ዲፕሎማሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ካበይ ናበይ?

ምንጪ ስእሊ, Italian Government
ኣብ ዝሓለፈ፡ 28-29ን ጥሪ፡ ኣብ ከተማ ሮማ፡ ኣብ ጸዓት፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ትሕተ-ቅርጽን፡ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዝዝቲ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ተኻይዱ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሓያሎ መራሕቲ ኣፍሪቃ ተረኺቡ ነይሩ። ዋዕላ ምስተዛዘመ ከኣ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ልምዓትን ወፍርን ተዘራሪቡ።
ኣብ እዋን ድሕረ-መግዛእቲ፡ ከም ፈረንሳን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገዛእቲ ዝነበራ፡ ነተን ዝገዝአአን ዝነበራ ሃገራት፡ ብዝተፈለላየ መደባት ልምዓት ክድግፈአንን ይፍትና፤ ክርሕቃ'ውን ኣይደልያን እየን። በዚ ከኣ ፍሉይ ዝምድና የማዕብላ።
ኤርትራን ኢጣልያን ግን ከምኡ ዓይነት ታሪኽ ኣለወንዶ? እንተዘይብለን ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ? መንግስቲ ኤርትራ ስለዘይደለየ ድዩ ወይስ መንግስቲ ኢጣልያ ስለዘይተገደሰ?
ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኤርትራውያን ምሁራት ኣዘራሪቡ ዘወሃሃዶ ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግዛእታዊ ውዕላት
ኤርትራ፡ ከም ኵለን እተን ብመግዛእታዊ ውዑል ዝተመስረታ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብ1890 ብኢጣልያዊ መግዛእቲ ከም ሃገር ቈይማ። ኢጣልያ ብ1941፡ ብሓይልታት ኪዳን ተሳዒራ ክሳብ ትወጽእ፡ ን51 ዓመታት ኣብ ትሕቲኣ ጸኒሓ።
እቲ ንሊብያ፡ ንገለ ክፋል ሶማልያን ኤርትራን ጥራይ ዝገዝአ መንግስቲ ጥልያን፡ ንኤርትራ ከም መንጠሪ ባይታ ምስፍሕፋሕ ግዝኣቱ ስለዝጠመታን ኣብተን ዝጸንሓለን ዓመታት፡ ከም ወደባትን መገዲ ባቡርን ድልድላትን ጽርግያታትን ቴለፈሪካን (ናይ ገመድ መጓዓዓዚ ባጐኒታት) ዝኣመሰሉ ሓያሎ ትሕተ-ቕርጽን ዘበናዊ ሕርሻን ፋብሪካታትን ከምዝተኸለን ብዙሓት ከተማታት ከምዝሃነጸን ከም ዘማዕበለን ፕሮፌሰር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ ይገልጽ።
“ጥልያን ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዜጋታቱ ከስፍር ስለዝመደበ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፡ ኣስመራ፡ ምጽዋዕ፡ ዓሰብ፡ ከረን፡ ደቀምሓረ፡ ኣቑርደት ወዘተ፡ ስሉጥ ማሕበራዊ መሳለጥያታትን ኣገልግሎታትን ከፊቱ፡ ፋብሪካን ሕርሻን ኣማዕቢሉ’ዩ” ይብል።
እንተዀነ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም 1941፡ ንኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዝሰዓረ እንግሊዝ፡ ነቲ ንብረት ናብ ፈቐድኡ ሸይጡዎ። ኣብ 1952 ንኤርትራ ብፈደረሽን ዝተረከባ ስርዓት ሃይለስላሰ እውን፡ ብዘይእውጅ መገዲ ንቍጠባዊ ዕብየት ከምዝገትአ እዩ ዝንገር። እተን ዝርካበን ሓድግታት ቍጠባ መግዛእቲ ጥልያን ከኣ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ከምእተዳኸማ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን፡ ዳይረክተር ኢንዱስትሪያዊ ልምዓትን ምትብባዕን ዝነበረ ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1961-1991፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዓመጽ ንዝተላሕቀት ሃገሩ ናጻ ከውጽእ ኣብ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ፡ ዝተፈላለያ ገስገስቲ ውድባት ኢጣልያ ነቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ በደል ንምኽሓስ ነቲ ቅኑዕ ሃገራዊ ቃልሲ ብዝከኣለን ከምዝደገፋኦ፡ ካብ መፋርቕ 1974 ኣትሒዙ ኣብ ኢጣልያ ከም ንጡፍ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ኰይኑ ክሳብ ነጻነት ብምሉእ ግዜኡ ዝተንቀሳቐሰ ኣቶ ደስበለ መሓሪ ይገልጽ።
“ካብ በዓል ፊረንሰን ዞባ ሎምባርዲያን ብዙሓት ሓካይም ንሜዳ እናኸዱ፡ ዝተፈለላየ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይህቡን፡ ከቢድ መውጋእቲ ንዝነበሮም ተጋደልቲ ንኢጣልያ ኣምጺኦም የሐክሙን ነይሮም እዮም” ክብል ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝነበረ ዝምድናታት ይገልጽ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፡ ብ1991 ብብረት፡ ኣብ 1993 ብድምጺ ህዝቢ (ረፈረንደም) 99.98%፡ ኤርትራ ናጽነታ ምስ ኣወጀት መንግስቲ ጥልያን ካብቶም ቀዳሞት ኣፍልጦ ዝሃቡ ምዃኖም ኣቶ ደስበለ መሓሪ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ብድሕሪኡ’ኸ እቲ ዝምድናታት ብኸመይ ቀጺሉ?
እተን ኣብ ኤርትራ ተተይ ክብላ ዝነበራ ፋብሪካታት ሓድጊ ኢጣልያ፡ እቲ ዘድልየን ኬሚካላትን መቀያየሪ ኣቝሑ ካብ ኢጣልያ እየን ዘምጽኣ ነይረን። ናይ ገለአን ፋብሪካታት ፍርያት፡ ከም መስርሑ ዘይወደአ ምህርቲ ቆርበት ዝኣመሰለ ከኣ ናብ ኢጣልያ ይለኣኽ ብምንባሩ ምስ ጥልያን ቊጠባዊ ምትእስሳር ከምዝነበረ ሓላፊ ንግድ ነበር ኣቶ ሰንጋል ወልደንሰአ ይሕብር።
ኣብ ርእሲኡ እውን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ባህላዊ ንግድ ጸኒሑ ነይሩ። ኣብ ኢጣልያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክኣትው እንከለው ብኮንተይነራት ከይተረፈ ዝተፈለላየ ኣቝሑ ጽዒኖም ይኣትው ነይሮም። እቲ ናይ ውልቀ ሰባት ምንቅስቓስ ክድመር እንከሎ ብዙሕ’ዩ ነይሩ። ግን ጥልያን ኣይደፍኡሉን ይብል።
“ ይዅን እምበር ድሕሪ ነጻነት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ስዑዲ፡ ሓድሽ ዕዳጋታት ስለዝማዕበለ፡ ብሸነኽ ኤርትራ ኮነ ኢጣልያ ነቲ ዝነበረ ንግዳዊ ምትእስሳር ናይ ምዕባይ ዝንባለ ኣይተራእየን” ይብል ሰንጋል።
ሓደ ነገር ግን ይጠቅስ፡ ኣብ 1994 መንግስቲ ኢጣልያ ሓያሎ ኣውፈርቲ ሒዙ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ነይሩ። እቲ ጕጅለ ኣውፈርቲ ኣብ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ካልእ ዝተፈላለየ ቍጠባዊ ጽላት ተገዳስነት ነይርዎ። እቲ ገሊኡ፡ ንኣብነት ንምትካል ፋብሪካ ሰሜንቶ ብዝምልከት ሰንጋል ባዕሉ ዝተዋስኣሉ ነዊሕ ዝሰጐመ ፕሮጀክት ኣብ ኣጋ ምፍጻሙ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንጥልያን ንሊብያ ክወሃብ ስለዝወሰነ ከምዝበኾረን እቲ ዝምድና ከምዝዛሕተለን ይዛረብ።
“ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ምስ ናይ ቀረባ መሳርሕተይ ተጋዳላይ ንጉሰ ኪሻ ምስ ሳቺ ዝተባህለ ካምፓኒ ክንዝቲ ክልተ ግዜ ንዓዲ ጥልያን ተመላሊሰ። እቲ ፕሮጀክት ናይ ዓለማዊ ባንክ ደገፍ (ሳብሲደሪ) ዝነበሮ ኰይኑ፡ ንውሽጣዊ ቀረባት መጊቡ ንወጻኢ ንሰደድ ዝበቅዕ ዓቕሚ ዘለዎ፡ ናይ ግዳም ዕዳጋ ዘጣጥሐ ተወዳደሪ ፋብሪካ ንምትካል እዩ ነይሩ። ግን ፕረዚደንት ባዕሉ ንሊብያ ሃቡዎም ስለዝበለ ዳሕራይ ቻይና ተሓዊሳቶ እቲ ወፍሪ ተሓማሚሱ ተሪፉ” ይብል ሰንጋል።
ኣብ ኤርትራ፡ ሓያሎ እዋን፡ ‘ብኸመይ ኢና ኣውፈርቲ ክንዕድም እንኽእል’ ዝብል ኵለን እተን ኣብ ወፍሪ እጃም ዘለወን ትካላት መንግስቲ ዝተሳተፈኦ ዋዕላታት ተኻይዱ ነይሩ።
“ኣብ 1995 ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን፡ ቤት ምኽሪ ንግድን (ቻምበር ኦፍ ኮመርስ) ብምትሕብባር፡ እቲ ኣብ 1994 ዝጸደቐ ማክሮ ፖሊሲ ንናይ ወጻእን ውሽጥን ኣውፈርትን ንግድን ዘተባብዕ ድዩ ዝብል ገምጋምን ምምኽኻርን ተኻይዱ ነይሩ” ይብል ኣቶ ሰንጋል ወልደንስአ።
ኣብ 1999 እውን ንዕኡ ዝመሳሰል ብሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝተበገሰ፡ ሓያሎ መሻርኽትን ብሕታዊ ክፋልን ዝተሳተፈኦ፡ ከም ሚኒስትሪ መሬትን ማይን፡ ጉምሩክን ቀረጽን፡ ቤት ጽሕፈት ዋኒን (ላይሰንስ) ሚኒስትሪ ዓቕሚ ሰብን ልምዓትን ካልኦት ዝተሳተፍዎ ዓውደ መጽናዕትን ኮንፈርሳትን ተኻይዶም ነይሮም። ኵሉ እቲ ወፍሪ ንምትብባዕ ዝተኻየደ ተበግሶታት እዩ ነይሩ።
እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ብዘይካ እዘን ኣብ ዕደና ወርቅን ፖታሽን ዝሳተፋ ዘለዋ ኩባንያታት ቻይና ካልእ ብዙሕ ዝጥቀሳ ናይ ግዳም ወፍርታት ከምዘይስማዕ ፕሮፌሰር መንግስተኣብ ይገልጽ።
ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ሚኒስተራትን፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ዓበይቲ ናይ ወፍሪ ዕድላት ከምዘሎ ሓቢሩዎም። እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ከኣ ንወፍሪ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ቀንዲ ኣማኻሪኣ ከምዝሸመት ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, Italian Government
ኣብዚ እዋን’ዚ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ መፋርቕ 90ታት ዝነበሮ ዝተፈልየ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ደስበለ መሓሪ እቲ ዝርካቡ ትካላት መንግስቲ ከምእተዳኸመ፡ ሃገራዊ ባይቶ ይዅን ካቢነ ሚኒስተራት፡ ዋላ እውን ፈጻሚ ኣካል ህግደፍ እውን ተኣኪቡ ከምዘይፈልጥ ይሕብር።
“ግዜን ተመኵሮን መምህር ስለዝዀነ፡ ካብ ዝሓለፈ ኵነታት ትምህርቲ ተወሲዱ እቲ ሕጂ ዝንገር ዘሎ ተኽእሎታት ወፍሪ ብዝለዓሉ ክስረሓሉ ተስፋ እገብር” ይብል ኣቶ ደስበለ።
ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዕድላት ወፍሪ ምስ ሚኒስተር ባህሊ ኢጣልያ ጀናሮ ሳንጁሊያኖ ብምርኻብ፡ ንሰነዳት መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ቤተ መዘክር ኣብ ኣስመራ ብምኽፋት፡ ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ስነ ጥንታዊ ኩዕታ ንምክያድ ናይ ሓባር ኮሚቴ ንምቛም ዝተዘራረቡሉ ሓሳብ ግብራዊ ክኸውን ከምዝትስፎ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







