ትራምፕ፡ ኢራን ንእማመ ምቍራጽ ኲናት ኣመሪካ ዝሃበቶ ምላሽ 'ፍጹም ተቐባልነት የብሉን' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ እማመ ምቍራጽ ኲናት ንዝሃበቶ ምላሽ "ፍጹም ተቐባልነት የብሉን" ክብል ነጺግዎ።
ማዕከን ዜና ኢራን ታስኒም፡ ቴህራን ብመንገዲ እታ ከም መንጐኛ ክልቲአን ሃገራት ኰይና ክትጽዕር ዝጸንሐት ፓኪስታን ዝልኣኸቶ እማመ፡ እቲ ኲናት ኣብ ኵሉ ግንባራት ብቕጽበት ደው ክብል፡ እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ደው ክብልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ውሕስነት ምሃብን ዘጠቓለለ ምዃኑ ገሊጹ።
ዋላ'ኳ ሓሓሊፉ ምልውዋጥ ተዅሲ እንተ ሃለወ፡ እቲ ኣብ ለካቲት ብኣመሪካን እስራኤልን ዝተጀመረ ኲናት ንምቍራጽ ዝርርብ ንምምችቻእ ዝዓለመ ተዅሲ ደው ምባል ተገይሩ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትራምፕ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ቀልጢፉ ክውዳእ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ግን፡ ቅድሚ እቲ ኣንጻር ኢራን ዝካየድ ኲናት ምዝመሙ፡ ኢራን ዝኣከበቶ ዝማዕበለ ዩራንየም "ክወጽእ" ኣለዎ ኢሉ።
ናታንያሁ ምስ 60 ደቓይቕ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ሕጂ'ውን ክፈርሱ ዘለዎም መማዕበሊ ቦታታት ኣለዉ፡" ኢሉ።
ብሰንበት ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዘሽክያን ንእማመ ቴህራን ብቐጥታ ከይጠቐሰ፡ "ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ፈጺምና ርእስና ኣይነድንን፤ ብዛዕባ ዘተ ወይ ድርድር ምልዓል ድማ ኢድካ ምሃብ ወይ ንድሕሪት ምምላስ ማለት ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ካብቶም 'ወከልቲ' ኢራን ዝበሃሉ ዝረኸብክዎ መልሲ ኣንቢበዮ ኣለኹ። ኣይፈተኽዎን፤ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን፡" ክብል ጽሒፉ።
ማዕከን ዜና ኣመሪካ ኣክሲዮስ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ 14 ነጥብታት ዝሓዘ ብዓል ሓደ ገጽ ሰነድ ስምምዕ ኣመሪካ፡ ምቍራጽ ምምዕባል ንዩክለር ኢራን፡ ምልዓል እገዳ፡ ከምኡ'ውን ናጻ ምትሕልላፍ መስመር መጻብቦ ሆርሙዝ ናብ ንቡር ምምላስ ዝኣመሰሉ ድንጋገታት ዘጠቓልል እዩ።
ክልተ ሰበስልጣን ኣመሪካን ካልኦት ክልተ ምንጭታትን - ኵሎም ስሞም ዘይተጠቕሰ - ብዛዕባ እቶም ጉዳያት ሓበሬታ ሂቦም ኣለዉ። እዞም ምንጭታት፡ ሓያሎ ኣብቲ ሰነድ ካብ ዝተቐመጡ ውዕላት ኣብ መወዳእታ ንዝብጻሕ ስምምዕ መወከሲ ከም ዝዀኑ ገሊጾም።
ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጋት ቀጺላቶ ኣላ - እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ክውስኽ ገይሩ'ሎ።
ኣመሪካ ብወገና፡ ንወደባት ኢራን ብምዕጻው ቴህራን ክትሰማማዕ ጸቕጢ ክትገብር ጸኒሓ ኣላ፤ እዚ ስጕምቲ ድማ ንኢራን ኣቘጢዕዋ ይርከብ።
ሓይልታት እስራኤልን ኣመሪካን ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር ከፊቶም። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ድማ ተዅሲ ደዉ ምባል ተገይሩ።
ናታንያሁ ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል እትህቦ ፋይናንሳዊ ደገፍ "ናብ ባዶ ክወርድ እደሊ፡" ኢሉ።
"ኣብ ዓመት 3.8 ቢልዮን ዶላር ንረክብ። ካብቲ ዝተረፈ ወተሃደራዊ ደገፍ ድማ ንነብስና ከነናግፍ ግዜኡ ዝኣኸለ ይመስለኒ።"
ወሲኹ ድማ "ሕጂ ጀሚርና፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ንወድኣዮ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኢራን ጐረባብታ ተሓባበርቲ እገዳ ኣመሪካ ከይዀና ኣጠንቂቓ እያ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ-ቓል መሓመድ ኣክራሚኒያ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ፡ መጀመርታ ምስ ቴህራን እንተ ዘይተሓባቢረን "ከቢድ ሳዕቤን" ከም ዘጋጥመን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ኢርና ሓቢሩ።
ኣክራሚኒያ፡ ኣመሪካውያን "ነዚ ኣብ ሰሜናዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘሎ ሰፊሕ ከበቢ፡ ብመርከባቶም ብምሽፋን ናብ ሓቀኛ እገዳ ክቕይርዎ ፈጺሞም ኣይክእሉን እዮም፡" ኢሉ።
ቴህራን ኣብቲ ብ28 ለካቲት ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝጀመረ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መስመር ማይ - መብዛሕትኡ ግዜ ኣስታት ሓሙሽተ ኢድ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለም ዝሓልፈሉ - ረጊጣ ብምሓዝ ተቘጻጺራቶ ትርከብ።
በቲ መጻብቦ ክሰግራ ዝፍትና መራኽብ ድማ ኣጠንቂቓ - ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ኣጥቂዓ።
ኣመሪካ ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ ርኡይ ወተሃደራዊ ህላወ ዘለዋ ኰይኑ፡ ኣብ ቀጠር፡ ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብን ዖማንን ወተሃደራት መዓስከራት ኣለዋ።
ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ፡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ መርከብ ውግእ ይልእኽ ከም ዘሎን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝካየድ መራኽብ ንምሕላው ኣብ ዝግበር ኣህጉራዊ ተልእኾ ክጽንበር ከም ዝኽእልን ብሰንበት ተገሊጹ።
ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብምዃን ነቲ ተልእኾ መራኽብ ዝሕለቕ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ እዚ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ውግእ ምስ ተዛዘመ ጥራይ ከም ዝካየድ ገሊጹ።
ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ ኢራን ብሰንበት ኣብቲ መጻብቦ ንዝግበር ዝዀነ ይዅን ምውፋር ፈረንሳ ወይ እንግሊዝ "ወሳኒን ቅልጡፍን ምላሽ፡" ክትህብ ምዃና ኣጠንቂቓ።
ማክሮን፡ ፈረንሳ "ምስ ኢራን ዝተዋደደ" ናይ ጸጥታ ተልእኾ እምበር፡ ምውፋር ሓይሊ ባሕሪ "ሓሲባ ኣይትፈልጥን" ኢሉ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መሓዙት ሃገራት ኣመሪካ እውን ሕነ ከም ዝፈደየት ይፍለጥ።
ኣህጉራዊ መስመራት መራኽብ ዝከታተል ማእከል ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ (UKMTO) - ኣብ ቀጠር ካብ ዶሓ ኣስታት 43 ኪ.ሜ ርሒቑ ሓንቲ መርከብ ጽዕነት "ብዘይተፈልጠ ፕሮጀክትላይት ከም ዝተሃርመት" ብምግላጽ ንእሽቶ ባርዕ ከም ዘስዓበ ግን ከኣ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይወረደ ገሊጹ።
ድሒሩ ማዕከን ዜና ፋርስ ኢራን፡ መንነቱ ዘይተፈልጠ ምንጪ ብምጥቃስ፡ እታ መርከብ "ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ኣመሪካ ክትጓዓዝ ከም ዝጸንሐትን ናይ ኣመሪካ ምዃናን፡" ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ብሰንበት ኩዌት ድሮናት ናብ ክሊ ኣየራ ከም ዝኣተዋን ወተሃደራዊ ሓይሊ "ምስኦም ከም ዝተራኸበን" ገሊጻ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኢማራት ዓረብ፡ ምክልኻል ኣየራ ካብ ኢራን ዝመጽኣ ክልተ ድሮናት ከም ዝዓገተ ገሊጻ።
ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጽኡ ምኒስተራት ምክልኻል ሎሚ ሰኑይ ብሪጣንያ ኣብ እትመርሖ መደባት ምክልኻል መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክዘራረቡ እዮም።
ጆን ሂሊን ፈረንሳዊት መዘንኡ ካትሪን ቫውትሪንን ነቲ ኣኼባ ብሓባር ክመርሕዎ እዮም፤ ኣብዚ ኣኼባ እቶም መሻርኽቲ እቲ ተጻብኦታት ምስ ተቛረጸ ብኸመይ ንምንቅስቓስ ባሕሪ ክሕልዉ ከም ዝኽእሉ ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር።
ትራምፕ ብ6 ግንቦት ኣብ ትሩት ሶሻል ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኢራን ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሓ፡ "መጥቃዕቲ ክጅምር'ዩ፤ እቲ ዘሕዝን ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ክኸዉን'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


