ኤርትራን ኢጣልያን ዝተፈራረማኦ ውዕል እንታይ እዩ?

ኤርትራን ኢጣልያን ዓበይቲ ውዕላት ፈሪመን

ምንጪ ስእሊ, Shabait

መግለጺ ስእሊ, እቲ ውዕል ብኣቶ ነስረዲን መሓመድ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ኢጣልያ ሚስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ ተፈሪሙ።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጂያ መሎኒን ንዝተገብረ ዘተ መሰረት ብምግባር፡ ኤርትራን ኢጣልያን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብምኒስተር ሕርሻን መግብን ኢጣልያ ሚስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ሰሉስ 29 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ረኺቡ ከም ዘዛራረበ እውን ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ዕደና፡ መሰረተ ልምዓት፡ ማኑፋክቸሪን፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህልን ስፖርትን፡ ምምዕባል ሰብኣዊ ርእሰማል፡ ቍጠባዊ ምትሕብባርን ፋይናንስን ዘተኰረ ኰይኑ፡ ብኣቶ ነስረዲን መሓመድ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ኢጣልያ ሚስተር ኤድሞንዶ ሲሪየሊ ተፈሪሙ፡ ክብል ሻባይት ወሲኹ ሓቢሩ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ ኣጋጣሚ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ፡ ኣብ ጥሪ-ለካቲት 2024 ኣብ ሮማ ከም ዝተመያየጡ ዝዝከር ኰይኑ፡ ቀዳማይቲ ምኒስተር ሜሎኒ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕድላት ንምድህሳስ ዘማኽሩን ዝከታተለሉን ሰባት ከም ዝመዘዘትን ተሓቢሩ ነይሩ።

ንሳ፡ ንወፍሪ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ብቐረባ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ቀንዲ ኣማኻሪኣ ምሻማ እውን ኣፍሊጣ እያ።

ኣብ 28-29ን ጥሪ 2024፡ ኣብ ከተማ ሮማ፡ ኣብ ጸዓት፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ትሕተ-ቕርጽን፡ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዝዝቲ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣሰንዮምዎ ዝኸዱ ሰበስልጣንን፡ ንመዓልታት ኣብታ ሃገር ብምጽናሕ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ከም ዝተራኸቡ ኣይርሳዕን።

ነዚ ናይ ሕጂ ስምምዓት ኣመልኪቱ ምኒስተር ፍራንቸስኮ ንማዕከን ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምዕባለ፡ ኣብ ኣስመራን ሮማን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምዕባይ ኣብ ዝተገብረ ጻዕርታት፡ "ዝጭበጥ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ዘንጸባርቕ፡" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ሰነ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደ ላዕለዋይ ምኒስተር ንግድን ሃገራዊ ፍርያት ኢጣልያን ኣዶልፎ ኡርሶ እውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት 10 ምኒስተራትን ከም ዝተመያየጠ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ ናይ ሽዑ ርክብ፡ እቲ ምኒስተር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ቀጥታዊ ርክባት ኣየር" ዝርከቦም "ፕሮጀክትታት ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ንምትግባር ዘለዎም ውጥን፡" ከም ዘቕረቡ ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ብዛዕባ'ቲ ውጥን በረራ ዝርዝር ሓበሬታ ይዅን ትግባረ ዛጊት ዝተገልጸ የሎን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጂያ መሎኒን

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebermsekel

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጂያ መሎኒን ኣብ 2024 ኣብ ሮማ ተራኺቦም ነይሮም።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ሃገሩ ምስ ኢጣልያ ዘለዋ ዝምድና ጽቡቕ ምዃኑ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ንዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት መንግስቲ ኤርትራ ኣመልኪቱ እቲ ፕረዚደንት፡ "ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ኢጣልያ ክግበር ዝጸንሐ ዝምድና፡ ኣብዚ ቀረባ ውዕላት ናብ ምፍርራም" ከም ዝበጽሐ ጠቒሱ ነይሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ፡ እቲ ብሰሉስ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ልኡኽ ኢጣልያን ዝተገብረ ዝርርብ፡ ንዞባዊ ሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ዝምልከት ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።

ኣቶ ኢሳይያስ መግለጺኡ፡ ንተራን ጽልዋን ኢጣልያ ኣብቲ ዞባ እውን ኣመልኪቱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሽዑ፡ "ጥልያን ኣብዚ ዞባና እንታይ ክትገብር ትኽእል?" ኢሉ ዝተዛረበ ኢሳይያስ፡ ፈረንሳን እስራኤል ብፍላይ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ዝዘርግ ኣሉታዊ ምትእትታዋት ይገብራ ከም ዘለዋ ብምኽሳስ፡ "ንሕና ብቐረባ ክንዛረበን ኣይንኽእልን ንኸውን፣ ኣብ መወዳእታ ግን ነቶም ካልኦት ከስምዑ ዝኽእሉ'ውን ዓገብ በሉዎም፡ ይጽይቑ ኣለዉ፡ ኣብ ዘየድልዮም ጉዳያት ኣትዮም ኣለዉ፡" ከም ዝብሉ ግን ገሊጹ እዩ።

ኤርትራ ምስታ ቅድም ገዛኢታ ዝነበረት ኢጣልያ፡ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ክብን ለጠቕን ክረኣዮ ከም ዝጸንሐ እዩ ዝግለጽ።

ብ12 ሓምለ 2018፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢጣልያ ነበር ጁሰፐ ኮንተ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘካየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ 'ምሕዳስ ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን' ኣብ ኣገዳሲ እዋን፡ ፍሉይነት ከም ዘለዎ ገሊጾም ነይሮም።

ከም ዝፍለጥ፡ ብ9 ሓምለ 2018፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝነበረ ኵነተ-ኲናት መኸተምታ ዝገበረ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዘርሓወን ዝተባህለሉ "ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ሃዋሁ፡ ኢጣልያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ዘተባብዕ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።