ድሕሪ ቬነዝወላ፡ ቀጻሊ ዒላማ ትራምፕ ዝዀና ሃገራት ኣየኖት ይዀና?

ፕረዚደንት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልኣይ እብረ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ልዑል ህርፋን ብዝርኣዮ ፖሊሲ ወጻኢ ይቕረጽ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ቬንዝወላ ንዝተፈጸመ ምፍርራሕ ተኸቲሉ፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገርን በዓልቲ ቤቱን ካብቲ ብብዝሒ ዕርድታት ዘለዎ ቀጽሪ ካራካስ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝተኻየደ ድራማዊ ስርሒት ከም ዝተሓዝ ገይሩ'ሎ።

እቲ ስርሒት፡ ነቲ ብ1823 ዝነበረ "ዶክትሪን ሞንሮ" ብምቕያር "ዶክትሪን ዶንሪ" ክኸውን ገይሩ'ዩ ክብሃል ይክኣል።

ዶክትሪን ሞንሮ 1823 ብፕረዚደንት ጀምስ ሞንሮ ዝቐረበ እማመ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኰይኑ፡ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ንመጻኢ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ከም ዝተቓልዐ ዝገልጽ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ሓደስቲ ናጻ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ምትእትታው ከይገብሩ ዘጠንቅቕ ነይሩ።

ፕረዚደንት ቬነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ብቐዳም ክተሓዝ ምኽኣሉ፡ ትራምፕ ድልየቱ ንምፍጻም ዘለዎ ብቕዓትን ተወፋይነትን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ዘርኣየሉ ፍጻመ እዩ።

ንሱ ብዘሕለፎ ትእዛዝ ኣመሪካ ንማዱሮ ኣብ ቀይዲ ኣእትያቶላ፣ ንቬነዝወላ'ውን "ክትመርሓ" ከም እትኽእል ኣአንፊቱ።

እዚ ስጕምቲ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፤ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣንጻር ካልኦት ሃገራት'ውን መጠንቀቕታታት ክህብ ተሰሚዑ ኣሎ።

ግሪንላንድ

ኣመሪካ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ - መደበር ህዋ ፒቱፊክ ይብሃል- ትራምፕ ግን ምሉእ ደሴት እዩ ዝደሊ።

"ግሪንላንድ ብዓይኒ ሃገራዊ ድሕነት ተድልየና'ያ፡" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

እቲ ዞባ "ብመራኽብ ሩስያን ቻይናን ዝተሸፈነ'ዩ፡" ኢሉ።

እታ ኣካል ንግስነት ዴንማርክ ዝዀነት ሰፋሕ ደሴት ኣርክቲክ፡ ካብ ኣመሪካ ብግምት 3,200 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።

ብብርቂ መሬታዊ ማዕድናት ዝሃብተመት ኰይና፡ ንፍርያት ስማርት ተሌፎናት፡ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርትን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ወሳኒ ዝዀኑ መዓድናት ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ቻይና ክቡራት መዓድናት ብምፍራይ ንኣመሪካ ትበልጻ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ግሪንላንድ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ናብቲ ኣገዳስነቱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓንኬል ኣርክቲክ ንምብጻሕ እተኽእል ስትራተጂያዊ ቦታ እያ።

ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት በረድ ዋልታት ምድሪ እናመኸኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሓደስቲ መስመራት መራኽብ ክኽፈቱ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

ቀዳማይ ምኒስተር ግሪንላንድ ኬንስ ፍረደሪክ ኒልሰን፡ ንትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣመሪካ ነታ ደሴት ንምቍጽጻር ተርእዮ ዘላ ድልየት "ሕልማዊ" እዩ ኢሉ።

"ድሕሪ ሕጂ ተወሳኺ ጸቕጢ ኣይንደልን፣ ምምስሳል ኣየድልን፣ ድሕሪ ደጊም ምጕባጥ ኣየድልን፣ ንምዝርራብ ቅሩባት ኢና። እዚ ግን ብግቡእ መገድታትን ኣኽብሮት ኣህጉራዊ ሕጊን ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ።

ኮሎምብያ

ድሕሪ እቲ ኣብ ቬንዝወላ ዝተኻየደ ስርሒት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጥራይ፡ ትራምፕ ንፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ "መቐመጫኻ ሓሉ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ምዕራብ ጐረቤት ቬንዝወላ ዝዀነት ኮሎምብያ ብርክት ዝበለ ዕቝር ነዳዲ ዘለዋ ኰይና፡ ቀንዲ ኣፍራዪት ወርቂ፡ ብሩር፡ ኤመራልድ፡ ፕላቲኒየምን ከሰልን እያ።

ብተወሳኺ ቀንዲ ማእከል ንግዲ ዕጸፋርስ ናይቲ ዞባ'ያ - ብፍላይ ኮኬይን።

ኣመሪካ ኣብ መስከረም ኣብ ካሪብያንን ምብራቓዊ ፓስፊክን ጀላቡ ክትሃርም ካብ እትጅምር ንደሓር - ብዘይ መርትዖ ሓሽሽ ጽዒነን ዝተባህላ - ትራምፕ ምስ ጸጋማዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ውጥጥ ተጸሚዱ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ፔትሮ እገዳ ኣንቢራ ነይራ፤ እዚ ድማ ሓደገኛ ካርተላት "ክዕምብቡ" ይፈቅድ ኣሎ ብዝብል ክሲ እዩ።

ትራምፕ ብሰንበት ኣብ መርከብ ኤየር ፎርስ ዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኮሎምብያ "ብኮኬይን ምፍራይን ናብ ኣመሪካ ምሻጥን ብዝፈቱ ሕሙም ሰብ ትመሓደር ኣላ፡" ኢሉ።

"እዚ ንነዊሕ ግዜ ኣይክገብሮን'ዩ፡" ክብል'ውን ኣጠንቂቝ።

ኣመሪካ ንኮሎምብያ ዒላማ ዝገበረ ስርሒት ክትፍጽም ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ትራምፕ "ንዓይ ደስ ይብለኒ፡" ክብል መሊሱ።

ብታሪኽ ኮሎምብያ ኣብ ኲናት ኣንጻር ዕጸፋርስ ዋሽንግተን ናይ ቀረባ መሓዛ ኰይና ጸኒሓ እያ፤ ኣዘዋወርቲ ዕጸፋርስ ንምሓዝ ድማ ዓመታዊ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ትረክብ።

ኢራን

ኣብዚ እዋን'ዚ ኢራን ዓብይ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣጋጢምዋ'ሎ።

ትራምፕ ድማ ኣብኡ ዘለዉ ሰበስልጣን ንሰልፈኛታት እንተቐቲሎም፡ "ከቢድ ጽፍዒት" ክገጥሞም'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

"ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሰባት ክቐትሉ እንተጀሚሮም፡ ካብ ኣመሪካ ከቢድ በትሪ ክወርዶም'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ፡" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኢራን ብክልሰ-ሓሳብ ካብቲ ኣብ "ዶክትሪን ዶንሮ" ዝተገልጸ ዓውድታት ወጻኢ እያ ትርከብ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ዓመት ንመሳለጥያታት ኒዩክለር ምውቃዑ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኒዩክሌር ኢራን ተወሳኺ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፈራሪሑ'ዩ።

እቶም መጥቃዕትታት እስራኤል ዓቕሚ ምምዕባል ኣጽዋር ኢራን ንምዕናው ዝዓለመ ሰፊሕ ተልእኾ ድሕሪ ምውሳዳ ዝተፈጸመ እዩ ነይሩ።

እዚ ድማ ኣብቲ ን12 መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት እስራኤልን ኢራንን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጐ ትራምፕን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁን ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኢራን ኣጀንዳ ምንባራ ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ እውን ነታንያሁ ኣብ 2026 ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ተኽእሎታት ከም ዘለዎ ጸብጺበን።

ሜክሲኮ

ትራምፕ ኣብ 2016፡ ኣመሪካ ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዘዋስና ዶብ ሓጹር ክንሃንጽ፡" ኢና ዝብል ጐስጓስ ሒዙ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ኣብ 2025 ናብ ስልጣን ኣብ ዝተመልሰሉ ናይ መጀመርታ መዓልቲ፡ ንወሽመጥ ሜክሲኮ "ወሽመጥ ኣመሪካ" ብዝብል ስም ክቕየር ፈጻሚ ትእዛዝ ፈሪሙ።

ንሱ ብተደጋጋሚ ሰበስልጣን ሜክሲኮ ዋሕዚ ዕጸፋርስ ወይ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ደው ንምባል እኹል ስራሕ ከም ዘይሰርሑ ይገልጽ።

ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ብሸነኽ ሜክሲኮ ሓደገኛ ዕጽ ብብዝሒ ይኣቱ ስለ ዘሎ፡ "ዝዀነ ነገር ክንገብር ግድን እዩ፡" ብምባል ኣብኡ ዘለው ካርተላት "ኣዝዮም ሓያላት፡" እዮም ኢሉ።

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክላውድያ ሸንባም፡ ኣመሪካ ኣብ መሬት ሜክሲኮ ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከም ዘይትወስድ ገሊጻ።

ኲባ

እታ ካብ ደቡብ ፍሎሪዳ 145 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ደሴታዊት ሃገር፡ ካብ መጀመርታ 1960ታት ጀሚራ ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣመሪካ እያ ትርከብ።

ምስታ ብኒኮላስ ማዱሮ ትመሓደር ዝነበረት ቬንዙዌላ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዋ።

ትራምፕ ብሰንበት ኣብኡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ከም ዘየድሊ ብምግላጽ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኲባ "ንምውዳቕ ቀረባ፡" ስለ ዝዀነት ኢሉ።

"ዝዀነ ስጕምቲ ምውሳድ ዘድልየና ኣይመስለንን" ኢሉ።

"ክትወድቕ ዝቐረበት ትመስል።"

"ካብዚ ንላዕሊ ክጻወሩ ዝኽእሉ ኣይመስልንን። ግን ድማ ሕጂ ኲባ እቶት የብላን። ኵሉ ኣታዊኦም፡ ካብ ቬነዝወላ እዩ፤ ካብ ነዳዲ ቬነዝወላ፡" ብምባል ኣብ ልዕሊ ቬነዝወላ ዝወረደ መዓት ኣብ ሃቫና'ውን ከምዘይተርፍ ኣአንፊቱ።

ወዲ ኲባውያን ስደተኛታት ዝዀነ ጸሓፊ ጕዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ምምሕዳር ኲባ ለውጢ ንኽግበር ክጕስጕስ ከም ዝጸንሐ ብቐዳም ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

"ኣብ ሃቫና እንተዝነብርን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ እንተዝኸውንን ነይረ፡ ከተሓሳስበኒ ይግባእ - ብውሑዱ። እቲ ፕረዚደንት [ትራምፕ] ክዛረብ እንከሎ፡ ናይ እማን እዩ ኢልኩም ውሰዱዎ፡" ኢሉ።