብደራሕማን ሰይድ (ቦሓሽም) ዝገልጾ።

ተሓታትነት ኣብ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኵነታት በይኑ ከም ውልቀመላኺ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት፡ ዓመት መጸ ብዘይጭበጥን ብዘይትግበርን መብጽዓታት ንህዝቢ ክጥብር ዕድል ከምዝረኸበ'ዩ ኣቡሃሽም ዘረድእ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ድሕሪ 34 ዓመት ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣብታ ሃገር ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክህነጽ ከፈቅድ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ካልእ'ውን፡ እቲ ርትዓዊ ፍትሒ ከረጋግጽ ዝነበሮ ፍርዳዊ ኣካል ለሚሱ፡ ኣሽሓት ሰባት ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ዝእሰሩላን ዝስወሩላን ሃገር ኰይና ትርከብ።

ኣብ 2025 ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ ኵነታት ሰባዊ መሰላት እታ ሃገር ከምዘይተመሓየሸ የመልክት። ሰበስልጣን ኤርትራ ግን ሓቅነት ከምዘይብሉ'ዮም ክምጕቱ ዝፍትኑ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስተኣስሩ ጉዳዮም ከይተራእየ ኣብ ቀይዲ ይበልዩ ከምዘለዉ ይንገር። ሓደ ካብዚኦም ድማ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶ'ዩ።

ከም ሳዕቤኑ፡ እሱራት ንምፍታሕ ብላዕ ተቐቢሎም ዝሃብተሙን ቤተሰብ ዘከላብቱን ሓላፍቲ "ድላዮም ዝገብሩላ ሃገር ኰይና" ከምዘላ'ዮም ገለ ኣባላት ስድራኦም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ዝዛረቡ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተሓለቕቲ መሰላት፡ ሰብመዚ ጸጥታ ቅትለትን ስቅያትን ዝርከብዎም ገበናት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝፈጸሙ ይኸሱ።

ዓብዱራሕማን፡ "ብዛዕባ ኣህጉራዊ ፍትሒ ብዙሕ'ዩ ዝዛረብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ግን ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕግን ፍትሕን ክትዛረብ እንተዄንካ ዘቤታዊ ናይ ፍትሒ ኵነታትካ ጥዕና ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ" ብምባል መግለጺን ፖሊሲን እቲ ፕረዚደንት ንሓድሕዱ ከምዘይቃዶ ይምጕት።

"እቲ ቀንዲ ንሱ ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ህዝቢ ኤርትራ'ውን ዝደልዮን ዝጽበዮን ሓደ፡ ሕቶ ናይ ፍትሒ'ዩ።

ዘይውዳእ ስደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዘይውዳእ ኣገልግሎትን ምንጋር ስውኣትን

ሃገራዊ ኣገልግሎት

ምንጪ ስእሊ, MOI/twitter

ካልእ ንመንእሰያት ኤርትራ ጠንቂ ስደትን ድኽነትን ኰይኑ ዘሎ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ኣብ 1994 ዝጀመረ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ካብቲ ዝተመደበሉ 18 ኣዋርሕ ናብ ገደብ-ኣልቦ ካብ ዝሰጋገር ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ሓሊፍዎ'ሎ።

እቲ ካብ 1998 ጀሚሩ ብሰንኪ ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ከምዝተናውሐ ብሰብመዚ ዝግለጽ ዝነበረ ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ሰላም'ውን እንተዀነ ክቕየር ኣይተራእየን።

ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝረኸበ ይርከበና ብምባል ሓደገኛ ዶባት፡ ምድረበዳታትን ባሕርታትን ብምስጋር ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም።

ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደን ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ህወሓት እናተዋግኡ ህይወቶም ዝሰኣኑ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታትቶምን መስዋእቶምን ብወግዒ ንስድራቤታቶም ኣይተነግረን።

ደቀን፡ ወላዲአን፡ ሰብኡተን ዝሰኣና ስድራቤታት፡ ቈልዑን ኣደታትን ድማ ወትሩ ሓደኡ ክንገረን ብቓንዛ ተሰንየን መርድእ ይጽበያ ከምዘለዋ ይንገር።

እዚ ከይኣክል'ውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ መቓልሕ ኲናት ይስማዕ ብምህላዉ ተወሳኺ ህይወት ከይክፈል ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ተሸቚሪሮም ኣለዉ።

ብዘይካ'ዚ እዚ ንቀንዲ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ብዘይ ኣድማዒ ፍረ ዘባኽን ዘሎ ፖሊሲ፡ ጠንቂ ድኽነት ስድራቤታትን፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣደታት ዓቢ ጸቕጢ ዝፈጥርን ኰይኑ'ሎ።

'ከም ተንታኒ ፖለቲካ ዝቐርብ መራሒ'

ኤርትራውያን ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠልብዎን ዝጽበይዎን ነገራት እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, MOI

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንፍሽለት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ብወግዒ ክእመን ጸኒሑ'ዩ።

እንተዀነ፡ ነቲ ውድቀት ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ምስካም ናብ ካልኦት ብምስግጋር ከምሰቡ ከማርር'ዩ ዝስማዕ።

ካብኡ ሓሊፉ'ውን ንብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ምሉእ ብምሉእ ብምጉሳይን ንውሱናት ብምትንካፍን ዝበዝሐ ግዚኡ ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራትን ዓበይቲ ዓለማዊ ጉዳያትን ንምትንታን'ዩ ዘጥፍኦ ተባሂሉ'ዩ ዝንቀፍ።

ኣቡሃሽም ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ሓሓንሳብ ተንታኒ ፖለቲካ ኰይኑ'ዩ ዝቐርብ ኣብ ክንዲ ፕረዚደንት ሓንቲ ሃገር ዝኸውን" ይብል።

"ኣብ ምንትንታን ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ንፉዕ'ዩ ዝመስል፣ ግን ከም ሓደ ፕረዚደንት ዝጽበዮ ጉዳያት ከኣ ኣሎ" ብምባል ጠለባት ህዝቢ ክሰምዕ ከምዘለዎ ይዛረብ።