ቬነዝዌላ፡ ንፕረዚደንት ማዱሮ ንምሓዝ 150 ነፈርቲ ውግእ ዘሳተፈ ምስጢራዊ ስርሒት

ማዱሮ ኣብ መርከብ ዩኤስኤስ ኣዮዋ ጂማ ብመቑሕ ተኣሲሩ፡ መከላኸሊ እዝኒን መሸፈኒ ዓይንን ለቢሱ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, @realDonaldTrump

መግለጺ ስእሊ, ማዱሮ ኣብ መርከብ ዩኤስኤስ ኣዮዋ ጂማ ብመቝሕ ተኣሲሩ፡ መከላኸሊ እዝኒን መሸፈኒ ዓይንን ለቢሱ ይርአ

ፕረዚደንት ቬነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ብኣመሪካ ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ሓደ ሰሙን ገይሩ ኣሎ።

ሕጂ ድማ ንማዱሮ ንምሓዝ ዝተኻየደ ድራማዊ ወፍሪ ዝርዝራቱን ኣብ ዙርያ እቲ ስርሒት ዝነበረ ስለያዊ ሓበሬታ እናነጸረ ይመጽእ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ገለ ዝርዝራት ሕጂወ'ውን ገና ንጹር ኣይኰነን።

እቲ ስለያ

እቲ ተልእኾ ኣዋርሕ ዝወሰደ ውጥንን ስለያዊ ሓበሬታ ምእካብን ዝጠለበ ነይሩ።

ኣብ ነሓሰ ሲኣይኤ ስለያ ኣመሪካ፡ ጕጅለ ሕቡኣት መኮንናት ናብ ቬነዝዌላ ከምዝሰደደ ይእመን።

ኣመሪካ ኣብ ቬነዝዌላ ኤምባሲ ስለዘይብላ፡ እቲ ጕጅለ ዲፕሎማስያዊ ሽፋን ክጥቀም ኣይከኣለን። ስለዚ ኣብ ስለያ ዓለም ኣብ "ዝተኸልከለ ከባቢ" ኰይኑ ክሰርሕ ተገዲዱ።

"ዝተኸልከለ ከባቢ" ኣብ ውሽጢ ተጻባኢ ሃዋሁ ዝፍጸም ወተሃደራዊ ስጕምትታት የመልክት። ብኸምዚ ኵነታት፡ ዒላማታቱ ንምልላይ ክሕግዙ ዝኽእሉ ይምልምል ነይሩ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ብዛዕባ ሃለዋት ማዱሮ ዝርዝር ስለያዊ ሓበሬታ ክህብ ዝኸኣለ ሓደ ፍሉይ ምንጪ ከምዘለዎም ገሊጾም እዮም፤ እዚ ድማ ነቲ ስርሒት ወሳኒ እዩ ነይሩ።

መንነት ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ምንጭታት ብንቡር ሚስጥራዊ እዩ፤ እንተዀነ ማዱሮ መዓስ፡ ኣበይ ከም ዝኸውን ዝፈልጥ ብፍላይ ምስኡ ዝቐርብን ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬሉ ዝርከብን ተኽእሎ ዘለዎ "መንግስታዊ" ምንጪ ምዃኑ ቀልጢፉ ተረጋጊጹ።

እዚ ድማ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዘጋጠሞምን ጽዑቕ ግምታት ክቐርብ ገይሩ ኣሎ። መንነቱ ግን ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኣይተገልጸን።

ኵሉ እቲ ብሰባት ዝተኣከበ ስለያዊሓበሬታ፡ ምስ ከም ካርታን ሳተላይት ምስልን ዝኣመሰሉ ቴክኒካዊ ስለያታት ተተሓሒዙ ነቲ ስርሒት ንምውጣን "ሕውስዋስ ንድፊ" ኰይኑ ኣገልጊሉ።

እቲ ተልእኾ

ስፍሓት፡ ቅልጣፈን ዓወትን እቲ ስርሒት ተራእዩ ኣይፈልጥን።

"ከምኡ ዓይነት ብዙሕ ግዜ ኣይፍጸምን'ዩ" ይብል ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሓላፊ ስርሒታት ሲኣይኤ ነበርን ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ምውጣን ተልእኾታት ዝሰርሐን ዴቪድ ፊዝጀራልድ።

"ነቲ ስርሒት ዝድርኾ ወተሃደራዊ ሜላታት ዘይኰነስ፡ እቲ ስለያ'ዩ።"

ኣብቲ ተልእኾ ኣስታት 150 ነፈርቲ ዝተሳተፋ ኰይነን፡ ሄሊኮፕተራት ናብ ቀጽሪ ማዱሮ ንምብጻሕ ካብቲ መሬት ኣስታት ኣብ ሚእቲ ጫማ ይነፍራ ነይረን።

ኣብ ልዕሊ ካራካስ ዝነፍራ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራት ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ካራካስ ዝነፍራ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተራት ኣመሪካ

ሕጂ'ውን እንተዀነ ገና ገለ ምስጢራት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣመሪካ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ኣብ ካራካስ ከመይ ጌራ መብራህቲ ከተጥፍእ ክኢላ ዝብል እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "መብራህቲ ካራካስ ብዓቢኡ ብሰንኪ እቲ ዘለና ዝተወሰነ ክእለት ጠፊኡ - ጸልማትን ሓደገኛን ነይሩ" ኢሉ።

ሳይበር ኮማንድ ኣመሪካ ኣብቲ ስርሒት ብዝነበሮ ተራ ብጋህዲ ተመስጊኑ እዩ።

እዚ ድማ ወተሃደራዊ ሰርሰርቲ ኣመሪካ ኣቐዲሞም ኣብ ውሽጢ መርበባት ቬነዝዌላ ኣትዮም ነቲ መስመር መብራህቲ ኣብቲ ህሞት ከምዘጥፍእዎ ግምታት ኣስዒቡ'ሎ፤ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ሕጂ'ውን ድሩት እዩ።

ጸረ ነፈርቲ ቻይናን ሩስያን እውን ንከይሕግዙ፡ ኣመሪካ ኣብ ኣየር እንታይ ዓይነት ስርዓታት ምዕጋት ወይ ኤሌክትሮኒካዊ ኲናት ቴክኖሎጂ ከምዘዋፈረት ግምታት ክቐርብ ገይሩ እዩ። ሳተላይት ዘመሓድር እዚ ህዋ ኣመሪካ'ውን እቶም ፍሉያት ሓይልታት ከይተራእዩ ዝኣትዉሉ "መንገዲ" ብምፍጣሩ ተመስጊኑ'ዩ።

ካብ ራዳር ክሕባኣ ዝኽእላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እውን ከምዝተዋፈራ ይሕሰብ። ዝርዝር ዓቕምታተን ምስጢር ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፣ እንተዀነ ተጻባእቲ ኣመሪካ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምብዳህን ንምርዳእን ዝከኣሎም ክገብሩ እዮም።

እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ኮምፕሌክስ ቬንዙዌላ ዝኾነ ፉርተ ቲዩና ከም ኣካል ናይቲ ስርሒት ብመጥቃዕቲ ዓንዩ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, CBS

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ትካል ቬንዙዌላ ዝኾነ ፉርተ ቲዩና ከም ኣካል ናይቲ ስርሒት ብመጥቃዕቲ ዓንዩ

እቲ ውግእ

እቶም ዝተሓላለኹ ስርሒታት ዝወጠኑ ሰባት፡ ኵሉ ነገር ብመሰረት መደብ ምኻዱ ዘገርም ምዃኑ ይዛረቡ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይፍጸም ነገር እዩ።

ሓንቲ ሄሊኮፕተር ተሃሪማ ግን ከምኡ ኰይና እውን ክትበርር ክኢላ እያ፤ ዝሞተ ኣባል ሓይሊ ኣመሪካ ድማ የለን።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ፉርተ ቲዩና ዝተበሃለ ቀጽሪ ማዱሮ ዝተኻየደ ውግእ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ገና ውሑድ እዩ።

ኩባ፡ 32 ዜጋታታ ብሓይልታት ኣመሪካ ከምዝተቐትሉ ገሊጻ ኣላ። እዚኦም ዜጋታት ኩባ ንማዱሮ ንምክልኻል ዝተዳለዉ ሓለውቲ እዮም። ኩባ ሓለውቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ጸጥታ ደገፍ እውን ክትህብ ጸኒሓ እያ።

"ኣብ ቀረባ ዙርያ ማዱሮ፡ ምናልባት ዜሮ መኮንናት ጸጥታ ቬነዝዌላ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ፣ ኣብቲ ደጋዊ ዙርያ ድማ ምናልባት ካብ ክልቲኦም ዝተሓዋወሰ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ፊዝጀራልድ።

ኣብ ምክልኻል ክሳብ ክንድዚ ምፍሻሎም ድማ ገለ ባእታታት ናይቲ ስርዓት፡ ነቲ ተልእኾ ብገለ መንገዲ ኣመቻቺኦምዎ ድዮም ዝብል ሕቶታት ክለዓል ገይሩ ኣሎ።

ሓይልታት ኣመሪካ እውን፡ ማዱሮ ናብ ብሓጺን ዝተሰርሐ ውሑስ ክፍሊ ክኣቱ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከርክብዎ ክኢሎም እዮም።

ኣድላዪ እንተዀይኑ ግን ነቲ ማዕጾ ንምፍንጃር ድሉዋት ዝኾኑ ነተጕቲ ነይርዎም።

እቲ ውጥን

ሲኣይኤ ቅድሚ እቲ ስርሒት፡ ማዱሮ እንተተኣልዩ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ምስጢራዊ ገምጋም ኣካይዱ።

ብመሰረት ጸብጻባት፡ እቶም ተንተንቲ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ብምምርማር፡ ምስ ባእታታት ናይቲ ዝጸንሐ ስርዓት ምስራሕ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ተቓወምቲ ስልጣን ንኽሕዙ ካብ ምፍታን፡ ዝያዳ ዕድል ምርግጋእ ተሰማሚዖም።

እዚ ድማ ኣመሪካ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ደልሲ ሮድሪገዝ ክትሰርሕ ኣለዋ ዝብል ኣረኣእያ ንምድልዳል ሓጊዙ።

ቅድሚ እቲ ስርሒት፡ ምስ ባእታታት ስርዓት ማዱሮ፡ ሰባት ምስ ዝተፈላለየ እንታይ ዓይነት መርገጺ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ንምዝታይ፡ ምስጢራዊ ርክባት ከምዝተኻየ ይግመት።

ብሓፈሻ ዝርዝር ናይቲ ተልእኾ ምስጢራዊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ንምንታይ ከምዝተፈጸመ፡ ስለምንታይ ከምዝተዓወተን ከምኡ'ውን ቀጻሊ እቲ ውጥን እንታይ ምዃኑን ንምፍላጥ ገና ብዙሕ ሓበሬታ ከድሊ እዩ።